ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/6 ገጽ 3-4
  • ሓድነት ዓለም ኣበይ ኣሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድነት ዓለም ኣበይ ኣሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለምለኻዊ ሓድነትነዶ ወይስ ምክፍፋል፧
  • ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሓድነት—መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ስድራቤት የሆዋ ክቡር ሓድነት ተስተማቕር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/6 ገጽ 3-4

ሓድነት ዓለም ኣበይ ኣሎ፧

“ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓድነት ረኺቡ እዩ። . . . ዓለም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒማ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ ናይ ሓዳስ ዓለም ስርዓት ከተምጽእ ትኽእል እያ።”

ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ዘቕረባ: ሓደ ብ1990ታት ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ውልቀ-ሰብ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣህጉራዊ ፍጻመታት ናብ ሓድነት ዓለም ገጹ ዘቕንዐ እዩ ዚመስል ነይሩ። ምልካዊ ስርዓታት በብተራ ወደቐ። መንደቕ በርሊን ፈረሰ: እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ሓድሽ መዋእል ከም እተጀመረ ዜመልክት ነበረ። እታ ብሓያሎ ምዕራባውያን ጠንቂ ዓለምለኻዊ ግጭታት ጌርካ እትርአ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ፈረሰት: እዚ ድማ ንዓለም ኣስደመማ። ዝሑል ውግእ ኣብቅዐ: ብዛዕባ ምንካይ ኣጽዋር: እንተላይ ብዛዕባ ምንካይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ድማ ኣወንታዊ ዘተ ኺግበር ተጀመረ። ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ውግእ ተባሪዑ እኳ እንተ ነበረ: እዚ ግን ንመብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም ብሰላም ንኽትመላለስ ዝያዳ ቘራጽነት ከም እትገብር ዝገበራ ግዝያዊ ተርእዮ ጌርካ ተሓልፈ።

ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ካልእ መዳይ ህይወት እውን ኣወንታዊ ምልክታት ተራእየ። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም መነባብሮ ኺመሓየሽ ጀመረ። ሳላቲ ኣብ ዓውዲ ሕክምና እተገብረ ምዕባለ: ሓካይም ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ተኣምር ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዚኽእል ዝነበረ ነገራት ኪገብሩ ኸኣሉ። ሓያሎ ሃገራት ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕቤት ገበራ: እዚ ድማ ናብ ዓለምለኻዊ ብልጽግና ዜምርሕ ይመስል ነበረ። ኵሉ ነገራት ቅኑዕ ኣንፈቱ ሒዙ ዚጐዓዝ ዝነበረ መሰለ።

ሎሚ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን ‘እንታይ ደኣሉ ዀይኑ፧ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ሓድነት ደኣ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንድረኽ ኢና። ዓለም ናብ ኣንጻሩ ገጻ እትጐዓዝ ዘላ እያ እትመስል። ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ: መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን: ጃምላዊ ጥፍኣት ዜምጽእ ኣጽዋር ምብዛሑ: ከምኡውን ካልእ ዚርብሽ ምዕባለታት ኣዘውቲርካ ኣብ ዜና ዚስማዕ ነገር ኰይኑ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ንዓለም ካብ ሓድነት ዜርሕቓ ዘሎ እዩ ዚመስል። ሓደ በተሓሕዛ ገንዘብ ዝመጸ ውሩይ ክኢላ: “እናገደደ ኣብ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻ ኢና እንጥሕል ዘሎና” በለ።

ዓለምለኻዊ ሓድነትነዶ ወይስ ምክፍፋል፧

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቘመሉ እዋን ሓደ ኻብቲ ዕላማታቱ “ኣብ መንጎ ሃገራት ኣብ ማዕረ መሰልን ርእሰ-ውሳነን ኣህዛብ እተመርኰሰ ምሕዝነታዊ ርክብ ምምዕባል” ዚብል እዩ ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ 60 ዓመት ኣቢሉ: እቲ ዓብዪ ዕላማ እቲስ ተወቒዑዶ፧ ኣይፋልን! ሃገራት ነታ “ርእሰ-ውሳነ” እትብል ቃል ደኣ እምበር: ነታ “ምሕዝነታዊ ርክብ” እትብል ሓረግ ዚዝክራኣ ዘለዋ ኣይመስላን እየን። መንነቶም ኰነ ልዑላውነቶም ንምምስራት ዚቃለሱ ህዝብታትን ቀቢላታትን ንዓለም ብዝያዳ ይኸፋፍልዋ እዮም ዘለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪምስረት ከሎ: 51 ኣባል ሃገራት ነበራኦ። ሎሚ 191 ኰይነን ኣለዋ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ዘመን ሓድነት ዓለም ኪመጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን ማሕበረሰብ ዓለም በብግዜኡ ኺከፋፈል ስለ እተራእየ: እቲ ትጽቢት ብፍርሂ ተተክአ። ምፍርራስ ዩጎዝላቭያ: ኣብ መንጎ ቸችንያን ሩስያን እተገብረ ግጭት: ውግእ ዒራቕ: ከምኡውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ምትሕርራድ ገለ ኻብቲ ምክፍፋል እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምሕባር ዚቐርብ መርትዖታት እዩ።

እቲ ሰላም ንምምጻእ እተገብረ ጻዕርታት ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ ዚግበር ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ሓድነት ዓለም ዘይብጻሕ እዩ ዚመስል ዘሎ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ‘ሓድነት ዓለም ኪብጻሕ ዘይከኣል ስለምንታይ እዩ፧ ዓለም ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Lionel Cironneau

Arlo K. Abrahamson/AFP/ Getty Images

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ