ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/3 ገጽ 31
  • ‘ከም እምኒ ሰርድዮስ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ከም እምኒ ሰርድዮስ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/3 ገጽ 31

‘ከም እምኒ ሰርድዮስ’

ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ኣብ ሰማይ ክቡር ዝፋን ረኣየ። እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ድማ “እምኒ ያስጲስን ሰርዲዮስን” ይመስል ነበረ። (ራእይ 4:2, 3) እዚ ግን እንታይ ዓይነት ኣእማን እዩ ነይሩ፧

እዚ ኣእማን እዚ ላዕለ-ላዕሉ ዜንጸባርቕ ብርሃን ግን ዘየሕልፍ ዓይነት ኣእማን ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ጥንቲ: እታ “ያስጲስ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ነቲ ብርሃን ዜሕልፍ ክቡር ኣእማን ሓዊስካ እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ኣእማን ንምምልካት እያ እትውዕል ነይራ። ኣርችባልድ ቶማስ ሮበርትሰን ኣብቲ ዎርልድ ፒክቸርስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት እተባህለ ምንጪ ጽሑፍ እቲ ኣብ ራእይ 4:3 ተጠቒሱ ዘሎ “እምኒ ያስጲስ” “ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዚርከብ ዝሓሰረ ዘመናዊ ያስጲስ ዚመሳሰል ኣይኰነን” በለ። ብተወሳኺ: ዮሃንስ ጸኒሑ ኣብቲ ናይ ራእይ መጽሓፍ: ነታ ሰማያዊት ከተማ የሩሳሌም “ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዩ ዝኸበረ እምኒ: ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዚመስል” ብምባል ይገልጻ። (ራእይ 21:10, 11) እቲ ዮሃንስ ዝጠቐሶ ኣእማን ብውሽጡ ብርሃን ዜሕልፍ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዝነበረ: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። ንሱ ንጹህ: ብቕድስናኡ ድማ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣምላኽ እዩ። ምስዚ ብምስምማዕ ሃዋርያ ዮሃንስ “እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን” ገለጸ። (1 ዮሃንስ 1:5) ስለዚ: ዮሃንስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ‘ከምቲ የሆዋ ንጹህ ዝዀነ ንሳቶም እውን ገዛእ ርእሶም ኬንጽሁ’ ተማሕጸኖም።—1 ዮሃንስ 3:3

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኴንና ንኽንርከብ ግን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ እምነት ምሕዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ምስቲ ዚምህሮ ትምህርትታት ተሰማሚዕና ብምንባርን ድማ ‘ኣብ ብርሃን ክንመላለስ’ ይግብኣና።—1 ዮሃንስ 1:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ