ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/12 ገጽ 19-24
  • ከምቶም እምነት ዘለዎም ንኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከምቶም እምነት ዘለዎም ንኹን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና እምንቶ ንግለጽ
  • ከምቲ ዝግባእ ገይርካ ቃል ኣምላኽ ምዝውታር
  • ነቶም ናይ እምነት ኣብነታት ህያው ገይርካ ምግላጽ
  • ብእምነት እናደልደልና ክንከደሉ እንኽእል መገዲ
  • ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/12 ገጽ 19-24

ከምቶም እምነት ዘለዎም ንኹን

“ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ [ኢና  ]።”— እብራውያን 10:⁠39

1. እምነት ናይ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ክብርቲ ኢያ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ: ኣብቲ ንየሆዋ ብዘምልኹ ሰባት ዝመልአ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ከድካ: ኣብ ጥቓኻ ንዘለዉ ሰባት ቁሊሕ ኢልካ እስከ ርኣዮም። ብዛዕባ እቲ እምነት ዘርኣይሉ እተፈላለየ መዳያት ሕሰብ። ንዓሰርተታት ዓመታት ንኣምላኽ ዘገልገሉ ኣረጋውያን: መዓልቲ መዓልቲ ንናይ መዘና ጸቕጢ ዝጻወሩ መንእሰያት: ከምኡውን ንደቆም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ገይሮም ንኸዕብይዎም ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ወለዲ ትርኢ ትኸውን። ብዙሕ ሓላፍነት ዝስከሙ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን እውን ኣለዉ። እወ: ንየሆዋ ምእንቲ ከገልግልዎ በብዓይነቱ ዕንቅፋታት ዝሰግሩ እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። እምነት ነፍሲ ወከፎም ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ኰን ኢያ!​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠7

2. እቲ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 10 ከምኡውን 11 ዘሎ ምኽሪ ጳውሎስ ሎሚ ንዓና ክጠቕመና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ገይሩ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪት ምዃኑ ክግንዘብ ዝኸኣለ ኣሎ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ ኢዩ። አረ ናይ ሓቂ እምነትሲ ‘ናብ ምድሓን ነፍሲ’ ከም እትመርሕ ሓቢሩ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠39) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ኣብዛ እምነት ዘይብላ ዓለም እዚኣ: እምነት መጥቃዕቲ ክወርዳን ክትምህምን ከም እትኽእልን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም እምነቶም ከይትጠፍእ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝቕመጡ እብራውያን ክርስትያናት ኣጸቢቑ ኢዩ ዝግደስ ነይሩ። ገለ ክፋላት ናይ እብራውያን ምዕራፍ 10 ከምኡውን 11 ክንርኢ ኸሎና: እቲ ጳውሎስ እምነቶም ንምህናጽ እተጠቕመሉ ኣገባብ ነስተብህለሉ። ንእግረ⁠-​መገድና ኸኣ ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባትን ብኸመይ ጽንዕቲ እምነት ክንሃንጽ ከም እንኽእል እናረኣና ክንከይድ ኢና።

ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና እምንቶ ንግለጽ

3. እቲ ኣብ እብራውያን 10:⁠39 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ ኣብቶም ብእምነት ኣሕዋቱን ኣሓቱን እምንቶ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧

3 እቲ ከነስተብህለሉ እንኽእል ናይ መጀመርታ ነገር እቲ ጳውሎስ ኣብ ሰማዕቱ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።” (እብራውያን 10:39) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ክርስትያናት ብጾቱ ዝበለጸ ነገር ድኣ እምበር ክፉእ ኣይሓሰበን። “ንሕና” ዝብል ኣገላልጻ ተጠቒሙ ከም ዘሎ እውን ነስተብህል። ጳውሎስ ጻድቕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ይኹን ድኣ እምበር ንሰማዕቱ ካባታቶም ከም ዝጸድቕ ኰይኑ ብጸብለልትነት ኣይተዛረቦምን። (ምስ መክብብ 7:⁠16 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክንድኡ ንገዛእ ርእሱ ምስኣቶም ጸንቢርዋ ኢዩ። ንሱን እቶም መልእኽቱ ዝሰደደሎም እሙናት ክርስትያናትን ነቲ ዘጋጥሞም ዘጃጁ ዕንቅፋታት ብዓወት ከም ዝጋጠምዎ: ንድሕሪት ናብ ጥፍኣት ንኸይምለሱ ብትብዓት ቈራጽነት ከም ዝገበሩ: ከምኡውን ከምቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ኰይኖም ክርከቡ ምዃኖም ልባዊ እምንቶኡ ገሊጹ ኢዩ።

4. ጳውሎስ ኣብ ኣመንቲ ብጾቱ እምንቶ ዘሕደረ በየናይ ምኽንያታት ኢዩ፧

4 ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ከሕድር ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ንጕድለት ናይቶም እብራውያን ክርስትያናት ርእዩ ከም ዘይረኣየ ድዩ ዝሓልፎ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ብኣንጻሩ እኳ ድኣ መንፈሳዊ ጕድለታቶም ንኸሰንፍዎ ክሕግዞም ዝኽእል ንጹር ምኽርታት ሂብዎም ኢዩ። (እብራውያን 3:⁠12፣ 5:⁠12-14፣ 6:⁠4-6፣ 10:⁠26, 27፣ 12:⁠5) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ኣብ ኣሕዋቱ እምንቶ ከሕድር ዝደረኾ እንተ ወሓደ ክልተ ምኽንያታት ነይርዎ ኢዩ። (1) ጳውሎስ ንየሆዋ ብምምሳል ንህዝቢ ኣምላኽ ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ገይሩ ክርእዮም ኢዩ ዝጽዕር ነይሩ። እዚ ኣብ ጕድለታቶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝነበሮም ሰናይ ባህርያትን ኣብቲ ንመጻኢ ሰናይ ንምግባር ዝነበሮም ተኽእሎን እውን ዝውዕል ኢዩ። (መዝሙር 130:⁠3፣ ኤፌሶን 5:⁠1) (2) ጳውሎስ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ምሉእ እምነት ነይርዎ ኢዩ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ብተኣማንነት ከገልግሎ ዝጽዕር ክርስትያን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ካብ ምሃብ ክኽልክሎ ዝኽእል ዕንቅፋት ይኹን ሰብኣዊ ድኽመት ከም ዘየለ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7፣ ፊልጲ 4:⁠13) ስለዚ እምበኣር እቲ ጳውሎስ ኣብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዝነበሮ እምንቶ ዘይግቡእ: ኣብ ክዉንነት ዘይተመስረተ: ወይ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዘሕደሮ ተስፋ ኣይነበረን። ድልዱል ምኽንያትን ጥቕሳዊ መሰረትን ነይርዎ ኢዩ።

5. ንእምንቶ ጳውሎስ ብኸመይ ክንቀድሖ ምኸኣልና: ከመይ ዝበለ ፍረኸ ኢዩ ዝርከብ፧

5 ብርግጽ እምበኣር እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ እምንቶ ኣብ ካልኦት እውን ዝመሓላለፍ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ጳውሎስ ብዘተባብዕ መገዲ ምዝራቡ ነተን ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበራ ጉባኤታት ኣጸቢቑ ሓጊዝወን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘተባብዕ ቃላት: ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብቶም ኣይሁዳውያን ተጻረርቶም ንዕቀትን ድርቅና እተሓወሶ ሸለልትነትን የጋጥሞም እኳ እንተ ነበረ: ከምቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ክዀኑ ብልቦም ክውስኑ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሎሚኸ ኣብ ንሓድሕድና ከምኡ ክንገብር ምኸኣልናዶ፧ ካልኦት ዝገብርዎ ብዙሕ ጕድለታትን ዘንጸባርቕዎ ስግንጢር ባህርያትን ክትጽብጽብ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠1-5) ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ፍሉይ እምነት ነስተብህለሉን ኣርዚንና ንርእዮን እንተድኣ ዄንና ክንተሓጋገዝ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መተባብዒ ምስ ዝወሃብ እምነትና ከም እትዓቢ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 1:⁠11, 12

ከምቲ ዝግባእ ገይርካ ቃል ኣምላኽ ምዝውታር

6. ጳውሎስ ነተን ኣብ እብራውያን 10:⁠38 ዘለዋ ቃላት ክጽሕፍ ከሎ ካበየናይ ምንጪ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ፧

6 ጳውሎስ: በቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምቲ ዝግባእ ገይርካ ናይ ምዝውታር ዝነበሮ ክእለት ገይሩ ንእምነት ናይ ክርስትያናት ብጾቱ ሃኒጹ ኢዩ። ንኣብነት “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር: ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብራውያን 10:38) ኣብዚ ጳውሎስ ካብ ነብዪ ኣንባቆም ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ።a እብራውያን ክርስትያናት ምስቲ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ ጽቡቕ ሌላ ስለ ዝነበሮም ጳውሎስ እዚ ቃላት እዚ ክጽሕፈሎም ከሎ ሓድሽ ከም ዘይኰኖም ፍሉጥ ኢዩ። ጳውሎስ ንእምነት ናይቶም ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ዝነበሩ ክርስትያናት ንምድልዳል ዝነበሮ ሸቶ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ናይ ኣንባቆም ኣብነት ብቑዕ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧

7. ኣንባቆም ነቲ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ መዓስ ኢዩ: ኣብቲ ግዜ እቲኸ ኣብ ይሁዳ ከመይ ዝበለ ኵነታት ነበረ፧

7 ኣንባቆም ንመጽሓፉ ዝጸሓፋ ካብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኣትሉ እዋን ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቐዲሙ ኢዩ። እቲ ነብዪ ብራእይ እቶም “መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ” ማለት ከለዳውያን (ወይ ባቢሎናውያን) ንይሁዳ ብምውራር: ንየሩሳሌም ብምጥፋእ: ንእግረ-መገዶም ድማ ህዝብታትን ሃገራትን ክውሕጡ ኸለዉ ተመልኪቱ ኢዩ። (ኣንባቆም 1:⁠5-11) እዚ መዓት እዚ ግን ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲሙ ካብ መዓልትታት ኢሳይያስ ኣትሒዙ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ኣንባቆም: ዮያቂም ነቲ ጽቡቕ ግብሪ ዝነበሮ ንጉስ ዮስያስ ተክኦ እሞ እከይ እንደገና ኣብ ይሁዳ ክዕምብብ ጀመረ። ዮያቂም ነቶም ብስም የሆዋ ዝዛረቡ ሰባት መስጐጕቲ ኣውሪዱሎም: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ቀቲልዎም ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 36:⁠5፣ ኤርምያስ 22:⁠17፣ 26:⁠20-24) እቲ ከቢድ ስቓይ ዝነበሮ ነብዪ ኣንባቆም “ዎ እግዚኣብሄር . . . ክሳዕ መኣዝ፧” ኢሉ ምጭዳሩ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠ኣንባቆም 1:⁠2

8. ኣብነት ናይ ኣንባቆም ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ይኹን ነዞም ሎሚ ዘሎና ሓጋዚ ኰይኑ ዝርከብ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ጥፍኣት የሩሳሌም ክሳዕ ክንደይ ቀሪቡ ምንባሩ ኣንባቆም ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ብተመሳሳሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መዓስ ከም ዝውዳእ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ሎሚውን ንሕና ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝወርደሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ መዓስ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠36) እስከ እምበኣር ሕጂ ነቲ የሆዋ ንኣንባቆም ዝሃቦ ድርብ መልሲ ነቕልበሉ። ቀዳማይ: መወዳእታ ልክዕ ኣብ ግዜኡ ከም ዝመጸ ነቲ ነብዪ ኣረጋገጸሉ። ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ “ኣይኪድንጕን” ኢዩ በሎ። (ኣንባቆም 2:3) ካልኣይ: የሆዋ ንኣንባቆም “ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” ብምባል ኣዘኻኸሮ። (ኣንባቆም 2:⁠4) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ተፈታውን ዝርዳእን ቃላት ሓቂ ኰን ኢዩ! እቲ ዝያዳ ዘገድስ መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ ዘይኰነስ ከየቋረጽና ብእምነት ክንነብር ምኽኣልና ኢዩ።

9. እዙዛት ኣገልገልቲ የሆዋ (ሀ) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. (ለ) ድሕሪ 66 ከ.ኣ.ዘ. ብተኣማንነቶም ክነብሩ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ሐ) እምነትና ከነደልድል ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተወረት: ኤርምያስ: ጸሓፊኡ ባሩኽ: ዔብድ⁠-​ሜሌክ: እቶም እሙናት ቤት ሬካብ ሓቅነት ናይቲ የሆዋ ንኣንባቆም እተመባጽዓሉ መብጽዓ ርእዮምዎ ኢዮም። ካብቲ ዘሰቅቕ ጥፍኣት የሩሳሌም ብምምላጥ ‘ክነብሩ’ ክኢሎም ኢዮም። ስለምንታይ፧ የሆዋ ዓስቢ ተኣማንነት ስለ ዝሃቦም ኢዩ። (ኤርምያስ 35:⁠1-19፣ 39:15-18፣ 43:⁠4-7፣ 45:⁠1-5) ብተመሳሳሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት እውን ንምኽሪ ጳውሎስ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦምሉ ክዀኑ ኣለዎም። ከመይሲ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ኣጥቅዕዋ እሞ ድሕሪኡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ መገዲ ምስ ኣዝለቑ ክርስትያናት ብተኣማንነት ነቲ የሱስ ክሃድሙ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣቕሊቦምሉ ኢዮም። (ሉቃስ 21:⁠20, 21) ብምኽንያት እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ክነብሩ ክኢሎም ኢዮም። ንሕናውን መወዳእታ ክመጽእ ኸሎ እሙናት ኴንና እንተድኣ ተረኺብና ክንነብር ኢና። እዝስ እምነትና ከነደልድል ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ምኽንያት ኰን ኢዩ!

ነቶም ናይ እምነት ኣብነታት ህያው ገይርካ ምግላጽ

10. ጳውሎስ ንእምነት ሙሴ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዋ: ንሕናኸ በዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ኢና ንሙሴ ክንቀድሖ እንኽእል፧

10 ጳውሎስ ህያው ኣብነታት ብምጥቃም እውን እምነት ሃኒጹ ኢዩ። እብራውያን ምዕራፍ 11 ከተንብብ ከሎኻ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ⁠-​ባህርያት ብኸመይ ህያው ገይሩ ከም ዝገልጾም ኣስተብህል። ንኣብነት ብዛዕባ ሙሴ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” በለ። (እብራውያን 11:27 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብኻልእ ኣዘራርባ ሙሴ ንየሆዋ ህያው ገይሩ ይምልከቶ ስለ ዝነበረ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ከም ዝረኣዮ ኢዩ ዀይኑ። ንዓናኸ ከምኡ ክበሃለልናዶ ምተኻእለ፧ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ክትዛረብ ቀሊል ኢዩ: ነቲ ርክብ እቲ ክትሃንጽን ከተደልድልን ግን ግብሪ ይሓትት። ነቲ ግብሪ እቲ ክንፍጽሞ የድልየና! ኣብቲ ንኣሽቱ ዝመስል ነገራት እውን እንተዀነ ውሳነ ክንገብር ከሎና ንየሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ህያው ገይርና ዲና እንርእዮ፧ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት እቲ ዝበርትዐ ምጽራር እውን ከይተረፈ ክንጽመም ከተኽእለና ኢያ።

11, 12. (ሀ) እምነት ሄኖክ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢያ ተፈቲና ክትከውን እትኽእል፧ (ለ) ሄኖክ ከመይ ዝበለ ዘተባብዕ ዓስቢ ኢዩ ዝረኸበ፧

11 እምነት ሄኖክ እውን ርአ። እቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር ክሳዕ ክንደይ ከም ዝነበረ ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሄኖክ ኣንጻር እቶም ሽዑ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ፍርዲ ክወርድ ምዃኑ ዝገልጽ ጸላዕላዕ ዘብል መልእኽቲ ከብጽሕ ነበሮ። (ይሁዳ 14, 15) ንህይወት እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ዘስግእ ዝነበረ መስጐጕቲ: ኣዝዩ ሕሱምን ዓመጽ ዝመልኦን ካብ ምዃኑ እተላዕለ የሆዋ ጸላእቱ ምእንቲ ከይቀትልዎ ኢሉ ካብ ህላወ ናብቲ ብሞት ዝድቅሰሉ ኵነታት ብምውሳድ ‘ኣግዓዞ።’ ስለዚ ሄኖክ ፍጻሜ ናይቲ እተዛረቦ ትንቢት ክርኢ ኣይክኣለን። ይኹን እምበር: ብገለ መዳይ ዝሓሸ ዝነበረ ህያብ ረኺቡ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 11:⁠5፣ ዘፍጥረት 5:⁠22⁠-​24

12 ጳውሎስ “[ሄኖክ] ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ: ተመስኪሩሉ ነበረ” ብምባል ይገልጽ። (እብራውያን 11:5) እዚ እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ፧ ሄኖክ ናብ ናይ ሞት ድቃስ ቅድሚ ምኻዱ: ገለ ዓይነት ራእይ​—⁠ምናልባት ብዛዕባ እታ ሓንቲ መዓልቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዝትንስኣላ ምድራዊት ገነት ክትከውን እትኽእል⁠—​ርእዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ የሆዋ በቲ እሙን ኣካይድኡ ከም እተሓጐሰ ንሄኖክ ኣፍሊጥዎ ነይሩ ኢዩ። ሄኖክ ንልቢ የሆዋ አሐጒሱ ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 27:⁠11 ኣረኣእዮ።) ብዛዕባ ህይወት ሄኖክ ምፍላጥ ስምዒት ዝትንክፍዶ ኸይኰነ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ እምነት ናብራ ክትነብር ምደለኻዶ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ እምበኣር ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ኣስተንትን፣ ከም ናይ ሓቂ ሰባት ገይርካ ርኣዮም። መዓልቲ መዓልቲ ብእምነት ክትነብር ቈራጽነት ግበር። እቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ ዘገልግልዎ ኣብቲ ዅሉ መብጽዓታቱ ዝፍጽመሉ ዕለት ተመርኲሶም ከም ዘይኰነ እውን ዘክር። ኣብ ክንድኡስ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ቈራጽነት ገይርና ኢና! ከምዚ ምግባር ኣብዚ ኣገባብ እዚ ይኹን ኣብቲ ዝመጽእ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኢዩ።

ብእምነት እናደልደልና ክንከደሉ እንኽእል መገዲ

13, 14. (ሀ) እቲ ኣብ እብራውያን 10:⁠24, 25 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ንኣኼባታትና ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

13 ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ብእምነት ክድልድልሉ ዝኽእሉ ብዙሕ ተግባራዊ መገድታት ኣርእይዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን እስከ ክልተ ጥራይ ንርአ። ነቲ ኣብ እብራውያን 10:⁠24, 25 ዘሎ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንእከብ ዝሃበና ማዕዳ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ክንከውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጳውሎስ እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ተዓዘብቲ ጥራይ ኴንና ኰፍ ክንብል ዘመልክት ከም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። ኣብ ክንድኡስ ጳውሎስ ንኣኼባታት ኣብ ንሓድሕድና እንፋለጠሉ: ንኣምላኽ ብዝያዳ ከነገልግሎ እንለዓዓለሉ: ከምኡውን እንተባብዓሉ ኣጋጣሚ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እንእከበሉ ምኽንያት ክንቅበል ጥራይ ዘይኰነስ ክንህብ እውን ኢዩ። እዚ ኸኣ ንኣኼባታትና ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ከም ዝኸውን ይገብሮ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

14 እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንእከበሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን ንየሆዋ ኣምላኽ ንኸነምልኾ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሓቢርና ብምጽላይን ብምዝማርን: ጽን ኢልና ብምስማዕ: ከምኡውን “ፍረ ከናፍር”​—⁠ሓሳባትን ክፍልታትን ብምሃብ ንየሆዋ እንውድሰሉ መግለጺ​—⁠ብምሃብ ኢና እንገብሮ። (እብራውያን 13:⁠15) ነዚ ሸቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ንጽዕር እንተድኣ ዄንና እምነትና መዓልቲ መዓልቲ ክትህነጽ ኢያ።

15. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ኣገልግሎቶም ኣጽኒዖም ክሕዙ እተላበዎም ስለምንታይ ኢዩ: ሎሚኸ እቲ ምኽሪ እቲ ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እምነትና ክንሃንጸሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ በቲ ዕዮ ስብከት ኢዩ። ጳውሎስ “እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ: ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:23) ሰባት ካብ ኢዶም ሓደ ነገር ዝፍንዉ እንተድኣ መሲሎም ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ትላበዎም ኢኻ። ሰይጣን ነዞም እብራውያን ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ክሕለሉ ጸቕጢ ይገብረሎም ነይሩ ኢዩ: ሎሚውን ንህዝቢ ኣምላኽ ጸቕጢ ይገብረሎም ኣሎ። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እናተጋጠምና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ጳውሎስ እንታይ ከም ዝገበረ ንርአ።

16, 17. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ትብዓት ክረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ገለ መዳይ ናይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ዘፍርህ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና እንታይ ስጕምትታት ኢና ክንወስድ ዘድልየና፧

16 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ከምቲ እትፈልጥዎ . . . ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን: ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና።” (1 ተሰሎንቄ 2:2) ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ፊልጲ ብኸመይ ኢዮም ‘እተዋረዱ’፧ ብመሰረት ገለ ምሁራት ዝብልዎ እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ዘቃልል: ዘሕፍር: ወይ ዘሰቅቕ ኣተሓሕዛ ኢያ እተመልክት። እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ፊልጲ ብሽመል ዘቢጦምዎም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖምዎም: ብመቝሕ ኣሲሮምዎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠16-24) እዚ መሪር ተመክሮ እዚ ንጳውሎስ ብኸመይ ኢዩ ተንኪፍዎ፧ እቶም ኣብታ ቀጺሉ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ዝገበረላ ከተማ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ጳውሎስ ብፍርሂ ንድሕሪት ተመሊሱ ድዮም ረኺቦምዎ፧ ኣይፋሎምን: ‘ተቢዑ’ ኢዩ ነይሩ። ፍርሂ ኣሰኒፉ ብትብዓት ምስባኹ ቀጺሉ ኢዩ።

17 ጳውሎስ ትብዓቱ ካበይ ኢዩ ረኺብዎ፧ ካብ ገዛእ ርእሱ፧ ኣይኰነን። ዝተብዐ “ብኣምላኽ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ሓደ መወከሲ መጽሓፍ እዚ ሓሳባት እዚ “ኣምላኽ ካብ ኣልባብና ፍርሂ ኣውጽኣልና” ተባሂሉ ክትርጐም ከም ዝከኣል ይገልጽ። ስለዚ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ትብዓት ዘይስምዓካ እንተድኣ ዀይኑ: ወይ ገለ መዳያቱ ዘፍርህ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ንዓኻውን ከምኡ ክገብረልካ ንየሆዋ ዘይትልምኖ፧ ፍርሂ ካብ ውሽጥኻ ከውጽኣልካ ለምኖ። ኣብቲ ዕዮ ትብዓት ከተርኢ ክሕግዘካ ለምኖ። ብተወሳኺውን ገለ ተግባራዊ ዝዀነ ስጕምትታት ውሰድ። ንኣብነት: ምስ ሓደ ነቲ ዘጨንቐካ ዓይነት ስብከት ዝለመዶ ኣስፋሒ ዄንካ ከተገልግል መደብ ግበር። እዚ ኸኣ ንግዲ ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት ምግልጋል: ናይ መገዲ ምስክርነት: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት: ወይ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ኣብቲ ፈለማ መገላግልትኻ ባዕሉ ክጅምሮ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሽዑ: ተዓዘብን ተመሃርን። ድሕሪኡ ግን ተቢዕካ ፈትን።

18. ኣብ ኣገልግሎትና እንተድኣ ተቢዕና ከመይ ዝበለ ተመክሮ ኢና እንረክብ፧

18 ተባዕ እንተድኣ ዄንካ ከመይ ዝበለ ፍረ ከም እትረክብ እሞ ሕሰብ። ተስፋ ከይቈረጽካ እንተድኣ ቀጺልካዮ: ከምልጠካ ዝኽእል ዝነበረ ጽቡቕ ተመክሮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ገጽ 25 ርአ።) ዘጸግመካ ነገር ብምግባር ንየሆዋ ከም ዘሐጐስካዮ ብምፍላጥካ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ዝነበረካ ፍርሂ ንምስናፍ ከኣ በረኸቱን ደገፉን ክህበካ ኢዩ። እምነትካ ክትድልድል ኢያ። ናይ ገዛእ ርእስኻ እምነት ከይሃነጽካ ንኻልኦት እምነት ክትሃንጸሎም ኢልካ ክትፍትን ከም ዘይትኽእል ከኣ ርግጽ ኢዩ።​—⁠ይሁዳ 20, 21

19. ነቶም ‘እምነት ንዘለዎም ሰባት’ ዝመስልዎም ከመይ ዝበለ ክቡር ዓስቢ ኢዩ ተዳልይሎም ዘሎ፧

19 እምነትካን እምነት ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ብቐጻሊ እተደልድል ይግበርካ። ነዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ብውሕልነት እናተጠቐምካ ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ብምህናጽ: ነቶም ብእምነት ዝመጸ ኣብነት ዝዀኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባት ብምጽናዕን ህያው ገይርካ ብምቕራብን: ንኣኼባታት ብምድላውን ኬድካ ብምስታፍን: ነቲ ክቡር መሰል ዝዀነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እንተድኣ ገይርካ ብርግጽ ‘ከምቶም እምነት ዘለዎም ሰባት’ ከም እትኸውን ፍለጥ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ክቡር ዓስቢ ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ። “ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ኢዮም ዝቝጸሩ።b እምነትካ ብቐጻሊ እትዓቢ ይግበራ: የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዘለኣለም ከም እትነብር ይግበርካ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ጳውሎስ ነቲ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠4 “ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ” ዝብል ሓረግ ዝርከቦ ናይ ሰፕቱጀንት ትርጕም ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። እዚ ሓረግ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሕጂ ዘሎ ናይ እብራይስጢ ጥንታዊ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ኣይርከብን ኢዩ። ገለ ምሁራት እቲ ናይ ሰፕቱጀንት ትርጕም ኣብቲ ሕጂ ክርከብ ዘይክእል ናይ መጀመርታ ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ተመርኲሱ እተዳለወ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ጳውሎስ በቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ኣብዚ ጠቒስዎ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ መለኮታዊ ምንጪ ኣለዎ።

b ናይ 2000 ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ምስቶም . . . ዚአምኑ እምበር: ምስቶም . . . ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” እትብል ክትከውን ኢያ።​—⁠እብራውያን 10:39

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ጳውሎስ ኣብቶም እብራውያን ክርስትያናት ዝነበሮ እምንቶ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ: ንሕናኸ ካብዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

◻ ጳውሎስ ካብቲ ነብዪ ኣንባቆም እተዛ​ረቦ ምጥቃሱ ኣዝዩ ብቑዕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ጳውሎስ ንኸመይ ዝበለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ናይ እምነት ኣብነታት ኢዩ ህያው ገይሩ ዘቕረቦ፧

◻ ጳውሎስ ከመይ ዝበለ እምነት ንምህናጽ ክሕግዝ ዝኽእል ተግባራዊ መገድታት ክንፍጽም ኢዩ እተማሕጸነ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ዘሰቅቕ ተመክሮ ምስ ኣሕለፈ: ብትብዓት ስብከቱ ቀጺሉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]

እተፈላለየ ኣገባብ ስብከት ክትፍትን ትብዓት ምረኸብካዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ