ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 5/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት

5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 130

8 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ኵላቶም ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ጽቡቕ ገይሮም እተዓጥቁ ክዀኑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ድማ ከበርክቱን ኣተባብዓዮም።

12 ደቒቕ:⁠- “ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ።” ሕቶን መልስን። ካብቲ ኣብ ገጽ 12 ናይ 1 ሰነ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዘሎ ተመክሮታት ወስኽ።

25 ደቒቕ:⁠- “ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናይ ሓቂ ሓልዮት ኣርኢ።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ንዅሉ እተራእየ ተገዳስነት ናይ ምክትታል ኣድላይነት ኣጕልሕ። ነቶም ኣብ ህዝቢ ዝበዝሓሉ ቦታታት እንረኽቦም ሰባት ዝያዳ ክንምስክረሎም ምእንቲ ክንክእል ናይ ገዝኦም ኣድራሻ ብሜላ እንሓተሉ ገለ መገድታት ሓብር። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 6⁠-​9 ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት ክኢላታት ኣስፋሕቲ ከም ዘርእይዎ ግበር። ነታ ኣብ ገጽ 3 ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘላ “ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ብኸመይ ዕዉት ከም እትኸውን” እትብል ሳጹን ድገማ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ገለ ግዜ ክምድቡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 151ን መዕጸዊ ጸሎትን።

12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 133

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኵላቶም ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ጽቡቕ ገይሮም እተዓጥቁ ክዀኑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ድማ ከበርክቱን ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን (ቀዳመይቲ ሕቶ)። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።

20 ደቒቕ:⁠- “ዕቤት ዘርኢ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ።” ክኢላ ሓው ነታ ዓንቀጽ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኣብ ምምራሕ ጽንዓት ዕዉታት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ይመያየጠላ። ንገለ ክፋላት ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ከም ኣብነት ብምጥቃም: ንናይ ኣመሃህራ ሜላታት ይመያየጥሉ።​—⁠ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 5, 8, 12, ከምኡውን 21 ርአ።

መዝሙር 162ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

19 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 139

7 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኵላቶም ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ጽቡቕ ገይሮም እተዓጥቁ ክዀኑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ድማ ከበርክቱን ኣተባብዕ።

20 ደቒቕ:⁠- ነታ ጉባኤ ዘድሊ። ንመንፈሳዊ ድሌት እታ ጉባኤ ዝምልከት ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ ወይ ኣብ መንጎ ክልተ ሽማግለታት ዝግበር ምይይጥ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ከምኡውን ምምሕያሽ ንምግባር ዝሕግዙ ተግባራዊ ሓሳባት ሃብ።

18 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን (ካልኣይቲ ሕቶ)። ንዅሉ ጥቕስታት ኣንብቦ።

መዝሙር 165ን መዕጸዊ ጸሎትን።

26 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 148

12 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ሰነ ዝዕደል ጽሑፍ ተመያየጠሉ። ኵላቶም ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ጽቡቕ ገይሮም እተዓጥቁ ክዀኑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ድማ ከበርክቱን ኣተባብዓዮም። ብዛዕባ ቅኑዕ ኣወሃህባ ጸብጻብ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን መዘኻኸሪታት ሃብ። ንዅሎም ጽንዓታት ንኸጀምሩ ኣብ ምጽዓር ከተኵሩ ኣተባብዓዮም። ነቲ ግዱሳት ሰባት ቀልጢፎም ዕቤት ከርእዩ ናይ ምሕጋዝ ኣድላይነት ኣጕልሓዮ።​—⁠ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13⁠-​14 ርአ።

15 ደቒቕ:⁠- “ደጋጊምና ምምላስ ዘይነቋርጽ ስለምንታይ ኢና፧” ሕቶን መልስን። ካብታ ኣወጅቲ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 570 ካብ ዘላ ሳጹን ነጥብታት ወስኽ።

18 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን (ናይ ሰነ 1997 km ርአ።) ንዅሉ ጥቕስታት ኣንብቦ።

መዝሙር 173ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ