እንታይ ኢየ ክብል፧
ኣብ ኣገልግሎት ኣወንታዊ መልሲ ዘርእዩ ሰባት ምስ እንረክብ: ዝያዳ ክንምስክረሎም ኢልና ክንምለስ ንብህግ ኢና። ይኹን እምበር: ቀጺልና ብዛዕባ እንታይ ከም እንዘራረብ ንጠራጠር ንኸውን። እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:- ደስ ዘብል ሕቶ ሕተት: ድሕርዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ንምሃብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምምርማር ተጠቐም። ኣብ ሓደ እተወሰነ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረክብ ኰይኑ እተሰመዓካ ነጥቢ ክትመርጸሉ እትኽእል ናይ ሕቶታት ዝርዝር ክህልወካ ዝበለጸ ኢዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ካብ መጽሓፍ ምምርማር እተወስደ ዝርዝር: እቲ መልሲ ክርከበሉ ዝኽእል ገጽ ዝሓዘ ኢዩ:-
◼ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ (98)
◼ ኣብ ኣምላኽ ከም እንኣምን ዝገብረና ቅቡል ምኽንያታት ኣሎዶ፧ (145)
◼ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንዓና ደቅሰብ ዝወርደና ዘሎ ብሓቂ ይግደስ ድዩ፧ (147)
◼ ሓደ ሰብ ዘሐጕስ መጻኢ ምእንቲ ክህልዎ ግድን ንሰማይ ክኸይድ ኣለዎዶ ኢዩ፧ (163)
◼ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምፍላጥን ምጥቃምን ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (196)
◼ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ ክትፍጽም፧ (227)
◼ ዕላማ ሰብኣዊ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ (243)
◼ ብዙሕ ሃይማኖታት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (322)
◼ ሓደ ሰብ ቅንዕቲ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧ (328)
◼ ሰይጣን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ኣካል ኢዩ፧ (364)
◼ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ (393)
◼ ኣዝዩ ብዙሕ እከይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (427)
ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝር ሕቶታት ብቐሊሉ ምእንቲ ክትረኽቦ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ወይ ድማ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ከተቐምጦ ትኽእል ኢኻ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ እትብሎ ውሱን ነጥቢ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ ንዅሉ እቲ እተራእየ ተገዳስነት ብቐጻሊ ንኽትከታተሎ ከተባብዓካ ኢዩ።