ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/4 ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • እዚኣ መዓልቲ ምድሓን ኢያ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/4 ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋናት ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እስከ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትምልሶም ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

◻ እቲ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” ዝብል ናይ ጳውሎስ መግለጺ ንቅቡኣት ክርስትያናት ብልክዕ ዝሰማማዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (2 ቈረንቶስ 5:⁠20)

ኣብ ግዜ ጥንቲ ልኡኻት: ውግእ ደው ክብል ዝኽእል እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ብፍላይ ኣብ እዋን ግጭት ኢዮም ብህጹጽ ዝለኣኹ ነይሮም። (ሉቃስ 14:⁠31, 32) እዛ ብሓጢኣት ዝመልአት ናይ ደቅሰብ ዓለም ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ስለ ዘላ: ብዛዕባ እቲ ንዕርቂ ዝገበሮ ስምምዕ ንሰባት ምእንቲ ከፍልጥዎም ነቶም ቅቡኣት ልኡኻቱ ለኣኾም።​—⁠15/12 ገጽ 17, 18

◻ እምነት ኣብርሃም ንኽትጸንዕ ዝሓገዘ ኣርባዕተ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

ቀዳማይ: ኣብቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ብምቕላቡ የሆዋ ከም ዘሎ ምእማኑ ኣርኣየ (እብራውያን 11:⁠8)፣ ካልኣይ: እምነቱ ምስ ተስፍኡ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ (ሮሜ 4:⁠18)፣ ሳልሳይ: ኣብርሃም ብዙሕ ግዜ ምስ የሆዋ ይዛረብ ነይሩ ኢዩ፣ ራብዓይ ነገር ከኣ: እቲ ናይ ኣምላኽ መምርሒ ክስዕብ ከሎ የሆዋ ደገፍ ሂብዎ ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ንእምነትና ከደልድላ ይኽእል ኢዩ።​—⁠1/1 ገጽ 17, 18

◻ እቲ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ዝብል ኣገላልጻ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ( ማቴዎስ 6:⁠13)

ንኣምላኽ ንኸይንእዘዞ ምስ እንፍተን ክንወድቕ ከየፍቅድ ኢና ንኣምላኽ ንሓቶ ዘሎና። እቲ “ክፉእ” ዝዀነ ሰይጣን ከየሐልለናን ከይብለጸልናን የሆዋ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13)—⁠15/1 ገጽ 14

◻ ሓደ ሰብ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ምሕረት ኣምላኽ ንኽረክብ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧

እቲ ንኽንናሳሕ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት ጸጸት ከምኡውን “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ” ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 3:⁠8) ናይ ነስሓ መንፈስን ነቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ንምእራም ዘለዎ ባህግን ነቲ ሰብ መንፈሳዊ ሓገዝ ናይ ክርስትያን ሽማግለታት ንኽንደሊ ክደፋፍኦ ኢዩ። (ያእቆብ 5:⁠13-15)—⁠15/1 ገጽ 19

◻ ትሑታት ንምዃን ክንጽዕር ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

ትሑት ሰብ ዕጉስን ነዊሕ ተጻዋርነት ዘለዎን ኢዩ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ድማ ኣዕዚዙ ኣይሓስብን ኢዩ። ትሕትና ፈቃራት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ የፍርየልካ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: በረኸት የሆዋ የምጽእ። (ምሳሌ 22:⁠4)—⁠1/2 ገጽ 7

◻ ኣብ መንጎ ሞት የሱስን ሞት ኣዳምን እንታይ ኣገዳሲ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧

ኣዳም ንፈጣሪኡ ደይመደይ ኢሉ ብዘይምእዛዙ: ሞት ዝግብኦ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) የሱስ ግን “ሓጢኣት ዘይገበረ” ብምዃኑ: ፈጺሙ ሞት ዝግብኦ ኣይነበረን። (1 ጴጥሮስ 2:⁠22) ስለዚ ኸኣ የሱስ ምስ ሞተ: እቲ ሓጥእ ኣዳም ኣብ ግዜ ሞቱ ዘይነበሮ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ነገር ማለት ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ናይ ምርካብ መሰል ኣጥረየ። በዚ ኸምዚ እምበኣር ሞት የሱስ ንደቅሰብ ኣብ ምብጃው መስዋእታዊ ዋጋ ነይርዎ ኢዩ።​—⁠15/2 ገጽ 15, 16

◻ እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ትንቢታዊ ራእይ ዘላ ኸተማ ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

ኣብ ማእከል እቲ ዘይተቐደሰ ቦታ ስለ እትርከብ ምድራዊት ክትከውን ኣለዋ። እቲ ንዅሎም እቶም ጻድቕ ምድራዊ ሕብረተሰብ ዘቝሙ ሰባት ዝጠቅም ምድራዊ ምምሕዳር ኢያ እተመልክት።​—⁠1/3 ገጽ 18

◻ የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ከብዕል ከሎ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ዝሓጸበ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ናይ እግሪ ምሕጻብ ልምዲ ኣይኰነን ዘተኣታቱ ዝነበረ። ኣብ ክንድኡስ ሃዋርያቱ ሓድሽ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ኢዩ ዝሕግዞም ዝነበረ። እዚ ኸኣ ምእንቲ ኣሕዋቶም ኢሎም ነቲ ሕሱር ዝበሃል ዕዮ ንኽዓዩ ትሑታትን ፍቓደኛታትን ክዀኑ ኢዩ።​—⁠1/3 ገጽ 30

◻ ንኻልኦት ክንምህር ከሎና ካብ ባህርያዊ ክእለት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ተማሃሮ ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ዘጥረናዮ ባህርያትን ዘሎና መንፈሳዊ ልምድታትን ኢዩ። (ሉቃስ 6:⁠40፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠11)—⁠15/3 ገጽ 11, 12

◻ እቶም ህዝባዊ ዝርርብ ዝህቡ ኣሕዋት ብኸመይ ኢዮም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ንባቦም ከመሓይሽዎ ዝኽእሉ፧

ብምልምማድ። እወ: ጽቡቕ ገይሮም ምንባብ ክሳዕ ዝኽእሉ ዓው ኢሎም ደጋጊሞም ብምንባብ ክመሓየሹ ይኽእሉ ኢዮም። ብቛንቋኻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ ዘለዎ ኣውዲዮ ካሴታት እንተደኣ ኣልዩ: ነቲ ኣንባቢ ዝገብሮ ምጕላሕን ናይ ድምጺ ምልውዋጥን ምስማዕ ከምኡውን ኣስማትን ዘይልሙድ ቃላትን ብኸመይ ከም ዝድመጽ ምስትብሃል ጥበብ ኢዩ።​—⁠15/3 ገጽ 20

◻ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ‘መንፈስ ናብ ኣምላኽ ዝምለስ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (መክብብ 12:⁠7)

መንፈስ ሓይሊ ህይወት ስለ ዝዀነ: እቲ ሰብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን መጻኢ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ምዃኑ ንምርኣይ መንፈስ ‘ናብ ኣምላኽ ይምለስ’ ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ነቲ መንፈስ: ወይ ሓይሊ ህይወት እንደገና ክመልሶ: ነቲ ሰብ ድማ ናብ ህይወት ከም ዝመጽእ ክገብሮ ዝኽእል። (መዝሙር 104:⁠30)—⁠1/4 ገጽ 17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ