ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/00 ገጽ 1
  • በረኸት የሆዋ የሀብትመና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በረኸት የሆዋ የሀብትመና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከምዚ ዝበለ ሰናይ መንፈሳዊ ነገራት ርኢና ኣይንፈልጥን!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ፍረ መንፈስ” ንኣምላኽ የኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • በረኸት የሆዋ የሀብትም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 9/00 ገጽ 1

በረኸት የሆዋ የሀብትመና

1 ብዙሕ ግዜ ሃብቲ ሰብ ዝምዘን: ብመጠን እቲ ዝረኽቦ ደሞዝ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ብዙሓት ሰባት ነቶም ገንዘብ ዘለዎም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሕጉሳትን ብዅሉ ዕጉባትን ገይሮም ዝርእይዎም። ይኹን እምበር እቶም ሓጐስ ብገንዘብ ዝዕደግ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ግጉያት ኢዮም። (መክ. 5:⁠12) እቶም ብስጋዊ ነገር “ኪህብትሙ ዚደልዩ” ነባሪ ሓጐስ የብሎምን። (1 ጢሞ. 6:⁠9) ብኣንጻሩ ግን ኣገልግልቲ የሆዋ ናይ ሓቂ ሕጉሳት: ካብ ዓለምውን እቶም ዝሃብተሙ ኢዮም። (ምሳ. 10:⁠22፣ ራእ. 2:⁠9) ብኸመይ ግን፧

2 ሃብታማት ምዃንና ዘረጋግጽ መርትዖ:- ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ምርዳእን ኣጥሪና ኢና። የሆዋ ንዘለኣለማዊ ጥቕምና ኢሉ በታ ምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ወዱን ብቐጻሊ ይምህረና ኣሎ። ርጡብ ፍልጠት ብቐሊሉ ናብ የሆዋ ከም እንቐርብን ናይ ማሕርሮ ርክብ ከም ዝህልወናን ይገብር። (ያእ. 4:⁠8) ጽቡቕን ክፉእን ክንፈላሊ ምኽኣልናን ሕጊ የሆዋ ምስዓብናን ካብ ገለ ገለ ሕማማትን ሓደጋን የዕቝበና። የሆዋ ዘድልየና ነገራት ከም ዝህበና እምንቶ ኣሎና: እዚ ድማ ኣምላኻዊ ዕግበትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን የምጽኣልና።​—⁠ማቴ. 6:⁠33

3 ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ እንዅስኵስ ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ሕውነትና ሰላምን ሓድነትን ነስተማቕር ኢና። ብጽኑዕ ማእሰር ፍቕሪ ስለ እተጠመርና መዓት ከጋጥመና ኸሎ ብየሆዋ ወይውን ብኣሕዋትና እተጠንጠንና ዀይኑ ፈጺሙ ክስምዓና የብሉን።​—⁠ገላ. 6:⁠10

4 ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕላማን ኣለዎ። ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት ምክፋልና ከም ዓቢ መሰል ኢና እንቘጽሮ። ንኻልኦት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክገብሩን ምሳና ሓቢሮም ኣብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ከገልግሉን ክንሕግዞም ከሎና ነባሪ ሓጐስ የምጽኣልና። እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ናይ ኣገልግሎትና ሃብቲ ንየሆዋ ክብሪ የምጽኣሉ: ንዓናውን ስሙ ንምቕዳስ ኣበርክቶ ስለ ዝገበርና የሐጕሰና ኢዩ። ናይ መጻኢ ተስፋና ኣብ ቀረባ ጊዜ ከም እንረኽቦ ብምፍላጥና: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይህልወና።

5 ሞሳና ነርኢ:- ነቲ ካብ ዓለም ዝሃብተሙ ሰባት ከም እንኸውን ዝገበረና በረኸት የሆዋ ብምርካብና ኵሉ ግዜ መማ​ሰውቲ ንኹን። (ምሳ. 22:⁠4) ኣብ መመዓልቲ ግዜ ወሲድና በቲ ዘሎና ነገር ምስትንታን: ስለ እቲ ፍቕሩ ብቐጻሊ ንየሆዋ ከነመስግኖን ብምሉእ ወፈያ ከነገልግሎን ይድርኸና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ