ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/95 ገጽ 8
  • ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩ ምድላይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩ ምድላይ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕላማ ዘሎዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣብታ ዜና መንግስቲ እተራእየ ተገዳስነት ተኸታተልዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 4/95 ገጽ 8

ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩ ምድላይ

1 “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን።” (ዮሃ. 6:​44) እቲ ልቢ ዝምርምር የሆዋ: ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩን በቲ እተማህርዎ ዝመላለሱን ዓስቦም ክህቦም ኢዩ። እዚኣቶም ቅኑዓት ሰባት ድኣምበር ነቲ እንገብሮ ምድላይ ዝርብሹ ኣኽረርቲ ሰባት ኣይኰኑን። (ኤር. 17:​10፣ ዮሃ. 6:​45) ነቶም ሓዳስ ዓለም ዝናፍቑ ትሑታት ኣብ ምድላይ መዓይይቲ ኣምላኽ ክንከውን መሰል ረኺብና ኢና።​—⁠መዝ. 37:​11፣ 1 ቈረ. 3:⁠9

2 እቲ በዓል ቤት “ኣብ ስላሴ ትኣምኑዶ ኢኹም?” ኢሉ ምስ ዝሓተካ: ንሓደ ክማሃር ዝደሊ ሰብ ከምዚ ኢልካ ክትምልሰሉ ትኽእል:-

◼ “ኣብ ሃገርና ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ስላሴ ይኣምኑ ኢዮም። ሎሚ ናይ መዛረብየይ ኣርእስቲ ስላሴ ኣይነበረን: ይኹን እምበር ካብ ሓተትካኒ ህድእ ኢልናን ምኽንያታውያን ኴንናን ክንዘራረብ እንኽእልዶ ይመስለካ? (መልሲ ተጸበ፣ እቲ በዓል ቤት እንተድኣ ተቖጢዑ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ክትቅጽል ኣይትፈትን። ብድሕሪኡ ጽቡቕ ትምኒትካ ገሊጽካ ከምኡውን ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ እታ የሱስ ክርስቶስ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣላ ገነት ዝኾነት ምድሪ ክትዝራረብ እትኽእል ምዃንካ ተስፋ ከም ዘሎካ ገሊጽካ ዝርርብካ ደምድሞ። ነታ ስላሴ [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] እትበሃል ብሮሹር ከተበርክተሉ ትኽእል ኢኻ።) የሱስን እቶም ቅዱሳት ሃዋርያት ዝኾኑ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ስላሴ ፈጺሞም ከም ዘይተዛረቡስ ትፈልጥዶ? ስለዚ ንሕና እቲ ንሳቶም ዝኣምንዎ ዝነበሩ ኢና እንኣምን።”

3 ገሊኦም ሰባት “ስለምንታይ ኢኹም ናብቶም ከማና ዝኣመሰሉ ድሮ ዝደሓኑ ሰባት (ወይ ድማ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም) እትመጹ?” ይብሉ።

◼ ሓደ ክማሃር ዝደሊ ሰብ ነዚ ብጽቡቕ ይምልሰሉ ይኸውን:- “ጥንቁቕ ምዃንካ ነኽብሮ ኢና። ኣብዚ ጉዳይ እዚ የሱስ እውን ባዕሉ ከምዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ዕዮ: ሰባት ምብጻሕ: ገይሩ ኢዩ ከምኡውን ንደቀ መዛሙርቱ ከምኡ ክገብሩ ከም ዝነገሮም ከም እትፈልጦ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ የሱስ ናይ ስብከት ትፈልጦዶ ኢኻ? (ሓጺር ዕረፍቲ) በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ሎሚ መጺእና ዘሎና። (ሉቃ. 8:​1፣ ዳን. 2:⁠44)”

◼ ካልእ ኣቀራርባ ከምዚ ክኸውን ይኽእል:- “ስለዚ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​12–14 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ከም ትሰማማዕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ዋላ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝቐረበ ሰብ እውን ይኹን ክጽመም ኣለዎ። አረ እዚ ናይ የሱስ ቃላት ነዚ ግዜና ከም ዘመልክትሲ ትፈልጥዶ ኢኻ? (ወይ ድማ:- ነቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ናይ ስብከት ዕዮ ክንነገር ንፍትን ምህላውናስ ትፈልጥዶ?)”

4 ናይ ብዙሓት ልሙድ መልሲ “ዝምህሩና ኣቕሽሽቲ ኣለዉና” ዝብል ኢዩ። ይኹን እምበር ናብቲ ሕያውነት ዘለዎ መልስና ዘለዎም ግብረ–መልሲ ክማሃሩ ዝደልዩ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ከርኢ ኢዩ።

◼ መልስኻ ከምዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:- “ሓሳባትና ዘይሰሓትካዮ ክትከውን ተስፋ ንገብር። ነቲ ናትና ትምህርቲ ክትሰምዕ ኣይኰናን እንሓተካ ዘሎና። ካብ ናይቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝዓበየ መምህር ማለት የሱስ ቁሩብ ቃላት ክነንብበልካ ኢና ደሊና። (ብድሕሪኡ ነቲ ንየሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጾ ብምንባብ ናብቲ ናይ ዝርርብካ ኣርእስቲ ቀጽል።)”

5 ገሊኦም ሰባት ብቕንዕና ቀልጢፎም ኣብ መስቀል ንኣምን ምዃንናን ዘይምዃንናን ሕቶ የልዕሉ ኢዮም።

◼ ንሓደ ክማሃር ዝደሊ ሰብ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ:- “ንብዙሓት ሰባት መስቀል ናይ ጐይታና የሱስ መስዋእታዊ ሞት መዘከርታ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና። እቲ መስዋእቱ ኣብ ሰማይ ንጉስና ክኸውን መገዲ ከም ዝኸፈተሉስ ትፈልጥዶ? (ብድሕሪኡ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ወይ ናይታ መንግስቲ በረኸታት ቀጽል።)”

(ናብ ገጽ 2 ይቕጽል)

ምድላይ . . . (ካብ ገጽ 8 ዝቐጸለ)

6 ድሕርቲ ፍሉይ ወፈራ ዜና ናይታ መንግስቲ ምጅማሩ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: በጃኻ ነቶም ዜና ናይታ መንግስቲ ዘይብሎም ሰብ ቤት ሓንቲ ቅዳሕ ግደፈሎም። ነቲ እተዓደለ ዜና ናይታ መንግስቲ ብተመላሊስካ ምብጻሕ ክትከታተል ከሎኻ እንታይ ከም እትብል ኣብቲ ናይ ወርሒ ግንቦት ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ክዝተየሉ ኢዩ።

7 ቃል ኣምላኽ ‘መስለጢ’ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣቀራርባና ክንጥቀመሉ ይግብኣና። (እብ. 4:​12) እቲ በዓል ቤት ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ከንብባ ከተተባብዖ ርግጸኛ ኩን። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:​11 ኣነጻጽሮ።) እቲ ዝግብኣና ብትግሃት እንተድኣ ገይርና: የሆዋ ንጻዕርና ክባርኾ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ