ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/12 ገጽ 25
  • ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ዓድና ዀነት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/12 ገጽ 25

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ኣብ ናሚብያ እተራእየ ቲኦክራሲያዊ ዕቤት

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ናሚብያ ዝበጽሐ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1920ታት ኢዩ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኣወንታዊ ምላሽ ክህብሉ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ተመክሮታት: የሆዋ ከመይ ገይሩ ነተን ክቡራት ኣባጊዑ ናብ ደምበኡ ይእክበን ከም ዘሎ ዝገልጽ ኢዩ።​—⁠ሃጌ 2:⁠7

◻ ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናሚብያ ብማሕረስ ዝናበር ፖለስ ዝስሙ ሰብኣይ ንፈለማ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዊንድሆክ ክበጽሕ ምስ ከደ ኢዩ። ፖለስ ንሓቂ ከም ዝረኸባ ብኡንብኡ ኣመነ። ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ሒዙ ኸኣ ዓዱ ተመልሰ። ድሕርዚ ናብታ ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከባ ካብ ዓዱ ብዙሕ ዘይትርሕቕ ከተማ ሩንዱ ክጓዓዝ ከሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸበ እሞ ክበጽሕዎ ለመኖም።

ይኹን እምበር: እቲ መገዲ ኣዝዩ ነዊሕ ብምንባሩ እቶም መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ሰሙን እናኸዱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርሉ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ግን በዚ ተስፋ ኸይቈረጸ ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ነገራት ንኻልኦት ብቕንኢ ይሰብከሎም ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ጕጅለ ክቐውም ከኣለ። እታ ንእሽቶ ጕጅለ ኣብ ሩንዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣሰምብሊ ኸም ዝካየድ ብረድዮ ምስ ሰምዐት: ኣብቲ ኣኼባ ንምክፋል ዘኽእሎም ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ዝሽፍነሎም ገንዘብ ካብቲ ሒደት ኣታዊኦም ኣዋህለሉ።

ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከቡ ዘኽኣሎም ኣጋጣሚ ብምንባሩስ ኣየ ክንደይ ኢዩ ኣሐጒስዎም! ሽዑ ንሽዑ ድማ ነዛ ጕጅለ እዚኣ ብቑዓት ኣሕዋት ንኽበጽሑዋ ምድላዋት ተገብረ። ሎሚ ኣብታ ፖለስ ዝቕመጠላ ቍሸት ሽዱሽተ ኣስፋሕቲ ኣለዉ።

◻ ዮሃና ሓደ ሰብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕማቕ ክዛረብ ምስ ሰምዓቶ: ኣብ ስም ኣምላኽ ተገዳስነት ሓደራ። ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ነታ የሆዋ እትብል ስም ንፈለማ ግዜ ምስ ሰማዕክዋ ኣብ ኣእምሮይ ተቐርጸት: የሆዋ መን ምዃኑ ኸኣ ከተሓሳስበኒ ጀመረ። ምስ በዓል ቤተይ ኣብ ገማግም ናሚብያ ኣብ ዝርከብ ዎልቪስ ቤይ ዝበሃል ወሽመጥ እነብር ነበርኩ። ሓደ እዋን ንማእከል ከተማ ምስ ከድና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መገዲ ክዕድሉ ርኤኽዎም። ሓንቲ ቕዳሕ ወሰድኩ: ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝነበረኒ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረለይ ሓተትክዎም። መጓዓዝያኦም ብምብልሻዋ ክመጹ ኸም ዘይክእሉ ነገሩኒ እሞ በኸኹ። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ በዓል ቤተይ ሞተ እሞ: ናብ ከተማ ኬትማንሾፕ ክቕመጥ ከድኩ። ሓደ ፍሉይ ፓይነር (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ) ኣብታ ኸተማ ተመዲቡ ይዓዪ ነበረ: ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ እትበሃል መጽሓፍ ድማ ካብኡ ወሰድኩ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኢያ ሓቂ ኣብ ኣእምሮይ ዝቓጨለት።

“ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንኽሳተፍ ዕድመ ቐረበለይ: ፍርሒ ሰብ ግን ወሓጠኒ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከለኹ: የሆዋ ኣብ ክንዲ ንኽሰብኽ ዝሕግዘኒ እሙት ክሓድገኒ ጸልየ ኢየ። ኣብታ ንፈለማ ግዜ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት እተጸመድኩላ እዋን: ሰብ ምእንቲ ኸይርእየኒ ኣብ ሓደ መሽጐራጕር ተሓቢአ ኢየ። ቁሩብ ጸኒሐ ግን ንሓላፍ መገዲ መጽሔት ንኸርኢ ብድፍረት ተበግሶ ወሰድኩ: ካብኡ ንደሓር ከኣ ኢየ ክዛረብ ዝኸኣልኩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ተስፋ ንሓያለይ ሰባት ነገርክዎም።

“ሎሚ ድሕሪ 12 ዓመት እውን እንተዀነ: ብስጋዊ ነገራት ድኻ ክነሰይ ነቲ ናይ ፓይነር መሰል ከም ክቡር መዝገብ ሓብሒበ ኢየ ዝሕዞ: ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ዘምጽእ ንኻልኦት ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋር መሰለይ ከኣ ኣይክሓድጎን ኢየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ