ናይ ምርዳእ ክእለትና ብኸመይ ከም እነማዕብል
1 እታ ኣብዚ “ምርዳእ” ተባሂላ ዘላ “ሪዝን ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል “ናይ ካልእ ሰብ ተግባር ወይ ኣረኣእያ ንኽትጸሉ ኢልካ ምዝራብ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ኣብ ኣገልግሎት ዘለካ ኣሳልጦ ምእንቲ ከተመሓይሽ ነቶም እትረኽቦም ሰባት ንኸተረድእ ክእለትካ ከተማዕብሎ ኣሎካ። (ግብ. 17:2-4) ነዚ ክእለት እዚ ግን ብኸመይ ከተማዕብሎ ምኸኣልካ፧
2 ካብ ምስትንታን ኢዩ ዝጅምር:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ እተጽንዓሉ እዋን ኣብቲ ትምህርቲ ምስትንታን ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ገለ ነጥብታት ክብድ ዝበለ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ግዜ ወሲድካ ምርምር ግበር: ብዛዕባ እቲ መልስታት ድማ ኣስተንትን። ነቲ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ጥቕሳዊ መርትዖ እውን ክትርድኦ ፈትን።
3 ንኣገልግሎት ምድላው እውን የድሊ ኢዩ:- ንእተፈላለዩ ዓይነት ሰባት: ሓቂ ብኸመይ ከም እትገልጸሎም ሕሰብ። ተገዳስነት ምእንቲ ከተለዓዕል ዘመራምር ሕቶ ኣዳሉ። ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ ብኸመይ ከም እተተሓሕዞን ንዕኡ ብኸመይ ከም እተረድኦምን ተዳሎ። ብዛዕባ ክቐርብ ዝኽእል ዝብድህ ሓሳባትን ንዕኡ ብኸመይ ከም እትመያየጠሉን ሕሰብ። ካብቲ ዝዕደል ጽሑፍ ተግባራዊ ዝዀነ ነጥቢ ፈሊኻ ኣውጽእ።
4 ናይ የሱስ ኣብነት ሰዓብ:- የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ንሰባት ብምርዳእ ዝመጸ ዝበለጸ ኣብነት ሓዲጉልና ኢዩ። ኣብ ሉቃስ 10:25-37 ዝርከብ ጸብጻብ ብምምርማር ብኸመይ ይምህር ከም ዝነበረ ተዓዘብ። ነዚ ዝስዕብ ናይ ኣረዳድኣ ሜላ ኣስተብህለሉ:- (1) ንሰባት ሕቶታቶም ክትምልሰሎም ከሎኻ ኣቓልቦኦም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝኸውን ግበር። (2) ሓሳባቶም ክገልጹ ዓድሞም: ምስትውዓል ዝመልኦ ሓሳባት እንተድኣ ሂቦም ድማ ንኣዶም። (3) ነቲ ኣብ መንጎ እታ ሕቶን ቅዱሳት ጽሑፋትን ዘሎ ምትሕሓዝ ከም ዝትኰረሉ ግበር። (4) እቲ ሓቀኛ ትርጕም ናይቲ መልሲ ከም እተረድኦም ርግጸኛ ምእንቲ ክትከውን ልቢ ዝትንክፍ ምሳሌ ተጠቐም።—ናይ 1 መጋቢት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-8 ቍጽሪ 8-10 ርአ።
5 ነቲ እተዳለወልና መሳርሒ ተጠቐመሉ:- እታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትሕግዝ ተባሂላ ኢያ ተሓቲማ። እቲ ኣብኣ ዘሎ መእተዊታት: ኰለፍቲ ዘረባ ንዝዀኑ ሰባት ዝኸውን መልስታት: ከምኡውን እቲ መረድኢ ነጥብታት ንሰባት ናይ ምርዳእ ክእለትና ንኸነማዕብል ይሕግዘና ኢዩ። መጽሓፍ ምምርማር ኵሉ ሳዕ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ከሎና ካባና ክንፈልያ ዘይብልና ጠቓሚት መሳርሒት ኢያ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክንገብር ከሎና ድማ ንኽንጥቀመላ ድሕር ክንብል የብልናን። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝበለጸ መገዲ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ንምርኣይ ኣብ ገጽ 7-8 ኣንብብ።
6 ናይ ምርዳእ ክእለትካ እንተድኣ ኣማዕቢልካ እቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ክእለትካ ክዓቢ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንዓኻን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባትን ዓቢ በረኸት ከምጽእ ኢዩ።