ሕቶ ሳጹን
◼ ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይቲ “ሓውና” ከምኡውን “ሓብትና” ዝብል ስያመታት እንታይ ኢዩ፧
እቲ “ሓውና” ከምኡውን “ሓብትና” ዝብል ስያመታት ቃል ብቓሉ ክዝውተር ከሎ: ሕደ ወለዲ ንዘለዎም ውልቀሰባት ኢዩ ዘመልክት። እዚ ባህርያዊ ርክብ እዚ ምዉቕ ርክብ ኢዩ ዝፈጥር: እቲ እዞም ውልቀሰባት እዚኣቶም ዘለዎም ምቅርራብ ድማ ብማሕበራዊ: ከባብያዊ: ከምኡውን ብስምዒታዊ ምትእስሳራት ይሰፍሕ።
የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ክጽልዩ ኸለዉ ንየሆዋ “ኣቦና” ኢሎም ክጽውዕዎ ምሂርዎም ኢዩ። ነዚ መግለጺ እዚ ምጥቃም: ከም ክርስትያናት መጠን ኵልና ክፍሊ ናይቲ ሃብታም መንፈሳዊ ዝምድና እነስተማቕረሉ ጥብቂ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ዓንኬል ምዃንና ዘመልክት ኢዩ። እዚ ድማ የሱስ ንሰዓብቱ “ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ምስ በሎም ብተወሳኺ ጐሊሑ ኢዩ።—ማቴ. 6:9፣ 23:8
ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ዝዀነ መንፈሳዊ ምትእስሳር: ብፍላይ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንሓድሕድና “ሓውና” ከምኡውን “ሓብትና” ብምባል ንጸዋዋዕ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ኣጋጣሚታት እቲ ጉባኤ ዝመርሕ ሰብ ነቶም እተጠምቁ ውልቀሰባት: ቀቅድሚ እቲ ሰብ ዝጽውዓሉ ናይ መወዳእታ ስም “ሓውና” ወይ “ሓብትና” ዝብል መግለጺ ይጥቀም: ኤርትራዊ ወይ ኢትዮጵያዊ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ቀቅድሚ እቲ ስሙ የእትዎ።
ሓደ ዘይተጠምቀ ሰብ ኣብቲ ኣኼባታት ክካፈል ምስ ዝደልኸ፧ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምቝጻር: ንገለ ግዜ ምስ ህዝቢ የሆዋ ምስ ዝሓብርን: ነፍሱ ክውፊ ድማ ምስ ዝቀራረብን: “ሓውና” ወይ “ሓብትና” ኢልካ ምጽውዑ ጸግም ዝፈጥር ኣይኰነን። እዚ ብፍላይ እቲ ውልቀሰብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እንተድኣ ኰይኑ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጥራይ ኣብ ኣኼባታትና ምክፋል ዝጀመሩ: ጌና ድማ ነቲ ከም ኣባላት ቤት ኣምላኽ ዘፍልጦም ስጕምታት ዘይወሰዱ ተገደስቲ ሰባት ኣለዉ። እዞም ውልቀሰባት እዚኣቶም እቲ ኣብ ስድራቤት ኣምላኽ ዘሎ መንፈሳዊ ዝምድና ኣባታቶም ስለ ዘየሎ: “ሓውና” ወይ “ሓብትና” ብምባል ኣይጽውዑን ኢዮም። ስለዚ ኣብ ግዜ ኣኼባታት: ምስቲ ኣስማቶም ከም ኣቶ. ወይ ድማ ወ/ሮ ዝኣመሰለ መዓርጋት ብምሕዋስ በቲ ወግዓዊ መገዲ ኢና እንጽውዖም።
ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና: “ሓውና” ከምኡውን “ሓብትና” ዝብል መግለጺታት ምጥቃም: ካብቲ ብኣስማትና ጥራይ ምጽዋዕ ዘመልክቶ ዝያዳ ጥብቂ ዝዀነን ኣዝዩ ዝኸበረን ማእሰር ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ። ነቲ ከም ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣቦ: የሆዋ ኣምላኽ ዘሎ መንፈሳዊ ስድራቤት መጠን እነስተማቕሮ ኣዝዩ እተባረኸ ዝምድና ኢዩ ዘዘኻኽረና። ከምኡውን ነቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን ምፍታውን ኢዩ ዘዘኻኽረና።—ኤፌ. 2:19፣ 1 ጴጥ. 3:8