ትንሳኤ ጻድቃን ኪህሉ ኢዩ
“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን. . . ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
1. ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዝሓጥኡ ኣትሒዙ ንኹሎም ሰባት እንታይ ኩነታት ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ?
“ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ [ኹ]ሉ ብሓይልኻ ግበሮ።” (መክብብ 9:10) በዘን ሒደት: ብሉጻት ቃላት ገይሩ: ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ነቲ እቶም ናይ መጀመርያ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዝሓጥእሉ ግዜ ጀሚሩ ንነፍሲ ወከፍ ወለዶ ናይ ደቅሰብ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵነታት ይገልጾ። ብዘይ ምፍልላይ: ሞት ቀስ እናበለ ንነፍሲ ወከፍ—ንሃብታምን ድኻን: ንንጉስን ተራ ሰብን: ንእሙንን ንከሓድን—ይውሕጦ ኢዩ ዘሎ። ብሓቂ: ሞት “ከም ንጉስ ይገዝእ” ኣሎ።—ሮሜ 5:17 ትሓዓ
2. ገሊኦም እሙናት ሰባት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ተስፋ ቈሪጾም ክኾኑ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም?
2 ምስናይ እዚ ኵሉ ዘመናዊ ምዕባሌታት ናይ ሕክምናዊ ሳይንስ: ሎሚ እውን እንተኾነ ሞት ገና ከም ንጉስ ኰይኑ ኢዩ ዝገዝእ ዘሎ። እዚ ዘገርም እኳ እንተዘይኰነ: ገለ ሰባት ምስቲ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ጸላኢ ዝኾነ ሞት ኣብ መወዳእታ ገጽ ንገጽ ምስ ገጠሙ ዳርጋ ተስፋ ቈሪጾም ነይሮም ይኾኑ ኢዮም። ስለምንታይ? ከመይሲ: ኣብ 1920ታት: ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይኪሞቱን ኢዮም” ዝብል መልእኽቲ ኣዊጃ ነይራ ኢያ። እዞም ሚልዮናት ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም? ኣብቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝምልከት ሓሳባት የሱስ: ተዛሪብሎም ዘሎ “ኣባጊዕ” ኢዮም። (ማቴዎስ 25:31-46) እዞም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ክርኣዩ ምዃኖም: ተስፋኦም ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክኸውን ምዃኑ ብትንቢት ተነጊርሎም ነበረ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ቦታ ናይዞም “ኣባጊዕ” ኣብ ዕላማታት የሆዋ ዝበለጸ ምርዳእ ረኸቡ። እዞም እዙዛት ሰባት ካብቶም ነቓጻት “ኣጣል” ክፍለዩ ምዃኖም ተገሊጹ ነበረ: ድሕሪ ጥፍኣት ናይዞም ኣጣል ከኣ: እቶም ኣባጊዕ ኣብቲ ንዕኦም ተባሂሉ እተዳለወ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ወረስቲ ክኾኑ ኢዮም።
ምእካብ ናይቶም ኣባጊዕ መሰል
3. ህዝቢ ኣምላኽ ካብ 1935 ኣትሒዞም ኣብ እንታይ ዕዮ ኢዮም ኣተኲሮም ዘለዉ?
3 እቲ ‘እሙን ባርያ’ ካብ 1935 ኣትሒዙ: ከምዚኦም ዝበሉ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብ ምድላይን ረኺቡ ድማ ናብ ማሕበር የሆዋ ኣብ ምምጻእን ኢዩ ኣተኲሩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:45፣ ዮሃንስ 10:16) እዞም ክማሃሩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ክርስትያናት: የሱስ ሕጂ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ይገዝእ ከም ዘሎን መወዳእታ ግዜ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እናቐልጠፈ ይመጽእ ከም ዘሎን እቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ምድሪ ድማ ከም ዝቐረበን ተረዲኦም ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 12:10) ኣብቲ ሓድሽ ምድሪ: እቲ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ. . . ኢዩ” ዝብል ዘጸናንዕ ቃላት ናይ ኢሳይያስ መፈጸምታኡ ኪረክብ ኢዩ።—ኢሳይያስ 25:8
4. ሽሕኳ ልዕልነት የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ክረጋገጽ ከሎ ክርእዩ ልባዊ ተስፋ እንተ ገበሩ: ንብዙሓት ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ኢዩ ዘጋጠሞም?
4 መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣዝዩ ቀሪቡ ብምዃኑ: ክሳዕ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎንን እቲ ዝተረፈ ናይ ሰይጣን ዓለምን ክወርድ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ: ማለት ልዕልነት የሆዋ ክሳዕ ዝረጋገጽ: እቶም ኣባጊዕ መሰል ክርስትያናት ንምንባር ኣዝዮም ክሕጐስሉ ኢዮም። (ራእይ 19:1-3, 19-21) እዚ ንነዊሕ ግዜ ኣይተፈጸመን። ብዙሓት ካብ መንጎ እቶም ዘይሞቱ “ሚልዮናት” ክኾኑ ተስፋ ዝነበሮም ብርግጽ ሞይቶም ኢዮም። ገሊኦም ምእንቲ ሓቂ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምኡውን መዳጐኒ ደምበታት ወይ ኣብ ኣእዳው ሃይማኖታውያን መኽረርቲ ብሰማእትነት ሓሊፎም ኢዮም። ካልኦት ብሓደጋታት ወይ ብባህርያዊ ጠንቅታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ—ሕማምን እርጋንን—ሞይቶም ኢዮም። (መዝሙር 90:9, 10፣ መክብብ 9:11) መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ እውን ብዙሓት ኪሞቱ ምዃኖም: ፍሉጥ ኢዩ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ነቲ ብዛዕባ እታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም እተዋህበ መብጽዓ መፈጸምታኡ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዚርእይዎ?
ተስፋ ትንሳኤ
5, 6. ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ቅድሚ ኣርማጌዶን ዝሞቱ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝህልዎም?
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ፌሊክስ ኰይኑ ክዛረብ ከሎ ነዚ መሊሽሉ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ተመዝጊቡ ዘሎ: ጳውሎስ ብትብዓት: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ” ኢሉ ገለጸ። ተስፋ ትንሳኤ ዝኸፍኤ ሽግራት ከጋጥመና ከሎ ትብዓት ይህበና ኢዩ። እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዘሎ: ዝሓመሙ ከምኡውን ኪሞቱ ምዃኖም ዝርድኦም ክቡራት ብጾትና ኣይሕለሉን ኢዮም። እተፈጸመ ይፈጸም: ዓስቢ ናይ እምነቶም ኪዓጽዱ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። ብምኽንያት እዚ ተስፋ ትንሳኤ እዚ: ተባዓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ሰጐጕቶም ሞት ከጋጠሞም ከሎ እቶም ሰጐጕቶም ዲል ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 10:28) ኣብታ ጉባኤ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ: ነቲ ሰብ ብምስኣንና ንሓዝን ኢና። ምስናይዚ ግን: ንሱ ወይ ንሳ ሓደ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንተደኣ ነይሩ: እዚ ኣማኒ ብጻይና ክሳዕ መወዳእታ እሙን ምዃኑ ብምርግጋጹ ሕጂ ኸኣ ብምዕራፉ: ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ዓለም ርግጽ መጻኢ ተስፋ ስለ ዘለዎ ንሕጐስ ኢና።—1 ተሰሎንቄ 4:13
6 እወ: ተስፋ ትንሳኤ: ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ እምነትና ኢዩ። ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ግን ስለምንታይ ኢዩ: ነቲ ተስፋ እቲ ዝካፈልዎኸ መን ኢዮም?
7. ትንሳኤ እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ ርግጽነቱኸ ገለ ገለ ጽሑፋት እንታይ ይገልጹ?
7 እታ ን“ትንሳኤ” እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ኣ.ና’ስታ.ሲስ ኢያ: ቃል ብቓሉ ኸኣ “ደው ምባል” ማለት ኢያ። ብመሰረቱ: ካብ ምዉታት ምትንሳእ ኢያ እተመልክት። ዘገርም ግን: ልክዕ እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ኣብ ጽሑፋት እብራይጢ ኣይትርከብን ኢያ: ግናኸ እቲ ተስፋ ናይ ትንሳኤ ኣብኡ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብቲ እዮብ እናተሳቐየ ከሎ እተዛረቦ ቃላት ንርእዮ ኢና:- “ኣብ ሲኦል እንተ ትሓብኣኒ: መዓልቲ [ቈ]ጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።” (እዮብ 14:13) ብተመሳሳሊ: ኣብ ሆሴእ 13:14: ከምዚ ነንብብ:- “ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም: ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት: ፌራኻ ኣበይ አሎ[?] ኣታ ሲኦል: ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ[?]” ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:55: ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ጠቒሱ እቲ ብትንቢት እተነግረ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት: ብትንሳኤ ኣቢሉ ከም እተፈጸመ ገለጸ። (ልክዕ ኢዩ: ኣብቲ ጽሑፍ: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።)
ኣመንቲ ‘ጻድቃን ይበሃሉ’
8, 9. (ሀ) ዘይፍጹማት ሰባት ኣብቲ ትንሳኤ ጻድቃን ከመይ ኢሎም ኢዮም ግደ ክህልዎም ዝኽእል? (ለ) ኣብቲ ብሞት ዘይቋረጽ ህይወት መሰረት ናይ ተስፋና እንታይ ኢዩ?
8 ኣብ ቍጽሪ 5 ተጠቒሱ ዘሎ: ጳውሎስ ንፌሊክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ኢዩ በለ። እቶም ዝትንስኡ ጻድቃን መን ኢዮም? ርግጽ ኢዩ: ብተፈጥርኡ ጻድቕ ሰብ የሎን። ኩልና ብትውልድና ሓጢኣተኛታት ኢና: ከምኡውን ምሉእ ዕድመና ድማ ሓጢኣት ንፍጽም ኢና—እዚ ብኽልተ መገዲ ናይ ሞት ግዳያት ይገብረና። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን ይበሃሉ” ዝብል ስያመ ንረክብ። (ሮሜ 3:28 ትሓዓ) እዚ ነቶም: ዋላ እኳ ሓጢኣተኛታት እንተኾኑ: ሓጢኣቶም ብየሆዋ እተሓድገሎም ሰባት ዘመልክት ኢዩ።
9 እቲ መግለጺ ዝያዳ ምስቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ብዝምልከት ኢዩ ዝዝውተር። ኣብ ሮሜ 5:1 ሃዋርያ ጳውሎስ “እምበኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና: ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሀልወና” ይብል። (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ብእምነት ጸዲቖም ኢዮም። እምነት ግን ኣብ እንታይ? ከምቲ ጳውሎስ ኣስፍሕ ኣቢሉ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ዝገለጾ: እምነት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ሮሜ 10:4, 9, 10) የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኢዩ ሞይቱ ከምኡውን ድሕሪኡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣብ ክንዳና ነቲ ዋጋ ናይ ሰብኣዊ ህይወቱ ከቕርብ ናብ ሰማይ ዓረገ። (እብራውያን 7:26, 27፣ 9:11, 12) የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ምስ ተቐበሎ: በዚ የሱስ: ንሰብ ካብ ባርነት ናይ ሓጢኣትን ሞትን ዓደጎ። እቶም ኣብዚ መደብ እዚ እምነት ዘርኣዩ: ካብኡ ብዙሕ ተጠቒሞም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:45) ብመሰረት እዚ: እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን በቲ ጨካን ጸላኢ: ሞት: ዘይቋረጽ ህይወት ክወርሱ ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:16.
10, 11. (ሀ) ንእሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝጽበዮም? (ለ) በቶም ቅድመ–ክርስትያን ዝነበሩ ኣምለኽቲ: ተስፋ እተገብረሉ ትንሳኤኸ እንታይ ዓይነት ኢዩ?
10 ብሓገዝ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ: እሙናት ቅቡኣት ሰባት: ጻድቃን ተባሂሎም: ከም የሱስ ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ክትንስኡ ርግጸኛ ተስፋ ኣለዎም። (ራእይ 2:10) ትንሳኤኦም ኣብ ራእይ 20:6 ተጠቒሱ ኣሎ: ከምዚ ዝብል:- “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪ[ኾ]ኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም።” እዚ ሰማያዊ ትንሳኤ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ኢሉ ምጽውዑ ካልእ ተወሳኺ ከም ዝመጽእ ዝእምት ምዃኑ: ኣስተብህል።
11 ጳውሎስ: ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ብዛዕባ እቶም ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ዘርኣዩ ካብ ነዊሕ መስመር እተተሓሓዙ ናይ ቅድመ–ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይጠቅስ። እዚኣቶም እውን እንተኾነ ኣብ ትንሳኤ እምነት ነይርዎም ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ ቁጽሪ 35 ናይታ ምዕራፍ: ብዛዕባ ኣብ እዋን ታሪኽ እስራኤል እተፈጸመ ተኣምራታዊ ትንሳኤታት ይዛረብ: “ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ: ዝሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም: ምሕረት ኣይደለዩን።” እቶም ጥንታውያን እሙናት መሰኻኽር ካብቲ እተፈጸመ: ናይ በዓል ኤልያስን ኤልሳእን: ዝበልጽ ትንሳኤ: ብተስፋ ክጥምቱ ኪኢሎም ኢዮም። (1 ነገስት 17:17-22፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21) ተስፋኦም ናብታ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምኽንያት እምነቶም ዘይሳቐዩላ ዓለም: ኣንስቲ ፍቑራተን ብሞት ዘይስእናላ ዓለም ትንሳኤ ንኽረኽቡ ኢዩ ነይሩ። እወ: ናብታ ንሕናውን ተሰፋ እንገብረላ ሓዳስ ዓለም ክትንስኡ ኢዮም ብተስፋ ዝጠመቱ። (ኢሳይያስ 65:17-25) የሆዋ ከምቲ ንዓና ዝገበሮ ገይሩ ብዛዕባ እዛ ሓዳስ ዓለም ኣይገለጸሎምን። ይኹን እምበር: ክትመጽእ ምዃና ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም: ከምኡውን ኣብኣ ክነብሩ ተመንዮም ኢዮም።
ምድራዊ ትንሳኤ
12. ቅድመ–ክርስትያን ዝነበሩ እሙናት ሰባት ጻድቃንዶ ተባሂሎም ኢዮም? ግለጽ።
12 እቲ ምብርባር ናይቶም እሙናት ቅድመ–ክርስትያን ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትንሲ ክፍሊ ናይ ትንሳኤ ጻድቃን ከም ዝኾነ ጌርናዶ ክንሓስቦ ይግብኣና ኢዩ? እወ ብርግጽ: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታቶም ከም ጻድቃን ኢዩ ዝጠቕሶም። ንኣብነት: ወደ መዝሙር ያእቆብ: ጻድቃን እተባህሉ ናይ ጥንቲ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ይጠቅስ። እቲ ሰብኣይ ኣብርሃም ነበረ: ንሱ ኣቦ ናይቲ እብራዊ ዓሌት ኢዩ። ብዛዕባኡ ከምዚ ነንብብ:- “ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ [ኾ]ይኑ ተ[ቖ]ጽረሉ. . . ‘ፍቑር ኣምላኽውን’” ተባህለ። እታ ሰበይቲ ረሃብ ነበረት: ንሳ ኣብ የሆዋ እምነት ዘርኣየት: ዘይእስራኤላዊት ከምኡውን ክፍሊ ናይቲ እብራዊ ህዝቢ ክትከውን ዝኸኣለት ኢያ። “ጻድቕ ተባሂላ” [ትሓዓ ] ክፍሊ ናይቲ እብራዊ ህዝቢ ኰነት። (ያእቆብ 2:23–25) ስለዚ: እቶም ኣብ የሆዋን መብጽዓታቱን ጽኑዕ እምነት ዘርኣዩ ከምኡውን ክሳዕ ሞት እሙናት ዝኾኑ ናይ ጥንቲ ሰብኡትን ኣንስትን ብመሰረት እምነቶም ብየሆዋ ጻድቃን ተባሂሎም ኢዮም: ከምኡውን ብዘይጥርጥር ኣብቲ ‘ትንሳኤ ጻድቃን’ ኪካፈሉ ኢዮም።
13, 14. (ሀ) ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ጻድቃን ክበሃሉ ከም ዝኽእሉ ከመይ ገይርና ንፈልጥ? (ለ) እዚኸ ንዕኦም እንታይ ማለት ኢዩ?
13 ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም: ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ከምኡውን ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ብተኣማንነት ዝሞቱ ኣባጊዕ መሰል ሰባትከ? ኣብቲ ትንሳኤ ጻድቃን ኪካፈሉ ድዮም? እወ ከመይ ደኣ። ምኽንያቱ ሓደ ዓቢ ጭፍራ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ እሙናት ሰባት: ኣብ ራእይ ብሃዋርያ ዮሃንስ ተራእዮም ነበሩ። ከመይ ገይሩ ከም ዝገልጾም ከኣ ተመልከት:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተኣከቡ: ሓደ እኳ ኪ[ቈ]ጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ: ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።”—ራእይ 7:9, 10
14 እዞም ትሑታት ሰባት እዚኦም ብዛዕባ ድሕነቶም ብጽኑዕ እተረድኡ ምዃኖም ኣስተብህል: ከምኡውን ብዛዕባኡ ንየሆዋን ንየሱስ: “እቲ ገንሸል”ን ክብሪ ይህቡ። ብተወሳኺ: ኵሎም ጻዕዳ ተኸዲኖም: ኣብ ቅድሚ የሆዋን እቲ ገንሸልን ኢዮም ዝ[ቈ]ሙ። ስለምታይ ግን ጻዕዳ? ሓደ ሰማያዊ ፍጡር ንዮሃንስ “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ” ይብሎ። (ራእይ 7:14) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ጻዕዳ ናይ ንጽህና: ጽድቂ ምልክት ኢዩ። (መዝሙር 51:7፣ ዳንኤል 12:10፣ ራእይ 19:8) እቶም ዓቢ ጭፍራ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምርኣዮም የሆዋ ንዕኦም ከም ጻድቃን ኢዩ ዝርእዮም ማለት ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ይከኣል? ምኽንያቱ: ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ: ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦምዎ ኢዮም። ንሳቶም ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምርኣዮም ከም ፍቑራት ኣምላኽ ጻድቃን ተባሂሎም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ: ዝኾነ ይኹን ህይወቱ ዝወፈየ: ሕጂ ኣባል ናይቲ “ዓቢ ጭፍራ” ዝኾነ እቲ ዓቢ ጸበባ ቅድሚ ምምጽኡ ዝመውት እሙን ክርስትያን ኣብቲ ምድራዊ ትንሳኤ ናይ ጻድቃን ግደ ክህልዎ ምዃኑ ርግጸኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
15. ክልቲኦም ጻድቃንን ሓጥኣንን ዝትንስኡ ካብ ኰኑ: ትንሳኤ ናይቶም ጻድቃን ረብሓኡ እንታይ ኢዩ?
15 እቲ ትንሳኤ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20 ቁጽሪ 13 በዘን ዝስዕባ ቃላት ተገሊጹ ኣሎ:- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” ስለዚ: ኣብታ ዓባይ ናይ ሽሕ ዓመት ናይ ፍርዲ መዓልቲ: ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ—ክልቲኦም ጻድቃንን ሓጥኣንን— ኪትንስኡ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) ነቶም ጻድቃን: ክንደይ ኣዝዩ ዝበለጸ ኰን ኪኸውን ኢዩ! ኣቐዲሞም ናይ እምነት ናብራ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ዛጊት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከምኡውን ኣብቲ ምዝዛም ናይ ዕላማታቱ ምትእምማን ነይርዎም ኢዩ። ቅድሚ ዘበነ–ክርስትና ዝነበሩ ጻድቃን መሰኻኽር: ነቲ ዘርኢ ዝምልከት መብጽዓታት የሆዋ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ንኽማሃሩ ካብ ሞት ክበራበሩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 1:10-12) እቶም ኣብ ግዜና የሆዋ ከም ጻድቃን ዝርእዮም ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝኾኑ: ኣብታ ነቲ ብስራት ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክእውጁ ከለዉ እተዛረቡላ ገነታዊት ምድሪ ብሃንቀውታ ንኽርእይዋ ካብ መቓብር ኪትንስኡ ኢዮም። ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ኰን ኪኸውን ኢዩ!
16. ብዛዕባ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ትንሳኤ ናይቶም ኣብዚ ግዜና ዝሞቱ: እንታይ ክንብል ንኽእል?
16 ኣብቲ ሽሕ ዓመት ናይ ፍርዲ መዓልቲ: እቶም ኣብተን መወዳእታ ዓመታት ናይዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ብተኣማንነት ዝሞቱ: ብትኽክል መኣስ ኢዮም ዚትንስኡ? መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረብን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ከም ጻድቃን እተቈጽሩ ኣብዚ ግዜና ዝሞቱ: ምስቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ዓቢ ጭፍራ ኰይኖም ኣብቲ ነቶም ናይ ቅድም ወለዶታት ካብ ምዉታት ንምቕባል ዝግበር ዕዮ መታን ክካፈሉ ቅድም ክትንስኡ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብስ ምኽንያታዊዶ ኣይኮነን? እወ: ብርግጽ!
ምጽንናዕ ዝህብ ተስፋ
17, 18. (ሀ) እቲ ተስፋ ትንሳኤ እንታይ ምጽንናዕ ኢዩ ዝህብ? (ለ) ብዛዕባ የሆዋኸ እንታይ ኢልና ክንእውጅ ኢና እንለዓዓል?
17 ተስፋ ትንሳኤ: ሎሚ ንኹሎም ክርስትያናት ሓይልን ምጽንናዕን ይህብ። እሙናት ኰይና እንተደኣ ጸኒሕና: ግዜን ኣጋጣምን ይኹን ከምኡውን ጸላኢ ነቲ ዓስብና ከሕድገና ኣይክእልን ኢዩ! ንኣብነት: ኣብቲ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ገጽ 177: ስእሊ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብእምነቶም ከይለማመጡ ክብሉ ዝሞቱ ተባዓት ክርስትያናት ኣሎ። እቲ መግለጺ ናይቲ ስእሊ ከምዚ ይንበብ:- “ኣብ ትንሳኤ ክንርእዮም እንጽበዮም ገጻት።” ምስ እዚኦምን ምስ ቁጽሪ ዘይብሎም ካልኦት ብተመሳሳሊ ኣብ ግዜ ሞት ተኣማንነት ዘርኣዩን ክትፋለጥስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!
18 ብዛዕባ እቶም ብምኽንያት ዕድመ ወይ ድኻም ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ክሓልፉ ዘይከኣሉ ፍቑራትናን ብጾትናንከ? እሙናት እንተደኣ ኰይኖም ኣብ መስርዕ ናይ ተስፋ ትንሳኤ: ዘደንቕ መጸኢ ኣለዎም። ንሕናውን እንተድኣ ኣብቲ መስዋእታዊ በጅነት ናይ የሱስ እምነት ኣርኢና: ዘደንቕ መጻኢ ተስፋ ኢዩ ዘሎና። ስለምንታይ? ምኽንያቱ: ልክዕ ከም ጳውሎስ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ተስፋ ንገብር ኢና። ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ: ንየሆዋ ብምሉእ ኣልባብና ነመስግኖ ኢና። ብርግጽ: እዚ ነቲ ናይቲ ዘማሪ ቃላት ከነቃልሕ የለዓዕለና ኢዩ:- “ክብሩ [ናይ ኣምላኽ] ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ። እግዚአብሄር ዓብዪ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።”—መዝሙር 96:3, 4
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?
◻ ነቲ ናይ ምድራዊ ትንሳኤ ተስፋና ከነረጋግጾ እንታይ ጽሑፋት ኢዩ ዝሕግዘና?
◻ ብምንታይ መሰረት ኢዮም ክርስትያናት ሕጂ ጻድቃን ዝበሃሉ?
◻ ተስፋ ትንሳኤ ትብዓትን ቈራጽነትን ዝህበናስ ብኸመይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ጳውሎስ: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማያዊ ትንሳኤ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ