ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 3 ገጽ 16
  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ፦
  • ተስፋ ትንሳኤ ርግጽ ኢዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ትንሳኤ ጻድቃን ኪህሉ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • እትፈትዎም ሰብካ መሊሶም ህያዋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 3 ገጽ 16

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ሓደ ኻብቶም ኣቐዲሞም እተራእዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ መእተዊ ዓንቀጽ ናይ እተጠቕሱ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ስእሊ ይርኢ

ሞት ንነፍሲ ወከፍና ይጸልወና እዩ። ግናኸ፡ ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧ ምዉታት ንሓዋሩ ተረሲዖም ድዮም፧ ምውታት ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ፦

ምዉታት ኣይተረስዑን

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኪወጹ እዮም።”—ዮሃንስ 5:28, 29።

ኣምላኽ ንምዉታት ይዝክሮም እዩ፣ እቶም ኣብ ተዘክሮኡ ዘለዉ ኺትንስኡ እዮም።

ኣብ ምድሪ ትንሳኤ ኪኸውን እዩ

“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ሞይቶም ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ብሰላም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ኪትንስኡ እዮም።

ተስፋ ትንሳኤ ዘይእመን ኣይኰነን

“[ኣምላኽ] ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይጽውዖም።”—መዝሙር 147:4።

ኣምላኽ ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ዚጽውዖም ካብ ኰነ፡ ነቶም ዜተንስኦም ሰባት እውን ብቐሊሉ ኺዝክሮም ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ