ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንግንቦት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንግንቦት

6 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 153

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ “ክትገይሽ ከሎኻ . . .” ዝብል ኣርእስቲ ድገሞ።

ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰለስተ ሰሙናት ኵሎም መጽሓፍ ኣገልግሎትና ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ክማልእዋ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- “ብምሉእ ነፍስኹም ዕየዩ!” ብሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ነቲ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 25 ዘሎ “ከም ስድራቤት ኴንካ ምይይጥ ዝግበረሉ ነጥብታት” ዝብል ኣርእስቲ ተዘራረበሉ።

20 ደቒቕ:- “ንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ።” ብሕ​ቶን መልስን። ነቲ ሓሳብ ተዋሂብሉ ዘሎ ኣቀራርባታት ድገሞ። ንመጀመሪ ዝኸውን ሓጺር ኣቀራርባታት ተጠቒሞም ኣብ ምዕዳል መጽሔታት ምእንቲ ክሳተፉ ነቶም ሓደስቲ ሰባት ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 148ን መዕጸዊ ጸሎትን።

13 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 63

7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

18 ደቒቕ:- “ከምዚ ዝበለ ሰናይ መንፈሳዊ ነገራት ርኢና ኣይንፈልጥን!” ብሕቶን መልስን። ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕትን ሓደ ኰተቴን ገለ ካብቲ ዝረኸብዎ በረኸታት ከም ዝጠቕሱ ግበር። እናወሰኸ ዝኸይድ ሞሳ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት ንጥፈት ቀናኣት ክንከውን ብኸመይ ከም ዘለዓዕለና ብምግላጽ ደምድም።

20 ደቒቕ:- “ከቢድ በደላት ሸለል ዘይምባል።” ኣብ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 142 ክሳዕ 147 (ንኡስ ኣርእስቲ) እተመስረተ: ኣብ መደምደምታ ሒደት ናይ ድግማ ሕቶታት ብምግባር ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። የሆዋ ምእንቲ ክባርኻ: ማሕበሩ ብስነ-ምግባር ዝመጸ ጽፍፍቲ ክትከውን ከም ዝደልያ ግለጽ።

መዝሙር 193ን መዕጸዊ ጸሎትን።

20 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 126

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኵላቶም መጽሔት ኣብ ምዝርጋሕ ክሳተፉ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- “ሓቂ ምዝራብ ቀጽሉ።” ኣብቲ ፍሉይ ወፈራ ዝግበረሉ እዋን: ጽንዓት ክትጅምር ሸቶ ብምግባር ናብቲ መጽሔታት ዓዲልካሉ ዝነበርካ ቦታታት ናይ ምምላስ ኣድላይነት ጽቐጠሉ። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ናይ መጽሔታት ምዝገባ ኣበርክተሎም። ክልተ ሓጸርቲ መርኣያታት ኣዳሉ።

20 ደቒቕ:- “ከቢድ በደላት ሸለል ዘይምባል​—⁠ክፍሊ 2” ኣብ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 147-153 እተመስረተ: ኣብቲ ንኡስ ኣርእስትታት ሒደት ናይ ድግማ ሕቶታት ብምግባር ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ።

መዝሙር 28ን መዕጸዊ ጸሎትን።

27 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 121

5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ዓለምለኻዊ ሕብረት ኣሕዋት።” ኣብ ምዕራፍ 13 ናይ ኣገልግሎትና እተመስረተ ዝርርብ።

10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ኣንብቦ ምስ ሰማዕቲ ድማ ተመያየጠሉ።

15 ደቒቕ:- “ኣዚኹም ትሑዛት ዲኹም፧” ብሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ካብቲ ኣብ ገጽ 14-16 ናይ 8 ሰነ 1990 ንቕሑ! ዘሎ ሓሳባት ወስኸሉ። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ነቲ ትሑዝ ዝዀነ ቲኦክራቲካዊ መደቦም ብዓወት ንኽዋጽእሉ እንታይ ከም ዝገበሩ ከም ዘዘንትዉ ግበር።

መዝሙር 155ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ