ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሰነ
5 ሰነ እትጅምር ሰሙን
12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታትን። ንናይ ዝመጽእ ንጥፈታት ጥቐስ፣ ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ክዀኑ: ኣብ ኣኼባታት ክርከቡ: ጸብጻብ ክህቡ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- “የሆዋ ሓይሊ ይህብ ኢዩ።” ብሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ 1 ለካቲት 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 32 ዘሎ ተመኩሮ ንገር።
18 ደቒቕ:- “ንስድራቤታት ሕጕሳት እንገብረሉ ሓገዝ።” ምስ ተሳተፍቲ ተመያየጠሎም። ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዝቐርብ ዘርኢ ክልተ ተዋስኦታት ኣዳሉ። ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን እተዓደለ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ ምክትታል ብኸመይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም ዝግበር ሓጸርቲ ሓሳባት ወስኸሉ።
መዝሙር 17ን መዕጸዊ ጸሎትን
12 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 221
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
17 ደቒቕ:- “ክርስቶስ ንመንእሰያት ከም መርኣያ ኢዩ።” ብሕቶን መልስን። ካብታ ናይ 1 መስከረም 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 4–6 ሓሳባት ወስኸሉ።
18 ደቒቕ:- “ኣብቲ ተገዳስነት ዝረኸብናሉ ናይ ምምላስ ህጹጽ ኣድላይነት።” ብሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዝፈቐዶ ዝበዝሕ ቍጽርታት ኣንብብ።
መዝሙር 122ን መዓጸዊ ጸሎትን
19 ሰነ እትጅምር ሰሙን
8 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንጥቀመሎም እንኽእል ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ መጽሔት ኣቀራርባታት ብተዋስኦ ኣዳሉ።
22 ደቒቕ:- ኣኼባታትና ኣኽቢድና ምርኣይ። ብመሰረት መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 77–80 ዝወሃብ ምይይጥ።
15 ደቒቕ:- “ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ።” ብሕቶን መልስን። ብዛዕባ ቲቪ ኣብ ምርኣይ ዝጠፍእ ግዜ ዝምልከት ነቲ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1991 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ “ምቍጽጻር” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ኣቕርቦ። ነቲ ምስ ዓለማውያን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ዘለዎ መፈንጠራ ሓሳባት ሃብ።
መዝሙር 208ን መዕጸዊ ጸሎትን
26 ሰነ እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣሕጽር ኣቢልካ ኣገዳስነት ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተመያየጥ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ምምሃር ዕዮና ዝፍጸም ተገዳስነት ክንኵስኵስ ምስ እንምለስ ኢዩ። በቲ ጽሑፋት ጥራይ መንፈሳዊ ምዕብልና ክገብሩ ዝኽእሉ ውሑዳት ኢዮም። ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ምስ እንሰንፍ: ንኽንሕግዞም ዘሎና ዝበለጸ ኣጋጣሚ ነጥፍኦ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት የፍሪ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሰሙን ኣብ ክንዲ ምጽባይ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ብምምላስ ዝበለጸ ውጽኢት ረኺቦም ኢዮም። ሒደት ደቓይቕ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘድሊ ተጠቐመሎም።—ንመጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 88–9 ርአ።
15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። በቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ብሕቶን መልስን ዝወሃብ። ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 91–2 ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
15 ደቒቕ:- ነቶም ኣብ ሓምለ ዝዕደሉ ጽሑፋት ዘርዝሮም። ናይቶም ኣብቲ ናይታ ጉባኤ መኽዘን ዘለዉ ብሮሹራት ጸብለል ዝበሉ ነጥብታት ተመያየጠሎም። ኣብ ማዕጾ ብኸመይ ከም ዝዕደሉ ዘርእዩ ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ኣብነታት:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ? [እንግሊዝኛ] (ኣብ ገጽ 26-7 ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት ኣመልክት: ከምኡውን ንሓደ ካብቶም ብዛዕባ እታ እትመጽእ ገነት ዝገልጹ ጥቕስታት ተመያየጠሎም።) እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ። [እንግሊዝኛ] (ናብ ገጽ 3 ቍጽሪ 1 ወይ ገጽ 31 ቍጽሪ 1 ገንጽል።) ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ? (ነቲ ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ ኣርኢ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ኣርእስትታትን ንኡስ ኣርእስትታትን ኣንብብ።) ናይ ምዉታት መናፍስቲ [እንግሊዝኛ] (ነቶም ኣብ ገጽ 2, 12, 20 ወይ 21 ዘለዉ ስእልታት ምስቲ ናይቲ ስእሊ ጽሑፍ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።) ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ንዅሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታትናን ተገዳስነት ዘርእዩ ኣዝማድናን ክንዕድላ ንዅሎም ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። እታ ጉባኤ እንታይ ብሮሹራት ሕጂ ኣብ መኽዘን ከም ዘሎ ትፍለጥ።
መዝሙር 225ን መዓጸዊ ጸሎትን