ብቓል ኣምላኽ ትፍሳህ ዲኻ፧
ሎሬን፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲረ ኸንብብ ምስ ጀመርኩ፡ ዜሐጕስ ዘይኰነስ፡ ዜሰልኪ እዩ ዀይኑኒ። ንምርድኡ ኣዝዩ ስለ ዘጸገመኒ፡ ብዙሕ ሳዕ ብሓሳብ እገይሽ ነበርኩ” በለት።
ካልኦት ሰባት እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ፍስሃ ወይ ሓጐስ ከም ዘይረኸቡ ይእመኑ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬንብቡ ኸም ዘለዎም ስለ ዝፈለጡ፡ ንባቦም ኣየቋረጹን። ማርክ፡ “ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካን ብሕታዊ መጽናዕትኻን ብቐሊሉ ዚዓናቕፈካ ነገራት የጋጥም እዩ። መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ልማደይ ንኽገብሮ፡ ብዙሕ ክጽልን ክጽዕርን ኣድልዩኒ እዩ” በለ።
ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ፡ ዓሚቝ ሞሳ ንኺህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ባህ ኢሉካ ኸተንብቦ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እስከ ርአ።
ሸቶታትን ሜላታትን
ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብጸሎት ጀምሮ፡ ሓሳባትካ ኽትኣኻኽብ እውን ጽዓር። ንቓል ኣምላኽ ብህንጥዮት ከተጽንዖ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ንጥበቡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ንልብኻን ንኣእምሮኻን ኪኸፍተልካ ተማሕጸኖ። (መዝ. 119:34) ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ላዕለ ላዕሊ ጥራይ ስለ ዚኸውን፡ ብቐጻሊ ንኸተንብቦ ዘሎካ ባህጊ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ሊን፡ “ሓድሓደ እዋን እናተሃወኽኩ ስለ ዘንብብ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥብታት የምልጠኒ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ነቲ ቐንዲ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኦን እየ። ኰይኑ ግን፡ ርእሰይ ንኽገትእ እጽሊ እየ፣ እዚ ኸኣ ብሓሳብ ንኸይገይሽ ይሕግዘኒ እዩ” በለት።
ነቲ እትመሃሮ ኣኽቢርካ ርኣዮ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ምርዳእን ኣብ ግብሪ ምውዓልን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዜውህበካ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ኣብ ንባብካ ጠቓሚ ሓሳባት ክትረክብን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ሓያል ጻዕሪ ግበር። ክሪስ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ውሽጠይ ግጉይ ኣረኣእያን ድራኸን እንተሎ ንኸለሊ ዚሕግዘኒ ነገራት አናዲ እየ። ምስ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ጽሑፋትናን ተራኺበ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ጽሑፋት ሒዝዎ ዘሎ ሓበሬታ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጠቕመኒ ምፍላጠይ ኣተባቢዑኒ እዩ” በለ።
ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶታት ኣውጽእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ብዛዕባ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት፡ ሓድሽ ነገር ክትመሃር ጽዓር። ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ወይ ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ መሳጢ ሓቅታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ባህርያትን ስምዒታትን ዘለዎም ናይ ሓቂ ሰባት ጌርካ እንተ ርኢኻዮም፡ ኣብ ኣእምሮኻ ህያው ኪዀኑልካ እዮም።
ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰባት ክትገልጸሉ እትኽእል ሓድሽ መገዲ ኣናዲ። (ግብ. 17:2, 3) ሶፍያ ነዚ ኣብ ኣእምሮኣ ብምሓዝ እያ እተጽንዕ። ንሳ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ካልእ እዋናት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ብንጹር ክገልጸሎም ዜኽእለኒ ሓድሽ መገዲ ኽመሃርን ከማዕብልን ባህጊ ኣሎኒ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ሓጊዛትኒ እያ” በለት።—2 ጢሞ. 2:15።
ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እብራውያን 4:12፡ “ቃል ኣምላኽ ህያው” ከም ዝዀነ ትገልጽ እያ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ዝረኣይዎ ኽትርእዮ ምስ እትፍትን፡ ቃል ኣምላኽ ህያው ኪዀነልካ እዩ። እቶም ገጸ-ባህርያት ንዝሰምዕዎ ኽትሰምዕ፡ ስምዒቶም ድማ ኪስምዓካ ጽዓር። እቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ፡ ኣብ ህይወትካ ምስ ዜጋጥመካ ፍሉይ ኵነታት ኣተሓሕዞ። ካብቲ ንዘጋጠሞም ኵነታት ዝሓዙሉ መገዲ ተምሃር። ከምኡ ምግባርካ፡ ነቲ ዘሎካ ምርዳእ ኬዕብዮ፡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻ ኪቕረጽ ከኣ ኪሕግዘካ እዩ።
ነቲ ኽትርድኦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባኡ ንእተዋህበ መብርህን፡ ግዜ ወሲድካ መርምሮ። ንነፍሲ ወከፍ መደብ መጽናዕትኻ ዚኸውን ሰፊሕ ግዜ ይሃሉኻ። ኣብ መጽናዕትኻ፡ ተወሳኺ ምርምር ክትገብረሉ ዜድልየካ ሕቶታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንዘይትፈልጦ ቓላትን ንእግረ-ጽሑፍን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎ መነጻጸሪታትን መርምሮ። ነቲ እተንብቦ ምስ እትርድኦን ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎን፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ከምቲ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ድማ፡ “ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ” ኽትብል ኢኻ።—መዝ. 119:111።
ተሃዊኽካ ኣይተንብብ። ብሕታዊ መጽናዕቲ እትገብረሉ እኹል ግዜ መድብ። ነዚ ኸኣ ምስቲ ንኣኼባታት ጉባኤ እትዳለወሉ ግዜ ኸም ዚመጣጠን ግበር። ራኬል፡ “ኣእምሮይ ኪዋጠር ከሎ፡ ብዙሕ ሳዕ ሓሳበይ ስለ ዚመቓቐል፡ ሓጺር መጽናዕቲ ምግባር ከም ዚሓይሽ ተገንዚበ እየ። ከምኡ ምግባረይ፡ ካብ መጽናዕተይ ብዙሕ ክጥቀም ኣኽኢሉኒ እዩ” በለት። ክሪስ ድማ፡ “መጽናዕተይ ናይ ሃታሃታ እንተ ዀይኑ፡ ሒደት ጥራይ ስለ ዝሕዝ፡ ሕልናይ ይወቕሰኒ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ እቲ ዘጽናዕክዎ ልበይ ኣይትንክፈንን እዩ” ኢሉ ተኣመነ። ስለዚ፡ እኹል ግዜ ምምዳብ ዝሓሸ እዩ።
ንቓል ኣምላኽ ሓያል ባህጊ ኣማዕብል። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” በለ። (1 ጴጥ. 2:2) ሕጻናት፡ ባህጊ ጸባ ኼማዕብሉ ኣየድልዮምን እዩ። ከመይሲ፡ ብተፈጥሮኦም እዚ ባህጊ እዚ ኣለዎም። ንሕና ግን፡ ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ሓያል ባህጊ ኸነማዕብል ከም ዘሎና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። መዓልታዊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ገጽ ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ነቲ ባህጊ ኸተማዕብሎ ኢኻ። እቲ ኣብ ፈለማ ዜሰልኪ ዚመስል ዝነበረ መጽናዕቲ ድማ፡ ባህ ዜብል ኪዀነልካ እዩ።
ነቲ ዘንበብካዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣስተንትነሉ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ሓሳባት ምስ እተስተንትን፡ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምግባርካ፡ ምስቲ ኣቐዲምካ ምርምር ዝገበርካሉ መንፈሳዊ ርእሰ ነገራት ንኸተተሓሕዞ ኺሕግዘካ እዩ። ነዊሕ ከይጸናሕካ ድማ፡ ክቡር ሃብቲ ዝዀነ መንፈሳዊ ጥበብ ክትረክብ ኢኻ።—መዝ. 19:14፣ ምሳ. 3:3።
ኣብ ጽቡቕ መዓላ ዚውዕል ግዜ
ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ምምዕባል ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ እትረኽቦ በረኸት ግን መዳርግቲ የብሉን። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ምርዳእ ኪመሓየሽ እዩ። (እብ. 5:12-14) እቲ መንፈስ ኣምላኽ ካብ ዝነፈሶ ጽሑፋት እትረኽቦ ምስትውዓልን ጥበብን፡ ሓጐስን ፍስሃን ሰላምን ኬምጽኣልካ እዩ። ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ዚርከብ ጥበብ፡ ነቶም ዚሕዝዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን “ኦም ህይወት” እዩ።—ምሳ. 3:13-18።
ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዓሚቝ መጽናዕቲ ምስ እትገብር፡ ኣስተውዓሊ ልቢ ኺህልወካ እዩ። (ምሳ. 15:14) እዚ ኸኣ ብግዴኡ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ልባዊ ምኽሪ ንኽትህብ ኪሕግዘካ እዩ። ብቕዱሳት ጽሑፋትን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዘውጽኦ ጽሑፋትን ተመሪሕካ ውሳነታት ትገብር እንተ ዄንካ፡ ነቲ መንፈስ የሆዋ ኻብ ዝነፈሶ ቓል ዚርከብ ዕረፍትን ቅሳነትን ከተስተማቕሮ ኢኻ። (ማቴ. 24:45) ኣወንታውን ትስፉውን መንፈሳውን ክትከውን ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ዚምልከት ነገራት ኪሰልጠካ እዩ።—መዝ. 1:2, 3።
ልብኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዚምላእ፡ ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ክትነግሮም ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። ሶፍያ፡ ንኣቓልቦ እቲ እትሰብከሉ ሰብ ምእንቲ ኽትስሕብን ክርስትያናዊ ኣገልግሎታ ውጽኢታውን ባህ ዜብልን ምእንቲ ኪኸውንን ኢላ፡ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዝክርን ክትጥቀምን ትጽዕር እያ። ንሳ፡ “ሰባት ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበሎም ሓሳባት ዚህብዎ ምላሽ ክርኢ ኸለኹ፡ እሕጐስ እየ” በለት።
ብቓል ኣምላኽ ብምፍሳህካ እትረኽቦ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ጥቕሚ፡ ምስ የሆዋ እትምስርቶ ጥብቂ ርክብ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትገብር፡ ንመለክዒታት የሆዋ ኽትፈልጦ፡ ብዛዕባ ፍቕሩን ልግሱን ፍትሑን ከኣ ሞሳ ኺሓድረካ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዜገድስ ወይ ዚኽሕስ ዕዮ ኸኣ የልቦን። እምበኣር፡ ንቓል ኣምላኽ ብተመስጦ ኣጽንዓዮ። ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ግዜኻ ኣብ ጽቡቕ መዓላ እዩ ዚውዕል።—መዝ. 19:7-11።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ዚሕግዝ ሸቶታትን ሜላታትን
▪ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብጸሎት ጀምሮ፡ ሓሳባትካ ኽትኣኻኽብ እውን ጽዓር።
▪ ነቲ እትመሃሮ ኣኽቢርካ ርኣዮ።
▪ ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶታት ኣውጽእ።
▪ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰባት ክትገልጸሉ እትኽእል ሓድሽ መገዲ ኣናዲ።
▪ ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።
▪ ነቲ ኽትርድኦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባኡ ንእተዋህበ መብርህን፡ ግዜ ወሲድካ መርምሮ።
▪ ተሃዊኽካ ኣይተንብብ።
▪ ንቓል ኣምላኽ ሓያል ባህጊ ኣማዕብል።
▪ ነቲ ዘንበብካዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣስተንትነሉ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ግበራ