ንፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ትስዕቦ ዲኻ፧
“መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ።”—መዝ. 119:128።
1, 2. (ሀ) ናብ ሓደ ቦታ ኽትከይድ ከለኻ መምርሒ ኣብ እትሓተሉ እዋን፡ እንታይ ዓይነት መጠንቀቕታ ምስ ዚወሃበካ ኢኻ እተማስወሉ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ እንታይ ዓይነት መጠንቀቕታ እዩ ዚህቦም፧ ስለምንታይከ፧
ናብ ሓደ ቦታ ኽትከይድ ከም ዝደለኻ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ናብቲ ቦታ ዚወስድ መገዲ ዚፈልጦ እሙን ዓርክኻ፡ መምርሒ ንኺህበካ ትሓቶ ትኸውን። እቲ ዓርክኻ መምርሒ ኺህበካ ኸሎ፡ “ኣብታ ቐጺላ ዘላ መጥወዪ ኽትበጽሕ ከለኻ፡ ተጠንቀቕ ኢኻ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ምልክት ዜጋጊ እዩ። ሓያሎ ሰባት ንዕኡ ስለ ዝሰዓቡ፡ ጠፊኦም እዮም” ይብለካ ይኸውን። እሞኸ ነቲ ዝሃበካ ምኽሪ ብሞሳ ተቐቢልካ ትስዕቦ ዲኻ፧ ኣብ እተወሰነ መዳይ፡ የሆዋ ኸምዚ ዓርኪ እዚ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽበሉ መገዲ ብኸመይ ከም እንመላለስ ብጥንቃቐ መምርሒ ይህበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ብግጉይ መገዲ ኸም እንጐዓዝ ኪገብረና ዚኽእል ሕማቕ ጽልዋታት እውን መጠንቀቕታ ይህበና እዩ።—ዘዳ. 5:32፣ ኢሳ. 30:21።
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽን፡ እቲ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜጠንቅቐና ገለ ጽልዋታት ክንርኢ ኢና። የሆዋ ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ዚህበና፡ ስለ ዚሓልየልናን ስለ ዜፍቅረናን ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ናብቲ ዝደለናዮ ቦታ ኽንበጽሕ ይደልየና እዩ። ሰባት ብሰንኪ ሕማቕ ጽልዋ መገዶም ኪስሕቱ ኸለዉ ይጕሂ እዩ። (ህዝ. 33:11) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰለስተ ኣሉታዊ ጽልዋታት ክንርኢ ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ ደጋዊ ጽልዋ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ውሽጣዊ ጽልዋ እዩ። እቲ ሳልሳይ ግን፡ ዘይጭበጥ ነገራት ኰይኑ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እዚ ጽልዋታት እዚ እንታይ ከም ዝዀነ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ድማ ነዚ ጽልዋታት እዚ ንኽንቃወሞ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንፈልጥ ኣሎና። ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ” በለ። (መዝ. 119:128) ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ነዚ ስምዒት እዚ ኸነማዕብሎን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን እንኽእለሉ መገዲ እስከ ንርአ።
“ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ”
3. (ሀ) በየናይ መገዲ ኸም እንኸይድ ኣብ እንጠራጠረሉ እዋን፡ ደድሕሪ ኻልኦት ተጐዓዝቲ ምስዓብ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ዘጸኣት 23:2 እንረኽቦ ኣገዳሲ ስርዓት እንታይ እዩ፧
3 ነዊሕ ጕዕዞ ኣብ እትጐዓዘሉ እዋን፡ በየናይ መገዲ ኽትከይድ ከም ዘሎካ እንተ ተጠራጢርካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ደድሕሪ ኻልኦት ተጐዓዝቲ ንኽትስዕብ ትፍተን ትኸውን፣ ብፍላይ ከኣ ሓያሎ ተጐዓዝቲ ብሓደ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ እንተ ርኢኻ፡ ንዓታቶም ክትስዕብ ትደሊ ትኸውን። ከምኡ ምግባርካ ግን ሓደገኛ እዩ። እቶም ተጐዓዝቲ ናብቲ ኽትከዶ ዝደለኻዮ ቦታ ዘይጐዓዙ፡ ወይ ንሳቶም እውን መገዲ ዝጠፍኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት እሞ ንርአ። ነቶም ኣብ ፍርዳዊ ጕዳያት ከም ዳያኑ ወይ መሰኻኽር ኰይኖም ዚዓዩ ዝነበሩ ሰባት፡ ‘ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ምስዓብ’ ዘለዎ ሓደጋ ዚምልከት መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘጸኣት 23:2 ኣንብብ።) ከመይሲ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ብቐሊሉ ፍትሒ ኬቕንኑ ኸም ዚኽእሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ እዚ ብዛዕባ ደድሕሪ ብዙሓት ምስዓብ እተዋህበ መጠንቀቕታ ንፍርዳዊ ጕዳያት ጥራይ ዚምልከት ድዩ፧ ኣይፋሉን።
4, 5. እያሱን ካሌብን ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ንኺስዕቡ ጸቕጢ ዝወረዶም ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ጸቕጢ እዚ ንኺጻወርዎ ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧
4 ከም ሓቂ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን፡ ‘ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ክንስዕብ’ ጸቕጢ ኺወርደና ይኽእል እዩ። እቲ ጸቕጢ ድማ፡ ሃንደበታዊ ኪዀነናን ንምቅዋሙ ኪኸብደናን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እያሱን ካሌብን ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸቕጢ መዛኑ እሞ ሕሰብ። ክልቲኦም ካብ መንጎ እቶም ንምድሪ ተስፋ ኺስልዩ እተላእኩ 12 ሰብኡት እዮም ነይሮም። ሰልዮም ምስ ተመልሱ፡ እቶም ዓሰርተ ኣሉታዊ ዝዀነን ተስፋ ዜቝርጽን ጸብጻብ ሃቡ። ተቐማጦ እተን ዝሰለይወን ዓድታት፡ ደቂ እቶም ካብ መላእኽትን ኣንስቲ ደቂ ሰብን እተወልዱ ንጉዓት ሰባት ከም ዝዀኑ እውን ኣውረዩ። (ዘፍ. 6:4) እቲ ዝበልዎ ግን ጌጋ እዩ ነይሩ። እቶም እኩያት ዝነበሩ ንጉዓት ሰባት፡ ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ብማይ ኣይሂ ስለ ዝጠፍኡ፡ ካባታቶም ዝተረፈ ውሉድ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ መሰረት ዘይብሉ ሓሳብ እውን እንተ ዀነ፡ እምነቶም ንዝደኸመት ሰባት ኪጸሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ብሰሪ እቲ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘቕረብዎ ሕማቕ ጸብጻብ፡ እቶም ህዝቢ ፈሪሆምን ርዒዶምን እዮም። ድሕርዚ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ተኣዚዞም ንምድሪ ተስፋ ኺወርስዋ ኣይደለዩን። እቶም እዚ ተኣፋፊ ዅነታት እዚ ዘጋጠሞም እያሱን ካሌብን ደኣ እንታይ ገበሩ፧—ዘሁ. 13:25-33።
5 ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይሰዓቡን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓቂ ተዛረቡ፣ እቶም ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም እኳ እንተ ደለዩ፡ ካብ መትከሎም ፈልከት ኣይበሉን። ንኺተብዑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እምነቶም እያ ሓጊዛቶም። እምነት ዘላቶም ሰባት፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰባት ዚብልዎ መሰረት ዘይብሉ ሓሳባትን የሆዋ ኣምላኽ ዝኣተዎ ቕዱስ መብጽዓን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ይረኣዮም እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እያሱን ካሌብን፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዅሉ መብጽዓኡ ዝፈጸመሉ መገዲ እተሰምዖም ስምዒት ገሊጾም እዮም። (እያሱ 14:6, 8፣ 23:2, 14 ኣንብብ።) ክልቲኦም ደድሕሪ እቶም እምነት ዘይነበረቶም ህዝቢ ብምስዓብ ንኣምላኾም ኬጕህዩ ስለ ዘይደለዩ፡ ናብቲ እሙን ኣምላኽ ጠቢቖም እዮም። በዚ ኸምዚ ስለ ዝጸንዑ ኸኣ፡ ንዓና ብሉጽ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም።—ዘሁ. 14:1-10።
6. ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ንኽንስዕብ ጸቕጢ ኺግበረልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
6 ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ክትስዕብ ጸቕጢ ተገይሩልካዶ ይፈልጥ፧ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት፡ ካብ የሆዋ ርሒቖም ኣለዉ፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱ ኸኣ ይነቕፍዎ እዮም። ሰባት ብዛዕባ መዘናግዒ መሰረት ዘይብሉ ሓሳባት የስፋሕፍሑ እዮም። እቲ ኣብ መደባት ተለቪዥንን ፊልምታትን ጸወታታት ቪድዮን ዚርአ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰትን ዓመጽን ሓተታ መናፍስትን ጕድኣት ከም ዘይብሉ ይገልጹ ይዀኑ። (2 ጢሞ. 3:1-5) እሞኸ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ፡ በቶም ሸለልተኛ ሕልና ዘለዎም ተጸሊኻ ዲኻ ውሳነ እትገብር፧ ሕልናኻ ብኣታቶም ኪቕረጽከ ትፈቅድ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ከም ዝሰዓብካዶ ኣይኰነን ዚቝጸር፧
7, 8. (ሀ) ‘ልቦናና’ ኺስልጥን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንልቦናና ምስልጣን ተሪር ሕግታት ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ጠቓሚ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ዜርእይዎ ኣብነት ንልብኻ ዚትንክፍ ስለምንታይ እዩ፧
7 የሆዋ ውሳነታት ንኽንገብር ዜኽእለና ኽቡር ውህበት፡ ማለት ‘ልቦና’ ሂቡና እዩ። ይኹን እምበር፡ ልቦናና “ብተመክሮ” ኺስልጥን ኣለዎ። (እብ. 5:14፡ ትርጕም 1990) ደድሕሪ ብዙሓት ብምስዓብ ኰነ ኻልኦት ንዜውጽኡልና ተሪር ሕግታት ብምኽታል ንልቦናና ኸነሰልጥኖ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ኬርሕቕዎ ብዛዕባ ዘለዎም ፊልምታትን መጻሕፍትን ወብ ሳይትን ዚገልጽ ዝርዝር ኣይወሃቦምን እዩ። ከመይሲ፡ ኵነታት ዓለም ቀልጢፉ ስለ ዚቀያየር፡ ቀዋሚ ዝዀነ መለክዒታት ከተውጽእ ኣይከኣልን እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ብዘይካዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መለክዒታት እንተ ወጺኡ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐን ብጸሎትን መርሚርና ውሳነታት ከይንገብር ኪዓግተና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 5:10።
8 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪትና እንገብሮ ውሳነታት፡ ብኻልኦት ዘይፍቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ክርስትያን ዝዀኑ መንእሰያት ተመሃሮ፡ ካልኦት ዚርእይዎን ዚገብርዎን ዘበለ ኺርእዩን ኪገብሩን ሓያል ጸቕጢ ኺወርዶም ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 4:4) ክርስትያን መንእሰያትን ዓበይትን፡ ንእምነት እያሱን ካሌብን ብምቕዳሕ ነቲ “ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ዚብል ምኽሪ ኺስዕቡ ኸለዉ ምርኣይሲ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!
‘ደድሕሪ ልብኻን ዓይንኻን ኣይትስዓብ’
9. (ሀ) ናብ ሓደ ቦታ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ብቓሕ ዝበለና መገዲ ምኻድ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ዘሁልቍ 15:37-39 ዚርከብ ሕጊ ንጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
9 እቲ ቐጺልና እንመያየጠሉ ኻልኣይ ሓደገኛ ጽልዋ፡ ውሽጣዊ ጽልዋ እዩ። ነዚ ኸኣ በዚ ዚስዕብ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል ኢና፦ ናብ ሓደ ቦታ ኽትጐዓዝ ከለኻ፡ ንካርታኻ ዕሽሽ ኢልካ ጽቡቕ ትርኢት ብዘለዎ ቓሕ ዝበለካ መገዲ ምኸድካዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ናብቲ ዝሓሰብካዮ ቦታ ኸም ዘይትበጽሕ ርዱእ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ካልእ ሕጊ እስከ ንርአ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ዘፈር ክዳውንቶም ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ እተዋህቦም ሕጊ ንምርዳኡ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። (ዘሁልቍ 15:37-39 ኣንብብ።) ንስኻኸ እዚ ሕጊ እዚ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝነበረ ተረዲኡካዶ፧ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ሕጊ እዚ ምሕላዎም፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ ንኺፍለዩ ሓጊዝዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ስምረት የሆዋ ንኺረኽቡ የኽእሎም ነበረ። (ዘሌ. 18:24, 25) ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ኻብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬርሕቐና ዚኽእል ውሽጣዊ ጽልዋ እውን ይሕብረና እዩ። ብኸመይ፧
10. የሆዋ ብዛዕባ ባህርይ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ምስትውዓል ከም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
10 የሆዋ ነዚ ሕጊ እዚ ንህዝቡ ዝሃበሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። ንእስራኤላውያን፡ “ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘሎኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ” በሎም። የሆዋ ብዛዕባ ባህርይ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ምስትውዓል ኣለዎ። ልብና ወይ ውሽጣዊ እንታይነትና ብእንርእዮ ዘበለ ብቐሊሉ ኺጽሎ ኸም ዚኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” ኢሉ ዜጠንቅቐና። (ኤር. 17:9) እሞኸ፡ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኽሳዕ ክንደይ ግቡእ ከም ዝነበረ ተገንዚብካዶ፧ የሆዋ፡ እስራኤላውያን ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ህዝቢ ኸም ዚርእይዎም፡ በቲ ዚርእይዎ ኸኣ ከም ዚታለሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ነቶም ዘይኣመንቲ ንኺመስልዎም፡ ንኣተሓሳስባኦምን ንስምዒቶምን ንተግባራቶምን ከኣ ንኪቐድሕዎ ኺፍተኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—ምሳ. 13:20።
11. ብህዋሳትና ብቐሊሉ ኽንታለል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
11 ኣብዚ ግዜና እውን፡ እቲ ጐራሕ ልብና ብህዋሳትና ብቐሊሉ ኺታለል ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዛ ንስጋዊ ባህግታት እተተባብዕ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። እሞኸ ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 15:39 ዚርከብ ስርዓት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧ ንኣብነት፡ መማህርትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ኣከዳድና ዚኽደኑ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ንዓኻ ኺጸልወካዶ ይኽእል፧ ብእትርእዮ ነገራት ተሓቢልካ ‘ደድሕሪ ልብኻን ዓይንኻን ክትስዕብ’ ትፍተንዶ ትኸውን፧ ብሰንኪ እዚ፡ ነቲ እትስዕቦ ስርዓት ኣከዳድና ሓዲግካ ንዓለም ክትመስላ ትፍተንዶ ትኸውን፧—ሮሜ 12:1, 2።
12, 13. (ሀ) ኣዒንትና ኺርእያኦ ዘይግባእ ነገር ዚርእያ እንተ ዀይነን፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ንኻልኦት ግጉይ ድራኸ ኼሕድረሎም ዚኽእል ነገራት ካብ ምግባር ክንቍጠብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
12 ውዓል ሕደር ከይበልና፡ ርእሰ-ግትኣት ከነማዕብል ኣሎና። ኣዒንትና ኺርእያኦ ዘይግባእ ነገር ዚርእያ እንተ ዀይነን፡ ነቲ ምስ ኣዒንቱ ኺዳን እተኣታተወ እዮብ ክንዝክሮ ኣሎና፣ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ ሰበይቱ ምስ ዘይኰነት ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ፍቕራዊ ርክብ ከይምስርት ቆራጽነት ገይሩ ነበረ። (እዮ. 31:1) ንጉስ ዳዊት እውን ብቘራጽነት፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን” ኢሉ ነበረ። (መዝ. 101:3) ንሕና እውን፡ ንንጹህ ሕልናናን ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብን ኬበላሹ ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት፡ ከም “ነውሪ” ኢና እንቘጽሮ። እዚ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ንኣዒንትና ማሪኹ ግጉይ ተግባራት ንኽንገብር ዚድርኸና ነገራት የጠቓልል።
13 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንኻልኦት ግጉይ ድራኸ ኼሕድረሎም ዚኽእል ነገራት ብምግባር፡ ‘ነውራማት’ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ግቡእን ሕንኪ ዘለዎን ኣከዳድና ኽንክደን ከም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። (1 ጢሞ. 2:9) ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድና ኺበሃል ከሎ፡ ንዓና ጥራይ ዚሰማምዓና ምኽዳን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሕልናን ንስምዒትን ካልኦት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ብሕታዊ ምርጫና ንላዕሊ ንኣእምሮኣዊ ሰላምን ንድሕንነትን ካልኦት ቀዳምነት ክንህብ ኣሎና። (ሮሜ 15:1, 2) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ በዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ዚዀኑ ኣሽሓት መንእሰያት ብምህላዎም ተባሪኽና ኢና። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ነቲ ‘ደድሕሪ ልብኻን ዓይንኻን ኣይትስዓብ’ ዚብል ምኽሪ ብምስዓብ፡ ብዅሉ ተግባራቶም እንተላይ ብኣከዳድናኦም ንየሆዋ ኼሐጕሱ ዚጽዕሩ ምዃኖምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐብነና!
‘ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ኣይትስዓብ’
14. ሳሙኤል ብዛዕባ ‘ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ምስዓብ’ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ፧
14 ሕጂ ድማ፡ ክትጐዓዝ ከለኻ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ምድረ በዳ ኸም ዝበጻሕካ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ወርወርታ እንተ ትርኢ እሞ፡ መገድኻ ሓዲግካ ነቲ ወርወርታ ኽትረክብ እንተ ትጽዕር፡ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧ ከምኡ ምግባር፡ ሞት ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ጕድኣት ኬስዕብ ዚኽእል ሓደጋ ይፈልጦ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ደለዩ። ነዚ ምድላዮም፡ የሆዋ ኸይነግሶም ከም ዝነጸግዎ ዜርኢ ስለ ዝነበረ፡ ከቢድ ሓጢኣት እዮም ፈጺሞም። የሆዋ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም እኳ እንተ ፈቐደሎም፡ ብነብዪ ሳሙኤል ኣቢሉ፡ ‘ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ከይስዕቡ’ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—1 ሳሙኤል 12:21 ኣንብብ።
15. እስራኤላውያን ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧
15 እቶም ህዝቢ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ካብ የሆዋ ንላዕሊ ትውክልቲ ዚግበሮ ኸም ዝዀነ ድዮም ሓሲቦም፧ ከምኡ እንተ ሓሲቦም፡ ከንቱ ነገራት ይስዕቡ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። ደድሕሪ እቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ዘይጭበጥ ነገራት ብምስዓብ እውን ኣብ ሓደጋ ኺኣትዉ ይኽእሉ ነበሩ። ከመይሲ፡ ሰብኣውያን ነገስታት ብቐሊሉ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኪመርሕዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣምለኽቲ ጣኦት፡ ካብ ዕንጨይቲ ወይ እምኒ እተሰርሑ ብዓይኒ ዚርኣዩ ኣማልኽቲ፡ ካብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ዘይርአ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንላዕሊ ትውክልቲ ዚግበሮም ከም ዝዀኑ እዮም ዚሓስቡ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ጣኦታት “ሓቀኛ ህላዌ” የብሎምን። (1 ቈረ. 8:4፡ ትርጕም 1990) ኪርእዩ፡ ኪሰምዑ፡ ኪዛረቡ፡ ወይ ዝዀነ ነገር ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ዚርኣዩን ዚድህሰሱን እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዓታቶም ኣምልኾ ምቕራብ ግን፡ ደድሕሪ ኺጭበጥ ዘይክእል ከንቱ ነገራት ከም ምስዓብ እዩ ዚቝጸር፣ እዚ ኸኣ፡ ጕድኣት ጥራይ እዩ ዜስዕብ።—መዝ. 115:4-8።
16. (ሀ) ሎሚ፡ ሰይጣን ንሓያሎ ሰባት ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ከም ዚስዕቡ ዚገብር ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ስጋዊ ነገራት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ ኸንቱ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
16 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣን ንሰባት ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ከም ዚስዕቡ ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ ንሓያሎ ሰባት፡ ሓጐስን ድሕንነትን ዚርከብ ካብ ስጋዊ ነገራት ከም ዝዀነ ኣእሚንዎም እዩ። ብርግጽ፡ ገንዘብን ጥሪትን ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕን ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ኺመስል ይኽእል እዩ። እዚ ነገራት እዚ ግን፡ ጥዕና ምስ እትስእን፡ ቍጠባዊ ቕልውላው ምስ ዚፍጠር፡ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚረብሕ፧ ሰባት ባዶነት ኪስምዖም ከሎ፡ ዕላማ ህይወት ኪጠፍኦም ከሎ፡ ንህይወት ዚምልከት ዓበይቲ ሕቶታት ኪለዓሎም ከሎ፡ እንታይ ረብሓ ኺህልዎ ይኽእል፧ ናብ ሞት ንዜምርሕ ሰብከ ኼድሕን ይኽእልዶ፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ንምምላእ ኣብ ስጋዊ ነገራት ንውከል እንተ ዄንና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ኢና። ስጋዊ ነገራት ከንቱ ስለ ዝዀነ፡ ኬድሕነና ኣይክእልን እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ኣካላዊ ድሕንነት ዚህብ ኣይኪኸውንን እዩ፣ ከመይሲ፡ ነባሪ ሓጐስ ኬምጽኣልና ወይ ከኣ ካብ ሕማምን ሞትን ኬናግፈና ኣይክእልን እዩ። (ምሳ. 23:4, 5) የሆዋ ኣምላኽና ግን ትውክልቲ ዚግበሮ ኣምላኽ እዩ። ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምስ እንምስርት ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ድሕንነት ክንረክብ እንኽእል። እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! እምበኣር፡ ንየሆዋ ብምሕዳግ ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ኣይንስዓብ።
17. ብዛዕባ እቲ እተመያየጥናሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት እንታይ ንኽትገብር ቈሪጺካ ኣሎኻ፧
17 የሆዋ ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ዚመርሓና ዓርኪ ምዃኑስ በረኸትዶ ኣይኰነን፧ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ደድሕሪ ብዙሓትን ደድሕሪ ልብናን ደድሕሪ ኸንቱ ነገራትን ምስዓብ ዘለዎ ጕድኣት ኣጠንቂቑና ኣሎ፣ ነቲ ብዛዕባ እዚ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድረልና ዚኽእል ሰለስተ ነገራት እተዋህበና ምኽሪ ብቐጻሊ ንስዕብ እንተ ዄንና፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽበሉ መገዲ ኽሳዕ መወዳእታ ኽንመላለስ ኢና። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ የሆዋ ነቲ ንብዙሓት ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ መገዲ ሓሶት ንኽንጸልኦን ካብኡ ንኽንርሕቕን ኢሉ ዚህበና ኻልእ ሰለስተ መጠንቀቕታታት ክንርኢ ኢና።—መዝ. 119:128።
እንታይ ይመስለካ፧
ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ንዘሎ ስርዓታት ብብሕትኻ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ንኽትስዕብ ተፈቲንካዶ ትፈልጥ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ደድሕሪ ኣዒንትኻን ልብኻን ምስዓብ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ደድሕሪ ኸንቱ ነገራት ትስዕብ ዲኻ፧