ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/8 ገጽ 3-7
  • “ምሳኻትኩም እየ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ምሳኻትኩም እየ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እናተጋህደ ኸደ
  • “ብዙሓት” ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ተቐበልዎ
  • ‘ናይ ሓቂ ፍልጠት ወሰኸ’
  • ምድሪ ብፍልጠት ኣምላኽ ክትመልእ እያ
  • ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም ብሓድሽ እተረኽበ ብኸመይ እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/8 ገጽ 3-7

“ምሳኻትኩም እየ”

“ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል [“ናይ ሓቂ ፍልጠት፡” NW] ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።”—ዳን. 12:4።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኣብዚ ግዜና እተጋህደ ብኸመይ እዩ፧

እቶም ንሓቂ እተቐበሉ ሰባት “ብዙሓት” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ልክዕ ፍልጠት ‘እናወሰኸ ዝኸደ’ ብኸመይ እዩ፧

1, 2. (ሀ) ሎሚ የሱስ ምስ ተገዛእቱ ኸም ዘሎን ኣብ መጻኢ ምስኦም ከም ዚኸውንን ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ብመሰረት ዳንኤል 12:4፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ምምርማር እንታይ ውጽኢት እዩ ዚህልዎ፧

ኣብ ገነት ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንግሆ ንግሆ ድቃስ ጸጊብካን ሓዳስ መዓልቲ ንኽትጅምር እናተሃንጠኻን ትትንስእ። ዚቐራጥመካ ዀነ ዜሳቕየካ ነገር የልቦን። ዝነበረካ ሕማም ተወጊዱ እዩ። እቲ ናይ ምርኣይን ናይ ምስማዕን ናይ ምሽታትን ናይ ምድህሳስን ናይ ምስትምቓርን ህዋሳትካ፡ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚሰርሕ። እኹል ጕልበትን ዜሐጕስ ዕዮን ኣሎካ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ ከኣ ኣለዉኻ፣ ዜጨንቕ ነገር እውን የብልካን። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት በረኸት ክትረክብ ኢኻ። እቲ እተሸመ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ፡ ንተገዛእቱ ኺባርኾምን ፍልጠት የሆዋ ኺምህሮምን እዩ።

2 ሽዑ የሆዋ ምስቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ትምህርቲ ዚካፈሉ እሙናት ኣገልገልቱ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ ንሱን ወዱን ንነዊሕ ዘመናት ምስ እሙናት ክርስትያናት ነይሮም እዮም። የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ምስኦም ከም ዚኸውን ኣረጋጊጹሎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) ኣብዚ መረጋገጺ እዚ ዘላትና እምነት ምእንቲ ኽትድልድል፡ ቅድሚ 2,500 ዓመት ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ካብ እተጻሕፈ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ትንቢት፡ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ እስከ ንመርምር። ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘለና “ዘመን መወዳእታ” ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል [“ናይ ሓቂ ፍልጠት፡” NW] ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳን. 12:4) እዚ ምርምር እዚ ኸመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዩ ዜምጽእ! እቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ዚምርምርዎ ሰባት፡ ናይ ሓቂ ወይ ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብምርካብ ኪባረኹ እዮም። እቲ ትንቢት፡ ብዙሓት ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ከም ዚቕበልዎ ይገልጽ እዩ። እቲ ፍልጠት እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ እውን ይሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኵሉ ኸም ዚዝርጋሕን ብቐሊሉ ኸም ዚርከብን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ትንቢት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኽንምርምር ከለና፡ ሎሚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዘሎን የሆዋ ንመብጽዓኡ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ ኸም ዚኽእልን ክንርኢ ኢና።

“ናይ ሓቂ ፍልጠት” እናተጋህደ ኸደ

3. ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እንታይ ኣጋጠሞ፧

3 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ እቲ ብትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ ኻብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዝወጸ ኽሕደት፡ ከም ባርዕ እናተላብዐ ኸደ። (ግብ. 20:28-30፣ 2 ተሰ. 2:1-3) ድሕሪኡ ንዘመናት፡ እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እቶም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እውን “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኣይነበሮምን። መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚኣምኑ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ሃይማኖታዊ ሓሶት፡ ማለት ንኣምላኽ ዜሕስር “ምህሮ ኣጋንንቲ” እዮም ዚምህሩ ነይሮም። (1 ጢሞ. 4:1) መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ድንቍርና እዮም ነይሮም። እቲ ናይ ክሕደት ሰረተ እምነት፡ ኣምላኽ ስላሴ ኸም ዝዀነን ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላን ገሊአን ነፍሳት ኣብ ገሃነመ እሳት ንዘለኣለም ከም ዚሳቐያን ዚገልጽ ትምህርትታት ዜጠቓልል ነበረ።

4. ብ1870ታት ዝነበሩ ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ክርስትያናት፡ ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኪምርምርዎ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧

4 ይኹን እምበር፡ ብ1870ታት፡ ማለት “ዳሕሮት መዓልትታት” ቅድሚ ምጅማረን ኣስታት 40 ዓመት ይገብር፡ ኣባላት ሓንቲ ኣብ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ቕኑዓት ክርስትያናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ንምጽናዕን ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ንምንዳይን ተኣከቡ። (2 ጢሞ. 3:1) ንገዛእ ርእሶም ድማ፡ “ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ኢሎም ይጽውዕዋ ነበሩ። እዚኣቶም እቶም የሱስ ፍልጠት ከም ዚሕብኦም ዝገለጾም “ብልህታትን ኣስተውዓልትን” ኣይነበሩን። (ማቴ. 11:25) የግዳስ፡ ብቕንዕና ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ትሑታት ሰባት እዮም ነይሮም። ንቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐን ብጸሎትን የንብብዎን ይመያየጡሉን የስተንትኑሉን ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ የረኣእይዎን ተመሳሳሊ ምርምር ዝገበሩ ሰባት ንዘዳለውዎ ጽሑፋት ይምርምርዎን ነበሩ። ቀስ ብቐስ ድማ፡ እዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኦም፡ ነቲ ንዘመናት ተሓቢኡ ዝጸንሐ ሓቅታት ኣለለይዎ።

5. እተን ዘ ኦልድ ቲኦሎጂ ዘርእስተን ተኸታተልቲ ትራክትታት እንታይ ዕላማ እዩ ነይርወን፧

5 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ዝፈለጥዎ ነገራት እኳ እንተ ተሓጐሱ፡ በቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ ፍልጠት ግና ብትዕቢት ኣይተነፍሑን፣ ሓድሽ ነገር ከም ዝረኸቡ ኣምሲሎም እውን ክብሪ ኪቕበሉ ኣይፈተኑን። (1 ቈረ. 8:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘ ኦልድ ቲኦሎጂ (ናይ ቀደም ስነ ሃይማኖት) ዘርእስተን ተኸታተልቲ ትራክትታት የሕትሙ ነበሩ። ዕላማ እተን ትራክትታት፡ ኣንበብቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኬለልይዎ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ። እታ ናይ መጀመርታ ትራክት፡ “ሰባት ነቲ ናይ ሓሶት ልምድታት ኪሓድግዎን ናብቲ ናይ ጐይታናን ናይ ሃዋርያቱን ዝዀነ ናይ ቀደም ስነ ሃይማኖት ኪምለሱን ዜኽእሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ እትሕግዝ” እያ ነይራ።—ዘ ኦልድ ቲኦሎጂ፡ ቍ. 1፡ ሚያዝያ 1889፡ ገጽ 32።

6, 7. (ሀ) ካብ 1870ታት ንነጀው፡ እንታይ ሓቅታት ኢና ኽንፈልጥ ክኢልና፧ (ለ) ንስኻ ብውልቅኻ እተማስወሉ ሓቅታት ኣየናይ እዩ፧

6 ካብቲ ልዕሊ 100 ዓመት ይገብር ዝነበረ ንእሽቶ ጅመራ ንነጀው፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ሓቅታት ኰን ኢና ፈሊጥና!a እዚ ሓቅታት እዚ፡ ስነ ሃይማኖተኛታት ዚካትዑሉ ዜሰልኪ ጕዳያት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንህይወትና ትርጕም ይውስኸሉ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ብሓጐስን ብተስፋን ዚመልኣና ባህ ዜብልን ናጻ ዜውጽእን ሓቅታት እዩ። ንባህርያትን ንዕላማን የሆዋ ንኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ግደ የሱስ እንታይ ምዃኑ፡ ንምንታይ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸን ከም ዝሞተን፡ ሕጂ ድማ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ የነጽረልና እዩ። እዚ ኽቡር ሓቅታት እዚ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ እከይ ከም ዝፈቐደን ስለምንታይ ከም እንመውትን ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘሎናን ብኸመይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእልን ይሕብረና እዩ።

7 ሕጂ ንትርጕም እቲ ንነዊሕ ዘመናት “ሕቡእ” ዝነበረ፡ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ግና ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። (ዳን. 12:9) እዚ ትንቢታት እዚ፡ ነቲ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብፍላይ ግና ነቲ ኣብ ወንጌላትን ኣብ መጽሓፍ ራእይን ዚርከብ ትንቢታት ዜጠቓልል እዩ። የሆዋ ነቲ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል ፍጻመታት ንኽንርድኦ እውን ሓጊዙና እዩ፣ እዚ ኸኣ ንግስና የሱስን ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእን ሰይጣን ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየን ዚሕብር ፍጻመታት እዩ። (ራእ. 12:7-12) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንትርጕም እቲ ብዓይንና ኽንርእዮ እንኽእል ፍጻመታት ንኽንግንዘቦ ይሕግዘና እዩ፣ ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ፌራን ጥሜትን ዚርኣየሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ፡ ከምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ነዚ ግዜና “ኽፉእ ዘመን” ዜብሎ ሕማቕ ነገራት ስለምንታይ ከም ዚገብሩ ንፈልጥ ኢና።—2 ጢሞ. 3:1-5፣ ሉቃ. 21:10, 11።

8. ስለቲ ኽንርእዮን ክንሰምዖን ዝኸኣልና ነገራት ክብሪ ኺወሃቦ ዘለዎ መን እዩ፧

8 ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም ነገራት ክንርድኦ ንኽእል ኢና፣ ንሱ፡ “ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረአይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣት እየን” በሎም። (ሉቃ. 10:23, 24) ስለቲ ኽንርእዮን ክንሰምዖን ዝኸኣልና ነገራት ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦ ኣሎና። “እቲ መጸናንዒ” ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሰዓብቲ የሱስ “ናብ ኵሉ ሓቂ” ኺመርሖም ስለ እተላእከ፡ ከነመስግን ኣሎና። (ዮሃንስ 16:7, 13 ኣንብብ።) ወትሩ ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኣኽቢርና ኽንርእዮን ከይበቐቕና ንኻልኦት ክንነግሮምን ኣሎና።

“ብዙሓት” ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ተቐበልዎ

9. ኣብ ናይ ሚያዝያ 1881 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ፡ እንታይ ጻውዒት እዩ ቐሪቡ ነይሩ፧

9 እታ ናይ መጀመርታ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ እትሕተም ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ማለት ኣብ ሚያዝያ 1881፡ እዛ መጽሔት እዚኣ ን1,000 ሰበኽቲ ጻውዒት ኣቕረበትሎም። እታ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል፦ “ነቶም ፍርቂ ወይ ምሉእ ግዜኦም ንዕዮ ጐይታ ኺውፍዩ ዚደልዩን ኵነታቶም ዚፈቕደሎምን ሰባት፡ . . . ኮልፖልተራት ወይ ወንጌላውያን ኴንኩም ከከም ዓቕምኹም ናብ ንኣሽቱ ዀና ናብ ዓበይቲ ኸተማታት ክትከዱ፡ ኣብኡ ድማ ነቶም ብዘይ ፍልጠት ደኣ ይኹን እምበር ንኣምላኽ ቅንኣት ዘለዎም ቅኑዓት ክርስትያናት ከተናድይዎም ሓሳብ ነቕርበልኩም፣ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ሃብቲ ጸጋ ኣምላኽናን ጽባቐ ቓሉን ከተፍልጥዎም ጽዓሩ።”

10. ሰባት ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኸም ዜድልዩ ዚገልጽ ጻውዒት እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧

10 እዚ ጻውዒት እዚ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀንዲ ዕዮ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ምዃኑ ኸም እተገንዘቡ እዩ ዚሕብረና። ይኹን እምበር፡ ቍጽሪ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ኣማእታት ክነሶም፡ 1,000 ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኸም ዜድልዩ ምግላጾም፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም እዩ ዜርኢ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ትራክት ወይ መጽሔት ምስ ኣንበቡ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ስለ እተገንዘቡ፡ ነቲ ጻውዒት ብኡብኡ ምላሽ ሃቡሉ። ንኣብነት፡ ብ1882 ሓደ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ኣንባቢ፡ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተሓትማ ግምቢ ዘብዐኛን ንእሽቶ ጽሕፍትን ምስ ኣንበበ፡ “ነቲ ኣምላኽ ኪዕየ ዚደልዮ እተባረኸ ዕዮ ምእንቲ ኽፍጽሞ፡ ብኸመይን እንታይን ከም ዝሰብኽ በጃኹም ምሃሩኒ” ኢሉ ጸሓፈ።

11, 12. (ሀ) እቶም ኮልፖርተራት እንታይ ካብዚ ናትና ዘይፍለ ሸቶ እዩ ነይርዎም፧ (ለ) እቶም ኮልፖርተራት፡ “ክፍልታት” ወይ ጉባኤታት ዚምስርቱ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

11 ብ1885 ኣስታት 300 ዚዀኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኮልፖርተር (ፈለምቲ) ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዚኦም፡ ልክዕ ከምቲ ንሕና ሎሚ ዘሎና ዓይነት ሸቶ እዩ ነይርዎም፣ ንሱ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምግባር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላ ኻብ ናትና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንሰባት በብውልቂ ኢና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም። ድሕሪኡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ምስ ጉባኤና ኺሓብር ንዕድሞ። ቀደም ግና፡ እቶም ኮልፖርተር መጻሕፍቲ የበርክቱ እሞ፡ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብሓደ ብምእካብ፡ ከም ጕጅለ ዀይኖም ቅዱሳት ጽሑፋት የጽንዑ ነበሩ። ኣብ ክንዲ ምስ ውልቀ ሰባት ዜጽንዑ፡ “ክፍልታት” ወይ ጉባኤታት እዮም ዚምስርቱ ነይሮም።

12 ንኣብነት፡ ብ1907 ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ኮልፖርተራት ናብ ሓንቲ ኸተማ ብምኻድ፡ ነቶም ቅዳሓት ሚሊኒያል ዳውን (ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እውን ዚብሃላ) ዝነበሮም ሰባት ኣናደይዎም። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚብል ጸብጻብ ሒዛ ወጸት፦ “እቶም [ተገዳስነት ዝነበሮም] ሰባት ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣከቡ። ሓደ ኮልፖርተር ድማ፡ ሰንበት ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ‘መለኮታዊ ውጥን ዘመናት’ ኪገልጸሎም ወዓለ፣ ኣብታ እትቕጽል ሰንበት ከኣ፡ ኣዘውቲሮም ኪእከቡ ተማሕጸኖም።” ብ1911 ኣሕዋት ካልእ መገዲ ኺጥቀሙ ጀመሩ። ሓምሳን ሸሞንተን ዚዀኑ ፍሉያት ገየሽቲ ኣገልገልቲ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ካናዳን ህዝባዊ ኣስተምህሮ ኺህቡ ጀመሩ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ስምን ኣድራሻን እቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ እተኣከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ተቐቢሎም፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምእንቲ ኺእከቡ፡ ይውድብዎም ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሓድሽ “ክፍልታት” ወይ ጉባኤታት ይምስረት ነበረ። ብ1914 ኣብ መላእ ዓለም 1,200 ጉባኤታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነበራ።

13. ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘሎ ዝርጋሐ እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ዜደንቐካ እንታይ እዩ፧

13 ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም 109,400 ዚዀና ጉባኤታት ኣለዋ፣ ኣስታት 895,800 ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ድማ፡ ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ተቐቢሎም ኣብ ህይወቶም ይትግብርዎ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 60:22 ኣንብብ።)b የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ‘ስለ ስሙ ዅሉ ኸም ዚጸልኦም’ ተነብዩ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ቝጽሪ እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። የሱስ፡ ሰዓብቱ ኸም ዚስጐጉን ከም ዚእሰሩን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከም ዚቕተሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:12-17) ይኹን እምበር፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብ ሰይጣንን ካብ ኣጋንንቱን ካብ መንጎ ደቂ ሰብን ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እተዋህቦም መዝነት ብዓወት ይፍጽምዎ ኣለዉ። ሎሚ “ኣብ ብዘላ ዓለም፡” ማለት ኣብ ኣኽራንን ኣብ ምድረ በዳን ኣብ ከተማታትን ኣብ ርሑቕ ገጠራትን እዮም ዚሰብኩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ካብ ትሮፒካዊ ጫካታት ክሳዕ ብበረድ እተሸፈነ ቦታታት ዜጠቓልል እዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ዅሉ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ኪግበር ኣይምተኻእለን ነይሩ።

‘ናይ ሓቂ ፍልጠት ወሰኸ’

14. እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ብጽሑፋት ኣቢሉ ዚዝርጋሕ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

14 ሳላ ብዙሓት ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እናወሰኸ ወይ እናተዘርግሐ ይኸይድ ኣሎ። ብጽሑፋት ኣቢሉ እውን እናተዘርግሐ ኸይዱ እዩ። ኣብ ሓምለ 1879 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርታ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ኣሕተሙ፣ ኣርእስታ ኸኣ፡ ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ እዩ ነይሩ። እዛ ብንግዳዊ ትካል እተሓትመት ሕታም እዚኣ፡ ብ6,000 ቅዳሓት ብእንግሊዝኛ ጥራይ ተሓትመት። እቲ ወዲ 27 ዓመት ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ከኣ፡ ኣሰናዳዊ እታ መጽሔት ኪኸውን ተመርጸ፣ ካልኦት ሓሙሽተ ብሱላት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ኣብቲ መጽሔት ዚወጽእ ዓንቀጻት ይጽሕፉ ነበሩ። ሕጂ ግምቢ ዘብዐኛ ብ195 ቋንቋታት ትሕተም ኣላ። ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝርጋሐኣ ቐዳምነት ሒዛ ኣላ፣ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ ብ42,182,000 ቅዳሓት ይዝርጋሕ ኣሎ። እታ ብጸይታ ዝዀነት መጽሔት ንቕሑ! እውን፡ ብ84 ቋንቋታት ትሕተም፣ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ ብ41,042,000 ቅዳሓት ይዝርጋሕ። ብዘይካዚ፡ በብዓመቱ ኣስታት 100 ሚልዮን ዚኸውን መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ይሕተም።

15. ዕዮ ሕትመትና ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

15 እዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ዕዮ እዚ፡ ብወለንታ ብዚውፈ ወፈያታት እዩ ዚምወል። (ማቴዎስ 10:8 ኣንብብ።) እዚ ንበይኑ እኳ ነቶም ዋጋ ሓታሚት ማኪናን ወረቐትን ቀለምን ካልእ ናውትን ዚፈልጡ ኣብ ንግዲ ማሕተም ዘለዉ ሰባት ኣዝዩ እዩ ዜደንቖም። ንቤት-ኤል ዚዀና ሓተምቲ ማካይን ኣብ ምዕዳግ ዚዓዪ ሓደ ሓው ከምዚ በለ፦ “ንሓተምቲ ማካይንና ኺርእዩ ዚመጹ ሰብ ንግዲ፡ ከምዚ ዝበለ ብተክኖሎጂ ዝማዕበለን ብዙሕ ጽሑፋት ኪሓትም ዚኽእልን መሳለጥያ፡ ብወለንታ ብዚውፈ ወፈያታት ከም ዚምወል ኪርእዩ ኸለዉ፡ ኣዝዮም እዮም ዚድነቑ። ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዚዓይዩ ብዕድመ ንኣሽቱን ሕጉሳትን ሰባት ምስ ረኣዩ እውን ኣዝዮም እዮም ዚግረሙ።”

ምድሪ ብፍልጠት ኣምላኽ ክትመልእ እያ

16. እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኣብ ኵሉ ኸም ዚፍለጥ ዚግበር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

16 እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ፡ ንጽቡቕ ዕላማ እዩ። ከመይሲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) የሆዋ ንሰባት ነቲ ሓቂ ኺፈልጥዎን ንዕኡ ብግቡእ ብምምላኽ በረኸቱ ኺረኽቡን ይደሊ እዩ። እቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ከም ዚግሃድ ብምግባር፡ እሙናት ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣኪቡ ኣሎ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም “ብዙሓት ሰብ” ይእክብ ኣሎ።—ራእ. 7:9።

17. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይዓቢ ምህላዉ፡ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

17 ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 130 ዓመት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተራእየ ዕቤት፡ ኣምላኽን እቲ እተሸመ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዚመርሕዎምን ዜዕቍብዎምን ዚውድብዎምን ዚምህርዎምን ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዕቤት፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተወልና መብጽዓታት ከም ዚፍጸም የረጋግጸልና እዩ። “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳ. 11:9) ሽዑ ደቂ ሰብ ከመይ ዝኣመሰለ በረኸት ኰን እዮም ኪረኽቡ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነተን ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፈይዝ ኢን ኣክሽን፡ ፓርት 1፦ ኣውት ኦቭ ዳርክነስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 1ይ ክፋል፦ ካብ ጸልማት ምውጻእ) ከምኡውን ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፈይዝ ኢን ኣክሽን፡ ፓርት 2፦ ለት ዘ ላይት ሻይን (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 2ይ ክፋል፦ ብርሃን ይብራህ) ዘርእስተን ቪድዮታት ብምርኣይ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

b ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ (ትንቢት ኢሳይያስ—ንዅሎም ደቅሰብ ዚኸውን ብርሃን) 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 320 ወይ ከኣ ናይ 1 ሓምለ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 19፡ ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቕንዕና ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ትሑታት ሰባት እዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ንእትገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ