ከምዚ ዝበለ ሰናይ መንፈሳዊ ነገራት ርኢና ኣይንፈልጥን!
1 መብዛሕትኦም ሰባት “ከምዚ ዝበለ ሰናይ ነገራት ርኢና ኣይንፈልጥን!” ክብሉላ ዝኽእሉ መዓልቲ ሃንቀው ይብሉ ኢዮም። ብኣተሓሳስባኦም: እታ መዓልቲ እቲኣ ‘ንነፍሶም ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ’ ዝብልሉ: ኣኽል ታርፍ ዝዀነ ስጋዊ ነገራት ምስ ረኸቡ ኢያ እትመጽእ። (ሉቃ. 12:19) ምስዚ ብምንጽጻር: ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ብመንፈሳዊ መገዲ ጽቡቕ ዘበለ ከም ዘይጐድለና ንምምልካት ከምኡ ክንብል ንኽእል ኢና። (መዝ. 34:10) እዚ ከመይ ኢሉ ይከኣል፧
2 ምሳሌ 10:22 “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ትብል። ንሕና እዞም ከምዚ ዝበለ መለኮታዊ ስምረት ዝረኣና ሰባት: ኣምላኽ ‘ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ሂቡና’ ኢዩ ኢልና ብሓቂ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 6:17) እዚ: ኣብ ምድሪ እቶም ዝሃብተሙ ሰባት ኢዩ ዝገብረና!
3 በረኸታትና ምጽብጻብ:- መብዛሕትና ኣኽል ታርፍ ዝዀነ ስጋዊ ነገራት የብልናን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ ዘድልየና መሰረታዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘይንሻቐል እተባረኽና ኢና። የሆዋ እንታይ ከም ዘድልየና ይፈልጥ ኢዩ: ነቲ ዘድልየና ነገራት ክህበና ምዃኑ ድማ ተማባጺዑልና ኢዩ። (ማቴ. 6:31-33) እቲ ናቱ ውሕስነት ብሓቂ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ናይ ኣእምሮ ሰላም ይህበና ኢዩ።
4 ይኹን እምበር: መንፈሳዊ በረኸታትና ካብዚ ዝዓበየ ኢዩ። ህይወትና ኣብቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ መንፈሳዊ መግቢ እተመርኰሰ ኢዩ። (ማቴ. 4:4) ንሕና ክሳዕ እንዓግብ ክንሰትን ክንበልዕን ከሎና እቶም መንፈሳዊ ዕንጋለ ንምርካብ ናብ ዓለማዊ ምንጭታት ቍሊሕ ዝብሉ ሰባት ግን ይጠምዩ ኢዮም። (ኢሳ. 65:13) እቲ ‘እሙን ባርያ’ ዘይውዳእ ቀረብ ናይቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እንረኽበሉ መገድታት ይህበና ኢዩ።—ማቴ. 24:45፣ ዮሃ. 17:3
5 እቲ ክቡር ዝዀነ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ምዉቕ ብጻይነት ናይቶም ኣብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ ዝነብሩ ፈቃራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይህበና ኢዩ። (ዮሃ. 13:35) እታ ኣብ ከባቢና ዘላ ጉባኤ ምጽንናዕን ዕረፍትን ክንረኽበላ እንኽእል ናይ ሰላም ቦታ ኢያ። ሽማግለታት ምስ ብዙሕ ዝዓይነቱ ግድላት ምግጣም ምእንቲ ኽንክእል ብምሕጋዝ: ንነፍሳትና ነቒሖም ይሕልዉ ኢዮም ዘለዉ። (እብ. 13:17) ምስ ኣሕዋትና ምቅርራብና: ንኸይንሕለል ብምብርታዕ ኣብ ንሓድሕድና ክንተባባዕ የኽእለና ኢዩ።—ሮሜ 1:11, 12
6 ዕዮና እውን ከይተረፈ በረኸት ኢዩ። ብዙሕ ዓለማዊ ዕዮታት ዘሰልችዉን ዘየዕግቡን ኢዮም። እቲ ብስራት ንኻልኦት ምምቓል ግን: ንኻልኦት ባህታ ንዓና ድማ ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ። (ግብ. 20:35) ብሓቂ ብጻዕርና ጽቡቕ ፍረ ክንርኢ ክንክእል ኢና—መክ. 2:24
7 ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንመጻኢ ዘደንቕ ተስፋ ኣሎና። (ሮሜ 12:12) ነታ ምስ እነፍቅሮም ሰባት ብሓጐስን ሰላምን ንዘለኣለም እንነብረላ ጽድቂ ዝመልኣ ፍጽምቲ ሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ንጽበያ ኢና! እዚ ተስፋ እዚ ካብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ኢዩ።—1 ጢሞ. 6:19
8 ሞሳና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ንየሆዋ በቲ ዝገበረልና ፈጺምና ክንፈድዮ ኣይንኽእልን ኢና። (1) በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ መዓልቲ መዓልቲ ብምምስጋን (ኤፌ. 5:20): (2) እዙዛት ኴንና ፍቕርና ብምግላጽ (1 ዮሃ. 5:3): (3) ነቲ ብስራት እናሰበኽና ስሙ ብምቕዳስ (መዝ. 83:18): ከምኡውን (4) ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምሉእ ልብና እናተሓባበርና ብምድጋፍ ጥራይ ኢና ሞሳና ክንገልጽ እንኽእል።—1 ጢሞ. 3:15
9 ኣብ ልዕሊ ምድሪ እቶም ኣዝዮም ሕጕሳት ሰባት ንኽንከውን ምሉእ ምኽንያት ኣሎና። (መዝ. 144:15ለ) ኣረኣእያና: ጠባይና: ከምኡውን ኣገልግሎትና እቲ ኣብ መንፈሳዊ ገነትና ዝስምዓና ሓጐስ ዘንጸባርቕ ይግበሮ። ከምዚ ዝበለ ሰናይ ነገራት ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና!