ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 21 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 28 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 6 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 2/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

14 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 113

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ነቲ ቓል ብህጹጽ ስበኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 170 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ናይ ስብከት ንጥፈታትና ብኸመይ ክንውስኽ ከም እንኽእል ገለ ተግባራዊ ሓሳባት ሃብ።

20 ደቒቕ:- “ናይ ምርዳእ ክእለትና ብኸመይ ከም እነማዕብል።” ዝርርብን መርኣያታትን። ኣብ ኣገልግሎትና ንኻልኦት ናይ ምርዳእ ክእለት ስለምንታይ ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝዀነን ብኸመይ ከነጥርዮ ከም እንኽእልን ግለጽ። ክልተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 3 ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተዋሂቡ ዘሎ ነጥብታት ገይሮም ንኣገልግሎት ብኸመይ ክዳለዉ ከም ዘለዎም ይመያየጡሉ: ድሕሪኡ ኣቀራርባ ብመርኣያ የቕርቡ። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ጽሑፍ ክንህቦም ወይ ከይንህቦም ንምውሳን ናይ ምርዳእ ክእለትና ክንጥቀመሉ ከም ዘድልየና ዘርኢ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጥም ኵነታት ግለጽ።

መዝሙር 182ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ናይ 15 መስከረም 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15 ቍጽሪ 18-19 ዘሎ ሓሳባት እውን ወሲኽካ ኣቕርብ። ንኣሓት ስለቲ ብፍቓደን ዝገብርኦ ደገፍ: ንኻልኦት ዝህባኦ ጠቓሚ ኣገልግሎት: ከምኡውን ስለቲ ቅንኢ ዝመልኦ ናይ ስብከት ዕዮአን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኣደን።

20 ደቒቕ:- “ኣብ እምነት ጽኑዓት ክንከውን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧” ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብ ጽንኩር ግዜ ንነብር ስለ ዘሎና ኵላትና ብገለ መገዲ ሓገዝ ንደሊ ኢና። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቶም በዚ ሕልናኻ ዘዕርብ ጸገማት ዝጸበቦም ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ግለጽ። (ነታ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 21-3 ዘላ “ዝሃንጽ ጕስነት” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።) መንፈሳውነትና ብዘደልድል መገዲ ንሓድሕድና ብኸመይ ክንተባባዕ ከም እንኽእል ግለጽ።​—⁠ሮሜ 1:⁠11, 12

መዝሙር 82ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 46

17 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኵሎም ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቲ ብትራክት ገይርካ ዝርርብ ንምጅማር ዝጠቅም ኣብ ገጽ 4 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝርከብ “ኣርባዕተ ቀለልቲ መገድታት” ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። እታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ዘርእስታ ትራክት ንመጽሓፍ ፍልጠት ንኸነላሊ ብኸመይ ክንጥቀመላ ከም እንኽእል ብመርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኣብ መእተዊ ሕጡብ ጽሑፍ ናይዛ ትራክት ዝርከብ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራብ ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዝርከብ ቀዳማይ ሕጡብ ጽሑፍ ከምኡውን መዝሙር 37:⁠29 ኣንብብ። ተገዳስነት እንተ ርኢኻ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 5 ገንጺልካ ነታ ሳጹን ኣንብባ እሞ ጽንዓት ክገብር ዓድሞ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኵሎም ኣስፋሕቲ ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅምር ፍሉይ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም።

10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።

18 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ኣጸቢቕካ ተረዲእካ ምስባኽ።” ኣብቲ ኣብ ቍጽሪ 1ን 2ን ተጠቒሱን ቍጽሩ ጥራይ ተሓቢሩን ዘሎ ጥቕስታት ተሞርኲስካ ክልተ ወይ ሰለስተ ደቒቕ ዝወስድ ምዉቕ መእተዊ ኣቕርብ። ድሕርዚ ካብ ቍጽሪ 3-12 ብሕቶን መልስን ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ።

መዝሙር 61ን መዕጸዊ ጸሎትን

6 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 116

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ንግራት ኣገልግሎት ዝምልከት ተመክሮታት ከም ዘዘንትዉ ግበር።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

10 ደቒቕ:- “ብኸመይ ከም እትሰምዕ ጥንቃቐ ግበር።” ሓደ ርእሲ ስድራቤት ምስ ሰበይቱን ደቁን ኰይኑ ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ንኽጥቀሙ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ይመያየጠሉ። ኵሎም ኣባላት ስድራቤቱ ዝያዳ ከተኵሩ ዘለዎም ኰይኑ ከም ዝስምዖ ይገልጽ። ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባት ይመያየጡሉ: ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ድማ ይዘራረቡሉ፣ ድሕሪ ኣኼባ ምውዳኡ ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ነገራት ዝያዳ ምይይጥ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እውን ይዘራረቡሉ። ብእተኻእለ መጠን ምስቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣኼባ ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ ዓቢ ኣኼባ ኰነ ኣሰምብሊ ንኸይበዅሩ ዘውጽእዎ ውሳነ ብኸመይ ከም ዝሕልውዎ ይዘራረቡ።

20 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ኣጸቢቕካ ተረዲእካ ምስባኽ።” ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 12 ቍጽርታት ናይታ እታው እተገብረ ምይይጥ ኣሕጽር ኣቢልካ ድግማ ምስ ገበርካ: ካብ ቍጽሪ 13-24 ብሕቶን መልስን ተመያየጠሉ። ነቲ እተጠቐሰን ቍጽሩ ጥራይ ተሓቢሩ ዘሎን ጥቕስታት ብግቡእ ተጠቐመሉ።

መዝሙር 186ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ