ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሚያዝያ
3 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 203
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታትን። “ነቲ ዝኽሪ ዘድልዩ ነገራት ምድላው” ተንትኖ።
15 ደቒቕ:- “በቲ ዘሎና ነመስግን” ብሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ካብታ ናይ 15/8/111 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13–15 ቍጽሪ 15–20 ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
20 ደቒቕ:- “ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!—ነዚ ህጹጽ ግዜና ዝኾኑ መጽሔታት!” ምስ ሰማዕቲ ተመያየጥ። ነዞም መጽሔታት ሞሳ ዝገልጽ ተመኩሮ ንገር። (ንቕሑ! 91 7/22 ገጽ 9 እንግሊዝኛ) በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ኣቀራርባ ክዳሎ ከም ዝኽእል ከርእዩ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣዳሉ: ብድሕሪኡ ነቲ ኣቀራርባኦም ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዘርእይዎ ግበር።
መዝሙር 219ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
10 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 212
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ናይ ወፈያ ኣፍልጦን ግበር። ነቶም ተገደስቲ ኣብቲ ዝኽሪ ክሳተፉ ክሕግዝዎም ከም ዘድሊ ንነፍሲ ወከፍ ኣዘኻኽር። ኣብዚ ቀዳመ–ሰንበት እዚ ኩሎም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ፍሉይ ጻዕሪ ክገብሩ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ናይታ መንግስቲ ሕብረትና ምዕቃብ።” ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሎም።
20 ደቒቕ:- “ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምን።” በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብሕቶን መልስን ዝሽፈን። ነታ ፍልይቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ናይ ቤተ–ቤት ምዝርጋሕ እተገብረ ሰፊሕ ምድላው ተንትን። ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ እተዋህበ ዞባ ንምሽፋን ዘሎ መደብ ተመያየጠሉ። ነቶም ሓደስቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ክሳተፉ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ግለጽ። (ነታ ናይ መጋቢት 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 1 ርአ።)
መዝሙር 150ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
17 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 214
13 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ንምብዓል ዝኽሪ ዝምልከት ዘተባብዕ ሓሳባት ንገር ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ዝተሳተፉ ተወሳኺ ሓገዝ ክወሃበሉ ዝኽእል መገድታት ዘርዝር። ኩሎም ኣብቲ 23 ሚያዝያ ዝወሃብ ፍሉይ ዝርርብ ክሳተፉ ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ክምለሱ ክሕግዝዎም ኣተባብዓዮም። ንዝርጋሔ ዜና ናይታ መንግስቲ ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ድገሞ።
12 ደቒቕ:- “ሓገዝ ከም ዘድሊ ኣስተብሂልካዶ?” ብሕቶን መልስን። ሽማግለታት ኣብቲ ናይ ጕስነት ዕዮኦም ክበጽሕዎ ዝፍትኑ ዘለዉ እዋናዊ ሸቶታት ኣሕጽር ኣቢልካ ንገር። ውልቀ ሰባት ክሕግዙ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩ ምድላይ።” ኣገዳስነት ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ተመያየጠሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙ ኣተባብዓዮም። ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ብሕጽር ዝበለ ተዋስኦ ኣቕርብ።
መዝሙር 197ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
24 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 167
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዘሎ ምዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ምዕባሌኡ ዘርዝር። ኣብ ምዕዳል ዜና ናይታ መንግስቲ ዘስተማቐርዎ ተመኩሮ ክነግሩ ንኣስፋሕቲ ዓድም። ኣብቲ ናይ ከባቢ ዞባ ክሰርሕ ዝኽእል ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ሓሳብ ሃብ። እቲ ናይ ብርሃን መዓልቲ ሰዓታት ክውስኽ ከሎ እታ ጉባኤ ኣብ ናይ ምሸት ምስክርነት ክትሳተፍ እተገብረ ምድላው ንገር።
12 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሕቶን መልስን።
18 ደቒቕ:- ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ኴንካ ምርሓዮ። ሰብኣይን ሰበይትን ደቆም መንፈሳዊ ምዕባለ ዘይምግባሮም ከም ዘተሓሳሰቦም ይገልጹ። ሰብኣይ ብዛዕባ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዝመጸ ሸለል ኢሉዎ ከም ዝነበረ ይእመን፣ ሓድሓደ ግዜ ብዘይ ናይ ስድራቤት መምርሒ ሰሙናት ይሓልፍ። ነቲ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 37–8 ቍጽሪ 12–14 ዘሎ ማዕዳን መምርሕን ይትንትንዎ። ክልቲኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ቀዳምነት ብምሃብ ካልእ ንጥፈታት ከይዕንቅፎ ይሰማምዑ።
መዝሙር 142ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን