ናይ መጽሔት ኣቀራርባታት ብኸመይ ከም እተዳሉ
1 ንሓደ ሰብ: ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዘሎ ሽግራት ብኸመይ ብዓወት ክጋጠም ከም ዝኽእል ከተርእዮ ምስ እትደሊ: ነየናይ ጽሑፍ ኢኻ ከም ምንጪ እትጥቀም፧ ካብ ፖለቲካዊ ነገራት ገለልተኛ ኴንካ: ሓደ ዓሌት ካብቲ ኻልእ ዓሌት ኣብሊጽካ ከይረኣኻ ብድሕሪ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ፍጻመታት መን ከም ዘሎ ናይ ሓቂ ትርጕም ክትህብ ምስ እትደሊ: ናበይ ኢኻ እትጥምት፧ ንሓደ ሰብ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ክፍጽም ከሎ ንቑሕ ኰይኑ ንኽከታተል ክትሕግዞ ምስ እትደሊ: እንታይ ሓበሬታ ኢኻ ብተኣማንነት ክትህብ እትኽእል፧ ኣብቲ ሕጂ ነጊሱ ዘሎ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ: እምነት ንምሕዳር ዘተባብዕ ከምኡውን ንየሆዋ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ክብ ዘብል ሓገዝ ንምሃብ ምስ እትደሊ: ክትረኽቦ እትኽእል ዝበለጸ ጽሑፍ ኣየናይ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ዅሉ ሕቶታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! (እንግሊዝኛ ) ኢዩ።
2 ብሓቂ ኣብዞም ክልተ መጽሔታት እዚኣቶም እቲ ደቅሰብ ኣብዚ እዋን እዚ ከንብብዎ ዝደልዩ ትሕዝቶ ይርከብ ኢዩ። ነዚ መጽሔታት እዚ እምንቶ ብምሕዳር: ብውዕዉዕ ስምዒት: ከምኡውን ብቕንኢ ዲና እንዕድሎ ዘሎና፧ ንግዜና ብግቡእ ምእንቲ ክንጥቀመሉ ኣጸቢቕናዶ ንዳሎ ኢና፧ ነቀራርባና ከነማሓይሽ ንኽእል ዲና፧
3 ኣቐዲምካ ምድላው:- ምስ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኡንብኡ ክንላለየሉ እንኽእል ሓደ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ “ኣብዚ ሕታም እዚ” ዝብል ክፍሊ ምንባብ ኢዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነዚ ብምንባብ ጥራይ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝዛረቡ ሓሳባት ይረኽቡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዚ መጀመሪ ጥራይ ኢዩ።
4 ድሕርዚ ንነፍሲ ወከፍ ገጽ ናይቲ ሕታም ርአ: ናይቲ ዓንቀጻት ኣርእስትን ንኡስ ኣርእስትን ኣንብብ። ርግእ ኢልካ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ መን ከም ዝግደስ ሕሰብ። ብድሕሪኡ ንመዛራቢ ዝዀኑ ነጥብታት እናጸሓፍካ: በብዓንቀጽ ገይርካ ነታ መጽሔት ኣንብባ። ሓድሓደ እዋን ኣገደስቲ ነጥብታት ኣብቲ ዓንቀጻት ብሰያፍ ወይ ድማ ብፍርይ ዝበለ መልክዕ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ኢኻ። ነቲ መጽሔታት ንሰባት ከተርእዮም ከሎኻ ነዚ ጥቐስ።
5 ንነፍሲ ወከፍ መጽሔት ከተንብብ ከሎኻ: ኣብቲ ዞባ ንዘለዉ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዝሰማማዕ ዓንቀጻት ኣየናይ ምዃኑ ወስን። ገለ ዓንቀጻት ኣብቲ ሕብረተሰብ ንዘለዉ እተወሰኑ ሰባት ዝሰማማዕ ኢዩ። ብዛዕባ ንጽል ወለዲ: ምስዳድ ጥንሲ: ኑክሌራዊ ውግእ: ቈልዓ ምዕማጽ: ሓደጋታት: ከምኡውን ካልእ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝሓዘ ዓንቀጻት ይወጽእ ኢዩ። ስለዚ እምብኣር: ነቲ ተጻሒፉ ዝወጸ እተፈላለየ ዓንቀጻት ከነንብብ ከሎና: ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ነጥብታት ንድለ: ንጽሓፎ ድማ።
6 ኣብ ግራት ኣገልግሎት:- ናብ ግራት ኣገልግሎት እንተ ዘይወጺእና: ኵሉ እቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ምድላው: ነቶም ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጹ ሓበሬታታት ዘድልዮም ሰባት ክሕግዞም ኣይክእልን ኢዩ። ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ብሓቂ ነማስወሎም እንተድኣ ኴንና: ኣብቲ ናይ መጽሔት ንጥፈት ዝግበረሉ መዓልቲ ስርዓታውያን ኴንና ንምክፋል ግዜ ክንምድብ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ንምድጋፍ ፍሉይ ጻዕሪ ግበሩ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ መጽሔት ኣብ ምዝርጋሕ ዝያዳ ኣበርክቶ ንምግባር ሸቶኻ ግበሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም እንታይ ከም ዘሎ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንኽትዕድሎም ኣይትወላወል። ነቲ ቃል ሓቂ ብዝግባእ ንምሓዝ ዝከኣለካ ዅሉ ምእንቲ ክትገብር ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ።—2 ጢሞ. 2:15