ትሕዝቶ
15 ነሓሰ 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
24-30 መስከረም 2012
1-7 ጥቅምቲ 2012
8-14 ጥቅምቲ 2012
15-21 ጥቅምቲ 2012
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
ኣብ ትንቢት ዳንኤል፡ ኣብ “ዘመን መወዳእታ፡” “ናይ ሓቂ ፍልጠት” (NW) እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ተገሊጹ ነበረ። (ዳን. 12:4) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ትንቢት ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተፈጸመ ትገልጽ። የሱስ ምስቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኽዎ ሰባት ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኸኣ ትህብ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 11-15
ናይ ሓቂ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ መን ምዃኖም ተምሃር። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቶም ዜጋታት ኬማልእዎ ብዛዕባ ዘለዎም ብቕዓታት ትገልጽ። ንስርዓታት የሆዋ ኸም ዜፍቅርዎ ዜርእዩ ብኸመይ ምዃኖም ከኣ ትሕብር።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 20-29
ሰይጣን ንእምነትና ምእንቲ ኼጥፍኣ፡ ስዉር መጻወድያታት ይጥቀም እዩ። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ኻብዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ መጻወድያታት ከነዕቍባ ኸም እንኽእል ይገልጻ፦ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ፡ ፍርህን ጸቕጥን፡ መጠኑ ዝሓለፈ ጸጸት፡ ፍቕረ ንዋይ፡ ከምኡውን ዝሙት ንኽንፍጽም ዚወርደና ፈተና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
30 ትዝክሮዶ፧
31 ካብ መዛግብትና
ገበር፦ ሓደ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ጊኒ-ቢሳው ኣብ ዚርከብ ዞባ ባፋታ፡ ንሓደ ጓሳ ኺምስክረሉ ኸሎ
ጊኒ-ቢሳው
ብዝሒ ህዝቢ
1,515,000
ኣስፋሕቲ
120
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
389