ስድራቤት የሆዋ ክቡር ሓድነት ተስተማቕር
“እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።”—መዝሙር 133:1
1. ሎሚ ናይ ብዙሓት ስድራቤታት ኵነታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧
ሎሚ ስድራቤት ኣብ ቅልውላው ኢያ ትርከብ ዘላ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ማእሰር መርዓ ኣብ ምፍራስ ይርከብ ኣሎ። ፍትሕ ብቐጻሊ ልሙድ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ: ብዙሓት ደቂ እተፋትሑ ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ከቢድ ጓሂ የሕልፉ ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸራ ስድራቤታት ዘይሕጕሳትን እተኸፋፈላን ኰይነን ይርከባ ኣለዋ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ሓጐስን ሓድነትን እተስተማቕር ሓንቲ ስድራቤት ኣላ። ንሳ ኸኣ እታ ኣድማሳዊት ናይ የሆዋ ኣምላኽ ስድራቤት ኢያ። ኣብኣ ኰይኖም እቶም ኣእላፋት ዘይርኣዩ መላእኽቲ ነቲ እተመደበሎም ዕዮታት ምስ መለኮታዊ ፍቓድ ብምስምማዕ ይፍጽምዎ ኣለዉ። (መዝሙር 103:20, 21) እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝበለ ሓድነት እተስተማቕር ስድራቤት ኣብ ምድሪ ኣላዶ፧
2, 3. (ሀ)ሎሚ ክፍሊ ናይታ ኣድማሳዊት ስድራቤት መን ኢዮም: ንዅሎም እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ምስ እንታይ ከነመሳስሎም ምኸኣልና፧ (ለ) ቀጺልና እንመያየጠሎም ሕቶታት ኣየኖት ኢዮም፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት [“ስድራቤታት:” ትሓዓ ] ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ” ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ መስመር ስድራቤት ካብኡ ኢዩ ዝስመ ክብሃል ይከኣል ኢዩ። ኣብ ሰማይ ሰብኣውያን ስድራቤታት እኳ እንተዘየለዋ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣምላኽ ነታ ሰማያዊት ማሕበሩ ተመርዕይዋ ኢዩ: የሱስ ከኣ ኣብ ሰማይ ምስኡ እትሓብር መንፈሳዊት መርዓት ክትህልዎ ኢያ። (ኢሳይያስ 54:5፣ ሉቃስ 20:34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 15:50፣ 2 ቈረንቶስ 11:2) ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ቅቡኣት ሕጂ ክፍሊ ናይታ ኣድማሳዊት ስድራቤት ኣምላኽ ኢዮም፣ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኸኣ: ኣባላታ ንክዀኑ ተስፋ ዝግበረሎም ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ሮሜ 8:14-17፣ ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ 1996 ገጽ 31) ይኹን እምበር: ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከም ሓንቲ ሕብርቲ ዓለምለኻዊት ስድራቤት ክምሰሉ ይኽእሉ ኢዮም።
3 ክፍሊ ናይታ እተደንቕ ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣህጉራዊት ስድራቤት ዲኻ፧ ክፍሊ ናታ እንተድኣ ኴንካ ሓደ ካብቲ ማንም ሰብ ክረኽቦ ዘይክእል ዓበይቲ በረኸታት ተስተማቕር ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ሚልዮናት ሰባት እታ ናይ ኣምላኽ ዓለምለኻዊት ስድራቤት—እታ እትርአ ማሕበሩ—ኣብዚ ህውከትን ምክፍፋልን ዝመልኦ ዓለም ከምቲ ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ዝርከብ ናይ ሰላምን ሓድነትን ፍርያም ቦታ ምዃና ክምስክሩ ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ ዓለምለኻዊት ስድራቤት ዘሎ ሓድነት ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል፧ እዚ ሓድነት እዚ ከም ዝህሉ ዝገብሩ ረቛሒታትከ ኣየኖት ኢዮም፧
ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን ኢዩ!
4. እቲ ኣብ መዝሙር 133 ዘሎ ብዛዕባ ሕውነታዊ ሓድነት ዝገልጽ ሓሳባት ብናትካ ቃላት ከመይ ገይርካ ምገለጽካዮ፧
4 ዳዊት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ነቲ ሕውነታዊ ሓድነት ኣዕሚቑ ኣማሲዉሉ ኢዩ። ብዛዕብኡ ክዝምር እኳ ብመንፈስ ተደረኸ! ብበገናኡ ገይሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክዝምር ከሎ ትሰምዖ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰቦ:- “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ: ኣብ ጭሕሚ: ኣብ ጭሕሚ ኣሮን: ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወት ንዘለኣለምን አዚዙ እዩ እሞ: ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።”—መዝሙር 133:1-3
5. ብመሰረት መዝሙር 133:1, 2 ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ከመይ ዝበለ ምምስሳል ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧
5 እዘን ቃላት እዚኣተን: ኣብቲ እቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘስተማቐርዎ ሕውነታዊ ሓድነት ዝውዕላ ኢየን። ነቲ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላቶም ከብዕሉ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝዀንሉ ግዜ ብሓደ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ሽሕ’ኳ ካብ እተፈላለየ ነገዳት ዝመጹ እንተነበሩ: ሓደ ስድራቤት ኢዮም ነይሮም። ብሓደ ምንባሮም: ልክዕ ከምቲ ጥዑም ሽታ ዘለዎ ዘይቲ ብምልካይ ዝስመዓካ ምሕዳስ ዝመሳሰል ሰናይ ሳዕቤን ነይርዎ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይቲ ኣብ ርእሲ ኣሮን ምስ ፈሰሰ ናብ ጭሕሙ ይውሕዝ ናብ ዘፈር ክዳኑ ኸኣ ይወርድ ነበረ። እስራኤላውያን እቲ ብሓደ ምንባሮም: ኣብ ብምሉኦም እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ልሒኹ ዝኣቱ ሰናይ ጽልዋ ነይርዎ ኢዩ። ዘይምርድዳእ ይፍታሕ: ሓድነት ከኣ ይውስኽ ነበረ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ እዚ ሓድነት እዚ ኣብዛ ናይ የሆዋ ዓለምለኻዊት ስድራቤት ኣሎ። እቶም ኣባላት ስርዓታውያን ኰይኖም ምእካቦም ኣብ ንሓድሕዶም ጥዑይ መንፈሳዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ናይ ቃል ኣምላኽ ምኽሪ ክዕየየሉ ኸሎ ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእን ጸገማትን ይውገድ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15-17) ህዝቢ የሆዋ ነቲ ካብ ሕውነታዊ ሕብረቶም ዝመጽእ ሓድሕዳዊ ምትብባዕ ኣጸቢቖም ኢዮም ዘማስዉሉ።
6, 7. ናይ እስራኤል ሓድነት ከም ጠሊ ከረን ሄርሞን ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: ሎሚኸ በረኸት ኣምላኽ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
6 እቲ ናይ እስራኤላውያን ብሓደ ምንባር: ከም ጠሊ ከረን ሄርሞን ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ እዚ ከረን እዚ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ልዕሊ 2, 800 ሜትሮ ብራኸ ስለ ዝነበሮ: ዳርጋ ምሉእ ዓመት ብበረድ ምስ ተሸፈነ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሄርሞን ዘሎ በረድ: ነቲ ናይ ለይቲ ሃፋ የርግኦ እሞ ንኣትክልቲ ኣብቲ ማይ ዘይሃርመሉ እዋናት ከንብሮም ዝኽእል ብዙሕ ጠሊ ይገብር። ካብ ሄርሞን ዝለዓል ዝሑል ተንቀሳቓሲ ኣየር ድማ ከምዚ ዝበለ ሃፋ ተሰኪሙ ብወገን ደበብ ክሳዕ የሩሳሌም ክጐዓዝ ይኽእል: ኣብኡ ድማ ጠሊ ኰይኑ ይረግእ። ስለዚ እምብኣር እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ናብ ኣኽራን ጽዮን ዝወርድ ጠሊ ሄርሞን’ ምባሉ ልክዕ ኢዩ ነይሩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ንሓድነት ናይታ ንዕኡ ብዘምልኹ ሰባት ዝቘመት ስድራቤት የሆዋ ንኸደንፍዕ ዝሕግዝ ዘሐድስ ጽልዋ ዘለዎ ሰናይ መዘኻኸሪ ኰን ኢዩ!
7 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቅድሚ ምቛማ ጽዮን ወይ ከኣ የሩሳሌም ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ማእከል ኢያ ነይራ። በዚ ኸኣ ኢዩ ኣምላኽ: እቲ በረኸት ኣብኡ ኽወርድ ዝኣዘዘ። እቲ ምንጪ ናይ ኵሉ በረኸት በታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት መቕደስ ተወኪሉ ስለ ዝነበረ: በረኸት ካብኡ ኢዩ ዝውሕዝ ነይሩ። ሎሚ ግን እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ሓደ ቦታ እተወሰነ ስለ ዘይኰነ: በረኸትን ፍቕርን ሓድነትን ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ነዚ ሓድነት እዚ ከም ዝህሉ ዝገብሩ ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዮም፧
ሓድነት ከም ዝህሉ ዝገብሩ ረቛሒታት
8. ካብ ዮሃንስ 17:20, 21 ብዛዕባ ሓድነት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
8 ሓድነት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት: ነቲ ብልክዕ እተረዳእካዮ ቃል ኣምላኽን ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስን ኣብ ምእዛዝ እተመስረተ ኢዩ። የሆዋ ንወዱ ሓቂ ንኽምስክርን መስዋእታዊ ሞት ንኽመውትን ኢሉ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ሕብርቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽትምስረት መገዲ ኸፊቱ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 18:37) ኣብ መንጎ ኣባላታ ናይ ሓቂ ሓድነት ክህሉ ከም ዘለዎ: በቲ የሱስ ዝጸለዮ ጸሎት ተነጺሩ ኣሎ:- “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር: ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም: ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒ: ምእንቲ ኽትአምንሲ: ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ።” (ዮሃንስ 17:20, 21) ሰዓብቲ የሱስ ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን የሱስን ዘሎ ሓድነት ክህልዎም ክኢሉ ኢዩ። ነዚ ክበጽሕዎ ዝኸኣሉ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽን ምስ ትምህርትታት የሱስን ስለ እተሰማምዑ ኢዩ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለምለኻዊት ስድራቤት የሆዋ ዘሎ ሓድነት ከም ዝህሉ ዝገበረ ዝዓበየ ረቛሒውን እዚ ኣቕዋም እዚ ኢዩ።
9. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
9 ህዝቢ የሆዋ ዘሕብር ካልእ ረቛሒ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ ከኣ መስለጢ ሓይሊ ኣሎና። ነቲ እተገልጸ ናይ ቃል የሆዋ ሓቂ ንኽንርድኦን ሓቢርና ንኸነገልግሎን የኽእለና። (ዮሃንስ 16:12, 13) እዚ መንፈስ እዚ ንኸም እኒ ባእሲ: ቅንኢ: ቍጥዓ: ከምኡውን ክትዕ ዝኣመሰለ ዝፈላሊ ግብሪ ስጋ ንኸነወግድ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን: መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ከሕብረና ዝኽእል ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ-ተጻዋርነት: ሕያውነት: ሰናይ: እምነት: ልእመት: ከምኡውን ርእሰ-ግትኣት ከነንጸባርቕ ይሕግዘና ኢዩ።—ገላትያ 5:19-23
10. (ሀ) ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ዘሎ ፍቕርን ኣብ ማእከል እቶም ንየሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ ዘሎ ፍቕርን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧ (ለ) ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ እቲ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ምእካብ እተሰምዖ ስምዒት ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧
10 ኣባላት ናይ ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ ኢዮም: ሓቢሮም ክነብሩ ኸኣ ሕጕሳት ኢዮም። ምስዚ ዝመሳሰል ከኣ: ኣብታ ሕብርቲ ስድራቤት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ዘለዉውን ንየሆዋን ንወዱን ንኣመንቲ ብጾቶምን የፍቅሩ ኢዮም። (ማርቆስ 12:30፣ ዮሃንስ 21:15-17፣ 1 ዮሃንስ 4:21) ከምቲ ሓንቲ ፈቃር ስድራቤት ሓቢርካ ብምምጋብ ዝርከብ ሓጐስ እተስተማቕር: እቶም ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ ድማ ካብቲ ሰናይ ሓድነትን ብሉጽ መንፈሳዊ መግብን ምእንቲ ክጥቀሙ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ክእከቡ ባህ ኢዩ ዝብሎም። (ማቴዎስ 24:45-47፣ እብራውያን 10:24, 25) ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓደ መዓልቲ ከምዚ በለ:- “ንዓይ: ምስ ኣሕዋት ምእካብ ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ዝረኽቦም ዓበይቲ ሓጐሳትን ምንጪ ናይ ምትብባዕን ኢዩ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ብዝከኣል መጠን ቅድሚ ኵሉ ክመጽእ: ድሕሪ ኵሉ ኸኣ ኽወጽእ ኢየ ዝፈቱ። ምስ ህዝቢ ኣላኽ ከዕልል ከሎኹ ውሽጣዊ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓኒ። ምስኣቶም ክኸውን ከሎኹ ልክዕ ኣብ ገዛይ ምስ ስድራቤተይ ዘሎኹ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።” ንስኻኸ ከምኡ ድዩ ዝስምዓካ፧—መዝሙር 27:4
11. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ካበየናይ ዕዮ ኢዮም ሓጐስ ዝረኽቡ: ኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ ናብራና ቀዳማይ ቦታ ምስ እንህቦኸ እንታይ ፍረ ይርከብ፧
11 ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ንነገራት ሓቢራ ብምዕያይ ሓጐስ ትረክብ ኢያ። ብተማሳሳሊ መገዲ: እቶም ኣብ ስድራቤት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ዘለዉ እውን ነቲ ናይ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮኦም ሓቢሮም ብምዕያዮም ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ስርዓታዊ ኴንካ ምስታፍ ምስ ካልኦት መሰኻኽር የሆዋ የቀራርበና ኢዩ። ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ ናብራና ቀዳማይ ቦታ ምሃቡን ንዅሉ ዕዮታት ህዝቡ ምድጋፍን ነቲ ኣብ ማእከልና ዘሎ መንፈስ ናይ ስድራቤት ከም ዝዓቢ ኢዩ ዝገብሮ።
ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ኣድላዪ ኢዩ
12. ሓንቲ ሕጕስትን ሕብርትን ስድራቤት እንታይ ጠባያት ኢዩ ዘለዋ: ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበራ ናይ ክርስትያን ጉባኤታትከ እንታይ ስርዓት ኢዩ ሓድነት ከምጽኣለን ዝኸኣለ፧
12 ሓንቲ ጽኑዕ ግን ፍቕራዊ መሪሕነት ዘለዋ ብስርዓት እትኸይድ ስድራቤት ሕብርትን ሕጕስትን ከም እትኸውን ፍሉጥ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:22, 33፣ 6:1) የሆዋ: ናይ ሰላማዊ ስርዓት ኣምላኽ ኢዩ: እቶም ኣብ ስድራቤቱ ዘለዉ ኵሎም ድማ ከም “ልዑል” ኢዮም ዝርእይዎ። (ዳንኤል 7:18, 22, 25, 27፣ 1 ቈረንቶስ 14:33) ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ወራስ ኵሉ ገይሩ ከም ዝሸሞን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኵሉ ስልጣን ከኣ ንዕኡ ከም ዝሃቦን ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:18፣ እብራውያን 1:1, 2) እታ ርእሳ ክርስቶስ ዝዀነ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስርዓት ዘለዋ ሕብርቲ ማሕበር ኢያ። (ኤፌሶን 5:23) ንዕዮታት ናይተን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበራ ጉባኤታት ምእንቲ ክቈጻጸር: ብሃዋርያትን ካልኦት ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ “ሽማግለታትን” ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ነይሩ ኢዩ። እተን ጉባኤታት ነፍሲ ወከፈን ነናተን ተዓዘብቲ: ወይ ሽማግለታት: ከምኡውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ይምዝዛ ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6፣ ፊልጲ 1:1) ነቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ምእዛዝ ከኣ ሓድነት የምጽእ ነበረ።—እብራውያን 13:17
13. የሆዋ ንሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝስሕቦም: ካብዚኸ እንታይ ፍረ ኢዩ ዝርከብ፧
13 እዚ ኵሉ ስርዓታት እዚ ግን: እቲ ኣብ ማእከል እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ዘሎ ሓድነትሲ ብሓደ ጽኑዕን ፍቕሪ ዘይብሉ መሪሕነትን እተረኽበ ምዃኑ ድዩ ዝሕብር፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። ኣብ ኣምላኽን ኣብ ማሕበሩን ዘይምፍቓር ዝበሃል ነገር የለን። የሆዋ ንሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ ኢዩ ዝስሕቦም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ብምሉእ ነፍሶም ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ብጥምቀት ገይሮም ብምርኣይ ብወለንታን ብሓጐስን ክፍሊ ናይ ማሕበር የሆዋ ይዀኑ ኣለዉ። ከምቲ ናይ እያሱ ዝመስል ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። እያሱ ንብጾቱ እስራኤላውያን “ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” ብምባል ኣተባብዖም።—እያሱ 24:15
14. ማሕበር የሆዋ ቲኦክራሲያዊት ኢያ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
14 ክፍሊ ስድራቤት የሆዋ ከም ምዃንና መጠን: ሕጕሳት ጥራይ ዘይኰንናስ ድሕንነት ዘሎና እውን ኢና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ማሕበሩ ቲኦክራሲያዊት ስለ ዝዀነት ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ቲኦክራሲ ኢያ። (ቲኦክራሲ ካብ ግሪኽ እተወስደ ዀይኑ ቲ·ኦስ ʹ: ኣምላኽ: ከምኡውን ክራʹቶስ: ግዝኣት ማለት ኢዩ።) ብኣምላኽ እትምራሕ ኢያ: ብእኡ እተቐብአትን ብእኡ ዝቘመትን ከኣ ኢያ። እቲ ብየሆዋ እተቐብአ “ቅዱስ ህዝቢ” እውን ንምምሕዳሩ ዝግዛእ ስለዝዀነ ቲኦክራሲያዊ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:9) እቲ ዓቢ ቲኦክራት ዝዀነ የሆዋ: ፈራዲና: ሓጋግ ሕግና: ከምኡውን ንጉስና ስለ ዝዀነ ድሕንነት ክስምዓና ይግባእ። (ኢሳይያስ 33:22) እንተዀነ ግን: ገለ ክትዕ ተላዒሉ ንሓጐስናን ድሕንነትናን ሓድነትናን ኣብ ስግኣት ምስ ዘወድቖኸ ከመይ ይኹን፧
እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ስጕምቲ ይወስድ
15, 16. ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እንታይ ክትዕ ኢዩ እተላዕለ: ስለምንታይከ፧
15 ናይ ሓንቲ ስድራቤት ሓድነት ምእንቲ ክዕቀብ: እቲ ዝልዓል ክትዕ ከም ዝድቅስ ክግበር ኣለዎ። ንኣብነት: ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ስድራቤት ናይቶም ንኣምላኽ ዘምልኹ: ሓድነታ ተሓልዩ ምእንቲ ክቕጽል እቲ ተላዒሉ ዝነበረ መንፈሳዊ ግድል ክድቅስ ነበሮ። እንታይ ክግበር ነበሮ፧ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝምልከት ጕዳያት ውሳነ ብምግባር ስጕምቲ ወሰደ። ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ከም እተወስደ ዘረጋግጸልና ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ኣሎና።
16 ኣብ 49 ከ.ኣ.ዘ ኣቢሉ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል: ናይ ‘ስድራቤት ኣምላኽ’ ሓድነት ምእንቲ ክዕቀብ: ሓደ ዓቢ ግድል ንምፍታሕ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ። (ኤፌሶን 2:19) ሃዋርያ ጴጥሮስ ገለ 13 ዓመታት ኣቐዲሙ ንቆርኔሌዎስ ሰበኸሉ እሞ: በዚ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ኣህዛብ: እተጠምቁ ኣመንቲ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 10) ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ: ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ክርስትና ሒዞም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:1–14:28) ኣብ ኣንጾክያ: ሶርያ በቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ሓንቲ ጉባኤ ቈይማ ነበረት። ገለ ካብ ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት: እቶም እተለወጡ ኣህዛብ ክግዘሩን ሕጊ ሙሴ ክሕልዉን ኣለዎም በሃልቲ ኢዮም ነይሮም: ካልኦት ግን ኣይተሰማምዑን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1-5) እዚ ክትዕ እዚ ናብ ዓቢ ምፍልላይ: ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ እተፈላለያ ናይ ኣይሁድን ናይ ኣህዛብን ጉባኤታት ናብ ምምስራት ክመርሕ ምኸኣለ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ክርስትያናዊ ሓድነት ንምዕቃብ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ።
17. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 እንታይ ዝሰማማዕ ቲኦክራሲያዊ መምርሒ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
17 ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 15:6-22 “እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን . . . ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተአከቡ።” ከም እኒ እቶም ካብ ኣንጾክያ እተላኩ ልኡኻት ዝኣመሰሉ ካልኦትውን ኣብኡ ነይሮም ኢዮም። ጴጥሮስ ብመጀመርታ ‘ኣህዛብ ብኣፉ ቃል ወንጌል ከም ዝሰምዑን ከም ዝኣመኑን’ ገለጸ። ድሕሪኡ ኸኣ “ኵላቶም እቶም ህዝቢ” በርናባስን ጳውሎስን “ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ” ኽነግርዎም ከለዉ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም ነበሩ። ያእቆብ ቀጺሉ እቲ ሕቶ ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ርእይቶ ሃበ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳኔ ምስ ሃበ: “እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም” ዝብል ተነጊሩና ኣሎ። እዞም ‘ሕሩያት ሰባት’—ይሁዳን ሲላስን—ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ዘተባብዕ ደብዳበ ኣብጽሑሎም።
18. ንሕጊ ሙሴ ዝምልከት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ውሳነ ኢዩ ዘመሓላለፈ: እዚኸ ነቶም ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝተንከፎም፧
18 እቲ ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳነ ዝሓዘ ደብዳበ በዘን ዝስዕባ ቃላት ኢዩ ዝጅምር:- “ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም አሎና።” ካልኦት እውን ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ኢዮም: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ግን ብ“ሃዋርያትን ሽማግሌታትን” ዝቘመ ኢዩ ነይሩ። መንፈስ ኣምላኽ መሪሕዎም ኢዩ: ከመይሲ እቲ ደብዳበ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጹ ኢዩ:- “ብዘይ እቲ እተገብኤ: ማለት፤ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር: ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም: ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:23-29: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ክርስትያናት ክግዘሩን ሕጊ ሙሴ ክሕልዉን ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ። እዚ ውሳነ እዚ: ነቶም ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዝነበሩ ክርስትያናት ብቓሎምን ብተግባሮምን ክሓብሩ ደጊፍዎም ኢዩ። ልክዕ ከምዘን ሎሚ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስድራቤት ኣምላኽ ዝርከባ ጉባኤታት ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘስተማቕርኦ ዘለዋ እተን ጉባኤታት ተሓጐሳ: ክቡር ዝዀነ ሓድነት ከኣ ቀጸለ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:30-35
ብቲኦክራሲያዊ ሓድነት ኣገልግል
19. ኣብ ስድራቤት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ሓድነት ዝዓንበበ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራቤት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ከለዉ: ሓድነት ይዕንብብ ኢዩ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ስድራቤት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት እውን ዝውዕል ኢዩ። ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታትን ካልኦትን ቲኦክራስያውያን ብምንባሮም: ምስቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባርን ውሳነታቱ ብምቕባልን ንኣምላኽ ኣገልጊሎምዎ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ብሓገዝ ኣመሓዳሪ ኣካል: ‘ነቲ ቓል ሰቢኾም ኢዮም:’ ኣባላት ናይተን ጉባኤታት ድማ ብሓፈሻ: ‘ሓደ ዘረባ ተዛሪቦም ኢዮም።’ (2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 1:10) ስለዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ይኹን ኣብ ኣንጾክያ: ሮሜ: ቈረንቶስ: ወይ ኣብ ዝዀነ ካልእ ቦታ ኣብ ኣገልግሎትን ክርስትያናዊ ኣኼባን ሓደ ዓይነት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ይቐርብ ነበረ። ከምዚ ዝበለ ቲኦክራሲያዊ ሓድነት ሕጅውን ኣሎ።
20. ክርስትያናዊ ሓድነትና ምእንቲ ክንዕቅብ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
20 ክፍሊ ናይ የሆዋ ዓለምለኻዊት ስድራቤት ዝዀንና ኵላትና ሓድነትና ምእንቲ ክንዕቅብ: ቲኦክራሲያዊ ፍቕሪ ንምንጽብራቕ ክንጽዕር ይግብኣና። (1 ዮሃንስ 4:16) ንፍቓድ ኣምላኽ ክንግዛእ: ነቲ ‘እሙን ባርያን’ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካልን ከኣ ዓሚቝ ክብሪ ከነርእዮም ይግብኣና። ከምቲ ንኣምላኽ ዝገብርናዮ ወፈያ እቲ ተኣዛዝነትና ብወለንታን ብሓጐስን ዝግበር ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንሓጐስን ተኣዛዝነትን ኣተሓሒዙወን ምህላዉ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ሃሌሉያ [“ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ:” ትሓዓ]። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ: ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 112:1
21. ቲኦክራሲያውያን ምዃንና ብኸመይ ኢና ከነረጋግጽ እንኽእል፧
21 እቲ ርእሲ ናይታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ: ምሉእ ብምሉእ ቲኦክራሲያዊ ኢዩ: ኵሉ ሳዕ ከኣ ፍቓድ ኣቦኡ ኢዩ ዝገብር። (ዮሃንስ 5:30) ሃየ እምበኣር: ብቲኦክራሲያዊ መገድን ምሉእ ብምሉእ ምስ ማሕበሩ ሓቢርና ፍቓድ የሆዋ ብምግባርን: ነቲ ኣርኣያና ንስዓቦ። ድሕርዚ ብልባዊ ሓጐስን ምስጋናን ተለዓዒልና: ንመዝሙር ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር መቓልሕ ክንመልሰሉ ንኽእል ኢና:- “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።”
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ክርስትያናዊ ሓድነትና ምስ መዝሙር 133 ክተሓሓዝ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሓድነት ከምጽኡ ዝኽእሉ ገለ ረቛሒታት ኣየኖት ኢዮም፧
◻ ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ኣድለዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ሓድነት ንምዕቃብ እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ዝወሰደ፧
◻ ብቲኦክራሲያዊ ሓድነት ምግልጋል ክበሃል ከሎ ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ሓድነት ንምዕቃብ ስጕምቲ ወሰደ