ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 መጋቢት ገጽ 29-31
  • የሆዋ ነቲ “ኣሜን” ዚብል መግለጺኻ ኣኽቢሩ ይርእዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ነቲ “ኣሜን” ዚብል መግለጺኻ ኣኽቢሩ ይርእዮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል”
  • “ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘ኣሜን’ ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ”
  • “ኣሜን” ምባልካ ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ተገንዘቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 መጋቢት ገጽ 29-31
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጉባኤ ንጸሎት ርእሶም የድንኑ

የሆዋ ነቲ “ኣሜን” ዚብል መግለጺኻ ኣኽቢሩ ይርእዮ

የሆዋ ንኣምልኾና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ንኣገልገልቱ ‘የቕልበሎምን ይሰምዖምን’ እዩ፣ ከየስተብሃለሉ ዚተርፍ ንእሽቶ ዚብሃል ውዳሰ እውን የልቦን። (ሚል. 3:16) ንኣብነት፡ ብዙሕ ሳዕ እንደጋግማ ቓል እስከ ንውሰድ። እታ ቓል፡ “ኣሜን” እያ። የሆዋ ነዛ ቐላል መግለጺ ኣኽቢሩ ይርእያ ድዩ፧ እወ! ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብር ንምፍላጥ፡ እታ ቓል እንታይ ማለት ምዃንና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚዕየየላን ንርአ።

“ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል”

እታ “ኣሜን” እትብል ቃል፡ “ይኹን፡” “እማን፡” ወይ “ብርግጽ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። “እሙን” ካብ ዝትርጉሙ ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል ዝመጸት እያ። ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ይዕየየላ ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ዚምሕለሉ እዋን፡ እቲ እተባህለ ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋጽን ብሳዕቤናቱ ዚቕየድ ምዃኑ ንምግላጽን “ኣሜን” ይብል ነበረ። (ዘሁ. 5:22) በዚ ኸምዚ፡ ብዕሊ “ኣሜን” ምስ በለ፡ ቃሉ ንምሕላው ተወሳኺ ድራኸ ይሓድሮ ነበረ።—ነህ. 5:13።

ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 27፡ “ኣሜን” እትብል ቃል እተዓይየላ ዜደንቕ ኣብነት ንረክብ ኢና። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ ሕጊ ሙሴ ኺንበበሎም ከሎ ንምስማዕ ኣብ መንጎ ኸረን ዔባልን ከረን ጌሪዚምን ቈሙ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ሕጊ ኺሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም እተቐበልዎ ኪገልጹ ነይርዎም። ሳዕቤን ዘይተኣዛዝነት ኪንበብ ከሎ ድማ፡ “ኣሜን” ኢሎም ብምምላስ ከምኡ ገበሩ። (ዘዳ. 27:15-26) ኣሽሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ዓው ኢሎም ምላሽ ኪህቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (እያ. 8:30-35) ነቲ በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረብዎ ቓላት መሸም ጠሪሶም ኣይረስዕዎን። እቶም እስራኤላውያን እቲኦም ድማ ቃሎም ሓልዮም እዮም፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እስራኤል ድማ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ግብርታት ዚፈልጡ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ” ይብለና እዩ።—እያ. 24:31።

የሱስ እውን ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል፡ ሓቅነት እተባህለ ነገር ንምርግጋጽ ተጠቒሙላ እዩ፣ ብዘይካዚ ግና፡ ብኻልእ ፍሉይ መገዲ እውን ተጠቒሙላ እዩ። ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል፡ (ብትግርኛ “ብሓቂ” ተባሂላ እተተርጐመት) ንምምላስ ዘይኰነስ፡ ሓደ ነገር ኪብል ከሎ ኸም መእተዊ ገይሩ ተጠቒሙላ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ “ኣሜን ኣሜን” ማለት “ብሓቂ፡ ብሓቂ” ብምባል ነታ ቓል ደጋጊምዋ እዩ። (ማቴ. 5:18፣ ዮሃ. 1:51) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ቃላቱ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ምዃኑ ንሰማዕቱ ኣረጋጊጹሎም እዩ። ኵሉ ተስፋታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ኪገብር ስልጣን እተዋህቦ ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ርግጸኛ ዀይኑ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ።—2 ቈረ. 1:20፣ ራእ. 3:14።

“ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘ኣሜን’ ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ”

እስራኤላውያን ንየሆዋ ኺውድስዎን ናብኡ ኺጽልዩን ከለዉ እውን “ኣሜን” ይብሉ ነይሮም እዮም። (ነህ. 8:6፣ መዝ. 41:13) እቶም ሰማዕቲ ድሕሪ ጸሎት “ኣሜን” ብምባል፡ ነቲ ጸሎት ከም ናታቶም ገይሮም ከም እተቐበልዎ የርእዩ ነይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ንየሆዋ ኣብ ዚቐርብ ኣምልኾ ስለ ዚሳተፉ ባህ ይብሎም ነይሩ እዩ። ንጉስ ዳዊት ንታቦት የሆዋ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣምጽኦ፡ ከምኡ እዩ ዀይኑ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ በዓል፡ ዳዊት ኣብ 1 ዜና መዋእል 16:8-36 ብመልክዕ መዝሙር ሰፊሩ ዚርከብ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኸኣ በቲ ቓላቱ ውሽጢ ልቦም ተተንከየ፣ “ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘ኣሜን’ ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ።” እወ፡ እቲ ብሓድነት ዝሃብዎ ምላሽ፡ ነቲ በታ መዓልቲ ዝነበረ ሓጐስ ወሲኹሉ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን፡ ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል ንየሆዋ ኺውድሱ ኸለዉ ተጠቒሞምላ እዮም። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ኣብ መልእኽትታቶም ነታ ቓል ይጥቀሙላ ነይሮም እዮም። (ሮሜ 1:25፣ 16:27፣ 1 ጴጥ. 4:11) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ “ኣሜን! ንያህ ወድስዎ!” ብምባል ንየሆዋ ኽብሪ ኸም ዚህብዎ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 19:1, 4) ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዚቐርብ ጸሎት፡ ብልምዲ “ኣሜን” ይብሉ ነይሮም እዮም። (1 ቈረ. 14:16) ኰይኑ ግና፡ ልምዲ ጥራይ ኰይንዎም ዚደግምዋ ቓል ኣይነበረትን።

“ኣሜን” ምባልካ ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧

መበቈልን ታሪኽን እታ “ኣሜን” እትብል ቃል ድሕሪ ምርኣይና፡ ኣብ መደምደምታ ጸሎትና ስለምንታይ “ኣሜን” ከም እንብል ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ኣብ መወዳእታ ናይ ገዛእ ርእስና ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ከለና፡ እቲ ዝበልናዮ ብሓቂ ኻብ ልብና ምዃኑ ኢና እንገልጽ። ካልእ ሰብ ንብዙሓት ወኪሉ ኣብ ዜቕርቦ ጸሎት ዓው ኢልና ዀነ ብልብና “ኣሜን” ኢልና ምላሽ ክንህብ ከለና፡ ነቲ እተገልጸ ሓሳባት ከም እንድግፎ ኢና እነርኢ። ቀጺልና፡ “ኣሜን” ምባልና ኣገዳሲ ዝዀነሉ ተወሳኺ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ኣብ ኣምልኾና ንጡፋትን ንቑሓትን ንኸውን። ኣብ እዋን ጸሎት፡ በቲ እንብሎ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣደብና ኣቢልና እውን ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። ብግቡእ “ኣሜን” ክንብል ምድላይና፡ ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝን ኣብ ጸሎት ከነተኵርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሓድነት ዘለዎም ኣምለኽቲ ንኸውን። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዚቐርብ ጸሎት፡ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ ኣብ ሓደ መልእኽቲ ኸም ዜተኵሩ ይገብሮም እዩ። (ግብ. 1:14፣ 12:5) ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓደ ድምጺ ንምምላስ ክንድረኽ ከለና፡ ተወሳኺ ሓድነት እዩ ዚህልወና። እቲ “ኣሜን” ዚብል ምላሽና ብዓውታ ንበሎ ወይ ብልብና፡ የሆዋ በቲ ሓባራዊ ልማኖና ተደሪኹ ኺምልሰልና ተወሳኺ ምኽንያት ይረክብ እዩ።

ሓንቲ ሓብቲ ብተሌፎን ኣኼባ እናተኸታተለት፡ ንጸሎት ርእሳ ተድንን

“ኣሜን” ምባልና፡ ንውዳሰ የሆዋ ኣበርክቶ ይገብር

ንየሆዋ ንውድሶ ኢና። የሆዋ ነቲ ንእሽቶ ዚብሃል ኣምልኾ እኳ የስተብህለሉ እዩ። (ሉቃ. 21:2, 3) ውሽጣዊ ድራኸና እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ልብና ኸኣ እንታይ ከም ዘሎ ይርኢ እዩ። ንኣኼባና ብተሌፎን ኣብ እንከታተለሉ እዋን እኳ፡ ብትሕትና “ኣሜን” ምባልና የሆዋ ኸም ዜስተብህለሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ንዕኡ ብሓባር ዚቐርብ ውዳሰ ኸኣ ይውስኸሉ እዩ።

“ኣሜን” ምባልና ብዙሕ ዘየገድስ ይመስል ይኸውን፣ ከም ሓቂ ግና እታ ቓል ዘይትረብሕ ኣይኰነትን። ሓደ መዝገበ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘በዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ኣቢሎም ኣብ ልቦም ዘሎ እምንቶን ሓያል ስምረትን ጽኑዕ ተስፋን ይገልጹ እዮም ’ ኢሉ ሓቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ኵሉ እቲ እነውስኦ “ኣሜን” ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ይኹን።—መዝ. 19:14።

ወትሩ “ኣሜን” ክትብል ኣሎካ ድዩ፧

“ኣሜን” እትብል ቃል፡ ኣፍኲስና እንርእያ ኣይኰነትን። ይኹን እምበር፡ እቲ ጸሎት ዜቕርብ ሰብ፡ ጌጋ ነገር ከም ዝበለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ “ኣሜን” ከይበልና ኽንተርፍ ኣሎና ድዩ፧ ግድን ከምኡ ኽንገብር የብልናን። ከመይሲ፡ ኵላትና ብልሳንና ኸም እንጋገ የሆዋ ይፈልጥ እዩ፣ ነዚ ጌጋታትና እውን ዕሽሽ ይብሎ እዩ። ስለዚ፡ እምብዛ ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ እቲ ቓላት ሒዝዎ ኣብ ዘሎ መንፈስ እንተ ኣተኲርና፡ ነቲ ዝቐረበ ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ከም እንኽእል ኪስምዓና ይኽእል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ዘይኣማኒ ንዜቕርቦ ጸሎት ዓው ኢልና ወይ ብልብና “ኣሜን” ኣይንብልን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣብ ዚቐርበሉ እዋን ኣብኡ እንተ ኣሊናኸ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ዘይኣማኒ ኺጽሊ ተሓቲቱ ንበል። ወይ ድማ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ንነብር ንኸውን፣ ዘይኣማኒ ዝዀነ ርእሲ እታ ቤት ከኣ፡ ንስድራ ቤቱ ኺጽሊ ሓሲቡ። እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ብኣኽብሮት ጸጥ ኽንብል ንኽእል ኢና። “ኣሜን” ብምባል ኣብኡ ኣይንሳተፍን ኢና፣ ጸሎት ኪግበር ከሎ እውን ምስ ካልኦት ኢድ ንኢድ ኣይንተሓሓዝን ኢና። ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር፡ ኣብቲ ጸሎት ከም ዝሓበርና እዩ ዜመልክት። ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ብልብና ኽንጽሊ ንውስን ንኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ምስቶም ካልኦት ኣብ ጸሎቶም ከም ዝሓበርና ምእንቲ ኸይመስሎም፡ ዓው ኢልና “ኣሜን” ኣይንብልን ኢና። እቶም ሰባት ካብ ኮፍ ዝበሉሉ እንተ ተንሲኦም፡ ምትንሳእ ወይ ዘይምትንሳእ ናትና ውሳነ እዩ። ተንሲእና ርእስና ምስ እነድንን ጥራይ እውን ከም ኣምልኾ ጌርካ ኣይቍጸርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ ዅነታት እንታይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ኺውስን ኣለዎ፣ ዋላ ሓደ ሰብ እውን በቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ዚገብሮ ውሳነ ኺንቀፍ የብሉን።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅነታት፡ “ኣሜን” ምባልና ስለምንታይ ንየሆዋ ኸም ዜገድሶ ዜርኢ ተወሳኺ ነጥብታት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ