ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/97 ገጽ 1
  • ኵሉ መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵሉ መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ንኣቦና የሆዋ ኣጸቢቕና ነፍቅሮ ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ዘለዓዕል ዕድመ የቃልሕ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 12/97 ገጽ 1

ኵሉ መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ

1 ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ስለ ዝዛረብ: ሰባት ኣብ ልቦም ዝሓዝዎ ዝዀነ ይኹን ሰናይ ነገራት ክዛረቡ ባህ ኢዩ ዝብሎም። (ሉቃ. 6:⁠45ሀ) ኣብ ልብና ክንዛረበሉ እንደሊ ነገር እንታይ ኣሎ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “መልሓሰይ . . . ጽድቅኻ: ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።” (መዝ. 35:⁠28) ንየሆዋ ዓሚቝ ሞሳ ነይርዎ ኢዩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብን ንዕኡ ምውዳስን ከም ክቡር መሰል ገይሩ ርእይዎ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ሌላ ስለ ዝነበሮ: ዘሐጕስ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ነይርዎ ኢዩ። (መዝ. 35:⁠9) ነቲ ጽቡቕ ኣብነቱ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ኣብ ገዛኻ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ:⁠- ስድራቤት ከተዕልል ከላ ንየሆዋ ኵሉ ግዜ ክትጠቕሶ ኣለዋ። ንየሆዋ ጽኑዕ ፍቕሪ ዘለዎም ወለዲ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቶም ብዛዕብኡ ይዛረቡ ኢዮም። (ዘዳ. 6:⁠5⁠-​7) ወለዲ ከምኡ ምስ ዝገብሩ: ብእምነት ከም ዝነብሩን ንሕጊ ኣምላኽ ኣኽቢሮም ከም ዝርእይዎን እቶም ውሉዳት ክዕዘቡ ኢዮም። ድሕርዚ እቶም ውሉዳት እቲ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ወለዶም ናይ ሓቂ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ከም ዘለዎም ዘርኢ መግለጺ ከም ዝዀነ ክርእዩ ኢዮም።​—⁠2 ጴጥ. 3:⁠11

3 ምስ ኣሓዋትካ ብዛዕባ የሆዋ ተዛረብ:⁠- ኣብ እዋን ሰሙናዊ ቲኦክራሲያዊ መደባትና: ብመንፈሳዊ መግቢ ገይርና ኣእምሮናን ኣልባብናን ንምምጋብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ንመዛረቢ ዝኸውን ሰናይ ነገራት እውን ፈጺምና ኣይንስእንን ኢና። (ሉቃ. 6:⁠45ለ) ካብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ወይ ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብካዮ ብፍላይ እተሓጐስካሉ ነጥቢዶ ኣሎ፧ ንኣሓዋትካ ኣካፍሎም: ብእኡ ኣቢልካ ድማ እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ንኽውስኽሉ ክትሕግዞም ኢኻ።​—⁠መዝ. 35:⁠18፣ እብ. 10:⁠24

4 ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ተዛረቦም:⁠- ምስቶም ኣብ ስራሕ ከምኡውን ኣብ ቤት ትምህርቲ እንረኽቦም ሰባትን ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤትን ኣብ እንገብሮ መዓልታዊ ርክባትና ኣብ ህይወትና እቲ ቐንዲ ዘገድሰና ብዛዕባ የሆዋ ምስክርነት ምሃብ ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ክንዲ በቲ ናይ ዓለም ጽዩፍን ስድን ቃላት እንብከል: ኣዘራርባና ንኣምላኽ ዝውድስ ክኸውን ኣሎዎ። ነቲ ኣምላኽ ክንሰብኮ ዝኣዘዘና ብስራት ድማ መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ንገሮም።​—⁠ግብ. 5:⁠42፣ ቈሎ. 4:⁠6

5 ከም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን: ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽና: የሆዋ: ንምዝራብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት መዓልቲ⁠-​መዓልቲ እንጥቀመሉ ይግበረና።​—⁠መዝ. 106:⁠47

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ