ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክቕጽል ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ወይ ድማ መንበሪ ንዘለዉ ሰብ ቤት ነታ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሒዘን ብምብጻሕ ንዞብአን ዝወድኣ ጉባኤታት መጽሓፍ ፍልጠት ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ)፣ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት (እንግሊዝኛ)።
◼ እቲ ፍሉይ ወፈራ 16 ሕዳር ምስ ተወድአ: እተን ገና ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ተረፍ ዘለወን ጉባኤታት: ልክዕ ከምቲ ንትራክት እንዕድሎ ገይሮም ክዕድልዎ ነቶም ኣስፋሕቲ ከተባብዓኦም ይኽእላ ኢየን: ነዚ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ይኹን ወይ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ጥበባዊ እንተድኣ ኰይኑ እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ኣባይቲ ናይቶም ኣብ ገዛ ዘይረኸብዎም ሰባት ሓንቲ ቅዳሕ ክገድፉ ይኽእሉ ኢዮም: እዚ ግን ሓለፍቲ መገዲ ኣብ ዘይርእይዎ ቦታ ክኸውን ኣለዎ። ኵሉ ተረፍ ቅዳሓት ናይዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዚ ንምዝርጋሕ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ።
◼ ጉባኤታት ምስቲ ናይ ሕዳር መሕተቲ ጽሑፋት ቅጥዒ ገይረን ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእዛዝ ክጅምራ ኣለወን።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓድሽ ቪድዮ ካሴት:-
ኖዋህ —ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ —እንግሊዝኛ
◼ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት 1998 ኣብ ዝግበር ናይ ኣገልግሎት ወፈራ ግዝያዊ ፍሉያት ፓይነራት ክትኰኑ እትደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት በቶም ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣቢልኩም ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኮሚተ ድማ ነቲ እተሰማምዓሉ ደብዳበታት ክሳዕ 31 ታሕሳስ 1997 ኣብ ዘሎ እዋን ክልእከልና ንሓትት።