እቲ ጽቡቕ ባህርያትካ ድኽመትካ ክኸውን ኣይተፍቅደሉ
እታ ምቾት ዝነበራ ታይታኒክ እትበሃል መርከብ ኣብ ውሽጣ ማይ ዘየእቱ 16 ክፍልታት ብምንባሩ ከም ዘይትጥሕል ገይርካ ትሕሰብ ነይራ። ብ1912 ኣብ ፈለማ ጕዕዞኣ: ካብቲ ዘድሊ ፍርቂ ኣቢለን ዝዀና ኣብ ግዜ ሓደጋ ዘድልያ ጀላቡ ጽዒና ነበረት። እታ መርከብ ምስ ገዚፍ በረድ ተጋጨወት እሞ ልዕሊ 1,500 ህይወት ለኪማ ጠሓለት።
እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ንጉስ ናይ ጥንቲ የሩሳሌም ዑዝያ በሊሕ ወተሃደራዊ መራሒ ነበረ። ብሓገዝ የሆዋ ንጸላእቱ በብሓደ ሰዓሮም። “ክሳዕ ዚብርትዕ ብዜደንቕ ተረዲኡ ነበረ እሞ: ስሙ ኽሳዕ ርሑቕ ወጸ።” ደሓር ግን: ‘ልቡ ተዐበየ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ በደሎ።’ ዑዝያ ስለ እተዓበየ ብለምጺ ተወቕዐ።—2 ዜና መዋእል 26:15-21፣ ምሳሌ 16:18
እዚ ክልተ ጸብጻባት እዚ: እቲ ዘሎና ጽቡቕ ባህርያት ብጥበብ: ዓቕምኻ ብምፍላጥ: ከምኡውን ብትሕትና እንተ ዘይተሰንዩ ብቐሊሉ ድኽመት ወይ ጸገም ከም ዝኸውን ይምህረና። ነፍሲ ወከፍና ገለ ጽቡቕ ባህርያት ወይ ተውህቦ ስለ ዘሎና: እዚ ባህርያትና ኸኣ ንዓናን ንኻልኦትን: ብፍላይ ድማ ንፈጣሪና ዝጠቅምን ዘሐጕስን ክኸውን ስለ እንደሊ: ነዚ ኣርዚንና ክንሓስበሉ ኣሎና። እወ: ዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና: እንተዀነ ግን ዋጋ ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን ብስርዓት ክንጥቀመሉ ኣሎና።
ንኣብነት: ሓደ ስርሑ ዝፈቱ ሰብ ብስራሕ ዝመጸ ሚዛኑ ዘይሕሉ ምስ ዝኸውን እቲ ተውህቦኡ ናብ ድኽመት ይቕየር። ሓደ ጥንቁቕ ሰብ ብቐሊሉ ኣይዕሾን ወይ ኣይታለልን ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣመና ካብ ምጥንቃቕ ውሳነ እውን ዘይገብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ስራሕካ ኣስላጢ ምዃን ጽቡቕ ባህርይ እኳ እንተዀነ ናይ ወድሰብ ድኽመት ኣብ ግምት ዘየእቱ ምስ ዝኸውን ግን ስምዒት ዘይብሉን ባህ ዘየብልን ሃዋሁ ይፈጥር: እዚ እውን ብግዲኡ ሓጐስ የጥፍእ። ስለዚ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያትካ እስከ ሕስብ ኣብል። ብግቡእ ሒዝካዮዶ ኣሎኻ፧ ንኻልኦት በረኸት ድዩ ዝዀኖም፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ: ነቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ‘ጽቡቕ ውህበት’ ዝዀነ የሆዋ ንምኽባር ዲኻ እትጥቀመሉ፧ (ያእቆብ 1:17) ነዚ ንምግባር: ቍጽጽር ምስ ዘይግበረሉ ድኽመት ወይ ጸገም ክኸውን ዝኽእል ገለ ካልእ ኣብነት ናይ ጽቡቕ ባህርያት እስከ ንመርምር።
ንኣእምሮኣዊ ክእለትካ ብጥበብ ተጠቐመሉ
ጽቡቕ ኣእምሮ ክቡር ሃብቲ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብፍላይ ካልኦት ካብ መጠን ንላዕሊ ክንእዱና ወይ ሻሕራ ከብዝሑልና ከለዉ ናብ ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ዝመርሓና ወይ ከም እንንፋሕ ዝገብረና እንተድኣ ዀይኑ እዚ ድኽመት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ናይ ምርቓቕ ጠባይ ነማዕብል ንኸውን።
ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ብእተፈላለየ መገዲ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክፍሊ ይወሃቦ። እቲ ክፍሊ ህዝባዊ ዝርርብ ወይ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ይዳሎ: አረ የሆዋ ክባርኾ እውን ኣይጽልን ይኸውን። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ዘለዎ ፍልጠትን በቲ ከይተዳለወ ንኸቕርብ ዘለዎ ክእለትን ይውከል። እቲ ናይ ተፈጥሮ ክእለቱ ነቲ ሸለልትነቱ ንግዜኡ ይሽፍኖ ይኸውን: ይኹን እምበር የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይባረኾ መንፈሳዊ ዕቤቱ ይዝሕል ምናልባት እውን ይቋረጽ ኢዩ። ኣየ ከመይ ዘበለ ነቲ ጽቡቕ ተውህቦ ብላሽ ምጥፋእ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 3:5, 6፣ ያእቆብ 3:1
ሓደ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ክራቐቐሎም ይፍትን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ንኣተሓሳስባኡ ከም ፍሕኛ ‘ክነፍሖ’ እንተ ዘይኰይኑ ፍቕሪ ዘለዎ ክርስትያናዊ ርክብ ‘ከም ዝሃንጽ’ ኣይገብሮን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 8:1፣ ገላትያ 5:26) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: መንፈሳዊ ሰብ ኣእምሮኣዊ ክእለት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ኵሉ ሳዕ መንፈስ ኣምላኽ ንኽረክብ ይጽልን ኣብኡ ይውከልን ኢዩ። ብፍቕሪ: ብትሕትና: ብፍልጠት: ከምኡውን ብጥበብ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ዝያዳ ጠቓሚ እናዀነ ይኸይድ፣ እዚ እውን ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኢዩ ዝኸውን።—ቈሎሴ 1:9, 10
ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ክብ ዝበለ ኣረኣእያ እንተድኣ ኣማዕቢልና ክእለትና እውን ድኽመት ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ዓቕምና ዘይንፈልጥ ምዃንና ዘርኢ ኢዩ። ናይ 1974 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ናይ ምዝካር ክእለት ዝነበሮ ኣብ ናይ ጀርመን መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ ሓው ተዘንትወልና። “ኣብ መጀመርታ ነቲ እተማህሮ ናይ ምዝካርን ንኻልኦት ናይ ምክፋልን ክእለቱ ነቶም ኣሕዋት ምንጪ ምትብባዕ ኰይንዎም ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ‘ናይ ቡከንዋልድ ብሉጽ ሰብ’ ብምባል ሕሉፍ ክብሪ ተዋህቦ: ንሱ ዝሃቦ ሓሳባት ዋላ እውን ናይ ብሕቱ ኣረኣእያ ይኹን ብኻልእ ክትካእ ዘይክእል ገይርካ ይርአ ነበረ።” ድሕርዚ እቶም ምስኡ ዘይተሰማምዑ ዋላ እውን ብሰንኪ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ነበሩ ከም ጸላእቲ ገይርካ ተራእዩ!
እዚ ተውህቦ ዘለዎ ሰብ እዝን እቶም እምብዛ ዘድንቕዎ ዝነበሩ ሰባትን: ዋላ እውን ተውህቦ ዘለዎም ይኹኑ የሆዋ ‘ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ከም ዘየቕልበሎምን’ ረሲዖሞ ኢዮም። (እዮብ 37:24) ቃል ኣምላኽ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ይብለና። (ምሳሌ 11:2) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዝዩ በሊሕን ክብ ዝበለ ትምህርቲ ዘለዎን እኳ እንተ ነበረ ንሰብ ቈረንቶስ ግን ከምዚ በሎም:- “ኣሕዋተየ: ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ: . . . ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር: ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ: ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር: ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።”—1 ቈረንቶስ 2:1-5
እቲ ብሓቂ ጥበበኛ ዝዀነ ሰብ በቲ ዓለም ንምስትውዓል ዘለዋ ኣረኣእያ ዀነ እተውጽኦ ናይ ዓወት መዐቀኒታት ኣይዕሾን ኢዩ። ስለዚ: ክእለቱ ብሰባት ተቐባልነት ንምርካብ ወይ ናይ ዓለም ሃብቲ ንምእካብ ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ: ነቲ ህይወትን ክእለትን ዝሃቦ ዝከኣሎ ንኽውፊ ይጽዕር። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ነዚ ንምግባር: ልክዕ ከም “ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም” ኣብ ህይወቱ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የቐድም። ብናይ ተፈጥሮ ክእለቱ ዘይኰነስ ሳላ በረኸት የሆዋ ‘ዝገብሮ ዅሉ ይሰልጦ።’—መዝሙር 1:1-3፣ ማቴዎስ 6:33
ክርስትና ንጽቡቕ ባህርያትካ ከም ዘማዕብሎ ግበር
ብመሰረቱ ክርስትና ዓለማዊ ፍልስፍናታት ከማልኦ ዘይክእል ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ኣለዎ። ንኣብነት: ክርስትያናዊ ኣነባብራ ዝበለጹ ሰብኣይን ሰበይትን: ዝበለጹ ጐረባብቲ: ከምኡውን ዝበለጹ ሰራሕተኛታት ማለት ቅኑዓት: ሰብ ዘኽብሩ: ሰላማውያን: ትጉሃት የፍሪ። (ቈሎሴ 3:18-23) ብተወሳኺ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለት ንምምሕያሽ ዝወሃብ ክርስትያናዊ ስልጠና ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ናይ ምግባር ክእለት የማዕብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:13-15) ስለዚ: ብዙሕ ግዜ ወሃብቲ ስራሕ ንክርስትያናት ተወሳኺ ሓላፍነትን ናይ ስራሕ ዕቤትን ክህብዎም እንተ ደለዩ ኣየገርምን ኢዩ። እንተዀነ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርይ እውን ብጥንቃቐ እንተ ዘይተታሒዙ ድኽመት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ስራሕ ዕቤት ወይ ዘህርር ስራሕ ምርካብ: ብተደጋጋሚ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምትራፍ ወይ ምስ ስድራቤት ክሓልፍ ዝነበሮ ግዜ ብምስዋእ ነታ ኩባንያ ዳርጋ ከም እትውፈ ዝገብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ሓደ ክርስትያን ሽማግለን ኣቦ ስድራን ዝዀነ ዕዉት ነጋዳይ ሃብትን ዝናን ናይ ምጭባጥ ኣጋጣሚ ነበሮ። እንተዀነ ግን ነዚ ፈተነ እዚ ነጸጎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ምስ ስድራቤተይን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ዝያዳ ግዜ ከሕልፍ ደለኹ። ስለዚ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ዓለማዊ ስርሐይ ዘሕልፎ ግዜ ብጥንቃቐ ክቕንስ ከም ዘሎኒ ተሰማማዕና። ዘየድልየኒ እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ዝሰርሕ፧” እዚ ሽማግለ እዚ ብግቡእ ድሕሪ ምሕሳብ ኣብ ህይወቱ ምትዕርራይ ብምግባር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እናሰርሐ ሕጂውን ንስድራቤቱ ይኣሊ ኣሎ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ከም ናይቲ ከባቢ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ኮሚተ ከምኡውን ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምምሕዳር ዝኣመሰለ ካልኦት ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንኽካፈል ተዓደመ። ነቲ ተውህቦኡ ብጥበብ ብምምርሑ ንዕኡን ንስድራቤቱን ሓጐስ ከምኡውን ዕግበት ኣምጽአ።
ብዛዕባ መሰላት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው
ክርስትያን ሰብኡት ናብቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንምብጻሕ ክመጣጠሩ ይተባብዑ ኢዮም። “ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ [ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ] እንተ ደለየ: ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 3:1) ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ተገሊጹ ዘሎ: ሓላፍነት ንምቕባል ፍቓደኛ ኣብ ምዃን እውን ጽቡቕ ምምዝዛን ክህሉ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓጐሱ ክሳዕ ዘጥፍእ ኣዝዩ ብዙሕ መዝነት ክቕበል የብሉን። እወ: የሆዋ ካብ ስራሕ ድሕርሕር ናይ ምባል መንፈስ ስለ ዘይቕበሎ: ፍቓደኛ ምዃን ዝነኣድን ዝድለን ባህርይ ኢዩ፣ ይኹን እምበር ፍቓደኛ ናይ ምዃን ባህርይ ትሕትና እተሓወሶን ‘ብጥቁው ኣእምሮን’ ክኸውን ኣለዎ።—ቲቶስ 2:12 NW፣ ራእይ 3:15, 16
የሱስ ሕያውነት: ምስትውዓል: ከምኡውን ሓልዮት ስለ ዝነበሮ እቶም ትሑት ደረጃ ዝነበሮም ሰባት እውን ከይተረፉ ምስኡ ክዀኑ ኣይከብዶምን ኢዩ ነይሩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሰባት ምስቶም ደንገጽትን ሓለይትን ናይ ምዃን ባህርይ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ ይፈዅሶም ኢዩ። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎምን ተቐረብትን ሽማግለታት ብሓቂ “ውህበት ሰብኡት” ኢዮም። ንሳቶም “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ኢዮም።—ኤፌሶን 4:8 NW፣ ኢሳይያስ 32:2
ይኹን እምበር: ሽማግለታት ነቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዘሕልፍዎ ግዜን ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ: ምስትንታን: ጸሎት: ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሕልፍዎ ግዜን ሚዛኑ ከም ዝሕሉ ክገብሩ ኣለዎም። ምርዑዋት ሽማግለታት ምስ ስድራቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ እውን የድልዮም ኢዩ: ከመይሲ ብፍላይ ንኣባላት ስድራቤቶም ተቐረብቲ ክዀኑ ኣለዎም።
ክኢላታት ኣንስቲ ዓቢ በረኸት ኢየን
መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ኣንስቲ: ልክዕ ከም ክኢላታት ሽማግለታት ንማሕበር የሆዋ ክቡር ሃብቲ ኢየን። ብሓፈሽኡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ናይ ምግዳስ ክእለት ኣለወን፣ ነዚ ባህርይ እዚ ኸኣ የሆዋ ኣኽቢሩ ዝርእዮን ዘተባብዖን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:4) እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ክርስትያን ‘ኣብ ነገር ካልኦት ክጽንበር’ ወይ ሓማዪ ክኸውን ስለ ዘይደሊ እቲ ንኻልኦት ‘ዝሓይሽ’ ምግባር ደረት ኣለዎ።—1 ጴጥሮስ 4:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:13
ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ካልእ ተውህቦ ኣለወን። ንኣብነት: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ካብ ሰብኣያ ንላዕሊ በላሕ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ እትፈርህ ‘ደገኛ ሰበይቲ’ ከም ምዃና መጠን ንሰብኣያ ተኽብሮ: ነቲ ዘለዋ ተውህቦ ድማ ንዕኡ ንምድጋፍ ድኣ እምበር ምስኡ ንምውድዳር ኣይትጥቀመሉን ኢያ። ሓደ ጥበበኛን ትሑትን ሰብኣይ እውን ኣብ ክንዲ ብሰበይቱ ዝቐንእ ወይ ዝምረር: ነቲ ጽቡቕ ባህርያታ ክብ ኣቢሉ ይርእዮን ይሕጐሰሉን ኢዩ። ነቲ ዘለዋ ኽእለት ቤታ ንምህናጽን ከምቲ ንሳ “ንእግዚኣብሄር እትፈርህ” ደቃ ኸኣ ከምኡ ንኽዀኑ ምእንቲ ክትሕግዞምን ምሉእ ብምሉእ ንኽትጥቀመሉ የተባብዓ ኢዩ። (ምሳሌ 31:10, 28-30፣ ዘፍጥረት 2:18) ናብራ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዓቕሞም ዝፈልጡ: ትሑታት ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ብሓቂ ዘኽብር ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ።
ንተሪር ባህርይኻ ምቍጽጻር
ኣብ ጽድቅን ፍቓድ የሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ኣብ ምግባርን እተመስረተ ተሪር ባህርይ: ዓቕምኻ ብምፍላጥን ብትሕትናን እንተድኣ ተሰንዩ ክቡር ሃብቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንኻልኦት ንምዕብላል ወይ ንምፍርራህ ዝውዕል እንተድኣ ዀይኑ ድኽመት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከጋጥም ዝኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ከምኡውን ምስ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክዀኑ ከለዉ ፍዅስ ዝብሎም ክዀኑ ኣለዎም።—ማቴዎስ 20:25-27
ሽማግለታት ብግዲኦም ብሓንሳእ ክዀኑ ከለዉ ክፈዅሶም ኣለዎ። ብሓባር ክእከቡ ኸለዉ ንውሳነታቶም ጽልዋ ክገብር ዘለዎ እቲ ተሪር ባህርዮም ዘይኰነስ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝነኣሰ ይኹን ነቲ ስቕ በሃሊ እውን ሓዊስካ ንዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣካል ሽማግለ ክጸሉ ከም ዝኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። ስለዚ እቶም ተሪር ባህርይ ዘለዎም ሽማግለታት ዋላ እኳ ቅኑዓት ዘለዉ ይምሰሎም: ንናይ ካልኦት ክእለት ክቕበሉ ከም ዘለዎም ንርእሶም ብምምሃር ንባህርዮም ክቈጻጸርዎ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ ንኸምኦም ሽማግለ ከም ‘ዘኽብሩ’ የርእዩ። (ሮሜ 12:10) መክብብ 7:16 “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን: ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር: ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧” ብምባል ተጠንቅቐና።
እቲ ምንጪ ዅሉ ‘ጽቡቕ ውህበት’ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ ዘደንቕ ባህርያቱ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኢዩ ዝቈጻጸሮ። (ያእቆብ 1:17፣ ዘዳግም 32:4) መምህርና ድማ ኢዩ! ስለዚ: ተውህቦና ወይ ጽቡቕ ባህርያትና ንኸነማዕብል ከምኡውን ብጥበብ: ዓቕምኻ ብምፍላጥ: ከምኡውን ብፍቕሪ ንኽንቈጻጸሮ ካብ የሆዋ ንማሃር: ኣበርቲዕና ድማ ንዕየ። ድሕሪኡ ንኻልኦት ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢና እንኸውን!
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእልታት]
መንፈሳዊ ዕቤት ኣብቲ ብጸሎት እንገብሮ መጽናዕትን ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልትን እተመርኰሰ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ዓቕምኻ ምፍላጥ እተሓወሶ ሓልዮት በረኸት ኢዩ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of The Mariners’ Museum, Newport News, VA