ኣረኣእያኻ ከተስፍሕ ኣሎካዶ ኢዩ፧
ኣብ ምዕራብ ጃፓን ንእትርከብ ከተማ ኮቤ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠማ እሞ ውፉያት ወለንተኛታት ነቶም ግዳያት ክሕግዙ ናብቲ ቦታ ኸዱ። ይኹን እምበር: ገለ ካብቶም ክሕግዙ ዝኸዱ ጕጅለ ሓካይም ንሕክምና ዘድሊ ነገራት ክወሃቦም ምስ ሓተቱ: ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና ናይታ ከተማ ነቲ ሕቶኦም ነጸጎ። እዚ ሓላፊ እዚ ናይቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነን ዓቢ ሆስፒታል ዳይረክተር እውን ኢዩ ነይሩ። ነቶም ግዳያት ከኣ ናብ ሆስፒታላት ኮቤ ከይዶም ክሕከሙ ድኣ እምበር: እቶም ሓካይም ነቲ ክቡር ዝዋግኡ መራፍእን ኢንፉጅንን ኣብ ናይ ረዲኤት ማእከላት ኰይኖም ክጥቀሙሉ ኣይደለየን። ዋላ እኳ ኣብ መወዳእትኡ እንተ ተፈቕደሎም: ኣብ መጀመርታ ግን እቲ ሓላፊ ደረቕ ኣረኣእያ ብምንጽብራቑ ከምኡውን ድንጋጸ ስለ ዘየርኣየ ብዙሕ ወቐሳ ኣስዒብሉ ኢዩ።
ምናልባት ንዓኻውን ሓደ ተዓጻጻፍነት ዘየርኢ ነቓጽ በዓል ስልጣን ኣጋጢሙካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ንስኻ እውን ከምዚ ዓይነት ጠባይ ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። ስፍሕ ዝበለ ኣረኣእያ ምስ እተማዕብል ገለ ጥቕሚዶ ምረኸብካ፧
ነቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ተረድኣዮ
ሰባት ንዘጋጥሞም ጕዳያት ብሓደ ሸነኹ ጥራይ ክርእይዎ ልሙድ ኢዩ: በዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ፍልጠትን ምርዳእን ውሱን ይኸውን። ከምዚ ዝገብርሉ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ደረጃ ትምህርቶም: ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም ተመክሮ: ከምኡውን ኣተዓባብያኦም ጽልዋ ስለ ዝገብረሎም ኢዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ እንተ ጽዒሩ ጥበባዊ ውሳነታት ክገብር ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ትራፊክ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ብዝሒ ማካይን ግን ኣብ ዘለዎ መስቀላዊ ጐደናታት ንቕድሜኻ ጥራይ እናረኣኻ ምቍራጽ ጥበባዊ ድዩ፧ ብርግጽ ጥበባዊ ኣይኰነን! ብተመሳሳሊ ኸኣ ነቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትፈልጦ ንኣተሓሳስባኻ ምስፋሕ: ውሳነታት ኣብ እትገብረሉ እዋንን ሓላፍነት ብዘለዎ መገዲ ስጕምቲ ክትወስድ ከሎኻን ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። አረ ህይወት ዘድሕን እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
በዚ መዳይ እዚ ኵላትና ምምሕያሽ ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣተሓሳስባይ ብምስፋሕ ረብሓ ክረኽበሉ ዝኽእል ገለ መዳያት እንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ሕተት።
ብዛዕባ ካልኦት ዘሎካ ኣረኣእያ
ኣብ ካልኦት እንታይ ኢኻ እትዕዘብ፧ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘየለ ገይርካ ብምውሳድ ዝብልዎ ወይ ዝገብርዎ ኵሉ ምሉእ ብምሉእ ክፉእ ወይ ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ ገይርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ሓደ ሰብ ንዝህቦ ሓሳብ ከም ናእዳ ገይርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ከም ጸርፊ፧ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ወይ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ከም ዘሎ ገይርካ ዲኻ እትወስዶ፧ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰኣላይ ናይ ቀውዒ ስእሊ ክስእል ከሎ እተፈላለየ ሕብርታት እናሃለዎ ንዅሉ ገዲፉ ኣብ ጸሊምን ጻዕዳን ጥራይ ዘተኵር ኢዩ። ወይ ከኣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ክዛወር ዝኸደ እሞ ብዙሕ ጽቡቕ ዝርአ ነገራት ከለዎ ናብቲ ሓድሓደ ብዛዕባ ካልኦት ዘይሓስቡ በጻሕቲ ዝጐሓፍዎ ነገራት ብምርኣይ ሓጐሱ ዘጥፍእ ሰብ: ኣብ ኣሉታዊ መዳያት ናይ ሰባት ባህሪ ጥራይ ዲኻ እተተኵር፧—ምስ መክብብ 7:16 ኣረኣእዮ።
የሆዋ ንሓጢኣት ደቅሰብ ብኸመይ ከም ዝርእዮ ብምምርማር ብዙሕ ትምህርቲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። የሆዋ ብዙሕ ድኽመታትን ጕድለታትን ወድሰብ ዝፈልጥ እኳ እንተዀነ ናብኡ ጥራይ ከተኵር ግን ኣይደለየን። እቲ መማሰዊ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ . . . መን ደው ኪብል እዩ፧” ብምባል ገለጾ። (መዝሙር 130:3) የሆዋ ንኣበሳ እቶም እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ሰባት ከርሕቕ ፍቓደኛ ኢዩ። እወ: ኣብቲ ምስኡ እንገብሮ ርክብ ዕንቅፋት ምእንቲ ከይከውን ንኣበሳና ፈጺሙ ኢዩ ዝድምስሶ። (መዝሙር 51:1፣ 103:12) ሓደ እዋን ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ: የሆዋ ግን “ኣብ ቅድመይ . . . ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር: ብምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ነገስት 14:8) ኣምላኽ ብዛዕባ ዳዊት ከምዚ ክብል ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያት ናይቲ ነስሓ ዘርኣየ ዳዊት ስለ ዘተኰረ ኢዩ። ንዅሉ እቲ ምኽንያታት ድሕሪ ምምርማር ንባርያኡ ምሕረት ክገብረሉ መረጸ።
የሱስ ክርስቶስ ብጕድለታት ካልኦት ሰባት ዝመጸ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰፊሕ ኣረኣእያ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:19) እቶም ሃዋርያቱ ጕድለታት ከርእዩ ከለዉ: ኵነታቶም ይርዳእን ምሕረት ይገብረሎምን ነይሩ ኢዩ። ‘መንፈስ ተዳልዩ ከሎ: ስጋ ግን ድኹም’ ምዃኑ ተገንዚብዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:41) የሱስ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ደቀ መዛሙርቱ ድኽመታትን ጕድለታትን እኳ እንተ ኣርኣዩ ብትዕግስትን ምርዳእን ኢዩ ዝሕዞም ዝነበረ። ኣብ ጕድለታቶም ዘይኰነስ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ኢዩ ኣተኲሩ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቶም ሃዋርያቱ ካባታቶም መኖም ከም ዝዓቢ ይከራኸሩ ስለ ዝነበሩ ገሰጾም እሞ: ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” (ሉቃስ 22:24-30) እወ: እቶም ሃዋርያቱ ብዙሕ ጕድለታት እኳ እንተ ነበሮም: የሱስ ግን ነቲ ተኣማንነቶምን ንዕኡ ዝነበሮም ፍቕርን ዘኪሩ ኢዩ። (ምሳሌ 17:17) የሱስ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን እንታይ ከም ዝገብሩን ርግጸኛ ስለ ዝነበረ ኸኣ እታ መንግስቲ ከም ዝህቦም ኪዳን ኣተወሎም። እወ: ‘የሱስ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቂርዎም ኢዩ።’—ዮሃንስ 13:1
ስለዚ ብናይ ሓደ ሰብ ፍሉይ ባህርይን ጌጋታትን ትሓርቕ እንተድኣ ዄንካ ከም የሆዋን የሱስን ንምዃን ጽዓር። ንኣተሓሳስባኻ ኣስፍሓዮ: ንዅሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከተእቱ ኸኣ ጽዓር። ንዘጋጥሙኻ ነገራት ቅኑዕ ኣረኣእያ ክህልወካ ብምጽዓር ንኣሕዋትካ ከተፍቅሮምን ከተማስዎምን ቀሊል ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
ስጋዊ ነገራት ኣብ ምሃብ
ሓደ ካብቲ ንክርስትያናት ሓጐስ ዘምጽኣሎም ነገር ናይ ምሃብ መሰል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምክፋል ዝኣመሰለ ኣብ ሓደ ዓይነት ንጥፈት ጥራይ ዲና ክንካፈል ዘሎና፧ (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ወይስ ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ብስጋዊ ዘድልዮም ነገራትን ጥዕንኦምን ብምሕሳብ ኣረኣእያኻ ተስፍሕ ኢኻ፧ ርግጽ ኢዩ: ኵሎም ክርስትያናት ብመንፈስ ምሃብ ልዕሊ ዅሉ ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 6:26, 27፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ብመንፈስ ምሃብ ኣድላዪ ዝዀነ: ብስጋዊ ምሃብ እውን ክርሳዕ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን።—ያእቆብ 2:15, 16
ነቲ ኣብ ጉባኤናን ኣብ መላእ ዓለምን ዘለዉ ኣሕዋትና ብህጹጽ ዘድልዮም ነገር እንታይ ምዃኑ እንተ ሓሲብናሉ: ንዕኦም ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ብዝያዳ ክርድኣና ኢዩ። እቶም ከምዚ ክገብሩ ዝኽእሉ ገንዘቦም ንኻልኦት ብልግሲ ምስ ዝህቡ: ነቲ ጐደሎ ናይ ካልኦት ይምልኡ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ኣሕዋትና ዘድልዮም ኵሉ ይረኽቡ። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ነዚ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ኣብ ሓደ ክፍሊ ዓለም ሓገዝ እንተ ኣድልዩ: ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ክሕግዝዎም ይኸዱ ኢዮም። እቲኣቶም ክሕግዝዎም እንተ ዘይክኢሎም: ኣብ ካልእ ቦታ ዝርከቡ ኣሕዋት ይሕግዝዎም። በዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋትና ዘድልዮም ኵሉ ይረኽቡ። እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ።”—2 ቈረንቶስ 8:13-15፣ 1 ጴጥሮስ 2:17
ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ እተገብረ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባታት ንምክፋል ልባዊ ባህጊ ነበራ። ይኹን እምበር: ኵነታታ ኣየፍቀደላን። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ሕጽረት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎም ምስ ሰምዐት ግን ብሓደ ኣብኡ ክካፈል ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኣቢላ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዐደጊ ዝኸውን ገንዘብ ወፈየት። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ኣሕዋታ ዘድልዮም ብምሕጋዛ ካብ ምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ኣስተማቐረት።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
ንኣተሓሳስባኻ ብምስፋሕ: ነቲ ብቐጻሊ ዝዓቢ ዘሎ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ ዝያዳ ወፈያ ክትገብር ትኽእል ትኸውን። እዚ ኸኣ ንዓኻን ንኻልኦትን ሓጐስ የምጽእ ኢዩ።—ዘዳግም 15:7፣ ምሳሌ 11:24፣ ፊልጲ 4:14-19
ምኽሪ ክትህብ ከሎኻ
ምኽሪ ወይ መኣረምታ ክንህብ ምስ ዝድለ ሓልዮትን ሚዛናዊ ኣተሓሳስባን ምስ ዝህልወና ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ኣኽብሮት ክንረክብ ከምኡውን ፍረ ዘለዎ ሓገዝ ክንውፍየሎም ይሕግዘና ኢዩ። ሒደት ረቛሒታት ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ሚዛናዊ ዘይኰነ መደምደምታ ምግባር ቀሊል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ልክዕ ከምቶም ንኻልኦት ብዙሕ ስርዓታት ከሰክሙ ዝደልዩ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት: ጸቢብ ወይ እውን ድፉን ኣተሓሳስባ ዘሎና ሰባት ኢና ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 23:2-4) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣዚና ተረርቲ ወይ ልምሉማት ከይኰንና ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብምምርኳስ: ንጽድቂ የሆዋ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገድን ብሓልዮትን እንተ ኣንጸባሪቕናዮ ካልኦት ነቲ እንህቦም ሓሳባት ተቐቢሎም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ቀሊል ይዀነሎም።
ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ እተፈላለየ ጉባኤታት እተኣኻኸቡ መንእሰያት ኣሕዋት ብሓባር ኰይኖም ክጻወቱ ጀመሩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ መንጎኦም ናይ ውድድር መንፈስ ስለ ዝማዕበለ ተረርቲ ቃላት ከውስኡ ጀመሩ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሽማግለታት ነቲ ሽግር ብኸመይ ፈትሕዎ፧ መንእሰያት ምዝንጋዕ ከም ዘድልዮም ስለ ዘስተውዓሉ ነቲ ጸወታ ኣቋርጽዎ ኣይበልዎምን። (ኤፌሶን 5:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:8) ናይ ውድድር መንፈስ ናበይ ከምርሕ ከም ዝኽእል ዝሕብር ተሪር ግን ከኣ ምኽንያታዊ መጠንቀቕታ ሃብዎም። ሓላፍነት ዝስምዖም ዓበይቲ ሰባት ምስኦም ሓቢሮም ክጻወቱ ኸኣ ሓጋዚ ሓሳባት ኣቕረቡሎም። እቶም መንእሰያት ጥበባውን ሚዛናውን ዝዀነ ምኽሪ ብምርካቦም ሞሳኦም ገለጹ: ብጽቡቕ ከኣ ተቐበልዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብቶም ሽማግለታት ዝነበሮም ኣኽብሮትን ፍቕርን ዓበየ።
ኣተሓሳስባኻ ንምስፋሕ ጽዓር
ደይመደይ ወይ ኰነ ኢልካ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ እኳ እንተ ዘይብልካ: ኣተሓሳስባኻ ንምስፋሕ ግን ብቘራጽነት ጻዕሪ ክትገብር ከድልየካ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕ ከሎኻ: ንኣተሓሳስባ የሆዋ ምእንቲ ክትርድኦን ከተማስወሉን ኣስተንትን። (መዝሙር 139:17) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ሓሳባትን ሒዝዎ ዘሎ ስርዓታትን ስለምንታይ ከም እተጻሕፈ ክትርድኦ: ንዘጋጥም ጕዳያት ከኣ ከምቲ ናይ የሆዋ ገይርካ ክትርእዮ ጽዓር። እዚ ምስቲ ዳዊት ከምዚ ብምባል ዘቕረቦ ጸሎት ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። . . . ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን።”—መዝሙር 25:4, 5
ዝሰፈሐ ኣረኣእያ ምስ ኣጥረኻ ክትባረኽ ኢኻ። ሓደ ካብቲ ሰፊሕ ኣረኣእያ ምስ ኣጥረኻ እትረኽቦ በረኸት: ሚዛናውን ናይ ካልኦት ሓሳብ እትርዳእን ብምዃንካ እተትርፎ ጽቡቕ ስም ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ንኻልኦት ክትሕግዝ ከሎኻ ዝያዳ ምኽንያታውን ናይ ካልኦት ሓሳብ እትርዳእን ክትከውን ኢኻ። እዚ ኸኣ ብግዲኡ ኣብቲ ዘደንቕ ሓድነትን ስኒትን ክርስትያናዊ ሕውነት ኣበርክቶ ክህልዎ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእልታት]
ብልግሲ ምሃብ ንኻልኦት ይሕግዞም: ነቲ ዝህብ ዘሎ ሰብ ሓጐስ የምጽኣሉ: ንሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ባህ የብሎ