ታሪኽ ህይወት
ካብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ዝፈለጥናዮ “ምስጢር”
ኦሊቪያ ራንድርያሙራ ዘዘንተዎ
“ዋሕድን ብዝሕን እፈልጥ እየ። ብዅሉን ኣብ ኵሉን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ . . . ምስጢር እፈልጥ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” —ፊል. 4:12, 13፡ NW።
እዘን ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረበን ቃላት፡ ንዓይን ንኡሊ ብዓልቲ ቤተይን ንነዊሕ እዋን ኬተባብዓና ጸኒሐን እየን። ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ኣብዚ ኣብ ማዳጋስካር ከነገልግሎ ኸለና፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል “ምስጢር” ፈሊጥና ኢና።
ብ1982 ኣደ ኡሊ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከላ፡ ኣነን ኡሊን ተሓጺና ነበርና። ኣነ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ፡ ኡሊ ኸኣ ጸኒሓ ሰዓበትኒ። ብ1983 ተመርዓና፡ ብ1985 ከኣ ተጠመቕና፣ ብድሕሪኡ ነዊሕ ኸይጸናሕና ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። ብሓምለ 1986 ድማ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀንና።
ካብ መስከረም 1987 ኣትሒዝና ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። እቲ መጀመርታ እተመደብናሉ ቦታ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ማዳጋስካር ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እዩ ነይሩ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ጉባኤ ኣይነበረን። ኣብ ማዳጋስካር 18 ዝዀኑ ዓበይቲ ቐቢላታትን ማእለያ ዘይብሎም እንዳታትን ኣለዉ፣ ብዘይካዚ፡ ኣዝዩ እተፈላለየ ማሕበራዊ ባህልታትን ልምድታትን ኣሎ። ወግዓዊ ቛንቋ እታ ሃገር ማላጋሲ እኳ እንተ ዀነ፡ እተፈላለየ ላህጃታት እውን ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ንዚዝረብ ላህጃ ኽንመሃር መደብና፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብዝያዳ ተቐባልነት ንኽንረክብ ሓገዘና።
ኣብ ፈለማ፡ ሰንበት ሰንበት ህዝባዊ መደረ እህብ ነበርኩ፡ ኡሊ ኸኣ ተጣቕዓለይ ነበረት። ኣብቲ ኣኼባ ብጀካና ኻልእ ሰብ ኣይነበረን። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እውን ብምሉኡ ንወስዶ ነበረና፣ ኡሊ ኸኣ ምስ ሰብ እትዘራረብ ዘላ ኣምሲላ ኽፍላ ተቕርብ ነበረት። ኪበጽሓና ዝመጸ ሓላው ወረዳ ንኣኼባታትና ኸነመሓይሾ ብለውሃት ሓሳብ ምስ ኣቕረበልና፡ ብሓቂ እፎይ ዜብል እዩ ነይሩ።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣገልግሎት ጶስጣ ዜተኣማምን ስለ ዘይነበረ፡ ወርሓዊ ኣበልና ብስሩዕ ኣይበጽሓናን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዋሕዲ ንፈልጥ ነበረና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብቲ 130 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚግበር ኣኼባ ወረዳ ኽንካፈል እኳ እንተ ነበረና፡ ንኣውቶቡስ ዚኸውን እኹል ገንዘብ ግና ኣይነበረናን። ሽዑ፡ ነቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብጻይና ዝሃበና ጽቡቕ ምኽሪ ዘከርና። ንሱ፡ “ንየሆዋ ጸገማትኩም ንገርዎ። ዕዮኡ ኢኹም እትገብሩ ዘሎኹም” በለና። ስለዚ፡ ጸሊና ብእግርና ኽንከይድ ወሰንና። ቀቅድሚ ምኻድና ግና፡ ሓደ ሓው ሃንደበት መጺኡ ገንዘብ ሃበና፣ እቲ ገንዘብ ንመጓዓዝያና ዚኣክል እዩ ነይሩ።
ዕዮ ወረዳ
ብለካቲት 1991፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ንእሽቶ ጕጅለና 9 ኣስፋሕቲ ነበሩ፡ ካብዚኣቶም 3 እተጠመቑ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገምጋም ተኣከብቲ 50 ነበሩ። ስልጠና ምስ ረኸብና፡ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ኣንታናናሪቮ፡ ኣብ ዚርከብ ሓደ ወረዳ ኣገልገልና። ብ1993፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ዚርከብ ወረዳ ተመደብና። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ መነባብሮ ኻብቲ ናይ ከተማ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ።
ጉባኤታትን ግሉላት ጕጅለታትን ንምብጻሕ፡ ብእግርና ኢና እንጓዓዝ ኔርና። ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ 145 ኪ.ሜ. ዚኸውን ርሕቐት እሞ ኸኣ ብጫካ ብእተሸፈነ ኣኽራናት ንጓዓዝ ነበርና። ብዙሕ ኣቝሑ ኣይንስከምን ኢና ኔርና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ሓድሓደ ግዜ ብዘይንቀሳቐስ ፊልም እተሰነየ ህዝባዊ መደረ ሓላው ወረዳ ይቐርብ ስለ ዝነበረ፡ ሽዑ ዝያዳ ኣቕሑ ንስከም ነበርና። ኡሊ ነቲ ፊልም ዜርኢ ፕሮጀክተር ክትስከሞ ኸላ፡ ኣነ ኸኣ 12 ቮልት ባትሪ ማኪና እስከም ነበርኩ።
ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ንኽንበጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ዓቐብ ቍልቍል እናኸድና፡ ወሓይዝ እናኣቋረጽና፡ ብጭቃ እናተዋሓጥና ኣብ መዓልቲ 40 ኪ.ሜ. ንጓዓዝ ነበርና። ሓሓሊፉ፡ ኣብ መገዲ ንድቅስ እኳ እንተ ነበርና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ክንሓድረላ እንኽእል ዓዲ ኽንረክብ ንጽዕር ነበርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ፈጺምና ንዘይንፈልጦም ሰባት ኬሕድሩና ንሓቶም ነበርና። መሕደሪ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ምግቢ ኸነዳሉ ንጅምር። ኡሊ ዕትሮ ለሚና፡ ማይ ክትወርድ ናብ ርባ ወይ ቀላይ ትኸይድ ነበረት። ኣነ ኸኣ፡ ፋስ ለሚነ ንሓዊ ዚኸውን ዕንጨይቲ እቘርጽ ነበርኩ። እዚ ዅሉ ግዜ ዚወስድ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ደርሆ ዓዲግና፡ ሓሪድና ነጽርያ ነበርና።
ድሕሪ ምግቢ፡ ነብስና እንሕጸበሉ ማይ ክንቀድሕ ንሩባ ንወርድ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክሽነ ንድቅስ ነበርና። ዝናም ኪዘንም ከሎ፡ እቲ ኻብ ናሕሲ ዚነጥብ ማይ ምእንቲ ኸየጠልቅየና፡ ኣብ መንደቕ ተጸጊዕና ንድቅስ ነበርና።
ወትሩ ነቶም ዜሕድሩና ዝነበሩ ሰባት ከይመስከርናሎም ኣይንሓልፍን ኢና ኔርና። ኣብ ቦታና ምስ በጻሕና፡ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜርእዩና ዝነበሩ ሕያውነትን እንግዶትን ብቓላት ዚግለጽ ኣይነበረን። እቲ ልባዊ ሞሳኦም ነቲ ኣብ መገዲ ዜጋጠመና ጸገማት ከም እንርስዖ ዚገብር እዩ ነይሩ።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ኽንሓድር ከለና፡ ዕዮ ገዛ ንሕግዞም ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺሓብሩና ግዜ ይረኽቡ ነበሩ። ንሕና እውን ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝበሎም ክንብል ክኢልና ኢና። ጳውሎስ፡ “ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፡ . . . ብጻዕርን ድኻምን [ዓየና]” በለ። (2 ተሰ. 3:8) ነቶም ዜአንግዱና ዝነበሩ ሰባት ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ነገራት ወይ ፍሉይ ምግቢ ኼዳለዉልና ኣይንጽበዮምን ኢና ኔርና።
ንግሉላት ጕጅለታት ምብጻሕ
ነቶም ብዙሕ ንጥፈታት ዝሓዘ መደብ ኣውጺኦም ዚቕበሉና ዝነበሩ ኣብ ግሉላት ጕጅለታት ዝነበሩ ኣሕዋት ምብጻሕ የሐጕሰና ነበረ። ‘ሓንሳእ ንኽንዓርፍ’ እኳ ግዜ ኣይነበረናን። (ማር. 6:31) ኣብ ሓደ ቦታ፡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዅሎም እቶም 40 ዝዀኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱሶም ሓቢርና ምእንቲ ኸነጽንዖም፡ ኣብ ቤቶም ዓደምዎም። ኡሊ ምስታ ሓብቲ ዀይና ነቶም 20 ኣቢሎም ዝዀኑ ተመሃሮ መጽናዕቲ ኽትመርሓሎም ከላ፡ ኣነ ኸኣ ምስቲ ሓው ኰይነ ነቶም ካልኦት 20 እመርሓሎም ነበርኩ። ሓደ ተመሃራይ ምስ ከደ፡ ብኡንብኡ ኻልእ ተመሃራይ ይትካእ ነበረ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣኼባታት ጉባኤ ምእንቲ ኽንገብር ኣብ መንጎ ነዕርፍ እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንቕጽለሎም ነበርና። እዚ ነዊሕ ጕያ እዚ፡ ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ኣቢሉ ይዛዘም ነበረ።
ንኻልእ ጕጅለ ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ ኵላትና ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ተበጊስና ናብታ ዝቐረበት ቍሸት ከድና። ኵላትና ብላይ ክዳንውንቲ ተኸዲንና ነበርና። በቲ ጫካ ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዝና፡ ኣጋ ፋዱስ ኣብታ ቝሸት በጻሕና። ክዳውንትና ቐይርና፡ ብኡንብኡ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ጀመርና። እቲ ኣባይቲ ሒደት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣስፋሕቲ ግና ብዙሓት ነበርና። ስለዚ፡ ንብምልእታ እታ ቝሸት ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ኣቢሉ ሸፈንናያ። ድሕሪኡ፡ ናብታ እትቕጽል ቍሸት ኣምራሕና። ኣብታ ቝሸት ድሕሪ ምስባኽና ኸኣ እንደገና ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዝና ናብ ቤትና ተመለስና። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ዅነታት፡ ቍሩብ ተስፋ ኣቝሪጹና ነበረ። ብዙሕ ግዜን ጕልበትን እኳ እንተ ኣጥፋእና፡ ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ጥራይ ኢና ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣገልጊልና። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣየዕዘምዘሙን። እኳ ደኣስ፡ ውዕዉዕ መንፈስ ነበሮም።
ሓንቲ ኣብ ታቪራናምቶ ዝነበረት ግልልቲ ጕጅለ፡ ኣብ ጥቓ ጫፍ ከረን እያ እትርከብ ነይራ። ኣብኡ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ስድራ ቤት ረኸብና። ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝነበረ ንእሽቶ ህንጻ ኸኣ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። እቲ እተቐበለና ሓው፡ ብሃንደበት ዓው ኢሉ “ኣሕዋት!” ኢሉ ተዳህየ። ካብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኸረን ከኣ፡ “ኣቤት!” ዚብል መልሲ ተሰምዐ። ሽዑ፡ እቲ እተቐበለና ሓው እንደገና፡ “ሓላው ወረዳ መጺኡ!” ኢሉ ተዳህየ። “ሕራይ!” ዚብል መልሲ ኸኣ ተዋህቦ። እቲ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ርሕቕ ዝበለ ኸባቢ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን ተመሓላሊፉሎም ኪኸውን ኣለዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰባት ኪእከቡ ጀመሩ፡ እቲ ኣኼባ ኺጅመር ከሎ፡ ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ።
ጸገም መጓዓዝያ
ብ1996 ጥቓ ኣንታናናሪቮ፡ ኣብ ማእከላዊ ኸበሳታት፡ ኣብ እትርከብ ወረዳ ተመደብና። ኣብዚ ወረዳ እዚ እውን እንተ ዀነ ፍሉይ ጸገማት ኣጋጢሙና እዩ። ናብቲ ኣቚሻት ዜብጽሕ ስሩዕ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣይነበረን። ካብ ኣንታናናሪቮ 240 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቤንካና (ቤሳኬ) ንዚነብሩ ጕጅለ ኽንበጽሕ ኢና ተመዲብና ኔርና። ምስ ሓደ ዘዋራይ ማኪና ጽዕነት ተዋዓዒልና ኸኣ ናብቲ ቦታ እቲ ኽንጐዓዝ ጀመርና። ኣብታ ንእሽቶ ማኪና ጽዕነት፡ 30 ዝዀኑ ተጓዓዝቲ፡ ገሊኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ናሕሲ እታ ማኪና በጥ ኪብሉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ድሕሪት ተንጠልጢሎም ነበሩ።
ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዜጋጥመና፡ እታ ማኪና ነዊሕ ከይከደት ስለ እተሰብረት፡ ጕዕዞና ብእግሪ ቐጸልናዮ። ንገለ ሰዓታት ዚኸውን ምስ ተጓዓዝና፡ ሓንቲ ዓባይ ማኪና መጸት። ሽሕ እኳ ብሰባትን ብኣቝሑን ተጠቕጢቓ እንተ ነበረት፡ እቲ ዘዋራይ ጠጠው ኣበለልና። ምስ ደየብና ኸኣ ብጀካ ደው ምባል ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ድሕሪኡ፡ ናብ ሓደ ርባ በጻሕና፣ እቲ ድልድል ግና ኣብ ጽገና እዩ ነይሩ። እንደገና ብእግሪ ጕዕዞና ቐጸልና፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ፍሉያት ፈለምቲ ኣብ ዚነብሩላ ንእሽቶ ቝሸት በጻሕና። ነቶም ኣሕዋት ንኽንበጽሖም መደብ እኳ እንተ ዘይነበረና፡ እቲ ድልድል ተጸጊኑ ኽሳዕ ዚውዳእን ካልእ መጓዓዝያ ኽሳዕ እንረክብን ነቲ ግዜ ምስኦም እናሰበኽና ኣሕለፍናዮ።
ሰሙን ዚኸውን ምስ ጸናሕና፡ መጓዓዝያ ረኺብና ጕዕዞና ቐጸልና። እቲ መገዲ እተፈሓሓረ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ኣብራኽና ብዚበጽሕ ማይ እናተዋሓጥና፡ ኣብ መንጎ ኸኣ ኣናተዓንቀፍናን እናወደቕናን ነታ ማኪና ብተደጋጋሚ ንደፍኣ ነበርና። ኣብ ወጋሕታ ኣቢሉ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቝሸት ምስ በጻሕና፡ ካብታ ማኪና ወረድና። ነቲ ቐንዲ መገዲ ሓዲግና ኸኣ ብግራት ሩዝ ሰንጢቕና፡ ክሳዕ መዓንጣና ብዚበጽሕ ጨፈቕፈቕ ዝበለ ማይ እናተዋሓጥና ብእግሪ ናብ ቦታና በጻሕና።
ኣብቲ ቦታ ዝኸድና ንመጀመርታ ግዜና ስለ ዝዀነ፡ ንገለ ኻብቶም ኣብቲ ግራት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ክንምስክረሎም፡ ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚነብሩሉ ቦታ ንኺሕብሩና ኽንሓቶም ወሰንና። እቶም ሰራሕተኛታት መንፈሳውያን ኣሕዋትና ምዃኖም ምስ ነገሩና እተሰምዓና ሓጐስ ወሰን ኣይነበሮን።
ንኻልኦት ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣትዉ ምትብባዕ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንኻልኦት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣትዉ ብዝገበርናዮ ምትብባዕ እተረኽበ ውጽኢት ብዙሕ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡልና። ትሽዓተ ስሩዓት ፈለምቲ ንዝነበርዋ ሓንቲ ጉባኤ ኽንበጽሕ ከለና፡ ንዅሎም እቶም ፈለምቲ ነፍሲ ወከፎም ንሓደ ኣስፋሒ ፈላሚ ኪኸውን ኪሕግዝዎ ኣተባባዕናዮም። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናብታ ጉባኤ ምስ ተመለስና፡ ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ናብ 22 ደይቡ ጸንሓና። ክልተ ፈለምቲ ነቶም ሽማግለታት ዝዀኑ ኣቦታተን ምስ ኣተባባዓኦም፡ ክልቲኦም ስሩዓት ፈለምቲ ዀኑ። እቶም ኣሕዋት ከኣ ብግዲኦም፡ ንኻልእ ሽማግለ ኺሓብሮም ኣተባብዕዎ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ ሽማግለ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ተሸመ። ጸኒሑ ድማ፡ ምስ ሰበይቱ ዕዮ ወረዳ ጀመረ። እቶም ክልተ ሽማግለታትከ፧ እቲ ሓደ፡ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኼገልግል ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብወለንታ የገልግል ኣሎ።
ብሓይልና ዋላ ሓንቲ ኽንዓምም ከም ዘይንኽእል ስለ እንፈልጥ፡ ንየሆዋ ስለቲ ዚገብረልና ደገፍ ኣብ መመዓልቲ ኢና እነመስግኖ። ሓድሓደ ግዜ ንደክምን ንሓምምን እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ፍረ ኣገልግሎትና ኸነስተንትን ከሎና ግና ንሕጐስ ኢና። የሆዋ ንዕዮኡ ኸም ዚዓቢ ይገብሮ እዩ። ንሕና ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ብምግልጋል ንእሽቶ እጃም ከነበርክት ከለና ንሕጐስ ኢና። እወ፡ ኣብቲ ‘ሓይሊ ዝሃበና’ የሆዋ ብምውካል “ምስጢር” ፈሊጥና ኢና።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ የሆዋ ብምውካል “ምስጢር” ፈሊጥና ኢና
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]
እታ ዓባይ ደሴት ተባሂላ እትጽዋዕ ማዳጋስካር፡ ብስፍሓት ኣብ ዓለም ራብዓይ እትስራዕ ደሴት እያ። መሬታ ቐይሕ ኪኸውን ከሎ፡ ማእለያ ዘይብሎም ፍሉያት ዓይነት እንስሳታትን ኣትክልትን ዘለውዋ ሃገር እያ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ጕዕዞ፡ ሓደ ኻብቲ ዜጋጥመና ዝነበረ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጐስ ንካፈል ነበርና