ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
1 ብዘይ ምቍራጽ ብስራት ክንእውጅ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ናይቲ ብስራት ሰባኺ ክትከውን እቲ ዘድሊ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ አረ ሓፋራት ሰባት እውን ከይተረፉ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከካፍልዎ ተበግሶ ክወስዱ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧ እዚኣቶምን ካልኦት ዘተሓሳስቡ ሕቶታትን ኣብቲ ኣብ መስከረም ዝጅምር “ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት መጠን ብቑዓት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ክምለሱ ኢዮም።—ምስ 2 ቈረንቶስ 3:5 ኣረኣእዮ።
2 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ብዛዕባ ባህርያትና ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና። ነቲ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ብኸመይ ከም እተቓወምዎ ዝገልጽ ዘተባብዕ ተሞክሮታት ብመንእሰያት ክውሃብ ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ከለማምድዎም ኣድላዪ ምዃኑ ዝምልከት ፍቕራዊ ምትብባዕ ክረኽቡ ኢዮም። ኵልና ናይ ስብከት ተደላይነትን እቲ ንዓናን ነቶም ዝሰምዑናን ዘምጽኣልና በረኸትን ከነማስወሉ ክንሕገዝ ኢና።—1 ጢሞ. 4:16
3 ብርግጽ ጥምቀት ናይታ መዓልቲ ቀንዲ ነገር ክኸውን ኢዩ። ቅድሚ እቲ ጥምቀት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብፍላይ ናብቶም ሓደስቲ እተወፈዩ ሰባት ዘተኰረ ዝርርብ ክወሃብ ኢዩ። ልክዕ’ዩ: እቲ ናይ ጥምቀት ኣርእስቲ ክዝረበሉ ከሎን እቲ ትርጕሙ ክንጸር ከሎን ኵሎም ኣብኡ ዘለዉ ተጠንቂቖም ክሰምዑ ክደልዩ ኢዮም። ኣብዚ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ክጥመቕ ዝደሊ ዝዀነ ሰብ: እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ነቲ እተዳለወ ሕቶታት ምስ ሽማግለታት ኰይኖም ክደግምዎ እኹል ግዜ ምእንቲ ክህልዎም ምትዕርራይ ክገብር: ነቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኣቐዲሙ ከፍልጦ ኣለዎ።
4 ካልእ ኣገዳሲ ነገር ድማ እቲ ብዕዱም ተዛራባይ ዝወሃብ ቀንዲ ዝርርብ ክኸውን ኢዩ። ኣርእስቱ “ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ብቑዓትን ዕጡቓትን” ዝብል ኢዩ። ከም ኣገልገልቲ መጠን ዘዕጥቑና ኣርባዕተ ቀንዲ ምድላዋት ክዝረበሎም ኢዩ: ከምኡውን እቲ ዝርርብ እምነት ዝሃንጽ ተሞክሮታት ክህልዎ ኢዩ።
5 ኣብ ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ምእንቲ ክትካፈል ሕጂ መደብ ግበር። ካብዛ ናይ ቲኦክራቲካዊ ትምህርቲ መዓልቲ እዚኣ ምእንቲ ክጥቀሙ ተገደስቲ ሰባትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታትን ክትዕድሞም ርግጸኛ ኵን። በዚ መገዲ እዚ ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት መጠን “ምሉእ ብምሉእ ብቑዓት” ምዃንና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።