ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካየድ ከሎ እዚ ዝስዕብ መደባት ክህሉ ኢዩ።
መምሃሪ መጻሕፍቲ:- ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [ቤመ] (ኣምሓርኛ): ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ (እንግሊዝኛ 1990 ሕታም) [ቅመዝ]: “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” [ምኣ]: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት [ፍል] ከምኡውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር [ቅም] (ኣምሓርኛ) ነቲ ዝወሃብ ክፍልታት መሰረት ክዀኑ ኢዮም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጺታትን ኣብ ግዜኡ ክጅምር ኣለዎ: ብድሕሪኡ በዚ ዝስዕብ ይቕጽል:-
ክፍሊ ቍ. 1:- 15 ደቒቕ። እዚ ዝርርብ እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ድያቆን ክወሃብ ይግብኦ: ኣብ ናይ ቲአኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ወይ ከኣ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እተመስረተ ይኸውን። እዚ ክፍሊ ናይ 10 ክሳዕ 12 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ምስ ተዋህበ ናይ 3- ክሳዕ 5- ደቒቕ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶ ብምጥቃም ናይ ቃል ድግማ ብምግባር ክቐርብ ይግብኦ። ዕላምኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዝጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ተግባራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስቲ ክዝውተር ኣለዎ። ኵላቶም ካብዚ ዝርርብ እዚ መሊኦም ምእንቲ ክጥቀሙ ጥንቁቕ ቅድመ-ምድላው ንኽገብሩ ምትብባዕ ይወሃቦም።
እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኽሕልዉ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ወይ ድማ እቲ ተዛራቢ ኣቐዲሙ እንተድኣ ሓቲቱ ናይ ብሕቲ ምኽሪ ክወሃቦ ይከኣል ኢዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት:- 6 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ድማ ነቲ ጽሑፍ ምስቲ ከባቢ ብዝሰማማዕ ስሉጥ መገዲ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል ድያቆን ክውሃብ ይግባእ። እዚ ናይቲ እተመደበ ንባብ ድግማ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ናይቲ እተመደበ ምዕራፋት ሓፈሻዊ ድግማ ካብ 30 ክሳዕ 60 ካልኢት ክውሰኾ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ: ሰማዕቲ እቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝጠቕመና ምእንቲ ኽግንዘብዎ ንምሕጋዞም ኢዩ። ብድሕርዚ እቶም ተማሃሮ በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናብቲ እተፈላለየ ክፍልታቶም ይፋነዉ።
ክፍሊ ቍ. 2:- 5 ደቒቕ። እዚ ናይቲ እተመደበ ክፍሊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ብሓደ ሓው ክወሃብ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቤት ትምህርትን ኣብተን ተወሰኽቲ ጉጅለታትን ይውዕል ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ኣብ መእተውን መደምደምታን ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምእንቲ ክህብ እቲ ናይ ንባብ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ሕጽር ዝበለ ኢዩ። ናይ ታሪኽ መረጋገጺ: ትንቢታዊ ወይ ሰረተ-እምነታዊ ትርጕም ከምኡውን ናይ ስርዓታት ኣወዓዕላ ክውሰኾ ይከኣል ኢዩ። ኵሎም እቶም እተመደቡ ጥቕስታት ኣብ መንጎ ከይኰለፍካ ክንበቡ አለዎም። ርግጽ ኢዩ: እቲ ዝንበብ ጥቕስታት ተኸታታሊ ምስ ዘይከውን እቲ ተማሃራይ ነታ ቐጺላ እትመጽእ ቍጽሪ ክጠቕሳ ይኽእል ኢዩ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ክፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዝወሃብ ኢዩ። እቲ ናይዚ ዝርርብ እዚ ክፍልታት ኣብታ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” እትበሃል ጽሕፍቲ እተመስረተ ኢዩ። እታ እተመደበት ተማሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። ዝርርብ ክትህብ ከላ: እታ ተማሃሪት ኮፍ ኢላ ወይ ደው ኢላ ክትህብ ትኽእል ኢያ። እታ ነዚ ክፍሊ እዚ እተመደበት ሓብቲ: ነቲ ኣርእስቲ ክትጥቀም የድልያ ከምኡውን እቲ ዝውሰድ ዝርርብ ብተግባራዊ ኣቀራርባ ኰይኑ: ምስ ናይ ግራት ኣገልግሎት ወይ ድማ ምስ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ተተሓሒዙ ክቐርብ ይምረጽ። በቲ ተዓዛቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምደበላ ኢዩ: ይኹን እምበር ተወሰኽቲ ሓገዝቲውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ብቐዳምነት ከሕሰበሉ ዝግባእ ፍረ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ናይቲ ክፍሊ ድኣ እምበር: ኣቀራርባኡ ኣይኰነን።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ይወሃብ። ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እተመስረተ ይኸውን። ንሓደ ሓው ምስ ዝምደብ: እዚ ንዅሎም ሰማዕቲ ዝወሃብ ዝርርብ ክኸውን ይግባእ። እቲ ሓው ነዚ ዝርርብ እዚ ክዳሎ ኸሎ ነቶም ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ዘለዉ ሰማዕቲ ኣብ ኣእምሮኡ ክሕዞም ዝበለጸ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ዝርርቡ ነቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ፍረ ዘለዎን ብሓቂ ዝጠቕሞምን ኰይኑ ይርከብ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዝወሃብ ድማ: እቲ ክፍሊ በቲ ኣብ ዝርርብ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ።
ምዕዶን ርእይቶታትን:- እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተማሃራይ ዝርርብ ፍሉይ ምዕዶ ይህብ ኢዩ: እንተዀነ ግን በቲ ኣብ ናይ ምዕዶ ቅርጻ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ምዕዶ ቅደም ተኸተል ክስዕብ ግድን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብተን እቲ ተማሃራይ ምምሕያሽ ዘድልያኦ ነጥብታት ከተኵር ኣለዎ። እቲ ተማሃራይ “ጽ” እንተድኣ ተገይርሉ: ካልእ “ተ” “ዝ” ዝብል ምልክት እንተዘይብሉ ነቲ እቲ ተማሃራይ ንዝመጽእ ክዓየሉ ዘድሊ ናይ ዝርርብ ብቕዓት እቲ ምኽሪ ዝህብ ኣብቲ “ጽ” “ተ” ወይ “ዝ” ክግበረሉ ዘለዎ ቦታ ክቢ ብምግባር የመልክተሉ። ነቲ ተማሃራይ ብዛዕባ እዚ ሽዑ ምሸት ይሕብሮ: ከምኡውን ነዚ ናይ ዝርርብ ብቕዓት እዚ: ኣብቲ ዝቕጽል ናይቲ ተማሃራይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ቅርጻ (S–89) የመልክተሉ። እቶም ክፍሊ ዝህቡ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ኣደራሽ ኰፍ ክብሉ ኣለዎም። እዚ ግዜ ይቑጥብ: እቲ ተዓዛቢውን ብቐጥታ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ምዕዶኡ ክልግሰሉ ይኽእል። ግዜ ከም ዘፍቀዶ እቲ ዘድሊ ናይ ቃል ምዕዶ ምስ ተዋህበ: በቲ ተማሃራይ ዘይተጠቕሰ: ኣብ ፍረ ዘለዎን ተግባራውን ነጥብታት ዘተኮረ ሓሳባት በቲ መኻሪ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተማሃራይ ዝርርብ ንዝህቦ ምዕዶን ዝዀነ ይኹን ሕጽር ዝበለ ርእይቶታትን ብጠቕላላ ካብ ክልተ ደቓይቕ ከየብዝሖ ክጥንቀቕ ኣለዎ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሐ ሓሳባት ክቐርብ ከሎ ክጥቀስ ዝግብኦ ነጥብታት ከይተጠቕሰ ምስ ዝሓልፍ ኣብ ብሕቲ ምኽሪ ክወሃብ ይኽእል።
ክፍልታት ምድላው:- እቲ ተማሃራይ ነቲ እተወሃቦ ክፍሊ ቅድሚ ምድላዉ ካብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ምስቲ ክዕየየሉ ዘለዎ ዓይነት ዝርርብ እተተሓሓዘ ሓሳባት ተጠንቂቑ ከንብብ ኣለዎ። እቶም ንክፍሊ ቍ. 2 ዝወስዱ ተማሃሮ: ምስቲ ክንበብ ዘለዎ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ኣርእስቲ ክመርጹ ኣለዎም። እቲ ካልእ ክፍልታት ግን ምስቲ ኣብዚ መደብ እዚ ተዳልዩ ዘሎ ኣርእስትታት ተተሓሒዙ ክቐርብ ኢዩ።
ግዜ:- ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ኰነ ናይቲ መኻሪ ምዕዶን ርእቶታትን ካብቲ እተመደበ ግዜ ክሓልፍ የብሉን። ክፍሊ ቁ. 2 ክሳዕ 4 ግዜ ምስ ዝኣክል ብሜላ ጠጠው ከም ዝብሉ ክግበር ኣለዎ። እቲ ናይ ጠጠው ምልክት ንኽገብር እተመዘዘ ሰብ ብትግሃት ከምኡ ክገብር ኣለዎ። እቶም ክፍሊ ቁ. 1 ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት ዘቕርቡ ኣሕዋት: ግዜ ምስ ዘሕልፉ: ብሕታዊ ምዕዶ ክወሃቦም ይግባእ። ኵሎም ግዜኦም ብጥንቃቐ ክሕልዉ ኣለዎም። ጠቕላላ ፕሮግራም:- ብዘይ ጸሎትን መዝሙርን 45 ደቒቕ።
ናይ ጽሑፍ ድግማ:- በብእዋኑ ናይ ጽሑፍ ድግማ ክወሃብ ኢዩ። ኣብ ምድላው: እቲ እተመደበ ጽሑፍ ድገምዎ: ነቲ እተመደበ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሸፍንዎ። ኣብዚ ናይ 25 ደቒቕ ድግማ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢኹም ክትጥቀሙ እትኽእሉ። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ምዱብ ግዜ: ንናይ ሕቶን መልስን ምይይጥ ክውፈ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ወረቐት ከመልክት ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቶም ንናይ ድግማ ሕቶታት ዝወሃቡ መልስታት ምስ ሰማዕቱ ኰይኑ ይግምግም ብዝያዳ ኣቓልቦኡ ኣብቲ ጽንኩር ሕቶታት ይገብር: ኵሎም ነቲ መልሲ ብንጹር ንኽርድእዎ ድማ ይሕግዞም። ብገለ ምኽንያት: ናይቲ ከባቢ ኵነታት ኣድላዪ ምስ ዝገብሮ: እቲ ናይ ጽሑፍ ድግማ ካብቲ ኣብዚ መደብዚ ተመልኪቱ ዘሎ ግዜ ሰሙን ጸኒሑ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ።
ዓበይቲ ጉባኤታት:- 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተመዝገቡ ተማሃሮ ዘለዉወን ጉባኤታት: ኣብ ቅድሚ ካልኦት መኸርቲ ኰይኖም ነቲ እተመደበ ክፍልታት ከም ዘቕርቡ ንኽገብራ ተወሰኽቲ ናይ ተማሃሮ ጉጅለታት ይደልያ ይዀና። ርግጽ ኢዩ: ንናብራኦም ምስ ክርስትያናዊ መምርሒታት ኣሰማሚዖም ዝኸዱ ዘይተጠመቑ ሰባት: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም ክፍልታት ክቕበሉ ይኽእሉ ኢዮም።
ዘብኵሩ:- ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ኣብዚ ሰሙናዊ ኣኼባ እዚ ንምክፋል ጻዕሪ ብምግባርን ንኽፍሎም ጽቡቕ ገይሮም ተዳልዮም ብምምጻእን: ኣብቲ ናይ ሕቶ ክፍለ-ግዜ ተኻፋልነቶም ብምርኣይን ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሞሳኦም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ኩሎም ተማሃሮ ንኽፍሎም ነቒሖም ክምልከትዎ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ሓደ ዝተመደበ ተማሃራይ ምስ ዘብኩር ፍቓደኛ ዝዀነ ኣብዛ ሓጻር ግዜ እዚኣ እተሰምዖ ይበቅዕ ኢዩ ዝብሎ ኣቀራርባ ብምጥቃም ነታ ክፍሊ ክወስዳ ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ ነታ ክፍሊ ከቕርባ ይኽእል።
መደብ
1 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 13 ክሳዕ 15
መዝሙር ቍ. 213 (36)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 5-7 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ኤርምያስ 14:10-22
ቍ. 3:- ምኣ 33ለ መንግስቲ ኣምላኽ ንወድሰብ እትገብረሉ ነገራት
ቍ. 4:- የሱስ ስጋዊ ኣካል ሒዙ ንሰማይ ኣይከደን (ቅም ገጽ 333 ሕጡብ ጽ. 1–4)
8 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 16 ክሳዕ 19
መዝሙር ቍ. 163 (94)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 7-9 ቍ. 10-16
ቍ. 2:- ኤርምያስ 18:1-17
ቍ. 3:- ምኣ 33ሐ ናይታ መንግስቲ ግዝኣት ዝጅምር ጌና ጸላእቲ ክርስቶስ ንጡፋት ከለው ኢዩ
ቍ. 4:- የሱስ ስጋ ለቢሱ እተራእየ ስለምንታይ ኢዩ (ቅም ገጽ 334 ሕጡብ ጽ. 1–4)
15 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 20 ክሳዕ 22
መዝሙር ቍ. 186 (101)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 9-12 ቍ. 1-12
ቍ. 2:- ኤርምያስ 20:1-13
ቍ. 3:- ምኣ 33ሠ መንግስቲ ኣምላኽ ብጻዕርታት ሰብ ኣይትመጽእን ኢያ
ቍ. 4:- እቶም ምስ ክርስቶስ ክገዝኡ ዝትንስኡ ከምኡ ክዀኑ ኢዮም (ቅም ገጽ 335 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 336 ሕጡብ ጽ. 4)
22 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 23 ክሳዕ 25
መዝሙር ቍ. 89 (49)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 12-14 ቍ. 13-20
ቍ. 2:- ኤርምያስ 23:16-32
ቍ. 3:- ምኣ 34ሀ “መወዳእታ ዓለም” እንታይ ማለት ከም ዝዀነ
ቍ. 4:- ትንሳኤ ንወድሰብ ብጠቕላላኡ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ (ቅም ገጽ 336 ሕጡብ ጽ. 1–4)
29 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 26 ክሳዕ 28
መዝሙር ቍ. 97 (50)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 14-18 ቍ. 1-10
ቍ. 2:- ኤርምያስ 26:1-16
ቍ. 3:- ምኣ 34ለ ንምልክት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ምንቃሕ የድሊ
ቍ. 4:- እቶም ዝተንስኡ በቲ ዝሓለፈ ተግባራቶም ስለምንታይ ከም ዘይኵነኑ (ቅም ገጽ 337 ሕጡብ ጽ. 1)
5 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 29 ክሳዕ 31
ቍ. 4:- እቶም ዝተንስኡ በቲ ዝሓለፈ ተግባራቶም ስለምንታይ ከም ዘይኵነኑ (ቅም ገጽ 337 ሕጡብ ጽ. 1)
መዝሙር ቍ. 35 (15)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 18-20 ቍ. 11-17
ቍ. 2:- ኤርምያስ 31:27-40
ቍ. 3:- ምኣ 36ሀ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ይመባጻዕ
ቍ. 4:- እቶም “ዝተረፉ ምዉታት” ብኸመይ ኣብ ምድሪ ናብ ህይወት ከም ዝመጹ (ቅም ገጽ 337 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 339 ሕጡብ ጽ. 2)
12 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 32 ከምኡውን 33
መዝሙር ቍ. 166 (90)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 20-22 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ኤርምያስ 33:1-3, 14-26
ቍ. 3:- ምኣ 36መ እቶም ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝዀኑ ጥራይ ንሰማይ ይኸዱ
ቍ. 4:- እቶም ኣብቲ ምድራዊ ትንሳኤ ዝጠቓለሉ (ቅም ገጽ 338 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 339 ሕጡብ ጽ. 3)
19 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 34 ክሳዕ 37
መዝሙር ቍ. 85 (44)
መዝሙር ቍ. 85 (44)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 22-24 ቍ. 10-20
ቍ. 2:- ኤርምያስ 35:1-11, 17-19
ቍ. 3:- ምኣ 36ሠ መብጽዓ ዘለኣለማዊ ህይወት ንዘይተወሰኑ ቍጽሪ “ካልኦት ኣባጊዕ”
ቍ. 4:- እቶም ምስ ህላዌ ክርስቶስ ዝተሓሓዙ ፍጻሜታት ኣብ ውሽጢ ገለ ዓመታት ይፍጸሙ (ቅም ገጽ 340 ሕጡብ ጽ. 2, 3)
26 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 38 ክሳዕ 41
መዝሙር ቍ. 117 (75)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 24-27 ቍ. 1-11
ቍ. 2:- ኤርምያስ 38:1-13
ቍ. 3:- ምኣ 38ለ ማእሰር መርዓ ክቡር ክኸውን ይግባእ
ቍ. 4:- ምምላስ ክርስቶስ ዘይርአ ኢዩ (ቅም ገጽ 341 ሕጡብ ጽ. 1–3)
4 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 42 ክሳዕ 45
መዝሙር ቍ. 44 (78)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 27-29 ቍ. 12-20
ቍ. 2:- ኤርምያስ 43:1-13
ቍ. 3:- ምኣ 38ሐ እቲ ናይ ርእስነት ሕጊ ብክርስትያናት ክኸብር ኣለዎ
ቍ. 4:- የሱስ ዝምለሰሉ ኣገባብን ብኸመይ ኵለን ኣዒንቲ ከም ዝርእያኦን (ቅም ገጽ 341 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 343 ሕጡብ ጽ. 2)
11 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 46 ክሳዕ 48
መዝሙር ቍ. 46 (20)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 29-31 ቍ. 1-7
ቍ. 2:- ኤርምያስ 48:1-15
ቍ. 3:- ምኣ 38መ ሓላፍነት ክርስትያን ወለዲ ኣብ ደቆም
ቍ. 4:- ምስ ህላዌ ክርስቶስ እተኣሳሰሩ ፍጻሜታት (ቅም ገጽ 343–ገጽ 344 ሕጡብ ጽ. 1)
18 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 49 ከምኡውን 50
መዝሙር ቍ. 175 (104)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 31-33 ቍ. 8-15
ቍ. 2:- ኤርምያስ 49:1-11, 15-18
ቍ. 3:- ምኣ 38ሠ ክርስትያናት ንክርስትያናት ብጾቶም ጥራይ ክምርዓዉ ኣለዎም
ቍ. 4:- ክርስትያናት ንሕጊ ሰንበት ክሕልዉ ኣይሕተቱን ኢዮም (ቅም ገጽ 344 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 345 ሕጡብ ጽ. 4)
25 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 51 ከምኡውን 52
መዝሙር ቍ. 70 (39)
ቍ. 1:- ኤርምያስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 129 ቍ. 36-39)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 51:41-57
ቍ. 3:- ምኣ 38ረ ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዙሓት ኣንስቲ ኣይምርዓዉን
ቍ. 4:- ኣዳም መዓልቲ ሰንበት የኽብር ነበረ ዝብል ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን (ቅም ገጽ 345 ሕጡብ ጽ. 5–ገጽ 346 ሕጡብ ጽ. 2)
1 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ድጕዓ ኤርምያስ 1 ከምኡውን 2
መዝሙር ቍ. 170 (95)
ቍ. 1:- መእተዊ ድጕዓ ኤርምያስ (ቅመዝ ገጽ 130-1 ቍ. 1-7)
ቍ. 2:- ድጕዓ ኤርምያስ 2:13-22
ቍ. 3:- ምኣ 39ሀ ማርያም “ወላዲት ኣምላኽ” ኣይነበረትን
ቍ. 4:- የሱስ ንሕጊ ሙሴ ናብ ናይ “በዓል” ከምኡውን “ሞራል” ክፍልታት ኣይከፈሎን (ቅም ገጽ 346 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 347 ሕጡብ ጽ. 1)
8 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ድጕዓ ኤርምያስ 3 ክሳዕ 5
መዝሙር ቍ. 140 (77)
ቍ. 1:- ድጕዓ ኤርምያስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 132 ቍ. 13-15)
ቍ. 2:- ድጕዓ ኤርምያስ 5:1-22
ቍ. 3:- ምኣ 39ሐ ማርያም “ዘለኣለማዊት ድንግል” ከም ዘይኰነት መጽሓፍ ቅዱስ የርኢ
ቍ. 4:- እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ምስ ሕጊ ሙሴ ሓሊፉ ኢዩ (ቅም ገጽ 347 ሕጡብ ጽ. 2, 3)
15 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 1 ክሳዕ 4
መዝሙር ቍ. 112 (59)
ቍ. 1:- መእተዊ ህዝቅኤል (ቅመዝ ገጽ. 132-3 ቍ. 1-6)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 3:16-27
ቍ. 3:- ምኣ 40ሀ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዝኽሪ እንታይ ከም ዝብል
ቍ. 4:- እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ምስ ሓለፈ ስለምንታይ እቲ ስነ-ምግባራዊ ቀይዲ ከም ዘየልገሰ (ቅም ገጽ 348 ሕጡብ ጽ. 1, 2)
22 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 5 ክሳዕ 8
መዝሙር ቍ. 180 (100)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 33-36 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 5:1-15
ቍ. 3:- ምኣ 40ለ ቅዱስ ቍርባን ጽሑፋዊ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ንክርስትያን ሰንበት እንታይ ማለት ከም ዝዀነ (ቅም ገጽ 348 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 350 ሕጡብ ጽ. 1)
29 ሚያ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ኤርምያስ 13 ክሳዕ ህዝቅኤል 8 ሸፍኖ
መዝሙር ቍ. 113 (62)
6 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 9 ክሳዕ 11
መዝሙር ቍ. 124 (75)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 36-39 ቍ. 10-17
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 9:1-11
ቍ. 3:- ኣምላኽ ሕጕስ መጻኢ ክህልወካ ኢዩ ዝደሊ (ፍል ገጽ 6-7 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ንመን ኢዩ ቅዱሳት ዝብሎም (ቅም ገጽ 351 ሕጡብ ጽ. 1–3)
13 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 12 ክሳዕ 14
መዝሙር ቍ. 105 (46)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ. 39-41 ቍ. 1-11
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 14:1-14
ቍ. 3:- ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነት—ሕልሚ ኣይኰነን (ፍል ገጽ 7-9 ቍ. 6-10)
ቍ. 4:- ስለምንታይ ናብ “ቅዱሳት” ከም ዘይንጽሊ (ቅም ገጽ 352 ሕጡብ ጽ. 1-3)
20 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 15 ከምኡውን 16
መዝሙር ቍ. 149 (69)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ. 41-44 ቍ. 12-18
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 16:46-63
ቍ. 3:- ህይወት ኣብ ገነት ከመይ ከም ዝመስል (ፍል ገጽ 9-10 ቍ. 11-16)
ቍ. 4:- እቲ ሓቂ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ቅርስታት ከምኡውን ምስሊ ናይ “ቅዱሳን” ምኽባር (ቅም ገጽ 353 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 354 ሕጡብ ጽ. 1)
27 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 17 ክሳዕ 19
መዝሙር ቍ. 120 (26)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 44-46 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 18:21-32
ቍ. 3:- ፍልጠት ኣምላኽ ስለምንታይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ (ፍል ገጽ 10-11 ቍ. 17-19)
ቍ. 4:- ሓቀኛታት ቅዱሳት ክርስትያናት ካብ ሓጢኣት ናጻ ኣይኰኑን (ቅም ገጽ 354 ሕጡብ ጽ. 2)
3 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 20 ከምኡውን 21
መዝሙር ቍ. 144 (78)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 46-49 ቍ. 9-20
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 21:18-32
ቍ. 3:- እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ (ፍል ገጽ 12-13 ቍ 1-6)
ቍ. 4:- ጠቕላላዊ ድሕነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኰነን (ቅም ገጽ 355 ሕጡብ ጽ. 2)
10 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 22 ከምኡውን 23
መዝሙር ቍ. 222 (119)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 49-51 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 22:17-31
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገልጽ (ፍል ገጽ 14-15 ቍ. 7-9
ቍ. 4:- ኣብ መወዳእታ ኵሎም ሰባት ክድሕኑ ድዮም፧ (ቅም ገጽ 356 ሕጡብ ጽ. 1)
17 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 24 ክሳዕ 26
መዝሙር ቍ. 160 (88)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 51-54 ቍ. 9-18
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 26:1-14
ቍ. 3:- ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እትኣምና (ፍል ገጽ 15-16 ቍ. 10-13)
ቍ. 4:- “ኵሎም ዓይነት ሰባት” ክድሕኑ ኢዮም (ቅም ገጽ 356 ሕጡብ ጽ. 2)
24 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 27 ክሳዕ 29
መዝሙር ቍ. 159 (67)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 54-56 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 29:1-16
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛን ዘተኣማምንን ኢዩ (ፍል ገጽ 17 ቍ. 14, 15
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኦም ፈጺሞም ከም ዘይድሕኑ ይዛረብ (ቅም ገጽ 357 ሕጡብ ጽ. 1-3)
1 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 30 ክሳዕ 32
መዝሙር ቍ. 132 (70)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 56-58 ቍ. 9-16
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 31:1-14
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ኢዩ (ፍል ገጽ 17-18 ቍ. 16-18)
ቍ. 4:- ሓንሳብ ምስ ደሓንካ ንዅሉ ግዜ ድሒንካ ማለት ኣይኰነን (ቅም ገጽ 357 ሕጡብ ጽ. 4–7)
1 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 30 ክሳዕ 32
መዝሙር ቍ. 132 (70)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 56-58 ቍ. 9-16
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 31:1-14
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ኢዩ (ፍል ገጽ 17-18 ቍ. 16-18)
ቍ. 4:- ሓንሳብ ምስ ደሓንካ ንዅሉ ግዜ ድሒንካ ማለት ኣይኰነን (ቅም ገጽ 357 ሕጡብ ጽ. 4–7)
8 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 33 ከምኡውን 34
መዝሙር ቍ. 84 (30)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 58-61 ቍ. 1-12
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 34:17-30
ቍ. 3:- ብዛዕባ የሱስ ዝምልከቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት (ፍል ገጽ 19-21 ቍ. 19, 20)
ቍ. 4:- እምነት ስለምንታይ ግብሪ ክህልዋ ከም ዝግባእ (ቅም ገጽ 357 ሕጡብ ጽ. 8–ገጽ 358 ሕጡብ ጽ. 3)
15 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 35 ክሳዕ 37
መዝሙር ቍ. 38 (65)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 61-63 ቍ. 13-18
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 35:1-15
ቍ. 3:- ንፍልጠት ኣምላኽ ባህጊ ኣሕድር (ፍል ገጽ 21-2 ቍ. 21-3)
ቍ. 4:- ብሓቂ ሰይጣን ከም ዘሎ ብኸመይ ከም እንፈልጥ (ቅም ገጽ 360 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 361 ሕጡብ ጽ. 1)
22 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 38 ከምኡውን 39
መዝሙር ቍ. 26 (9)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 63-66 ቍ. 1-10
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 38:1-4, 10-12, 18-23
ቍ. 3:- እቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ስሙን (ፍል ገጽ 23-4 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ሰባት ዘሎ ክፍኣት ኣይኰነን (ቅም ገጽ 361 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 362 ሕጡብ ጽ. 1)
29 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 40 ክሳዕ 44
መዝሙር ቍ. 67 (38)
ቍቍ. 1:- ቤመ ገጽ 66-69 ቍ. 11-22
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 40:1-15
ቍ. 3:- ስለምንታይ ስም ኣምላኽ ክትጥቀም ከም ዝግብኣካ (ፍል ገጽ 24-5 ቍ. 6-8)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ንድያብሎስ ኣይፈጠሮን (ቅም ገጽ 362 ሕጡብ ጽ. 2)
5 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 45 ክሳዕ 48
መዝሙር ቍ. 63 (32)
ቍ. 1:- ህዝቅኤል—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 137 ቍ. 29-33)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 47:1-12
ቍ. 3:- የሆዋ ንስሙ ብኸመይ ዓቢ ከም ዝገብሮ (ፍል ገጽ 25-7 ቍ. 9-13)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ንሰይጣን ድሕሪ ምዕላዉ ሽዑ ከጥፍኦ ስለምንታይ ከም ዘይተለዓዓለ (ቅም ገጽ 362 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 363 ሕጡብ ጽ. 1)
12 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 1 ከምኡውን 2
መዝሙር ቍ. 102 (53)
ቍ. 1:- መእተዊ ዳንኤል (ቅመዝ ገጽ 138-9 ቍ. 1-6)
ቍ. 2:- ዳንኤል 2:31-45
ቍ. 3:- ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ባህርያት (ፍል ገጽ 27-8 ቍ. 14-16)
ቍ. 4:- ነቲ ናይ ሰይጣን ሓይልታት ኣይተናእስዎ (ቅም ገጽ 363 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 364 ሕጡብ ጽ. 1)
19 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 3 ከምኡውን 4
መዝሙር ቍ. 41 (22)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 69-72 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ዳንኤል 3:16-30
ቍ. 3:- የሆዋ ኣምላኽ መሓርን ጸጋውን ኢዩ (ፍል ገጽ 28-9 ቍ. 17-19)
ቍ. 4:- ካብ ናይ ሰይጣን እኩይ ተጽዕኖ እፎይታ ቀሪቡ ኢዩ (ቅም ገጽ 364 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 365 ሕጡብ ጽ. 2)
26 ነሓ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ህዝቅኤል 9 ክሳዕ ዳንኤል 4 ሸፍኖ
መዝሙር ቍ. 114 (61)
2 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 5 ከምኡውን 6
መዝሙር ቍ. 56 (33)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 72-73 ቍ. 9-13
ቍ. 2:- ዳንኤል 6:4-11, 16, 19-23
ቍ. 3:- የሆዋ ንዅራ ደንጓዪ: ዘየዳሉ: ከምኡውን ጻድቕ ኢዩ (ፍል ገጽ 30 ቍ. 20, 21)
ቍ. 4:- ኵሉ ጾታዊ ርክባት ሓጢኣት ድዩ፧ (ቅም ገጽ 366 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 367 ቍ. 1)
9 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 7 ከምኡውን 8
መዝሙር ቍ. 138 (71)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 73-75 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ዳንኤል 7:2-14
ቍ. 3:- የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ኢዩ (ፍል ገጽ 30-1 ቍ. 22, 23)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሰዶም እንታይ ከም ዝብል (ቅም ገጽ 367 ሕጡብ ጽ. 3–5)
16 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 9 ከምኡውን 10
መዝሙር ቍ. 123 (63)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 75-78 ቍ. 9-17
ቍ. 2:- ዳንኤል 9:20-27
ቍ. 3:- የሱስ ክርስቶስ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ መፍትሕ ኢዩ (ፍል ገጽ 32-3 ቍ. 1-3)
ቍ. 4:- ንኣምላኽ ንምሕጓስ ክግበሩ ዘለዎም ለውጥታት (ቅም ገጽ 368 ሕጡብ ጽ. 1–3)
23 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 11 ከምኡውን 12
መዝሙር ቍ. 88 (42)
ቍ. 1:- ዳንኤል—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 141-2 ቍ. 19-23)
ቍ. 2:- ዳንኤል 12:1-13
ቍ. 3:- እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ (ፍል ገጽ 33 ቍ. 4, 5)
ቍ. 4:- ፍጹም ሰብ ስለምንታይ ክሓጥእ ከም ዝኽእል (ቅም ገጽ 370 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 371 ሕጡብ ጽ. 1)
30 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሆሴእ 1 ክሳዕ 5
መዝሙር ቍ. 50 (23)
ቍ. 1:- መእተዊ ሆሴእ (ቅመዝ ገጽ 143-4 ሕጡብ ጽ. 1-8)
ቍ. 2:- ሆሴእ 5:1-15
ቍ. 3:- ናይ የሱስ ወለዶ እቲ መሲሕ ምዃኑ የፍልጦ (ፍል ገጽ 34 ቍ. 6)
ቍ. 4:- ናይ ሓጥያት እንታይነት ስለምንታይ ከም እነለሊ (ቅም ገጽ 371 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 372 ሕጡብ ጽ. 4)
7 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሆሴእ 6 ክሳዕ 10
መዝሙር ቍ. 185 (98)
ቍ. 1:- ቤመ ገጽ 78-80 ቍ. 1-10
ቍ. 2:- ሆሴእ 8:1-14
ቍ. 3:- እተፈጸሙ ትንቢታት: የሱስ እቲ መሲህ ከም ዝዀነ የፍልጥዎ (ፍል ገጽ 34-6 ቍ. 7, 8)
ቍ. 4:- ሓጢኣት ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዘለዎ ሳዕቤን (ቅም ገጽ 373 ሕጡብ ጽ. 1–4)
14 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሆሴእ 11 ክሳዕ 14
መዝሙር ቍ. 146 (80)
ቍ. 1:- ሆሴእ—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 145 ሕጡብ ጽ. 14-17)
ቍ. 2:- ሆሴእ 11:1-12
ቍ. 3:- የሱስ መሲህ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ተወሳኺ መርትዖ (ፍል ገጽ 36 ቍ. 9)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ከም ዝብል (ቅም ገጽ 374 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 375 ሕጡብ ጽ. 1)
21 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮኤል 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 143 (76)
ቍ. 1:- መእተዊ ዮኤል ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 146-8 ቍ. 1-5, 12-14)
ቍ. 2:- ዮኤል 2:1-11, 28-32
ቍ. 3:- የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ምስክርነት ይህብ (ፍል ገጽ 38 ቍ. 10, 11)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ እንስሳታት ነፍሳት ኢዮም ይብል (ቅም ገጽ 375 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 376 ሕጡብ ጽ. 2)
28 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣሞጽ 1 ክሳዕ 5
መዝሙር ቍ. 151 (25)
መዝሙር ቍ. 151 (25)
ቍቍ. 1:- መእተዊ ኣሞጽ (ቅመዝ ገጽ 148-9 ቈ. 1-6)
ቍ. 2:- ኣሞጽ 3:1-15
ቍ. 3:- የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህላወ (ፍል ገጽ 39 ቍ. 12-14)
ቍ. 4:- ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ ትዅን መንፈስ ብህይወት ኣይቅጽሉን ኢዮም (ቅም ቍ. ቍ. 3:- የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህላወ (ፍል ገጽ 39 ቍ. 12-14)ቍገጽ 376 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 378 ሕጡብ ጽ. 4)
4 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣሞጽ 6 ክሳዕ 9
መዝሙር ቍ. 212 (110)
ቍ. 1:- ኣሞጽ—ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 150 ቍ. 13-17)
ቍ. 2:- ኣሞጽ 8:1-14
ቍ. 3:- ናይ የሱስ ህይወት ኣብ ምድሪ (ፍል ገጽ 40-1 ቍ. 15-17)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝገልጾ (ቅም ገጽ 379 ሕጡብ ጽ. 1-3)
11 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኦብድያ ክሳዕ ዮናስ 4
መዝሙር ቍ. 215 (117)
ቍ. 1:- መእተዊ ኦብድያን ዮናስን ከምኡውን ስለምንታይ ጠቐምቲ (ቅመዝ ገጽ. 151-3 ቍ. 1-5, 10-14፣ ገጽ 153-5 ቍ. 1-4, 9-12)
ቍ. 3:- የሱስ ህያው ኢዩ: ከም ንጉስ ኰይኑ ኸኣ ይገዝእ ኣሎ (ፍል ገጽ 41-2 ቍ. 18-20)
ቍ. 4:- ሓደ ሰብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎ መረጋገጺ (ቅም ገጽ 380 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 380 ሕጡብ ጽ. 4)
18 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሚክያስ 1 ክሳዕ 4
መዝሙር ቍ. 139 (74)
ቍ. 1:- መእተዊ ሚክያስ (ቅመዝ ገጽ 155-6 ቍ. 1-8)
ቍ. 2:- ሚክያስ 4:1-12
ቍ. 3:- ኣምላኽ ዝቕበሎ ኣምልኾ (ፍል ገጽ 43-5 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- እቲ ኣካል ክመውት ከሎ ዘይመውት ክፍሊ ናይ ሰብ ዝዀነ መንፈስ የለን (ቅም ገጽ 381 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 382 ሕጡብ ጽ. 1)
25 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሚክያስ 5 ክሳዕ 7
መዝሙር ቍ. 162 (89)
ቍ. 1:- ሚክያስ—ስለምንታይ ጠቓሚ (ቅመዝ ገጽ 157-8 ቍ. 16-19)
ቍ. 2:- ሚክያስ 6:1-16
ቍ. 3:- ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም (ፍል ገጽ 46-7 ቍ. 6-10)
ቍ. 4:- ምስ “መንፈስ” ናይ ዝሞተ ሰብ ርክብ የልቦን (ቅም ገጽ 383 ሕጡብ ጽ. 1-4)
2 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ናሆም 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 168 (84)
ቍ. 1:- መእተዊ ናሆም ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 158-60 ሕጡብ ጽ. 1-7, 11, 12)
ቍ. 2:- ናሆም 1:2-14
ቍ. 3:- ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝደልዮ ምምላኹ (ፍል ገጽ 48 ቍ. 11-13)
ቍ. 4:- ሓቀኛታት ክርስትያናት ስለምንታይ ንዅሉ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ከም ዝነጽግዎ (ቅም ገጽ 384 ሕጡብ ጽ. 1)
9 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣንባቆም 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 47 (21)
ቍ. 1:- መእተዊ ኣንባቆም ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ. 161-3 ቍ. 1-5, 12-14)
ቍ. 2:- ኣንባቆም 1:12–2:8
ቍ. 3:- ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ተጠንቀቕ (ፍል ገጽ 49-50 ቍ. 14-17)
ቍ. 4:- ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ኣወግድ (ቅም ገጽ 384 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 385 ሕጡብ ጽ. 5)
16 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ጸፎንያስ 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 172 (92)
ቍ. 1:- መእተዊ ጸፎንያስ ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 163-6 ቍ. 1-6, 10-12)
ቍ. 2:- ጸፎንያስ 1:7-18
ቍ. 3:- ናይ ኣምላኽ ዝለዓለ ስርዓታት ሓሉ (ፍል ገጽ 50-1 ቍ. 18, 19)
ቍ. 4:- ብዛዕባ ጋኔናዊ ሓይልታት ግዱስ ኣይትዅን (ቅም ገጽ 385 ሕጡብ ጽ. 6–ገጽ 387 ሕጡብ ጽ. 1)
23 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሃጌ 1 ከምኡውን 2
መዝሙር ቍ. 152 (82)
ቍ. 1:- መእተዊ ሃጌ ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (ቅመዝ ገጽ 166-8 ቍ. 1-7, 13-16)
ቍ. 2:- ሃጌ 2:6-19
ቍ. 3:- ንየሆዋ ናይ ምሉእ ነፍሲ ኣምልኾ ሃቦ (ፍል ገጽ 51-2 ቍ. 20-2)
ቍ. 4:- ካብ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተጽዕኖ ብኸመይ ናጻ ከም እትኸውን (ቅም ገጽ 387 ሕጡብ ጽ. 2-6)
30 ታሕ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ዳንኤል 5 ክሳዕ ሃጌ 2 ሸፍኖ
ቍ. 4:- ካብ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተጽዕኖ ብኸመይ ናጻ ከም እትኸውን (ቅም ገጽ 387 ሕጡብ ጽ. 2-6)
30 ታሕ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ዳንኤል 5 ክሳዕ ሃጌ 2 ሸፍኖ
መዝሙር ቍ. 34 (8)