ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህብ
ሓቀኛታት ክርስትያናት ሳላ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንመጻኢ ብእምነት: ብተስፋ: ከምኡውን ብኣወንታዊ መገዲ ኢዮም ዝጽበይዎ። እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ድልዱል ብምዃኑ ንመጻኢ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ። ኣብ መኽፈቲ ዝርርብ ናይቲ “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ከም እተገልጸ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ንቑሓት ተማሃሮ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም። ስለዚ: ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ኢዩ ኣዳልዩሎም ነይሩ፧ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ነዚ ንኽፈልጡ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ዝነበረ ቀንዲ ኣርእስቲ ከም ንኡስ ኣርእስቲ ኰይኑ ተዳልዩ ኣሎ።
ቀዳመይቲ መዓልቲ:- ብብርሃን ቃል ኣምላኽ ምምልላስ
ኣብቲ “ቃል ኣምላኽ ይመርሓና ኢዩ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ህዝቢ የሆዋ ምስ ሓደ ለይቲ ኸሎ ጕዕዞ ዝጀመረ ሰብኣይ ተመሳሲሎም ኣለዉ። ክወግሕ ከሎ ዘይብሩህ ነገራት ይረኣዮ: ጸሓይ መሊኣ ምስ በረቐት ግን ኣነጺሩ ይርኢ። ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ምሳሌ 4:18 እተነግረ: ህዝቢ የሆዋ በቲ ድሙቕ ብርሃን ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ገይሮም መገዶም ኣነጺሮም ክርእዩ ክኢሎም ኢዮም። ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ደርገፍገፍ ክብሉ በይኖም ኣይተሓድጉን።
“ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልብሉ” ዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ: እቶም ንየሆዋ ዝጽበዩ ሰባት እቲ ናይ ሓሶት መሲሃትን ነብያትን ንዝስዕቡ ሰባት ዘጋጥሞም ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘይትንክፎም ነቶም ሰማዕቲ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። እቲ ሓቀኛ መሲህ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዝምስክር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ! ንኣብነት: ናይ የሱስ ተኣምራታዊ ምልዋጥ መርኣያ ናይቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝሽየመሉ ግዜ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ብ1914 ብሓይሊ መንግስቱ ካብ ዝመጽእ ንነጀው ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:19 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ኰዀብ ጽባሕ’ ኰይኑ ኢዩ። እቲ ተዛራቢ “የሱስ ከም መሲሓዊ ኰዀብ ጽባሕ መጠን ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ዝወግሓሎም ሓድሽ መዓልቲ ወይ ዘበን ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ” በለ።
ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም በቲ ኣብ ኤፌሶን 5:8 እተመስረተ “ከም ብርሃናት ምብራህ” ዘርእስቱ ዝርርብ ጀመረ፣ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ከም ደቂ ብርሃን ኴንና ክንመላለስ’ ይመኽረና። ክርስትያናት ከም ብርሃናት ዘብርሁ ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ብምክፋሎም ጥራይ ዘይኰነስ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንመምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ስለ ዘውዕሉ ኢዩ።
ከምዚ ዓይነት ብርሃን ንምብራህ ከምቶም “ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ባህ ይበልኩም” እተባህለሎም ክንከውን ኣሎና። እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብቲ ሰለስተ ክፍሊ ዝነበሮ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዝርዝር ተገሊጹ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ተዛራቢ ነቲ ኣብርሃም ሊንከን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝበለጸ: ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝሃቦ ውህበት ኢዩ” ዝበሎ ሓሳብ ድሕሪ ምጥቃሱ: ነቶም ተኣከብቲ እቲ ናይ ምንባብ ልምዶም ኣብ ቃል የሆዋ ብዛዕባ ዘለዎም ዕምቈት ሞሳ እንታይ ከም ዝገልጽ ሓተቶም። እቶም ሰማዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ንኸንብቡ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ኣብ ኣእምሮኦም ንምስኣል ግዜ ክወስዱ: ከምኡውን ነቲ እተማህርዎ ሓደስቲ ነጥብታት ምስቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ከተሓሕዝዎ ተተባቢዖም ኢዮም።
“ዕጹም ብልዒ” ክወሃሃደና እንተድኣ ዀይኑ ንእግረ-መገድና ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ መጽናዕቲ ዘድልየና ምዃኑ እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ክፍሊ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣጕሊሑ ኢዩ። (እብራውያን 5:13, 14) ከምቲ እቲ እስራኤላዊ ካህን እዝራ ዝገበሮ ኣቐድም ኣቢልና ‘ንኣልባብና እንተ ኣዳሊናዮ:’ መጽናዕቲ ሃናጺ ከም ዝኸውን እቲ ተዛራቢ ገለጸ። (እዝራ 7:10) እንተዀነ ግን: መጽናዕቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ኣለዎ። ስለዚ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንኣእምሮኻ ምቍጽጻርን ጻዕርን ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ ክቡር: ባህ ዘብል: ከምኡውን ዘሐድስ ክኸውን ኣለዎ። ትርጕም ዘለዎ መጽናዕቲ ንምግባር ግን ካበይ ግዜ ክንረክብ ንኽእል፧ እቲ ናይ መወዳእታ ተዛራቢ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ: ካብቲ ብዙሕ ዘየድሊ ንጥፈታት ‘ግዜ ብምዕዳግ’ ነዚ ክንገብር ከም እንኽእል ገለጸ። (ኤፌሶን 5:16) እወ: ግዜ ንምርካብ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ነቲ ዘሎና ግዜ ብዝበለጸ መገዲ ምጥቃም ኢዩ።
እቲ “ኣምላኽ ንድኹማት ሓይሊ ይህብ” ዝብል ኣርእስቲ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ደኺሞም ከም ዘለዉ ገለጸ። ንኽርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝኸውን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ምእንቲ ክንረክብ: ኣብቲ ‘ንድኹም ሓይሊ ዝህብ’ የሆዋ ክንውከል ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 4:7፣ ኢሳይያስ 40:29) እቲ ከበርትዓና ዝኽእል ሓገዛት ንቓል ኣምላኽ: ጸሎት: ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል: ክርስትያን ተዓዘብቲ: ከምኡውን ኣብነት ናይ ካልኦት እሙናት ሰባት ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ “ከም ምንዋሕ ግዜኡስ መምህራን ድኣ ኩኑ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ክርስትያናት መምህራንን ሰበኽትን ክዀኑ ከምኡውን ናይ ‘ምምሃር’ ክእለቶም ከማዕብሉ ክጽዕሩ ከም ዘለዎም ኣጕሊሑ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:2
“እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝዋግኡ ኣይክዕወቱን ኢዮም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይታ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደገኛ ኣንቈራ ዝብል ስም ንምልጣፍ እተገብረ ግጉይ ጻዕሪ ጠቐሰ። እንተዀነ ግን: ክንፈርህ የብልናን፣ ከመይሲ ኢሳይያስ 54:17 ከምዚ ትብል:- “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር: ጽድቆምውን ካባይ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር።”
ካልአይቲ መዓልቲ:- ብትንቢታዊ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ነገራት
ብዛዕባ ናይታ መዓልቲ ጥቕሲ ምይይጥ ምስ ተገብረ: እቲ “ከም ጸወርቲ ብርሃን መጠን ንየሆዋ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ካልኣይ ዓውደ-መጽናዕቲ ቐረበ። እቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ: ናይ ሓደ ክርስትያን ሸቶ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብምስባኽ ንየሆዋ ክብሪ ምሃብ ከም ዝዀነ ገለጸ። እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ክፍሊ ነቶም ጽቡቕ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ምስ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዝላለዩ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ጠቐሰ። ብኸመይ ኢና ግን ከነላልዮም፧ ማሕበር ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትዓዪ ንኸነረድእ ቀቅድሚ ወይ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ጽንዓት ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቒቕ ብምምዳብ ኢዩ። እቲ ሳልሳይ ዝርርብ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ንኣምላኽ ብሰናይ ግብርና ገይርና ክብሪ ክንህቦ ከም ዘሎና ኣጕልሐ።
እቲ “ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣጸቢቕኩም ኣፍቅርዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣብ መዝሙር መበል 119 ዝርከብ እተመርጸ ጥቕስታት ሸፊኑ ኢዩ። ስለ እንርስዕ: ብዘይጥርጥር መዘኻኸሪታት የድልየና ኢዩ። እምበኣር: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ምዕባይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣድላዪ ኢዩ!
ድሕርዚ “ናብቲ ትንቢታዊ ቃል ምቕላብ ናብ ጥምቀት ይመርሕ” ዘርእስቱ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ተዋህበ። እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ንክርስቶስ ክመስልዎ ዘለዎም ብምጥማቕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣሰሩ ብምስዓብ እውን ከም ዝዀነ ተዘኻኺሮም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:21) እዞም ሓደስቲ ሰባት ነቲ ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዝርከብ: የሱስ ነተን ‘ካልኦት ኣባጊዑ’ ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቱ ንኸገልግሉ ክእክቦም ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝገለጾ ነገር ንምፍጻም ኣየ ኣብ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዮም ክካፈሉ!
ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ምስ ተጀመረ ኣብቲ “እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ስምዕዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ: መንፈስ የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ: በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ከምኡውን በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልናና ኣቢሉ ከም ዝዛረበና ተገልጸ። (ማቴዎስ 24:45) ስለዚ: ክርስትያናት ንኣምላኽ ከመይ ገይሮም ከም ዘሐጕስዎ ንምፍላጥ ካብ ሰማይ ድምጺ ክሰምዑ ኣየድልዮምን ኢዩ። እቲ ቐጺሉ ዝነበረ “ነቲ ምስ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝሰማማዕ ምህሮ ኣጽኒዕና ንሓዞ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ክርስትያናት ነቲ በዛ ዓለም ዝፍኖ ሕሱር ዝዀነ ሓሳባት ክሰምዕዎ ከም ዘይብሎም መዓደ። ልጓም ዘይተገብረሉ ህንጥዮት ናብቲ ብኸሓድትን ካልኦት ወከልቲ ሰይጣንን እተፈነወ ሃሳዪ ትምህርቲ ኸቃልዓና ከም ዝኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝርከብ ዓንቀጻትን ምንባብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ!
ድሕርዚ እቲ “ንምሳሌ ናይቲ ጥዑይ ቃል ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ‘ምሳሌ’ ወይ ነቲ ሓቂ ሒዝዎ ዘሎ ቕርጺ ምፍላጥ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ነዚ ምሳሌ እዚ ምርዳእ ንኣምላኻዊ ተወፋይነት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ምስ ሓቂ ዘይሰማማዕ ነገር ኣብ ምልላይ እውን ኣገዳሲ ነገር ኢዩ።
ብየሆዋ ከም ክቡር ኴንካ ክትርአ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣየ ከመይ ዝበለ ክብረት ኰን ኢዩ! እቲ ኣብ ትንቢት ሃጌ እተመስረተ “ቤት የሆዋ ብ‘ክቡር ነገር’ ይመልእ ኣሎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ካብ ካልእ ብዝያዳ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ፣ ከመይሲ ነቶም ሰማዕቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቲ “ዓቢ ጭፍራ” ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ሓቂ ክቡር ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም ኢዩ። (ራእይ 7:9 NW) ስለዚ: የሆዋ ካብቲ ኣብ እዋን እቲ “መከራ” ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ናይ ኣህዛብ ‘ምንቕናቕ’ ከድሕኖም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21፣ ሃጌ 2:7, 21, 22) ክሳዕ ሽዑ ግን: ህዝቢ የሆዋ ከምቲ ኣብቲ “ትንቢት ዝሓዘ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽንነቅሕ ትኩራት ይገብረና” ዘርእስቱ ዝርርብ እተገልጸ: ብመንፈስ ንቑሓት ክዀኑ ኣለዎም። እቲ ተዛራቢ ነተን “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ዝብላ ናይ የሱስ ቃላት ጠቐሰ። (ማቴዎስ 24:42) ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ብምዃን: ብቐጻሊ ብምጽላይ: ከምኡውን ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ብምጽባይ ኢዩ።
እቲ ናይታ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ “ትንቢታዊ ቃል ኣብ ግዜ መወዳእታ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እዚ ዝርርብ እዚ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት እውን ክዝከር ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ተዛራቢ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ከም ዝወጸት ገሊጹ ኢዩ። እቲ ተዛራቢ “እዛ ምልኩዕ ስእልታት ዝሓዘት 320 ገጽ ዘለዋ ጽሕፍቲ ንዅሉ ክፍሊ መጽሓፍ ዳንኤል እትሽፍን ኢያ” በለ። የሆዋ ኣብ ትንቢታዊ ቃሉ ብርሃን የብርሃልና ምህላዉ ዘርኢ ክሳዕ ክንደይ እምነት ዘደልድል መርትዖ ኰን ኢዩ!
ሳልሰይቲ መዓልቲ:- ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ከይተፈጸመ ከቶ ኣይክተርፍን ኢዩ
እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ “ብዛዕባ እቲ ምዱብ ግዜ እተዋህበ ትንቢታዊ ቓላት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ጀመረት። እቲ ሰለስተ ክፍሊ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ነቲ ነብዪ ኣንባቆም ዝገለጾ ብየሆዋ ኣምላኽ ዝፍጸም ሰለስተ ፍርድታት ዝገልጽ ኣዋጃት መርመረ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ልዕሊ እታ ዓለወኛ ይሁዳ እተፈጸመ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ጨቋኒት ባቢሎን እተፈጸመ ኢዩ። እቲ ብሕጂ ክፍጸም ዘለዎ ናይ መወዳእታ ኸኣ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጥፍኣት ናይ ኵሎም እኩያት ደቅሰብ ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዘቕረበ ሓው ብዛዕባ ኣርማጌዶን ክዛረብ ከሎ “የሆዋ ምሉእ ሓይሉ ምስ ፈነዎ ብሓቂ ዘርዕድ እዋን ክኸውን ኢዩ” ብምባል ኣብቶም ሰማዕቲ ጥዑይ ኣምላኻዊ ፍርሂ ከም ዝሓድር ገይሩ ኢዩ።
እቲ ናይዚ ዓቢ ኣኼባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ “ንመንፈሳዊ ውርሻና ሞሳ ምርኣይ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እዚ ሕልናኻ ከም እትምርምር ዝገብር ኣቀራርባ: ያእቆብን ኤሳውን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እተፈላለየ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ገለጸ። ኤሳው ንመንፈሳዊ ውርሻኡ ብንዕቐት ይርእዮ ነበረ: ስለዚ ኸኣ ነቲ ኣኽቢሩ ዝረኣዮ ያእቆብ ተዋህበ። ካብኡ ነቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ “የሆዋ እንታይ [መንፈሳዊ ውርሻ] ኢዩ ሂቡና፧” ዝብል ሕቶ ቐረበሎም። ድሕርዚ እቲ ተዛራቢ “ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ፣ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ከም ኣወጅቲ ናይቲ ብስራት ኴንካ ንዕኡ ብምውካል ዝመጽእ ክብረት” ኢዩ ብምባል መለሰ።
እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ክፍሊ “እቲ ኽቡር ውርሻና ንዓኹም እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ውርሻና ቅኑዕ ኣረኣእያ ከም ዘሎና ዝግለጽ: ካብ ብሕታዊ ወይ ስጋዊ ረብሓታት ንላዕሊ ንኣገልግሎት የሆዋን መንፈሳዊ መሰላትን ኣዕዚዝና ምስ እንርእዮ ኢዩ። በዚ ኸምዚ: ከም ኣዳም: ኤሳው: ከምኡውን ከምቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዘይኰነስ: ህይወትና በቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም እትሕጸር ንገብራ።
“ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንዅሉ ምሕዳስ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ኣርባዕተ ኣገደስቲ ትንቢታት ብምትሕሓዝ ገለጸ። (ኢሳይያስ 65:17-25፣ 66:22-24፣ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1, 3-5) የሆዋ ካብቲ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ምርኮ ናብ ዓዶም ኣብ እተመልሱ ህዝቡ እተራእየ ናይዘን ትንቢታት ፍጻሜ ንላዕሊ ከም ዝሓሰበ ንጹር ኢዩ። እወ: እቲ መንግስታዊ ምምሕዳሩ (‘ሓድሽ ሰማይ’) ከምኡውን እቶም ነታ ግርማ ዘለዋ ዓለምለኻዊት ገነት ዝወርሱ ናይዚ ምምሕዳር ምድራዊ ተገዛእቲ (‘ሓድሽ ምድሪ’) ኢዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ዘሎ።
“ብመሰረት እቲ ቃል ኣምላኽ ዝህቦ መምርሒ ትጽቢት እንገብረሉ ነገራት” ዘርእስቱ ዝርርብ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ባህ ዘብልን ዘነቓቕሕን መደምደምታ ነበረ። ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ እቲ ኣዋጅ ናይታ መንግስቲ ንምዝዛም ዝተረፈ “ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። (1 ቈረንቶስ 7:29) እወ: ኣብ ድርኵኺት ናይቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን እኩይ ኣገባቡን ዝኣወጆ ፍርዲ ዝፍጽመሉ ግዜ ኢና ዘሎና። ስምዒትና ከምቲ “ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ: ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ይኹን። (መዝሙር 33:20) ነቶም ተስፋኦም ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዝገብሩ ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ ተነቢሩሎም ዘሎ!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዘነቓቕሕ ድራማ ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ውርሻኦም ዘለዎም ሞሳ ኣዕመቖ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዘቕለቡ ብዙሓት ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም