ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንታሕሳስ
1 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 57
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ኵሉ መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 4 ምስ ወዳእካ: ካብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ ) ኣብ ገጽ 16 ካብ ቍጽሪ 14-16 ዘሎ ሓሳባት ወስኽ።
20 ደቒቕ:- ነቲ ኣብቲ ወርሒ እቲ ዝዕደል ጽሑፍ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣቕርቦ። ኣብ ናይ ታሕሳስ 1994 ገጽ 6 ወይ ድማ ኣብ ናይ ሰነ 1993 ገጽ 1 ከምኡውን 4 (እንግሊዝኛ) ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርኰሰ ዝርርብ። ሓንቲ መርኣያ ብምድላው ንኣቀራርባን ንተመላሊስካ ምብጻሕን ዝምልከት ተግባራዊ ሓሳባት ሃብ።
መዝሙር 165ን መዕጸዊ ጸሎትን
8 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 58
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
20 ደቒቕ:- “ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧” ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-30 እተመርኰሰ ብሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- “ዘይምህላውካ ንኻልኦት ይትንክፎም ኢዩ!” ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ። ቍጽሪ ገምጋም ተኣከብቲ ነታ ጉባኤ ጥቐሰላ። ኣብ ኣኼባታት ብሓንሳብ ምሕባሮም ብኸመይ ከም ዝተባብዑ ምኽንያታት ክገልጹ ኸኣ ንገለ ዓድሞም።
መዝሙር 172ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 63
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ በዓል ዝዝውተር ሰላምታታት ብኸመይ ብሜላ ከም እንምልሰሉ ሓሳባት ሃብ።
12 ደቒቕ:- ነቲ ኣብ ጥሪ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶ ሳጹን ኣቕርብ። ንሒደት መዓልትታት ምስ ዝገሹ እውን ከይተረፈ እሙናት ኰይኖም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ብምሃብ ምስታ ጉባኤ ክተሓባበሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
25 ደቒቕ:- “ሰበኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ መምህራን ክንከውን ይግብኣና።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 11 ምስ በጻሕካ: ካብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) መጽናዕቲ 15 ቍጽሪ 11 ኣንብብ።
መዝሙር 174ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 138
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” እውን ሸፍኖ።
10 ደቒቕ:- “ናይ 1998 ቲኦክራሲያዊ ኣገልገሎት ቤት ትምህርቲ።” በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝዋሃብ ዝርርብ። ኵሎም ካብቲ ናይ ዝቕጽል ዓመት ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ መገድታት ግለጽ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ምስቲ ሓድሽ “ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ክስጕሙ ኣተባብዓዮም።
20 ደቒቕ:- ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ነቲ ብስራት ስበኽ። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ብምጥቃም: ካብታ ኣገልግሎትና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 92-7 እተመርኰሰ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። (1) ኣብ ምስፋሕ እቲ ብስራት ጽሑፋትና ምጥቃም አስላጢ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ጽሑፍ ክንዕድል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (2) ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምግባር መስተብሃልቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዝሕግዝ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ (ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ክነግሩ ንገለ ኣስፋሕቲ ዓድሞም።) (3) ሓንቲ ጉባኤ ነቲ እተዋህባ ዞባ ጽቡቕ ገይራ ንኽትሽፍን ክትጽዕር ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ዞባ ሰፊሕ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ: ብሕታዊ ዞባ ምህላው እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (4) ካብቲ ናይ ጕጅለ ምስክርነት ምድላዋት እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧ ንግዜና ብግቡእ ንጥቀመሉ ከም ዘሎና ንምርግጋጽ ናይ ምስክርነት ንጥፈታትና መደብ ከነውጽእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
መዝሙር 222ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 181
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ነቲ “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” ተንትኖ። ጉባኤኹም ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ኣኼባ ሰዓታት ክትልውጥ እንተድኣ ዀይና: ነዚ ሓድሽ ናይ ጉባኤኹም ሰዓታት ብምኽባር ኵሎም ስርዓታውያን ተኣከብቲ ክዀኑ ብምምሕጻን ሕያውነት ዘለዎ ምትብባዕ ሃብ።
12 ደቒቕ:- ነቲ ኣብ ጥሪ ዝዕደል ጽሑፍ ተዘራረበሉ። እታ ጉባኤ ዘለዋ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ግለጽ: ኣብ ምድላው ኣቀራርባታት ሓገዝቲ ዝዀኑ ኣገድስቲ ናይ መዘራረቢ ነጥብታት ድማ ጥቐስ። ሓንቲ መርኣያ ወስኽ። በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርና ጽንዓታት ክንጅምር ጻዕርታትና ኽንቅጽሎ ኣሎና።
25 ደቒቕ:- ነቲ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብድግማ መልክዕ ኣቕርቦ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ እተዋህበ ዝርርብ ሰለስተ ሽማግለታት ክሽፍንዎ ይኽእሉ ኢዮም።
መዝሙር 215ን መዕጸዊ ጸሎትን