ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/3 ገጽ 32
  • ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/3 ገጽ 32

ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት

ኣየነይቲ ዕለት፧ እዛ ዕለት እዚኣ ኣስታት 2000 ዓመት ይገብር ሓደ ሰብኣይ ዝሞተላ ዕለት እያ። ንሱ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ: መሊሰውን ክወስዳ እየ . . . ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር: ካባይ ዚወስዳስ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 10:17, 18) እቲ ሰብኣይ እቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

የሱስ ዝኽሪ መስዋእታዊ ሞቱ ንኼብዕሉ ንሰዓብቱ ኣዘዞም። እታ ዕለት እቲኣ ድራር ጐይታ ወይ “መኣዲ ጐይታ” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። (1 ቈረንቶስ 11:20) እቲ የሱስ ንሞቱ ኣመልኪቱ ዝሰርዖ በዓል ሓሙስ 24 መጋቢት 2005: ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ብናይ የሆዋ መሰኻኽርን ፈተውቶምን ተዘኪሩ ኺውዕል እዩ።

ትርጕም ናይቲ ኣብታ ዕለት እቲኣ ዚቐርብ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ድማ በቲ ሽዑ ዚወሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርብ ኪግለጽ እዩ። (ማቴዎስ 26:26-28) ብተወሳኺ እቲ ዝርርብ ንኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት መልሲ ኺህብ እዩ:- ክርስትያናት ነዛ ዕለት እዚኣ ኼብዕልዋ ዘለዎም ክንደይ ሳዕ እዩ፧ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዚግብኦም መን እዮም፧ ካብ ሞት የሱስ ዚጥቀሙኸ መን እዮም፧ እዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ዅሎም ዕላማ ህይወትን ሞትን የሱስ ንኺርድኡ ኺሕግዞም እዩ።

ኣብዚ ዝኽሪ ሞት የሱስ ዚበዓለሉ ዕለት ንኽትርከብ ብኽብሪ ንዕድመካ። ነቲ ልክዕ ቦታን ሰዓትን ንምፍላጥ በጃኻ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትካ ኣረጋግጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ