ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ነሓሰ
7 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታት። ኣብ ኣቀራርባ ክጠቅም ዝኽእል ኣብቲ እዋናዊ ሕግታት ናይተን መጽሔታት ዝወጸ ዓንቀጻት ኣመልክት።
15 ደቒቕ:- “ከመይ ዝበሉ ሰባት ክትኰኑ ኢዩ ዝግብኣኩም፧” ብሕቶን መልስን።
20 ደቒቕ:- “ብሮሹራት ብምጥቃም—ናይ ቃል ኣምላኽ መምህራን ኵኑ።” እቲ ነዛ ክፍሊ እዚኣ እተመዘዘ ሓው ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ኰይኑ እተፈላለየ መግለጺታት ናይተን ብሮሹራት ይመያየጥ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣቀራርባኦም ኣብ ንሓድሕዶም ይለማመድሉ። ከምኡውን ነቲ ኣብ “ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ክትምልስ ከም ዘሎካ ፍለጥ” ዝብል ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ጥቐስ።
መዝሙር 137ን መዕጸዊ ጸሎትን።
14 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
13 ደቒቕ:- “ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ስሉጥ ኣመሃህራ ይሓትት።” ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ኣቕርቦም እሞ ሓደ ወይ ክልተ ሓጸርቲ ተዋስኦታት ይሃልዋኻ።
15 ደቒቕ:- “ዝሕጐሱ ወለዲ!” ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ካብቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ እንግሊዝኛ ገጽ 13-15 ቍጽሪ 14-23 ዘሎ ሓሳባት ወስኸሉ።
12 ደቒቕ:- “ክርስትያናዊ ጠባይ ኣብ ቤት ትምህርቲ።” ብሕቶን መልስን። ወለዲ ነቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 23-6 ዘሎ ብፍላይ ነቲ ንቈልዑ ከጋጥሞም ዝኽእል ፈተና ዝገልጽ ክፍሊ ምስ ደቆም ኰይኖም ክርእይዎ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 157ን መዕጸዊ ጸሎትን።
21 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኵሎም ነታ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ከምጽእዋ ኣዘኻኽሮም።
18 ደቒቕ:- “ንዅሉ ሰናይ ዕዮ ገዛእ ርእስና ብፍታው ምቐራብ።” ካብ ቍጽሪ 1-9 ብሽማግለ ዝወሃብ ውዕዉዕ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- “ንዅሉ ሰናይ ዕዮ ገዛእ ርእስና ብፍታው ምቕራብ።” ብሕቶን መልስን ዝሽፈን: ካብ ቍጽሪ 10-15። ነቲ ከባቢ ዘድልን ኵሎም ሓገዝ ከህብሉ ዝኽእሉ መገድን ኣመልክት።
መዝሙር 156ን መዕጸዊ ጸሎትን።
28 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 173
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ መስከረም ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ኣበርክታ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ምብጻሕ ዘለዋ እጃም ኣብርህ። (ናይ 1 ሚያዝያ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-6 ቍጽሪ 17-18 ርአ።) ነቲ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ዘሎ ተሞክሮ ኣዘንትዎ። ነቶም ኣብ ገጽ 3, 11-13, ከምኡውን 156-8 ዘለዉ ዘገርሙ ስእላዊ መግለጺታት ኣቕልበሎም። እዞም ስእላዊ መግለጺታት እዚኣቶም ንዝርርባት መጀመሪ ክጠቕምሉ ዝኽእልሉ መገድታት ተመያየጠሎም። ብሓደ ካብቶም ኣብ ገጽ 156-8 ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ገይሩ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ብተዋስኦ ዘቕርብ ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ኣዳሉ። ነቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዝግበር ናይ ፈተነ ሸቶ ኣጕልሓዮ። ኵሎም ነቲ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እዚ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ክማልኡ ኣዘኻኽሮም።
25 ደቒቕ:- “ ‘ሕጕሳት ወደስቲ’ ናይ 1995 ኣውራጃዊ ኣኼባ።” ካብታ ናይ ሓምለ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው እተመርኮሰ ብሕቶን መልስን ዝወሃብ።
መዝሙር 178ን መዕጸዊ ጸሎትን።