ቲኦክራቲካዊ ዜና
ኢትዮጵያ:-ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ሽዱሽተ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ሓንቲ ስድራቤት: ነቲ ወርሓዊ ምዕዳል ጽሑፋት ዝምልከት ኣወንታዊ መንፈስ ብምሓዝ ጽቡቕ ኣብነት ኰይና ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዓሰርተ መጻሕፍቲ ክዕድል ብሕታዊ ሸቶ ነበሮ: እታ ስድራቤት ኣብቲ ወርሒ ብጠቕላላ 66 መጻሕፍቲ ብምዕዳል ተባሪኻ ኢያ።
▫ ኣብ ኢትዮጵያ እተገብረ 17 ተኸታታሊ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባታት ተዛዚሙ ኢዩ: 8,694 ተኣከብትን 121 ተጠመቕትን ከኣ ነበሩ። ኣኼባ እተገብረሉ ሓደስቲ ቦታታት መቱን መቐለን ኢዩ ነይሩ: ኣብዚ ኸኣ 69 ከምኡውን 119 ሰባት ተኣኪቦም።
▫ ካብቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ እተራእየ ጽቡቕ ጻዕርታት: ኣብ ፊጨ: ክብረ መንግስት ከምኡውን ናዝሬት ዘለዉ ፍሉያት ፓይነራት ነፍሲ ወከፎም 15 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ኣ.ኣ ኣብ ጉባኤ ቀበና ዘለዉ 8 ስርዓታውያን ፓይነራት 31 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎም ከሎ (31 መጻሕፍቲ ድማ ዓዲሎም): ኣብ ዓድዋ ዘለዉ 6 ኣስፋሕቲ 10 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ዓዲ ግራት ዘለዉ 5 ኣስፋሕቲ ድማ 6 ጽንዓታት: ኣብ ዙዋይ ከኣ 11 ኣስፋሕቲ 16 ጽንዓታት: ኣብ ደብረ ታቦር ድማ 16 ኣስፋሕቲ 21 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዉዎም ተዓዚብና ኢና።