ክርስቶስ ንመንእሰያት ከም መርኣያ ኢዩ
1 ድሕሪ ነዊሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ሓደ መንእሰይ ከምዚ በለ:- “በቲ ሓያል ባህርያት ናይ የሱስ ክርስቶስ ተመሲጠ ኢየ። ክኣምኖ ዝኽእል መራሒ እዚ ኢዩ።” ንሓደ ብሃገር ደረጃ ዝፍለጥ ናይ ፓለቲካ ሰብ ወይ ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ውሩይ ከምዚ ክበሃለሎም ኣይክእልን ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቶም ብግህዶ ዓለማዊ መምዘኒታትን ክርስትያናዊ ዘይኰነ ናይ ናብራ ቅድን ዝሕዙ ከም መርኣያ ገይሮም ኣይርእይዎምን ኢዮም።—መዝ. 146:3, 4
2 መንእሰያት ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከርእዩ ከለዉ: ንገዛእ ርእሶም ከም ናይ ኣምላኽ በጊዕ ገይሮም ከም ዘቕርብዋን ብየሱስ ከም ዝፍለጡን ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ይሓልየሎም ኢዩ። (ዮሃ. 10:14, 15, 27) እቶም ንክርስቶስ ከም መርኣያኦም ገይሮም ዝስዕብዎ መንእሰያት እተባረኹ ኢዮም።
3 ሓደ ሕጂ ኣብ ብሩክሊን ቤትኤል ዘገልግል ዘሎ ሓው: ነዚ መሰል ኣገልግሎት እዚ ካብ ወዲ ሾመንተ ዓመት ኣትሒዙ ከም ሸቶ ገይሩ ሒዝዎ ነበረ። ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት: ምስ ዓበየ ናይ ክርስቶስ ኣብነት ዝቐድሓሉ ተግባራዊ መገዲ ምዃኑ ክግንዘብ ተተባቢዑ ኢዩ። ወለዱ ከምኡውን ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ቅድሚኡ ኣንበርሉ። ንኽዳሎ ምእንቲ ክሕግዞ: ንገዛእ ርእሱ ልክዕ ከም ኣባል ናይ ቤትኤል ስድራቤት ብህርኵትነት ክሳተፍ: ናይ ገዛ ዕዮ ክገብር: መንግስቲ ኣደራሽ ኣብ ምጽጋን ክሕግዝ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ክእለቱ ከማዕብል ኣተባቢዖምዎ ኢዮም። ሕጂ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ድሕሪ ምስትምቓር እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ናይ ክርስቶስ ኣብነት ክቐድሕ ጻዕሪ ምግባሩ ኣመስጋኒ ኢዩ።
4 እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝግበር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ብዙሕ ዓስቢ ዝህብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ዓለማዊ ስራሕ ኣይሰዓበን: ንሱስ ነቲ ኣገልግሎት ኢዩ ዝመረጸ። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመረቐት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ደለየት: ዝሰማማዕ ናይ ክፍለ–ግዜ ስራሕ ስለ ዘይነበራ ግን ኣድሓርሓረት። ከምዚ እናበለት ድማ ትሓስብ ነበረት:- ‘ቅድም ስራሕ ክረክብ ኢየ: ብድሕሪኡ ነቲ ናይ ፓይነር ምልክታ ከቕርብ ኢየ።’ ሓደ ሽማግለ: ነዊሕ ብእተጸበየት መጠን: ንኽትቅበሎ ዝኽልክላ ዋላ ሓንቲ ነገር ስለ ዘይህሉ እቲ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ዝያዳ ማራኺ እናዀነ ከም ዝኸይድ ሓበረላ። ከምዚ ድማ ትብል:- “መንፈሱ ክመርሓኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ።” ቀልጢፋ ሓጋዚት ፓይነር ኰነት: ጸኒሓውን ስርዓታዊት ፓይነር ኰነት። ብድሕሪኡ ብኡንብኡ ነቲ ናይ ፓይነር መደባ ዝሰማማዕ ስራሕ ረኸበት።
5 የሱስ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንዅሉ ሰብ ብትብዓት ኢዩ ኣዊጁ። (ማቴ. 4:23) ክርስትያን መንእሰያትውን ብኻልኦት ከይተዓናቐፉ ኣብ ስብከት ተባዓት ምእንቲ ክዀኑ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ወዲ 14 ዓመት ምስክር ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሰብ ከም ክርስትያን መጠን ዘሎኒ ኣቛም ይፈልጥ ኢዩ። . . . ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚደ ከለኹ ወዲ ኽፍለይ እንተድኣ ረኺበ: ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጥዎ ሕፍረት ኣይስመዓንን ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ደቂ ክፍለይ ይሰምዑኒ: ብዙሕ ግዜ ድማ ጽሑፋት ይቕበሉ።”
6 ኣብነት ክርስቶስ ኣብ ግምት ምእታው: ንመንእሰያት ብዛዕባ መጻኢኦም ጥበባዊ ውሳኔ ክገብሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ደድሕሪ ዓለማዊ ነገራት ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ቅንኢ ብምርኣይ ‘ንፈጣሪኦም ይዝክሩ’ ኢዮም። (መክ. 12:1) ከም ክርስቶስ የሱስ: ነቲ ካብቲ ብዓለም ዝቐርብ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝያዳ ተባሃጊ በረኸታት ዘምጽኣልካ “ፍቕሪ ኣቦ” ኢዮም ዝዅስኵሱ ዘለዉ። ምስዛ ኣረጊት ዓለም ኣብ ክንዲ ‘ዝሓልፉ’ ‘ንዘለኣለም ክነብሩ’ ኣማዕድዮም ክጥምቱ ይኽእሉ ኢዮም።—1 ዮሃ. 2:15-17