ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/97 ገጽ 2-7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 5/97 ገጽ 2-7

ሕቶ ሳጹን

◼ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ እንህልወሉ ግዜ እንታይ ጥንቃቐታት ኢና ክንገብር ዘሎና፧

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ብሕታዊ ጠባዮም ምስቲ ዝለዓለ ስነ⁠-​ምግባራዊ መለክዒ ክሰማምዑ ትጽቢት ክንገብር ምኽንያት ኣሎና። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ስነ⁠-​ምግባራዊ ቀይድታት ዳርጋ ዘይብላ ዘይጽፍፍትን ሸለል በሃሊትን ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና። ሰናይ ሓሳብ ዘሎና እኳ እንተዀንና: ጸርፊ ካብ ዘምጽእ ወይ ኣብ ዘይግባእ ነገር ካብ ዘእቱ ኵነታት ንምልጋስ ብዘይምቍራጽ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚድካ ከለኻ እውን ጥንቁቕ ምዃን ዘጣመረ ኢዩ።

ንሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ዝመስሉ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ የጋጥሙና ኢዮም። መሰነይታ ዘይብልና እሞ ኸኣ ሓደ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ወይ ዝዀነት ሰብ ምስ ዝኸፍተና: ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ገዛ ምእታው ኣብ ኣፍደገ ኴንካ ምምስካር ዝበለጸ ኢዩ። ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዩ ወይ ኣርእያ: ካልእ ኣስፋሒ ምሳና ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ወይ ድማ ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ስድራቤታ እውን ኣብ ዝህልዉሉ ግዜ ንምምላስ መደብ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ከምኡ ምግባር ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ምብጻሕ ምስቲ በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት ሓደ ዓይነት ጾታ ዝዀነ ሰብ ምሕላፉ ጥበባዊ ኢዩ። እዚ ንኣንጻር ጾታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ እውን ዝውዕል ኢዩ።​—⁠ማቴ. 10:⁠16

ኣብ ኣገልግሎት ምሳና ዝዓዪ ሰብ ኣብ እንመርጸሉ ግዜ እውን ጥንቁቓት ክንከውን የድልየና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ብሓንሳብ ክዓዩ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ናይ ጕጅለ ምስክርነት ኣብ ዝዋሃበሉ ግዜ ክኸውን ዝበለጸ ኢዩ። ኣብቲ ኣገልግሎት እውን እንተዀነ ከም ወትሩ: ምስ ናይ መርዓ ብጻይና ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ ንበይንና ግዜ ከነሕልፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብታ ናይ ኣገልግሎት ጕጅለ እተመዘዘ ሓው ብሓንሳብ ኰይኖም ዝዓዩ ኣስፋሕቲ: ኣብ ናይ ኰተቴ ዕድመ ዘለዉ እውን ሓዊስካ: ክምድብ ከሎ ጽቡቕ ምምዝዛን ክጥቀም ይግብኦ።

ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ምምዝዛን ብምዝውታር: ንገዛእ ርእስና ይኹን ንኻልኦት ‘ብገለ ነገር መዐንቀፊ ዝህብ’ ከነርሕቕ ኢና።​—⁠2 ቈረ. 6:⁠3

◼ ነተን ምስ ወለዶም ዝነብሩ ዘይተመርዓዉ እኹላት ደቂ ዘለዉወን ስድራቤታት ክሕግዝ ዝኽእል እንታይ ምኽሪ ኢና ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንረክብ እንኽእል፧

ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ብሄራት ኣብ ዝበዝሓ: በጽሕታት መንእሰያት ክሳዕ ዝምርዓዉ: አረ ብድሕሪ ምምርዓዎም እውን ከይተረፈ ኣብ ገዛ ናይ ወለዶም ክጸንሑ ልሙድን ትጽቢት ዝግበረሉ ነገርን ኢዩ። ኣብ ስራሕ ዝሰኣነሉን ናይ በይንኻ መንበሪ ገዛ ምርካብ ድማ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉን እዋን መንእሰያት በጽሕታት ምስ ወለዶም ምንባር ክቕጽሉ ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሉ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ናብ ግርጭትን ናብ ጭንቀትን የምርሕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ናይ ምስትውዓል ክእለትና ብምጥቃምን ንዝበዝሑ ምንካዮም ወይ ድማ ምእላዮም ይከኣል ኢዩ።​—⁠መዝ. 119:⁠105፣ ሮሜ. 12:⁠1

ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዝብል ትእዛዝ ናይ ዕድመ ገደብ የብሉን። (ማቴ. 19:​19) ንበይኖም ወይ ገና ምስ ስድራቤቶም ዝነብሩ ይኹኑ ብዘየገድስ: በጽሕታት ደቂ ነቲ ዓቢ ግምት ምሃብ ዘመልክት ከምዚ ዝኣመሰለ ክብሪ: ወለዶም ‘ምስ ኣረጉ’ እውን ከይተረፈ ከርእይዎ ኣለዎም። (ምሳ. 6:⁠20፣ 23:⁠22) ወለዲ ንውሉዳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣርእዮምዎም ኢዮም: ኣባታቶም ፍሉይ ተገዳስነት ምግባር ድማ ይቕጽሉ ኢዮም። ኣብ ቤት መምርሒ ንኽኸውን እተዋህበ ስርዓት የሆዋ: ርእሲ ክህሉ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘርኢ: ርእሲ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ኣቦ ኢዩ። (1 ጢሞ. 3:⁠4) እዚ ሕድገታት ምግባርን ምቅዳውን ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ቤት ሰላምን ስርዓትን ንኽህሉ ብዝበለጸ ጠቓሚ ምዃኑ ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ገና እኳ ኣብ ናይ ወለዱ ቤት ይነብር እንተሎ: ሓደ ብሱል በጽሒ መንእሰይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስራሕ: ኣብ ትምህርታዊ ትካል: ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዓይነት መንበሪ ቦታታት: ኣብ ቤት እውን ገለ መምርሒታትን ግዴታታትን ክህልዉ ኣድላዪን ባህርያውን ከም ዝዀነ ይግንዘብ ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ቤት ዝነብሩ በጽሕታት መንእሰያት ዕጉሳት ብምዃን ከምኡውን ንምጕርምራም ቅልጡፋት ብዘይ ምዃን ጥበብ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ኣታዊታት እንተድኣ ኣል​ይዎም ናይቲ ቤት ወጻኢታት ንምሽፋን ብንዋታዊ መገዲ ደገፍ ክገብሩ ምኽንያታዊ ኢዩ። ኣብቲ ቤት ኣብ ዘሎ ናይ ዕዮ ጾር እውን ክሳተፉ ኣለዎም። (ገላ. 5:⁠22, 23፣ 2 ተሰ. 3:⁠10፣ 1 ጢሞ. 6:​11, 18፣ ያእ. 3:⁠3) ምዕራፍ 10 ናይታ ንንእስነትካ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ ከምኡውን ምዕራፍ 2 ናይታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዝብላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ: ሓገዝቲ ሓሳባትን በቶም ገና ምስ ወለዶም ዝነብሩ ዘለዉ በጽሕታት እተዋህበ ጠቓሚ ርእይቶታትን ዝሓዛ ኢየን።

ብዙሓት ምስ ወለዶም ዝነብሩ ዘለዉ ክርስትያናት ዝዀኑ በጽሕታት መንእሰያት ንዅነታት ብዓወት ይዋጽእሉን ብዙሕ ጥቕምታት ይረኽቡን ኣለዉ። ይኹን እምበር: ገለ መንእሰያት ነዚ ዘጸግም ኰይኑ ይረኽብዎ እሞ: ንወጻኢ ሃገር ምኻድ ወይ ድማ ሓዳር ምግባር ንጸገማቶም ዝፈትሖ ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ኣብ ምዕራፍ 7 ናይታ መንእሰያት ዝሓትዎ እትብሃል መጽሓፍ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምስ ቀረባ ቤተሰቡ ናይ ምንባር ጸገም ዘለዎ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት እውን ናይ ምንባር ጸገም ክህልዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ወዲ ይኹን ጓል መጀመርታ ነቲ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ዘለዎም ርክብ ከመሓይሹ ተመኺሮም ዘለዉ: እዚ ድማ ብርግጽ ዳሕራይ ዕዉት ሓዳር ንኽገብሩ ዝሕግዞም ልምምድ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ዘየውዓሉ ገለ ሰባት እሞ ኸኣ ተሃዊኾም ንወጻኢ ሃገር ዝኸዱ ወይ ዝተመርዓዉ ዳሕራይ ሓዚኖም ኢዮም።​—⁠ምሳ. 14:⁠15

ርግጽ ኢዩ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንወለዲ ዝኸውን ምኽሪ እውን ኣሎ። ወለዲ ንደቆም ከየዀርይዎም ወይ ድማ ከየሕርቕዎም ቅዱሳት ጽሑፋት ይመክር ኢዩ: እዚ ድማ ንበጽሕታት ደቆም እውን ከም ዘጠቓልል ፍሉጥ ኢዩ። (ኤፌ. 6:⁠4፣ ቈሎ. 3:⁠21) ሓደ ምኽንያታዊ ዝዀነ ወላዲ: እኹል ወዲ ወይ እኽልቲ ጓል ድሕሪ ደጊም ቈልዓ ወይ ድማ ኰተቴ ከም ዘይኰኑ ይግንዘብ ኢዩ። እቲ ቕድም ወላዲ ከም ተኸናኻኒ ኰይኑ ዝገብሮ ዝነበረ ግደ ሕጂ ነቲ ናይ መኻሪ ምዃን ግደ ቦታ ክሓድገሉ ኣለዎ። (እቲ ውሉድ ብትምህርቲ ወይ ብዓለማዊ ፍልጠት ነቲ ወላዲ ዝበልጾ እኳ እንተዀነ: እቲ ወላዲ ዘለዎ ዕድመን ተመክሮን ግን ከም ክቡር ሃብቲ የቝጽሮ ኢዩ።) ገለ ገለ ውሳነታት ልክዕ ከምቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ዘለዎ ጥበብ ዘንጸባርቑ እኳ እንተ ዘይኰኑ: እቲ ወላዲ ሓደ በጽሒ ወዲ ወይ ጓል ውሱን ዓቐን ዘለዎ ናጽነት ከም ዝደልዩ ርዱእ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ። እታ ናይ 8 ለካቲት 1983 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! መጽሔት: ምስ እዚ ጕዳይ እዚ ዝሰማማዕ ሓሳባት ሂባ ኢያ። ኣብ ገጽ 8 ሓደ ወላዲ ከምዚ ምባሉ ትጠቅስ:⁠- “ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ጣልቃ ኣይኣቱን ኢየ። . . . ሓደ ካብ ደቀይ መንፈሳዊ ወይ ስነ⁠-​ምግባራዊ ጌጋ ክገብር እንተድኣ ኰይኑ ግን ኣቦኦም ስለ ዝዀንኩ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኢየ ምኽሪ ዝህቦም።” እዚ ኣቕዋም እዚ ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕላይ ኣይኰነን። እኳ ድኣስ: ነቲ መንእሰይ ክብሪ ምርኣይ ኢዩ። ስለዚ ወለዲ ኣብቲ ግቡእ ዝዀነሉ ጕዳያትን ኵነታትን ሓልዮት ብምርኣይ ጥበብ ከዘውትሩ ይኽእሉ ኢዮም: እዚ ክገብሩ ዝኽእሉ ግን ኣብቲ ልሙድ መዳያት ናብራ ናይቲ በጽሒ ውሉዶም ጣልቃ ከይኣተዉ ኢዩ።

ኣብ መንጎ ወለድን እኹላት ደቅን ናይ ሓድሕድ ምክብባር ዘለዎ ብሱል ምይይጥ ምግባር ብዙሕ ሽግራት ንምፍታሕን ሕቡእ ናይ ጽልኢ ስምዒታት ንምጥፋእን ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። ኵሎም እቶም ዝምልከቶም ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:⁠12⁠-​14 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒሎምዎ: ‘ብሓደ ሓቢሮም ክነብሩ’ ከም ዝኽእሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠መዝ. 133:⁠1

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]

(ኣብ ገጽ 3 ይቕጽል)

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሕቶ ሳጹን (ካብ ገጽ 2 ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ