ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ኣይንመለስ!
“ንሕና ግና . . . ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።”—እብራውያን 10:39
1. ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብፍርሂ ከም ዝወሓጥ ዝገበሮ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ፧
እቲ ዘፍቅርዎ ጐይትኦም: የሱስ: ኵሎም ፋሕ ክብሉን ክጥንጥንዎን ምዃኖም ምስ ነገሮም እቶም ሃዋርያት ሰንቢዶም ክዀኑ ኣለዎም። ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮ ሰዓት ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክፍጸምሲ እንታይ ይብሃል፧ ጴጥሮስ ትርር ኢሉ “ኵሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ: ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ” በለ። ከም ሓቁ ክርአ ኸሎ ጴጥሮስ ደፋርን ተባዕን ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ምስ ተኻሕደን ምስ ተኣስረን ግን ሃዋርያት—እንተላይ ጴጥሮስ—ፋሕ በሉ። ድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ የሱስ ኣብ ቤት ሊቀ-ኻህናት ቀያፋ ክምርመር ከሎ: ጴጥሮስ ብጭንቀት ዝኣክል ኣብቲ ኣጸድ ተደናጐየ። ጴጥሮስ ኣብቲ ዛሕሊ ዝነበሮ ለይቲ ድሕሪ ምጽንሑ: የሱስን ምስኡ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሰብን ተቐቲሎም ከይኰኑ ፈርሀ። ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንጴጥሮስ ናይ ቀረባ ብጻይ የሱስ ከም ዝዀነ ምስ ኣለለይዎ ራዕዲ ሓዞ። ብዛዕባ እቲ ምስ የሱስ ዝነበሮ ርክብ ሰለስተ ግዜ ኣሉ በለ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣይፈልጦን ኢየ ኢሉ እውን ክሒዱ ኢዩ!—ማርቆስ 14:27-31, 66-72
2. (ሀ) እቲ ጴጥሮስ ኣብታ የሱስ እተኣስረላ ለይቲ ዘርኣዮ ፍርሂ “ምስቶም ንጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ” ዘየቝጽሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ኢና ክንገብር ዘሎና፧
2 እዛ ህሞት እዚኣ ኣብ ህይወት ጴጥሮስ ዓቢ ምንቍልቋል እተራእየላን ንምሉእ ህይወቱ ከም ዝጕሂ ዝገበረቶን ህሞት ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር: እቲ ጴጥሮስ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዘርኣዮ ፍርሂ ጃጅዩ ከም ዝተርፍዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ገለ ግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ግና . . . ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ብምባል ገሊጽዎም ዘሎ ሰባት ከም ዝኸውንዶ ገይርዎ ኢዩ፧ (እብራውያን 10:39) ቃላት ጳውሎስ ንጴጥሮስ ዘየመልክት ምዃኑ መብዛሕትና ከም እንሰማምዓሉ ፍሉጥ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ፍርሂ ጴጥሮስ ግዝያዊ: እወ: ኣብቲ ሓለፍ ዝበለ ትብዓትን እምነትን ዝነበሮ ጕዕዞ ህይወቱ ዘጋጠሞ ቍሩብ ምንድልሃጽ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ መብዛሕትና ኣብ ህይወት ዘጓነፈና ዘሕፍር ኣጋጣሚታት ማለት ሃንደበት ፈሪህና ከምቲ እንደልዮ ገይርና ብትብዓት ንሓቂ ካብ ምጥባቕ ዝሕጥ ዝበልናሉ ኣጋጣሚታት ንዝክር ኢና። (ምስ ሮሜ 7:21-23 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝያዊ ምንድልሃጽ ከምቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይገብረናን ኢዩ። ገና ግን: ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ከይንምለስ ቈራጻት ክንከውን የድልየና። ስለምንታይ፧ ካብኡ ንኽንሕሎኸ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ምምላስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ
3. ነብዪ ኤልያስን ዮናስን ብፍርሂ ተዋሒጦም ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
3 ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ” ሰባት ክጽሕፍ ከሎ: ነቶም ንግዚኡ ትብዓት ብዘይምርኣዮም ዘንደልሃጹ ሰባት ማለቱ ኣይነበረን። ጳውሎስ ነቲ ናይ ጴጥሮስ ተመክሮን ካልእ ተመሳሳሊ ጕዳያትን ይፈልጥ ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ። እቲ ተባዕን ደፋርን ነብዪ ዝነበረ ኤልያስ: እታ እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ክትቀትሎ ምስ ደለየት: ብፍርሂ ተዋሒጡ ህይወቱ ከድሕን ሃዲሙ ኢዩ። (1 ነገስት 19:1-4) ነብዪ ዮናስ እውን ከቢድ ፍርሂ ኣሕዲሩ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ናብታ ብዓመጽ ዕልልቲ ዝነበረት እክይቲ ከተማ ነነዌ ንኽኸይድ መዝነት ሃቦ። ዮናስ ቀልጢፉ ኣብ ሓንቲ ናብ ተርሲስ ማለት ብኣንጻር ናይቲ እተላእኮ ቦታ 3,500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ! (ዮናስ 1:1-3) ይኹን ድኣ እምበር እዞም ክልተ ነብያት እዚኣቶም ኰነ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስቶም ናብ ድሕሪት ዝምለሱ ሰባት ክስርዑ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለምንታይ፧
4, 5. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ እብራውያን 10:39 “ጥፍኣት” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንኽንውስን እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ይሕግዘና፧ (ለ) ጳውሎስ “ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧
4 ነቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሉእ ሓረግ ነስተብህለሉ:- “ንሕና ግና . . . ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ጥፍኣት” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ እታ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ሓድሓደ ግዜ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ተመልክት ኢያ። እዚ ትርጕም እዚ ምስቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኢዩ። ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ ከምዚ ብምባል ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ:- “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና: ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና: ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር: ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።”—እብራውያን 10:26, 27
5 ስለዚ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ክብሎም ከሎ: ንሱ ይኹን እቶም መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም እሙናት ክርስትያን ካብ የሆዋ ከይርሕቁን ንዕኡ ምግልጋል ከየቋርጹን ውሳነ ከም ዝገበሩ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ምቍራጽ ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ ክመርሕ ዝኽእል። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሓደ ካብቶም ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ንድሕሪት እተመልሱ ሰባት ኢዩ። ንሱ ከምቶም ደይመደይ ኢሎም ኣንጻር መንፈስ የሆዋ ዝኸዱ ጸላእቲ ሓቂ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:12፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ምስቶም ኣብቲ ምሳልያዊ ቀላይ ሓዊ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዝረኽቡ ‘ፈራሃት’ ኢዮም ዝጽብጸቡ። (ራእይ 21:8) ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ክንቍጸር ፈጺምና ኣይንደልን ኢና!
6. ሰይጣን ድያብሎስ እንታይ ስጕምቲ ክንወስድ ኢዩ ዝደልየና፧
6 ሰይጣን ድያብሎስ ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ክንምለስ ኢዩ ዝደልየና። “ጕርሒ ዘለዎ ተግባራት” ንምእላም ክኢላ ብምዃኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዕናዊ ተግባር ብንኣሽቱ መገድታት ከም ዝጅምር ይፈልጥ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:11 NW እግረ-ጽሑፍ) እቲ ናይ ገጽ ንገጽ መስጐጕቲ ዕላምኡ ከይወቕዐ እንተድኣ ተሪፉ: ረቂቕ ብዝዀነ መገዲ ተጠቒሙ ንእምነት ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከድክም ኢዩ ዝደሊ። እቶም ተባዓትን ቀናኣትን ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ ኣፎም ዓቢሶም ክርእዮም ኢዩ ዝደሊ። ኣንጻር እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም እብራውያን ክርስትያናት እንታይ ሜላታት ከም እተጠቕመ ንርአ።
ክርስትያናት ንድሕሪት ንኽምለሱ ብኸመይ ጸቕጢ ከም እተገብረሎም
7. (ሀ) ታሪኽ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ሰባት ገሊኦም ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ኵነታት ኢዩ ዝነበሮም፧
7 እቲ መርትዖ ከም ዝሕብሮ ጳውሎስ መልእኽቱ ንእብራውያን ዝጸሓፈሎም ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ናይ ዕግርግር ታሪኽ ኢዩ ነይርዋ። ድሕሪ ሞት የሱስ ብርቱዕ መስጐጕቲ ብምንባሩ ብዙሓት ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ፋሕ ክብሉ ተገዲዶም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ናይ ሰላም እዋናት ነቶም ክርስትያናት ከም ዝበዝሑ ገይርዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:4፣ 9:31) ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ኸኣ ካልእ መስጐጕትን ጸገማትን ሓሓሊፉ ተራእዩ ኢዩ። ጳውሎስ ንእብራውያን መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ከሎ: እታ ጉባኤ እንደገና ተዛማዲ ሰላም ተስተማቕር ዝነበረት ኢዩ ዝመስል። ገና ግን ጸቕጥታት ነይሩ ኢዩ። ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እተነበየሉ እዋን 30 ዓመታት ሓሊፉ ነይሩ ኢዩ። ገሊኣቶም መወዳእታ ኣዝዩ ከም ዝደንጐየ: ኣብ ግዚኦም ከኣ ከም ዘይመጽእ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልኦት: ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ እምነት ሓደስቲ ዝነበሩ ሰባት ብኸቢድ መስጐጕቲ ስለ ዘይሓለፉ ኣብ እዋን ፈተና ምጽማም ከም ዘድሊ ዳርጋ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም! (እብራውያን 12:4) ሰይጣን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብርግጽ ክጥቀመሉ ኢዩ ዝደሊ። ከመይ ዝበለ “ጕርሒ ዘለዎ ተግባራት”ከ ኢዩ እተጠቐመ፧
8. ብዙሓት ኣይሁድ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዝነበሮም፧
8 እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ነታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንዕቀት ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም። ካብቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ክንርድኦ ከም እንኽእል: ብዛዕባቲ ኣብ ክርስትያናት ዝወርድ ዝነበረ ጸርፊ ናይቶም ዕቡያት ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ገለ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም:- ‘ኣብ የሩሳሌም ዘበናት ዝገበረ ዓቢ ቤት መቕደስ ኣሎና! ኣብኡ ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ካህናት ኰይኑ ዘገልግል ዓቢ ሊቀ-ኻህናት ኣሎና። መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ይቐርብ ኢዩ። ብመላእኽቲ ኣቢሉ ንሙሴ እተዋህቦ: ኣብ ከረን ሲና ኸኣ ብትእምርትታት ዝቘመ ሕጊ ኣሎና። እዞም ካብ ኣይሁድነት ዝዓለዉ: ሃንደበት ዝቘሙ ኣንቆራ ክርስትያናት: ካብዚ ነገራት እዚ ሓንቲ እኳ የብሎምን!’ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንዕቀት ሸቶኡ ወቒዑ ድዩ፧ ገሊኦም እብራውያን ክርስትያናት በቲ መጥቃዕቲ ተናዊጾም ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ዝረኸብዎ ሓገዝ ኣብ ግዜኡ ኢዩ በጺሕዎም።
ፈጺሞም ናብ ጥፍኣት ክምለስሉ ዘይነበሮም ምኽንያት
9. (ሀ) ኣብታ ናብ እብራውያን እተጻሕፈት መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ዝጐልሐ ፍረ-ሓሳባት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ንላዕሊ ኣብ ዝሓሸት ቤት መቕደስ ዘገልግሉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧
9 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ንኸይምለሱ ዝሃቦም ክልተ ምኽንያታት እስከ ንመርምር። እቲ ናይ መጀመርታ ምኽንያት: ጸብለልትነት ናይቲ ኣገባብ ኣምልኾ ክርስትና ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ምልእቲ እታ ናብ እብራውያን እተጻሕፈት መልእኽቲ ጐሊሑ ይርከብ። ኣብታ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ነዚ ፍረ-ሓሳባት እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ናይ ሓንቲ ዝዓበየት ቤት መቕደስ—“ብኢድ ዘይተገብረ” ህንጻ: ማለት መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ—ምስሊ ጥራይ ኢያ ነይራ። (እብራውያን 9:11) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምቛም ዝግበር መንፈሳዊ ምድላው ናይ ምግልጋል መሰል ነይርዎም ኢዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ መብጽዓ እተገብረሉ: እቲ ካብ ሙሴ ዝዓቢ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ከም ማእከላይ ዝዀነሉ ዝሓሸ ኪዳን ኣገልጊሎም ኢዮም።—ኤርምያስ 31:31-34
10, 11. (ሀ) ወለዶ የሱስ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ከም ሊቀ-ኻህናት ኰይኑ ካብ ምግልጋል ዘይክልክሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ካብቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘገልግል ዝነበረ ሊቀ-ኻህናት ንላዕሊ ጸብለል ዝብል ብኸመይ ኢዩ፧
10 እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ዝበለጸ ሊቀ-ኻህናት ኣለዎም: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ካብ ወለዶ ኣሮን ኣይኰነን መጺኡ። ኣብ ክንድኡስ ሊቀ-ኻህናት ዝዀነ “ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ” ኢዩ። (መዝሙር 110:4) እቲ ወለዶኡ ዘይተመዝገበ መልከጼዴቅ ንጉስን ሊቀ-ኻህናትን ናይታ ጥንታዊት ሳሌም ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ የሱስ ክውዕል ዝኽእል ብቑዕ ትንቢታዊ ጽላሎት ኰነ። ከመይሲ ክህነት የሱስ ኣብ ሓደ ዝዓበየ ነገር ማለት ኣብ ማሕላ የሆዋ ኣምላኽ ድኣ እምበር ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ሰብኣዊ ወለዶ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ልክዕ ከም መልከጼዴቅ የሱስ እውን ሊቀ-ኻህናት ጥራይ ዘይኰነስ ንጉስ ኰይኑ እውን ኢዩ ዘገልግል: ኣይመውትን ከኣ ኢዩ።—እብራውያን 7:11-21
11 ብተወሳኺ የሱስ ከምቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ሊቀ-ኻህናት በብዓመቱ መስዋእትታት ከቕርብ ኣየድልዮን ኢዩ። መስዋእቱ እታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝወፈያ ፍጽምቲ ህይወቱ ኢያ። (እብራውያን 7:27) ኵሉ እቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ናይቲ የሱስ ዘቕረቦ መስዋእቲ ጽላሎት ወይ ምስሊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍጹም መስዋእቱ ንዅሎም እቶም እምነት ዘርኣዩ ሰባት ናይ ሓቂ ሕድገት ሓጢኣት ክረኽቡ መገዲ ከፊቱሎም ኢዩ። ካልእ ልቢ ዝትንክፍ ከኣ እቲ ጳውሎስ እዚ ሊቀ-ኻህናት እዚ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ዝፈልጥዎ ዘይልወጥ የሱስ ምዃኑ ንምግላጽ ዝሃቦ ሓሳባት ኢዩ። የሱስ ትሑት: ሕያዋይ: “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 4:15፣ 13:8) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እቲኣቶም ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ካህናት ኰይኖም ናይ ምግልጋል ተስፋ ነይርዎም ኢዩ! ከመይ ገይሮምከ ናብቲ “ሕማቕን ድኻን” ነገራት ናይቲ ብልሽው ኣይሁድነት ክምለሱ ይኽእሉ፧—ገላትያ 4:9
12, 13. (ሀ) ንድሕሪት ምምላስ ከም ዘየድሊ ዝገልጽ እንታይ ካልኣይ ምኽንያት ኢዩ ጳውሎስ ዝሃበ፧ (ለ) እቲ ተጸሚሞም ዘሕለፍዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮ ንእብራውያን ክርስትያናት ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ንኸይምለሱ ከተባብዖም ዝኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 እዚ መርትዖ እዚ እኹል እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ንጥፍኣት ንድሕሪት ክምለስሉ ዘይብሎም ካልኣይ ምኽንያት ሂብዎም ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ተጸሚሞም ዘሕለፍዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮ ኢዩ። “ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም: ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” ኢሉ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ብጸርፍን ብጸበባን ‘መላገጺ ከም ዝዀኑ’ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። ገሊኣቶም ማእሰርቲ ኣሕሊፎም፣ ካልኦት ከኣ ምስቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት መከራ ጸጊቦም: ይድግፍዎም ድማ ነይሮም ኢዮም። እወ: ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እምነትን ዘይምሕላልን ኣንጸባሪቖም ኢዮም። (እብራውያን 10:32-34) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር ተመክሮ ‘ክዝክርዎ’ ዝነገሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ምዝካሩ ተስፋ ዘቝርጽዶ ኣይኰነን፧
13 ‘ነተን ቀዳሞት መዓልትታት ምዝካር’ የሆዋ ብኸመይ ኣብ ግዜ ፈተና ንኽጸንዑ ከም ዝሓገዞም ዘዘኻኽሮም ኢዩ ነይሩ። ብናቱ ሓገዝ ድሮ ብዙሕ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት ክጻወሩ ክኢሎም ኢዮም። ጳውሎስ “ኣምላኽ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 6:10) እወ: የሆዋ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ናይ ምዝካር ክእለቱ ብምዕቛር ንዅሉ እቲ እሙን ግብሮም ኣይረሰዖን። መዝገብና ኣብ ሰማይ ክንገብር የሱስ ንዝሃቦ ማዕዳ ክንዝክር ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኢዩ። ነዚ መዝገብ እዚ ክሰርቆ ዝኽእል ሰራቒ የለን፣ ብልዒ ወይ ነቐዝ ከብርሶ ኣይክእልን ኢዩ። (ማቴዎስ 6:19-21) እዚ መዝገብ እዚ ክጠፍእ ዝኽእል ሓደ ክርስትያን ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ምስ ዝምለስ ጥራይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝኸዘኖ ዝዀነ ይኹን መዝገቡ ምዝራው ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ከይወስዱ ንእብራውያን ክርስትያናት ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል ምኽንያት ኰን ኢዩ ዝሃቦም! ንዅሉ እቲ እሙናት ኰይኖም ዘገልገልሉ ዓመታት ስለምንታይ ንኸንቱ ዘጥፍእዎ፧ ክጽመሙ ቅኑዕን ዝሓሸን ኢዩ ነይሩ።
ስለምንታይ ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ክንምለስ ከም ዘይብልና
14. ከመይ ዝበለ ምስቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝመሳሰል ብድሆ ኢዩ ዘጋጠመና ዘሎ፧
14 ሎሚውን ሓቀኛታት ክርስትያናት ንድሕሪት ዘይምለስሉ ከምኡ ዝኣመሰለ ምኽንያት ኣለዎም። ብመጀመርታ: ኣብዚ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበና ጽሩይ ኣገባብ ኣምልኾ ረኺብናዮ ዘሎና በረኸት ንዘክር። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብዚ ግዜና እውን ኣባላት ናይተን ህቡባት ሃይማኖታት ይሕጭጩልናን የላግጹልናን ኢዮም። ንሳቶም ዝምስጥ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ህንጻታትን ጥንታዊ ልምድታትን ኣሎና ኢሎም ብትዕቢት ይጀሃሩ ኢዮም። የሆዋ ግን ነቲ እንስዕቦ ዘሎና ኣገባብ ኣምልኾ ከም ዝሰምሮ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። አረ ንሕናስ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘይረኸብዎ በረኸታት ኢና እነስተማቕር ዘሎና። ‘እዝስ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧’ ብምባል ትግረም ትኸውን። ቅድም ቀዳድም እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ክትዓዪ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ክርስቶስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተጠምቀ ናይታ ቤት መቕደስ ሊቀ-ኻህናት ኰነ። ገለ ካብኣቶም ነቲ ተኣምራት ዝገብር ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ ብኣዒንቶም ክርእይዎ ክኢሎም ኢዮም። ብድሕሪ ሞቱ እውን እንተዀነ ብዙሕ ተኣምራት ተገይሩ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ግን እዚ ተኣምራት እዚ ኣብ መወዳእትኡ ኣቋሪጹ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 13:8
15. ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣየናይ ትንቢት ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ: እዚኸ ንዓና ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
15 ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 40-48 ተገሊጹ ዘሎ ትርጕም ዘለዎ ሰፊሕ ትንቢታት ቤት መቕደስ ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና።a በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንኽምለስ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው ክንርእዮ ክኢልና ኢና። እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ እቲኣ ካብ ኵሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ ብከላን ኣምልኾ ጣኦትን ክትጸሪ ክኢላ ኢያ። (ህዝቅኤል 43:9፣ ሚልክያስ 3:1-5) በዚ ምጽራይ እዚ ዝረኸብናዮ ረብሓታት እሞ ንሕሰቦ።
16. እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኢዩ ዘጋጠሞም፧
16 እታ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት እተማሓደረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ ዝጽበያ ነይሩ። የሱስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ስርናይ እተዘርኣላ ሓዳስ ግራት ብሕቡእ ክርዳድ ምስ ተዘርአ ኣብ መወዳእታ ነቲ ስርናይ ካብቲ ክርዳድ ክትፈላልየሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ዝበጽሕ እቲ ኵነታት እውን ከምኡ ከም ዝኸውን ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:24-30) ከምኡ ድማ ዀነ። ኣብ ምውዳእ ናይቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: እቲ በይኑ ዝተረፈ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ዮሃንስ ብልሽውና ከይኣቱ ኣብ ዝከላኸለሉ ዝነበረ እዋን: ክሕደት ድሮ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። (2 ተሰሎንቄ 2:6፣ 1 ዮሃንስ 2:18) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ነቲ መጓሰ ዝጭቍን ፍሉይ ልብሲ ዝኽደን እተነጸለ ጕጅለ ካህናት ተላዕለ። ክሕደት ልክዕ ከም መንሽሮ እናለሓመ ኸደ። እዝስ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ኣየ ክንደይ ተስፋ ዘቝርጽ ኰን ኢዩ ነይሩ! እቲ ሓድሽ እተመስረተ ስርዓት ንጹህ ኣምልኾ ብሓደ ብልሽው ኣገባብ ክዕብለል ከሎ ርእዮምዎ ኢዮም። እዚ ዝዀነሉ ኸኣ የሱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ዝምስርታ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ኢዩ።
17. እዛ ዘመናዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክትነጻጸር ከላ ነዊሕ ዕድመ ዝህልዋ ብኸመይ ኢዩ፧
17 ሕጂ ኸኣ ምስኡ ዝነጻጸር ኵነታት ርአ። ሎሚ ንጹህ ኣምልኾ ኻብቲ ኵሎም ሃዋርያት ክሳዕ ዝሞቱ ዝጸንሓሉ ግዜ ዝነውሕ ዕድመ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ክትሕተመሉ ዝጀመረት 1879 ንነጀው: የሆዋ በቲ እናወሰኸ ዝነጽህ ኣምልኾ ብዘይምቍራጽ ይባርኸና ኣሎ። የሆዋን ክርስቶስ የሱስን ከንጽህዋ ኢሎም ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ብ1918 ኣትዮም ኢዮም። (ሚልክያስ 3:1-5) ካብ 1919 ንነጀው ንየሆዋ ኣምላኽ ንምምላኽ እተገብረ ምድላው እናወሰኸ ክዅላዕ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን መሰረታዊ ስርዓታቱን ዘሎና ምርዳእ እውን እናወሰኸ ክንጽር ጸኒሑ ኢዩ። (ምሳሌ 4:18) እዚ ዅሉ ሳላ መን ኢዩ ተረኺቡ፧ ሳላ ዘይፍጹማት ሰባት ኣይኰነን። ምስቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ወዱ ብምዃን የሆዋ ጥራይ ኢዩ ኣብ እዋን እዚ ብልሽው ግዜያት እዚ ንህዝቡ ካብ ብልሽውና ከዕቍቦም ዝኽእል። ሎሚ የሆዋ ኣብዚ ንጹህ ኣምልኾ እዚ ክንካፈል ስለ ዘፍቀደልና ምስጋናና ካብ ምግላጽ ፈጺምና ኣይንስነፍ። ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ንኸይንምለስ ከኣ ቈራጽነት ንግበር!
18. ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዘይንምለሰሉ ከመይ ዝበለ ምኽንያት ኢዩ ዘሎና፧
18 ከምቶም እብራውያን ክርስትያናት: ንሕናውን ብፍርሂ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስጕምቲ ክንወስደሉ ዘይብልና ካልኣይ ምኽንያት ኣሎና። ንሱ ኸኣ ብምጽማም ዘሕለፍናዮ ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮ ኢዩ። ንየሆዋ ከነገልግሎ ዝጀመርና ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ይኹን ወይ ካብ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዝና ብዘየገድስ: ጸብጻብ ናይቲ ዝፈጸምናዮ ክርስትያናዊ ተግባራት ኣሎና። መብዛሕትና: እንተ ብማእሰርቲ: እገዳ: ጭከና: ወይ ብምግባት ንብረት መስጐጕቲ ኣሕሊፍና ኢና። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ናይ ስድራቤት ምጽራር: ንዕቀት: ላግጺ: ከምኡውን ናይ ሰባት ሸለልትነት ዘጋጥሞም ኣለዉ። ኵላትና ኣብ ህይወትና ብድሆታትን ፈተናታትን እኳ እንተ ኣጋጠመና ነቲ ንየሆዋ ዘሎና እሙን ኣገልግሎት ብምቕጻል ተጸሚምና ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሆዋ ዘይርስዖ ናይ ዘይምሕላል ጸብጻብ ማለት ኣብ ሰማያት መዝገብ ገይርና ኣሎና ማለት ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር ናብቲ ዝሓደግናዮ ብልሽው ኣረጊት ኣገባብ እንምለሰሉ ግዜ ኣይኰነን! ንዅሉ እቲ ዝጸዓርናሉ ዕዮ ስለምንታይ ብኸንቱ እነጥፍኦ፧ ብፍላይ እኳ ኣብዚ መወዳእታ ክመጽእ “ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን” ተሪፍሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ምግባር ዘይግባእ ኢዩ።—እብራውያን 10:37
19. ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
19 እወ: ‘ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ ከይንኸውን’ ቈራጽነት ንግበር! ኣብ ክንድኡ ከምቶም “ዚኣምኑ” ንኹን። (እብራውያን 10:39) ነዚ መግለጺ እዚ ከም እንበቕዖ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል: ንክርስትያናት ብጾትናኸ ከምኡ ክገብሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ከተብርሆ ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1 መጋቢት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-23 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ምምላስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም እብራውያን ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ጸቕጢ ኢዩ ዝወርዶም ነይሩ፧
◻ እንታይ ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ክምለስሉ ዘይብሎም ምኽንያት ኢዩ ጳውሎስ ንእብራውያን ዝጸሓፈሎም፧
◻ ናብ ጥፍኣት ፈጺምና ንኸይንምለስ ቈራጽነት ክንገብረሉ ዘድለየሉ እንታይ ምኽንያታት ኢዩ ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ጴጥሮስ ብፍርሂ ምውሓጡ “ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ” ኣየቝጸሮን