ነቲ ዝኽሪ ዘድልዩ ነገራት ምድላው
ኵሎም: እቲ ተዛራባይውን ሓዊስካ: እቲ ልክዕ ግዜን ቦታን ናይቲ በዓል ተነጊርዎም ድዩ? እቲ መደብ ካብ 45 ደቒቕ ክሓልፍ ከም ዘይብሉስ እቲ ተዛራባይ ፈሊጡዶ ኣሎ?
ነቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ክቕርብ እተመዘዘ ኣሎዶ? (ነታ ናይ 15 ለካቲት 1990 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16–18 ርአ።) እቲ ጣውላ ብጽሩይ ናይ ጣውላ ጨርቂ ክሽፈንን እኹል ቍጽሪ ናይ ብርጭቆታትን ብያትታትን ክዳሎን ምትዕርራያት ተገይሩዶ ኣሎ?
ነቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ኣቐዲምካን ብድሕሪኡን ክጸሪ መደብዶ ተገይሩ ኣሎ? መን ተቐበልቲ ኣጋይሽ መን ድማ ኣሰለፍቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ተወሲኑዶ ኢዩ? ምስኦም ብዛዕባ እቲ ዕዮታቶም ዝምልከት ቅድሚ እቲ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ክግበር ተመዲቡዶ ኣሎ? ኵሎም ብጽቡቕ ከም ዝግልገሉ ንምርግጋጽ እንታይ ኣገባባት ክሰዓቡ ኢዮም?
ነቶም ኣረጋውያን ከምኡውን ስንክልና ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽካፈሉ ንምሕጋዝ እንታይ እተገብረ ምትዕርራያት ኣሎ? ካብቶም ቅቡኣት: ኣብ ቤቶም ጥራይ እተሓጽሩን ክመጹ ዘይክእሉን እንተድኣ ኣልዮምሲ: ምእንቲ ክግልገሉስ ምድላዋት ተገይሮምዶ ኣለዉ?