ትሕዝቶ
15 ሰነ 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
30 ሓምለ 2012–5 ነሓሰ 2012
6-12 ነሓሰ 2012
13-19 ነሓሰ 2012
ንኣገልግሎት የሆዋ ኸተቐድም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
20-26 ነሓሰ 2012
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 7-18
ኣየናይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ፍጻመታት ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ነቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ዘሎ ዓብዪ ምስልን ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13ን 17ን ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊትን ንምስሊ እቲ ኣራዊትን ዚምልከት ትንቢታት ክንምርምር ኢና። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚመጽእ እንታይ ምስትውዓል ከም ዚህበና ኣስተብህል።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3 ገጽ 20-24
ሓደ ሰብ ተጠሚቑ ክርስትያን ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ህይወቱ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኬቐድም እዩ ዚሰማማዕ። ብዛዕባ እቲ በቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተገብረ ውሳነታት ምስትንታን፡ ንግዜናን ንጕልበትናን ንጥሪትናን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ንኽንምርምር ኬተባብዓና ይኽእል እዩ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 25-29
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነብያትን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተመርሑን’ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእልን ክንርኢ ኢና። (2 ጴጥ. 1:21) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ንኽንዕቅቦ እንታይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ክንርኢ ኢና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
3 ካብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ዝፈለጥናዮ “ምስጢር”
ገበር፦ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ምስክርነት ይወሃብ እዩ። እዚ ኸኣ ነዚ ኣብ ዳምኖን ሳዱክ ኣብ ጃልባ ኣብ ዚግበር ዕዳጋ እውን የጠቓልል።
ታይላንድ
ብዝሒ ህዝቢ
66,720,000
ኣስፋሕቲ
3,423
ስሩዓት ፈለምቲ
824