ዝሕጐሱ ወለዲ!
1 ኣብ ክርስትያናዊ ቤት እትነብር መንእሰይ እንተድኣ ኴንካ: ንወለድኻ ሕጕሳት እትገብረሉ ፍሉይ መገዲ ኣሎ። ጽድቃዊ ዝዀነ መገዲ እንተድኣ ስዒብካ “ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይብሎም።” (ምሳ. 23:22-25) ብባህርያዊ መገዲ ወለድኻ ንዓኻ እቲ ዝበለጸ ኢዮም ዝደልዩ። ሓቂ ናትካ ክትገብራን ህይወትካ ንየሆዋ ክትውፍያን ክርእዩ: ካብዚ ዝዓቢ ከሐጕሶም ዝኽእል የልቦን።
2 ኣብ ሓቂ ዘለዉ ወለዲ ክህልዉኻ: ኣመስጋኒ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብ እትውለድ ኣትሒዞም ኣብሊዖምኻ: ከዲኖምኻ: ኣዕቊቦምኻ: ኣብ ግዜ ሕማም ድማ ተኸናኺኖምኻ ኢዮም። ኣዝዩ ዘገድስ ድማ: ብዛዕባ የሆዋን ጽድቃዊ መገድታቱን ክምህሩኻ ጽዒሮም ኢዮም፣ እዚ ዘለኣለማዊ ህይወትካ ከረጋግጸልካ ዝኽእል ልምምድ ኢዩ። (ኤፌ. 6:1-4) ሞሳኻ ብኸመይ ክትገልጽ ምኸኣልካ፧
3 ሓቂ ናትካ ግበራ:- ወለድኻ ንሓቂ ኣርዚንካ ምእንቲ ክትርእያ: መንፈሳዊ ምዕባለ ክትገብር: ከምኡውን ምስ ማሕበር የሆዋ ምእንቲ ክትቀራረብ ክምህሩኻ ፈቲኖም ኢዮም። ኣብቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ከይተገደድካ ተገዳስነት ብምርኣይ ሞሳኻ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። እታ ስድራቤት ኣብ ሰዓታ ምእንቲ ክትበጽሕ ንኽትቀራረብ ናትካ ተበግሶ ብምውሳድ ንኣኼባታት ክትካፈል ዘሎካ ድሌት ኣርኢ። ኣብ ግዜ ኣኼባ ምስ ወለድኻ ኮፍ በል: ነቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፋት ብምክትታል ጥብቕ ዝበለ ኣቓልቦ ግበር። ሓሳባት ብምሃብ ኣብ ኣኼባታት እጃም ክህልወካ ጽዓር። ክፍልታት ብምውሳድን ንኽትፍጽሞም እቲ ዝከኣለካ ብምግባርን: ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ፍቓደኛ ተማሃራይ ምዃንካ ኣርኢ። ኣብቲ ሓገዝካ ኣድላዪ ዝዀነሉ ብምክፋል: ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ዝግበር ዕዮታት ክትሕግዝ ወለንተኛ ኵን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት ምስታፍ: ንልብኻ ኣብቲ ንመንፈሳውነትካ ጽቡቕ ዝዀነ ነገር ከም ዘተኵር ክገብሮ ኢዩ።
4 እናዓበየ ዝኸይድ ሸቶታት ግበር:- ብቑዕ ኣስፋሒ ክትከውን ዘሎካ ድሌት ብምግላጽ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ትርጕም ዘለዎ እጃም ክህልወካ ተመጣጠር። ነቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኸታተሎ: ወይ ድማ ዝያዳ ዝበለጸ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልእታ ባዕልኻ ኣንብባ። ነቲ ናይ ወፈያን ጥምቀትን ብቕዓታት ንኸተማልኦ ቆሪጽካ ተላዓል። ወለድኻ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልወካ ዘዕጥቕ ምልምማድ ክትረክብ ብዝብል ኣተሓሳስባ: ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ዓይነት ትምህርትታትካ ክትምድብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። ናብቲ ካልኦት ንፍሉይ መሰል ከም ፓይነር ምዃን ወይ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ዘኣመሰለ ንኽሕጸዩኻ ዘለዓዕሎም ዓይነት ባህሪ ኣብ ምምዕባል ኣተኵር። (ግብ. 16:1, 2) ኣብ ሸቶኻ ምብጻሕ ‘ፍረ ጽድቂ መሊእካ እቲ ዚሐይሽ ክትምርም’ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።—ፊል. 1:10, 11
5 ንእስነት እትማሃረሉ: ተመኵሮ እትድልበሉ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ንምምልላስ ክእለት እተጥርየሉ ግዜ ኢዩ። እዚ እቲ እናዓበኻ ምስ ከድካ ዝመጽእ ኵሉ ጽቕጥታትን ሓላፍነታትን ዘይብሉ ህይወት ከተስተማቕረሉ እትኽል ግዜ ኢዩ። ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ኣታ ወዲ: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ።” (መክ. 11:9) ኣብ ግዜ ንእስነትካ ልብኻ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እንተድኣ ኣቃኒዕካዮ: ንዘለኣለም ዝነብር በረኸታት ክትዓጽድ ኢኻ።—1 ዜና. 28:9
6 ኣብ ክንዲ “ትምኒት ጕብዝና” ‘ኣስኣሰር ጽድቂ እንተድኣ ስዒብካ’: ንወለድኻ ካብ ከቢድ ሰኸም ናይ ጭንቀትን ጓሂ ልብን ከተዕርፎም ኢኻ። (2 ጢሞ. 2:22) ልብኻ ንኽሕጐስ ምኽንያት ክትህቦ ኢኻ። (ምሳ. 12:25) ልዕሊ ዅሉ ድማ ንፈጣሪኻ: የሆዋ ኣምላኽ: ሓጐስ ከተምጽኣሉ ኢኻ።—ምሳ. 27:11