ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/1 ገጽ 3
  • ብዛዕባ መጻኢ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መጻኢ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/1 ገጽ 3

ብዛዕባ መጻኢ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ!

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኣርዚኖም ይሓስቡ ኢዮም። መደብ ከውጽኡ: ብጥበብ ገንዘቦም ከውፍሩ: ከምኡውን ድሕንነት ክረኽቡ ይደልዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ጽባሕ እንታይ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል መገዲ ኣሎዶ ኢዩ፧

ደቅሰብ ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ኵሉ ዓይነት መገድታት ፈቲኖም ኢዮም። እቶም ፍዩቸሮሎጂስት ዝበሃሉ ሊቃውንቲ ማሕበራዊ ጕዳያት ህሉው ኣንፈት ብምምርማር ኣብኡ ተመርኲሶም ብዛዕባ መጻኢ ይንበዩ። ስነ-ቁጠባውያን እውን ኣብ ዓውዶም ከምኡ ይገብሩ ኢዮም። ቈጸርቲ ከዋኽብትን ጠንቆልትን ከኣ ሆሮስኮፕ ዝበሃል ኣቀማምጣ ከዋኽብቲ ይዕዘቡ: ብሓቒቕ እተሰርሐ ኵዕሶ ይጥቀሙ: ከምኡውን ሽሕር የዘውትሩ ኢዮም፣ ብዙሓት ሰዓብቲ ኸኣ ኣለዉዎም። ንኣብነት: እቲ ፈረንሳዊ ቈጻር ከዋኽብቲ ናስትራደይመስ ቅድሚ ዘበናት እኳ እንተ ሞተ: ክሳዕ ሕጂ ግን ውሩይ ኢዩ።

ኵሎም እዞም ነብያት ኢና ዝብሉ ፈጺምካ ትውክልቲ ክትገብረሎም ዘይከኣልን ተስፋ ዘቝርጹን ምዃኖም ተረጋጊጹ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ኣምላኽን ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ነጺጎምዎ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሕቶታት ክምልሱ ኣይከኣሉን:- ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት ከም ዝፍጸም ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢየ፧ ምስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ ኣነን ስድራቤተይን ካብዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧’ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ይህበሉ ኢዩ።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ካልእ መገድታት እውን ካብ ካልኦት ሓለፍ ዝበለ ኢዩ። ከምቲ ናይ ቈጸራ ከዋኽብቲ ትንቢታት ዘይኰነስ: ናይ ሓደ ሰብ ናጻ ድሌት ዘኽብር ኢዩ። ስለዚ: ዋላ ሓደ ሰብ ግዳይ ናይ ጽሕፍቶ ኣይከውንን ኢዩ። (ዘዳግም 30:19) ከም ናይ ናስትራደይመስ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ብምዃኑ: ነቲ እተፈጥረ ሃጓፍ ምስጢራውን ዝምስጥን ብምግባር ይሽፍኖ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ መሰረት ኣለዎ። ኣምላኽ ከምቲ ዝዓለሞ ዝፍጽም ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 36:15) ትንቢታት የሆዋ ፈጺሙ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን ኢዩ: ከመይሲ ‘ኣምላኽ ኣይሕሱን’ ኢዩ። (ቲቶስ 1:2) ስለዚ: እቶም ብቓል ኣምላኽ ዝምርሑ ውልቀ-ሰባት መንፈሳዊ ምስትውዓል ይረኽቡ: ዕላማ ዘለዎን ዘሐጕስን ናብራ ይነብሩ: ከምኡውን ከንቱ ንዝዀነ ነገር ብምስዓብ ክቡር ግዜኦምን ንብረቶምን ኣየጥፍኡን ኢዮም።—መዝሙር 25:12, 13

እዝን ካልእ ብዙሕ ነጥብታትን ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ናይ 1999/2000 ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገሊጹ ኢዩ። እቲ ዝቐረበ ዝርርባት: ቃለ-መጠይቓት: መርኣያታት: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ንኣቓልቦ እቶም ተኣከብቲ ናብቲ ንናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዘጽንዑን ኣብ ግብሪ ዘውዕሉን ሰባት ዘስተማቕርዎ ዘደንቕ መንፈሳዊ ውርሻ ከም ዘተኵር ገይርዎ ኢዩ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ገለ ካብቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ጐሊሑ እተራእየ ስምዒት ዝትንክፍ ነጥብታት ክትምርምር ኢያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ