ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/4 ገጽ 31
  • “ማዕበል ከሎ ብባሕሪ ምጕዓዝ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ማዕበል ከሎ ብባሕሪ ምጕዓዝ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/4 ገጽ 31

“ማዕበል ከሎ ብባሕሪ ምጕዓዝ”

ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ፈተነ ኣብ ዘይሰዓቱ ዝግበር: ዕሽነት ዝመልኦ: ከምኡውን ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል ገይርካዶ ኣይምረኣኻዮን፧ ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት የእትውዋ ኢዮም። ብኸመይ፧ እቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ቶማስ ፉለር ዝበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ ከምዚ በለ:- “ሓሪቕካ ከሎኻ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይትግበር። እዚ ምስቲ ማዕበል ከሎ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዝመሳሰል ኢዩ።”

ካብ መጠን ንላዕሊ ሓሪቕካ ከሎኻ ስጕምቲ ምውሳድ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ብሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመ ተራእዩ ኣሎ። ስምኦንን ሌውን: ደቂ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ያእቆብ: ዲና ሓብቶም ምስ ተዓመጸት ብሓርቖት ሕነ ብምፍዳይ ስጕምቲ ወሰዱ። ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ጃምላዊ ቅትለትን ዘመተን ኰነ። ስለዚ ያእቆብ “ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ . . . ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ” ብምባል ነቲ እኩይ ተግባሮም እንተ ዀነኖ ዘገርም ኣይኰነን።​—⁠ዘፍጥረት 34:⁠25-30

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥበባዊ መገዲ “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ” ብምባል ኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነገር ክንገብር ኢዩ ዝምሕጸነና። (መዝሙር 37:⁠8) ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ከቢድ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ከድሕን ይኽእል ኢዩ።​—⁠መክብብ 10:⁠4፣ ምሳሌ 22:⁠24, 25 እውን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ