ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/97 ገጽ 1
  • ዘይምህላውካ ንኻልኦት ይትንክፎም ኢዩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይምህላውካ ንኻልኦት ይትንክፎም ኢዩ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 12/97 ገጽ 1

ዘይምህላውካ ንኻልኦት ይትንክፎም ኢዩ!

1 ‘ምብኳረይ ዝዝክሮ ሰብ የለን: አረ ዘይምህላወይውን ኣየስተብህሉን ኢዮም’ ዝብል ስምዒት ብምሕዳር ስሕት ኢልና ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ነብኵር ንኸውን። እዚ ስምዒት እዚ ምሕዳር ግን ቅኑዕ ኣይኰነን! ልክዕ ከም ዝዀነ ክፍሊ ኣካላትና: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዕዮ እታ ጉባኤ ኣገዳሲ ግደ ንፍጽም ኢና። (1 ቈረ. 12:⁠12) ካብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ምስ እንተርፍ: መንፈሳዊ ድሕንነት ናይቶም ኣብኡ ዝእከቡ ሰባት ክትንከፍ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣኼባ እንተድኣ ዘየሊኻ: ካልኦት ከም ዝትንከፉ ርግጸኛ ዅን!

2 ንስኻ እትፍጽሞ ኣገዳሲ ግደ:⁠- ጳውሎስ ምስ ኣሕዋቱ ክሓብር ብሂጉ ኢዩ። ነቲ ምኽንያት ድማ ሮሜ 1:⁠11, 12 ከምዚ ብምባል ትገልጾ:⁠- “ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም: . . . ማለት: በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: ኣባኹምን ምሳኹምን:—ምእንቲ [ኽንጸናናዕ ኢዩ]።” ብተመሳሳሊ: በቲ እንህቦ ሓሳባት: በቲ ኣብ ኣኼባታት ዘሎና ክፍልታት: ከምኡውን ብኣካል ብምህላውና ኣብቲ ናይ እምነት ጕዕዞ ንምቕጻል ንሓድሕድና ንምትህንናጽ ብዙሕ ኢና እንፍጽም።​—⁠1 ተሰ. 5:⁠11

3 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኻልኦት ኣሕዋት ክትርእዮም ኣይትብህግንዶ ኢኻ፧ ነቲ ዝህብዎ ሓሳባት ጽን ኢልካ ትሰምዖ: ነቲ ናይ እምነቶም መግለጺታት ድማ ተማስወሉ ኢኻ። እቲ መንፈሳዊ ውህበታቶም ድማ ንምጽናዕ ይሕግዘካ ኢዩ። ኣብቲ ኣኼባ እንተ ዘይመጹ ነይሮም: ምጸመወካ ነይሩ። ንስኻውን ካብ ኣኼባ ክትበኵር ከሎኻ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም።

4 ኣኼባታት ዝፍጽሞ ኣገዳሲ ግደ:⁠- ሓደ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ኣኼባታት ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ክሳዕ ክንደይ ኣድለይቲ ምዃኖም ብምግላጽ ከምዚ ኢሉ ነበረ:⁠- “እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብዛ ብጽልኢ እተኸፋፈለት: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊት ዓለም ናይ ሓቂ መንፈሳዊት መጽለሊ: . . . ሰላምን ፍቕርን ዘለዋ መዕቈቢት ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ተኻፈል።” (w93 15/8 ገጽ 11 [እንግሊዝኛ]) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ምስቶም ብመንፈስ ዘማስኑና ኵነታት ንጋጠም ኢና። እንተድኣ ዘይተጠንቂቕና: ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ምርኣይ ክሳዕ እንስእን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሻቕሎት ኣዚና ክንጥሕል ንኽእል ኢና። ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምእንቲ ክንሓብርን ቀናኣት ኴንና ኽንቅጽልን ካብ ንሓድሕድና ምትብባዕ ንጽበ ኢና።​—⁠እብ. 10:⁠24, 25

5 ኣብ ኣኼባታት ምክፋልና ብሓቂ ኣገዳሲ ኢዩ። ሕማም ወይ ትጽቢት ዘይተገብሮ ነገር ሓድሓደ ግዜ የብኵረና ይኸውን። እንተ ዘይኰይኑ ግን: ምስቶም ኣብ ማሕበራት ንየሆዋ ዘመስግንዎ ሰባት ኵሉ ግዜ ክንሓብር ንወስን!​—⁠መዝ. 26:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ