ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት-ሓምለ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (ትግርኛ) ነሓሰን መስከረምን:- ዝዀነ ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹራት:- ብፍላይ ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! (ትግርኛ)፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ፧፣ ናይ ምዉታት መናፍስቲ—ክሕግዙኻ ወይ ክጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ብሓቂኸ ኣለዉ ድዮም፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ከምኡውን እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ: ንነፍሲ ወከፍ ብሓደ ብር።
◼ ጸሓፍቲ: በጃኻትኩም ነቲ ብኣስፋሕቲ እተበርከተ ከምኡውን ብፓይነራት እተበርከቱ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ኣብቲ ንፓይነራት ዝጐድል ሕሳብ ዝብል ክፍሊ ናይ ሕሳብ መልኣኺ ቅጥዕኹም: ኣብ በበይኑ መስመር ገይርኩም መዝግብዎ።