ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/3 ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/3 ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዳዊትን ሰቡን ካብቲ እንጌራ ምርኣይ ምብላዖም: ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ሕጊ ኣምላኽ ክንጥሕስ ከም እንኽእል ዚሕብር ድዩ፧—1 ሳሙኤል 21:1-6

ብመሰረት ዘሌዋውያን 24:5-9 እቲ ሰንበት ሰንበት ዝዳሎ ዝነበረ እንጌራ ምርኣይ ካህናት ንኽበልዕዎ እዩ ዝቕመጥ ነይሩ። እቲ እንጌራ ቕዱስ ብምንባሩ: ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እተጸምዱ ኻህናት ከም ምግቢ ኼገልግል ስለ ዘለዎ እዩ እዚ ስርዓት እዚ ተዋሂቡ። ንተራ ዓየይቲ ምሃብን ንተድላ ኢልካ ምብላዕን ድማ ዓብዪ ጌጋ ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር: ካህን ኣሂሜሌክ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣልዒሉ ንዳዊትን ንሰቡን ብምሃቡ ሓጢኣት ኣይገበረን።

ዳዊት ካብ ሳኦል ፍሉይ ተልእኾ ኸም እተዋህቦ ዀይኑ እዩ ቐሪቡ። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣጕባዝን ድማ ጠምዮም ነበሩ። ካህን ኣሂሜሌክ እቲ ዜድሊ ንጽህና ኸም ዜማልኡ ኣረጋገጸ። ኣርቂቕካ ኽርአ ኸሎ: እንጌራ ምርኣይ ምብላዖም ዘይሕጋዊ እኳ እንተ ነበረ እቲ ዚድለ ብቕዓታት ግን ኣማሊኦም እዮም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ እምበኣር ኣሂሜሌክ ክንዮ እቲ ሕጊ ኸይዱ ዝሃቦም። የሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ ታሪኽ እዚ ነቶም ንሕጊ ሰንበት ካብ ዝነበሮም ግጉይ ኣተረጓጕማ ተበጊሶም ብትሪ ኣብ ኵሉ ነገራት ኬውዕልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ንምእራም ተጠቒሙሉ እዩ።—ማቴዎስ 12:1-8

እዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ሕጊ ኣምላኽ ክንጥሕስ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዘጋጠመ ነገር ንርአ። ንጉስ ሳኦል “ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ: ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ “በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ሰዓርዎም” ይብል። እቶም ህዝቢ በቲ ውግእ ደኺሞምን ጠምዮምን ስለ ዝነበሩ ኸኣ ‘ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ኣብ ምድሪ ሓረዱ: ምስ ደሙ ድማ በልዕዎ።’ (1 ሳሙኤል 14:24፣ 31-33) ነቲ ሕጊ ደም ብምጥሓሶም ኣብ የሆዋ ሓጥኡ። ኣብቲ ሕጊ: ደም ሓጢኣት “ኬተዐርቕ” ጥራይ ዜገልግል ብምንባሩ ተግባሮም ምስቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ሕጊ ደም ኣይተሰማምዐን። (ዘሌዋውያን 17:10-12፣ ዘፍጥረት 9:3, 4) የሆዋ ግን ነቲ ኣብ ክንዲ እቶም ህዝቢ ዝቐረበ መስዋእቲ: ብምሕረት ተቐበሎ።—1 ሳሙኤል 14:34, 35

እወ: የሆዋ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሕጉ ኽንሕሉ እዩ ዚጽበየና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቅሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ።—1 ዮሃንስ 5:3

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ እስሊ]

ኣብ ሰንበተ-ሰንበት ሓድሽ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ውሽጢ ማሕደር ይግበር ነበረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ