ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሕዳር
3 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 48
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ጉባኤ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳብ ሃብ።
15 ደቒቕ:- “ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክፉት ኢዩ።” ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ ብሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ። ንዅሎም እቶም ዝኽእሉ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ዝዓበየ ግደ ንኽህልዎም ክመጣጠሩ ኣተባብዓዮም። ካብቲ ናይ 15 ነሓሰ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22 ገለ ምኽሪ ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- “ኣብታ ዜና መንግስቲ እተራእየ ተገዳስነት ተኸታተልዎ።” ሕቶን መልስን። ኣብ ቍጽሪ 6 ምስ በጻሕካ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ሓደ ካብኡ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ከሎ ኣርኢ።
መዝሙር 144ን መዕጸዊ ጸሎትን
10 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 51
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። በቲ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ዘይተሸፈነ ዞባ ምስ ዝህሉ ነታ ጉባኤ ኣፍልጣ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን ናይዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ናይ መጽሔት ኣቀራርባታት ብኸመይ ከም እተዳሉ።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ።
20 ደቒቕ:- “ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ናይ መርዓ ብጾት ብጽሕዎም።” ብዛዕባ እቶም ዘይኣመንቲ ናይ መርዓ ብጾት ብብሕታዊ ደረጃ ዝያዳ ክፈልጡ ዝደልዩ ክልተ ሽማግለታት ዝገብርዎ ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 17-18 ቍጽሪ 6-9 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም። ካብቲ ናይ 1 ጥቅምቲ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-11 ቍጽሪ 11, 12 ዘሎ ተመክሮታት ወስኸሉ።
መዝሙር 148ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 53
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ን27 ሕዳር ዝኸውን ፍሉይ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደባት ኣውጽእ። ኣብ እዋን እቲ ኣብ ወፈራ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 እተረኽበ ናይቲ ከባቢ ተመክሮታት ንገር።
20 ደቒቕ:- ነዚ ፍሉይ ዝዀነ ኣጋጣሚ ተጠቐምሉ! ኣብቲ ናይ 15 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-3 እተመርኰሰ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- “እንታይ ኢየ ክብል፧” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። እታ መጽሓፍ ብእተፈላለዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ገይርና ኣስላጢ ምስክርነት ንምሃብ ክትሕግዝ ብኸመይ ከም እተዳለወት ብምግላጽ ነታ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምምርማር ኣብ ገጽ 8 ዘላ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ኣንብብ። ሓደ ወይ ድማ ክልተ ብግቡእ እተዳለወ መርኣያታት ገይርካ ኣብርሃዮ።
መዝሙር 151ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 56
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ። እተን ንኣባይተን ትምህርቲ መጽሓፍ ክግበረሉ ክፉት ዝገብራ ስድራቤታት ዘርእይኦ እንግዶት ነማስወሉ ኢና። እዚ ምድላዋት ምግባር ዝሓትት ከምኡውን ጸገማት ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክንካፈል ከሎና ጽቡቕ ጠባያት ከነንጸባርቕ: ከምኡውን ክብሪ ከነርእን ክንሓልን ይግብኣና: ነዚ ድማ እዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ኢዩ:- (1) ነቲ ምድሪ ቤት ወይ ድማ ምንጻፍ ምእንቲ ከይነበላሹ: ቅድሚ ምእታውና ኣእጋርና ብዝግባእ ክንደርዝ ኣሎና። (2) ወለዲ ደቆም ጸቡቕ ጠባይ ዘርእዩ ምዃኖምን ካብቲ ንመጽሓፍ ትምህርቲ እተመደበ ቦታ ከም ዘይወጹን ብምርግጋጽ: ክቈጻጸርዎም ይግባእ። (3) ዋላ እኳ እቲ ጕጅለ ንእሽቶ እቲ ሃዋሁ ድማ ፍኹስ ዝበለ እንተዀነ: እዚ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ ናብ መንግስቲ ኣደራሽ ክንከይድ ከሎና እንኽደኖ ክዳን ክንክደን ኣሎና። (4) እቲ በዓል ቤት ንብሕቱ ዝኸውን ግዜ ምእንቲ ክህልዎ: ብድሕሪ እቲ ኣኼባ ዝህሉ ዕላል ሓጺር ክኸውን ኣለዎ። (5) ዋላ እኳ እቲ በዓል ቤት ሓድሓደ እዋን ዝብላዕ ነገራት ዝቕርብ እንተዀነ: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክቐረበልካ ኢልካ ትጽቢት ክትገብር ወይ ድማ ከም ዝግብኣካ ገይርካ ክትሓስብ ከም ዘይግባእ ኵሎም ክፈልጡ ኣለዎም።
22 ደቒቕ:- ምሂርካ ደቀ መዛሙርቲ ግበሮም። ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 88-92 ዘሎ ሕቶታት ተመርኲሱ መልሲ ብምሃብ: ምስ ሰለስተ ወይ ድማ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ምይይጥ ይገብር:- (1) ኣስላጢ ኣገልግሎት ንምፍጻም ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዘሎ ብድሆ ብኸመይ ብዓወት ክዋጽኣሉ ይኽእል፧ (2) ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዝያዳ እነጕልሖ ስለምንታይ ኢዩ፧ ጽንዓታት ኣብ ምምራሕ ብኸመይ ኢና ክኢላታት ክንከውን እኽእል፧ (3) ነቶም ጽንዓት ናብ ማሕበር ገጽና ክንመርሖም ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ እቶም ጕጅለ ድማ እቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ከምኡውን ናይ መጋቢትን ሚያዝያን 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝነበረ እታው ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም የዘንትዉ።
መዝሙር 160ን መዕጸዊ ጸሎትን