ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ገለ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሃይማኖታዊ ዝስራሕ ህንጻታት ወይ ትካላት ስራሕ ይረኽቡ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ስራሕ እዚ ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆ ነቶም ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ዘሎ ንስድራቤትካ ስጋዊ ነገራት ምድላው ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ምኽሪ ብቕንዕና ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝደልዩ ክርስትያናት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝግብኦም እኳ እንተዀነ: እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ዝረኸብዎ ዓለማዊ ስራሕ ንኽቕበሉ ምኽንያት ኣይኰኖምን ኢዩ። ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ ንዝገልጽ ካልእ ሓበሬታታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ሓደ ሰብኣይ ስድራቤቱ ንኽሕግዝ ዘለዎ ባህጊ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ወይ ቅትለት ዝብሎ ነገር ንኽጥሕሶ ምኽንያት ኣይኰኖን ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 39:4-9፣ ኢሳይያስ 2:4፣ ዮሃንስ 17:14, 16) ክርስትያናት ምስቲ ካብ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ክወጹ እተዋህበ ትእዛዝ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ክወስዱ እውን ኣድላዪ ኢዩ።—ራእይ 18:4, 5
ኣብ ብዘላ ዓለም: ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተፈላለየ ኵነታት ስራሕ የጋጥሞም ኢዩ። ንዅሉ እቲ ተኽእሎታት ክንዝርዝርን ንጹር መምርሒታት ክንህብን ምፍታን ፍረ የብሉን: ከምኡ ንኽንገብር እውን ስልጣን የብልናን። (2 ቈረንቶስ 1:24) ይኹን እምበር: ክርስትያናት ንስራሕ ዝምልከት ብሕታዊ ውሳነ ክገብሩ ኸለዉ ክሓስብሉ ዘለዎም ገለ ረቛሒታት እስከ ንጥቀስ። እዚ ረቛሒታት እዚ ኣብታ ናይ 15 ሓምለ 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): “ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ሕልና ምጥቃም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ዓንቀጽ ብሓጺሩ ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ። እታ ኣብኡ ዘላ ሳጹን ክልተ ቐንዲ ሕቶታት ተልዕል እሞ: ብድሕሪኡ ካልእ ሓገዝቲ ረቛሒታት ትዝርዝር።
እታ ቐዳመይቲ ቐንዲ ሕቶ ከምዚ ትብል:- መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለማዊ ዕዮ ይዅንኖ ድዩ፧ እታ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕብኡ ሓሳብ ክትህብ ከላ መጽሓፍ ቅዱስ ንስርቂ: ንጌጋ ኣጠቓቕማ ደም: ከምኡውን ኣምልኾ ጣኦት ከም ዝዅንኖ ገለጸት። ሓደ ክርስትያን: ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ ብቐጥታ ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ንጥፈታት ዘደንፍዕ ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሕ የብሉን።
እታ ኻልኣይቲ ሕቶ ከምዚ ትብል:- ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ምስርሑ ኣብ እተዀነነ ተግባር ከም ዝተሓባበርዶ ይገብሮ ኢዩ፧ ኣብ ሓደ ሕቡእ መጣልዒ ስፍራ: ጥንሲ ዝንጸለሉ ክሊኒክ: ወይ ምንዝር ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ተቘጺሩ ዝሰርሕ ሰብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብ ዘይኰነ ተግባር ይተሓባበር ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ። መዓልታዊ ዕይኡ ናይ ጽርየት ስራሕ ወይ ተሌፎን ምልዓል ጥራይ እውን እንተዀነ: ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዅንኖ ተግባር ኢዩ ግዲኡ ዘበርክት ዘሎ።
ንስራሕ ዝምልከት ውሳነ ክገብሩ ዝነበሮም ብዙሓት ክርስትያናት: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት ምምርማሮም ጥራይ ብሕታዊ ውሳነ ንምግባር ዝሕግዞም ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።
ንኣብነት: ሓደ ሰብ ካብዚ ክልተ ሕቶታት እዚ ተበጊሱ ሓደ ሓቀኛ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ማሕበር ብቐጥታ ተቘጺሩ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘይሰርሓሉ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ ክርዳእ ይኽእል ኢዩ። ራእይ 18:4 ‘ኣቱም ህዝበይ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብኣ ውጹ’ ዝብል ትእዛዝ ትህብ። ሓደ ሰብ ኣብ ሓንቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እትምህር ሃይማኖት ተቘጺሩ ዝሰርሕ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ግብርታትን ሓጢኣትን ዓባይ ባቢሎን ተኻፋሊ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ሰራሕተኛ ስርሑ ኣትክልተኛ: ዋርድያ: ዓራያይ: ወይ ተሓዝ መዝገብ ይኹን ብዘየገድስ: ስርሑ ነቲ ምስ ሓቀኛ ሃይማኖት ዝጋጮ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ኢዩ ዘገልግል። ብተወሳኺውን: እቶም ነዚ ሰራሕተኛ እዚ ቤተ-ክርስትያን ከጸባብቕ: ከዐሪ: ወይ ንረብሓታት እታ ሃይማኖት ክሰርሕ ከሎ ዝርእይዎ ሰባት ምስዛ ሃይማኖት እዚኣ ብቐሊሉ ከተሓሕዝዎ ይኽእሉ ኢዮም።
ሓደ ሰብ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበር ንግዚኡ ዝሰርሕ ምስ ዝኸውንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ምናልባት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-ክርስትያን ዝርከብ እተሰብረ ሻምብቆ ማይ ንኸዐሪ ብህጹጽ ተጸዊዑ ጥራይ ክኸውን ይኽእል። እዚ ካብቲ ከም ናሕሲ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ምህናጽ ወይ ምሽፋን ዝኣመሰለ ኵንትራት ምእታው እተፈልየዶ ኸይኰነ፧
እንደገና: ኣዝዩ እተፈላለየ ኵነታት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ስለዚ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ እተገልጸ ሓሙሽተ ተወሳኺ ረቛሒታት እስከ ንመርምር:-
1. እቲ ስራሕ ንባዕሉ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይጻረር ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝህብ ጥራይ ድዩ፧ ንኣብነት ሓደ ጶስጣ ዘበጻጽሕ ሰብ ርአ። እቲ ጶስጣ ዘበጻጽሓሉ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ወይ ጥንሲ ዝንጽል ክሊኒክ ዝርከቦ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ እተዀነነ ተግባር የስፋሕፍሕ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ኣምላኽ ንቤተ-ክርስትያን ወይ ከምዚ ንዝኣመሰለ ጥንሲ ዝንጽል ክሊኒክ ሓዊስካ ንዅሉ ህንጻታት ናይ ጸሓይ ብርሃን የብርሃሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17) ሓደ ጶስጣ ዘበጻጽሕ ክርስትያን ኣብ ጸጽባሕ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይፍጽም ምህላዉ ክድምድም ይኽእል ኢዩ። ሓደ ንህጹጽ ጕዳይ ዝጽዋዕ ክርስትያን እውን ከምኡ ኢሉ ክድምድም ይኽእል ኢዩ። እዚ ሓው እዚ ከም ዓራዪ ቡምባ መጠን ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን እተሰብረ ሻምብቆ ማይ ንኸዐሪ ወይ ድማ ከም ናይ ኣምቡላንስ ሰራሕተኛ መጠን ንሓደ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን እናገልገለ ኸሎ ዝወደቐ ሰብ ንምሕካም ብህጹጽ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ከም ሓደ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውፍየሉ ኣጋጣሚ ጥራይ ገይሩ ክሓስቦ ይኽእል ኢዩ።
2. እቲ ሰብ ኣብቲ ዝገብሮ ነገር ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ስልጣን ዘለዎ፧ ሓደ እንዳ ድኳን ዘለዎ ክርስትያን ጣኦት: ናይ ሓተታ መናፍስቲ ክታብ: ሽጋራ: ወይ ደም ዘለዎ መግቢ ኣምጺኡ ኣይሸይጥን ኢዩ። ከም ወናኒ እቲ ድኳን መጠን ስልጣን ኣለዎ። ሰባት ሽጋራ ወይ ጣኦት ብምሻጥ ትርፊ ክረክብ ክደፋፍእዎ ይኽእሉ ኢዮም: ይኹን እምበር ምስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታቱ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ መግቢ ዝሽየጦ ዓቢ እንዳ ድኳን ተሓዝ ገንዘብ: ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ: ወይ ተሓዝ መዝገብ ኰይኑ ተቘጺሩ ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ከም ሽጋራ ወይ ንሃይማኖታዊ በዓላት ዝኸውን ኣቝሑ ዝኣመሰለ ሒደት ዝቃወሞም ነገራት ዘለዉ እኳ እንተዀኑ: እንታይ ከም ዝመጽእን ከም ዝሽየጥን ኣብ ምውሳን ስልጣን የብሉን።a (ምስ ሉቃስ 7:8 ኣረኣእዮ፣ 17:7, 8) እዚ ኸኣ ምስዚ ቀጺሉ ዘሎ ነጥቢ ዝዛመድ ኢዩ።
3. እቲ ሰብ ኣብቲ ስራሕ ዘሕልፎ ግዜ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ናብቲ ብዛዕባ እንዳ ድኳን ዝሃብናዮ ኣብነት ንመለስ። እቲ ተሓዝ ገንዘብ ክኸውን ወይ ነቲ ከብሒ ኣቝሑ ክመልእ እተቘጽረ ሰራሕተኛ ሽጋራ ወይ ሃይማኖታዊ ኣቝሑ ዝሕዝ ስሕት ኢሉ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፣ እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ስርሑ ንእሽቶ ክፍሊ ጥራይ ኢዩ። እዝስ ምስቲ ኣብታ እንዳ ድኳን እቲኣ ኣብታ ትምባኾ ጥራይ ዝሽየጠላ ባንኮ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ክንደይ እተፈልየ ዀን ኢዩ! ወግሐ ጸብሐ ኵሉ ስርሑ ምስ ክርስትያናዊ እምነታት ዝጻረር ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) እዚ ንስራሕ ዝምልከት ሕቶታት ክትውስን ከሎኻ መጠን ናይቲ ኣብ ስራሕ እተሕልፎ ግዜ ወይ ምስቲ ስራሕ ዘሎካ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ምሕሳብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።
4. ምንጪ ደሞዝካ ካበይ ኢዩ ወይ እቲ እትሰርሓሉ ስራሕ ዝርከበሉ ቦታ ኣበይ ኢዩ፧ ክልተ እተፈላለየ ኵነታት ርአ። ሓደ ጥንሲ ዝንጽል ክሊኒክ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ንምምሕያሽ ንሓደ ሰብ ብምኽፋል ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጐደና ከጽርዮ ይውስን። እቲ ነቲ ጐደና ዘጽሪ ሰብ ዝኽፈሎ ገንዘብ ካብ ኣታዊ እቲ ጥንሲ ዝንጽል ክሊኒክ እተረኽበ ኢዩ: ኣብቲ ክሊኒክ እቲ ግን ኣይኰነን ዝሰርሕ: ምሉእ መዓልቲ ኣብኡ ክሰርሕ ዝርእዮ ሰብ ድማ የለን። እኳ ድኣስ: እቲ ዝኸፍሎ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ሰባት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይጋጮ ንህዝቢ ዝጠቅም ዕዮ ክሰርሕ ኢዮም ዝዕዘብዎ። ሕጂ ግን ኣንጻሩ ርአ። ምንዝር ሕጋዊ ኣብ ዝዀነሉ ሓንቲ ሃገር: እቲ ህዝባዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝህብ ትካል: ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ኣብ ሓደ ምንዝር ዝፍጸመሉ ቦታ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ንኸይላባዕ መርመራ ናይ ምግባር ስራሕ ክትሰርሕ ይቘጽር ኢዩ። ደሞዛ ዝኸፍላ እቲ ህዝባዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝህብ ትካል እኳ እንተዀነ: ስርሓ ግን ምሉእ ብምሉእ ምንዝር ኣብ ዝፍጸመሉ ኣባይቲ ኢዩ: ንዘይስነ-ምግባራውነት ድማ ጕድኣት ዘይብሉን ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎን ኢያ እትገብር። እዚ ኣብነታት እዚ: ሓደ ሰብ ዝኽፈለሉ ምንጭን ዝሰርሓሉ ቦታን ክሕሰበሉ ዘለዎ መዳያት ዝኸውን ስለምንታይ ምዃኑ ዘብርህ ኢዩ።
5. ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ምስራሕ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፣ ንሕልና ናይቲ ሰብ እቲ ዝጐድእ ወይ ንኻልኦት ዘዐንቅፍ ድዩ፧ ሕልናናን ሕልና ካልኦትን ክሕሰበሉ ኣለዎ። ሓደ ስራሕ (ቦትኡን ምንጪ ደሞዙን ሓዊስካ) ንብዙሓት ክርስትያናት ቅቡል መሲሉ ዝርአ እውን እንተዀነ: ሓደ ሰብ ንሕልንኡ ሕርኽርኽ ዝብሎ ኰይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና: ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና” ኢሉ ገለጸ። (እብራውያን 13:18) ሕርኽርኽ እናበለና ክንሰርሕ የብልናን፣ ገና ግን ነቶም ሕልናኦም ዝፈቕደሎም ካልኦት እውን ክንነቕፎም የብልናን። ብኣንጻሩ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ ስራሕ ምስርሑ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ዀይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ: ንብዙሓት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባትን ግን ኣዝዩ ዝርብሽ ምዃኑ ክግንዘብ ይኽእል። ጳውሎስ ነቲ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኣብቲ ቓላቱ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ:- “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና።”—2 ቈረንቶስ 6:3, 4
እስከ ሕጂ ናብቲ ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ህንጻ ከም ሓድሽ መስኮት ምግጣም: መናጽፍ ምጽራይ: ወይ እተበላሸወ እቶን ምዕራይ ዝኣመሰለ ዕዮ ምስራሕ እተላዕለ ቐንዲ ሕቶ ንመለስ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ረቛሒታት ብኸመይ ኢዩ ኣብዚ ዝውዕል፧
እቲ ስልጣን ናይ ምህላው መዳይ ኣይትረስዓዮ። እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ክሰርሕ ክውስን ዝኽእል ወናኒ ወይ ኣካያዲ ስራሕ ክርስትያን ድዩ፧ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ዘለዎ ክርስትያን ምስ ገለ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘደንፍዕ ሃይማኖት ብምስራሕ ወይ ብምኵንታር ምስ ዓባይ ባቢሎን ክሓብር ይደሊዶ ኢዩ፧ እዚ ምስቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድኳን ሽጋራ ወይ ጣኦት ክትሸይጥ ምውሳን ዝመሳሰልዶ ኸይኰነ፧—2 ቈረንቶስ 6:14-16
ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዝቕበል ንምውሳን ስልጣን ዘይብሉ ሰራሕተኛ እንተድኣ ዀይኑ: ከም ቦታን መጠን ናይቲ ኣብቲ ስራሕ ዘሕልፎ ግዜን ዝኣመሰለ ካልእ ረቛሒታት ክሕሰበሉ ኣለዎ። እቲ ሰራሕተኛ ስሕት ኢሉ ሓደስቲ ሰድያታት ከብጽሕ ወይ ኣብኡ ከቐምጥ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝባራዕ ሓዊ ቅድሚ ምስፍሕፍሑ ከም ምጥፋእ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ክውፊ ጥራይ ድዩ ዝሕተት፧ ብዙሓት ሰባት እዚ ካብቲ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንምልቕላቕ ብዙሕ እዋናት ዘሕልፍ ወይ ንምምልካዕ ኣዘውቲሩ ኣትክልቲ ዝዅስኵስ ሰራሕተኛ እተፈልየ ምዃኑ ክርድኡ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታዊ ወይ ሰፊሕ ርክብ: ንብዙሓት ሰባት ነዚ ክርስትያን እዚ ምስቲ ዘይድግፎ ምዃኑ ዝዛረበሉ ሃይማኖት ብዝያዳ ከም ዘተሓሕዝዎ ክገብሮም: መወዳእትኡ ድማ ክዕንቅፎም ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 13:41፣ 18:6, 7
ንስራሕ ብዝምልከት ሓያሎ ኣብ ግምት ዝኣትዉ ኣገደስቲ ነገራት ኣልዒልና ተመያይጥና ኢና። እዚ ድማ ኣብቲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝምልከት ውሱን ሕቶ ንምምላስ እተዋህበ ሓሳባት ቀሪቡ ነበረ። እንተዀነ ግን: እዚ ምስ ካልእ ዓይነት ስራሕ ኣብ ዝተሓሓዝ እውን ብማዕረ ኣብ ግምት ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ: ነቲ ውሱን—ምናልባት እውን ፍሉይ ክኸውን ዝኽእል—መዳያት ናይቲ ሽዑ ዝህሉ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ጸሎት ዝመልኦ መርመራ ክግበር ኣለዎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ቐሪቡ ዘሎ ረቛሒታት ሓያሎ ቅኑዓት ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትኽ ኢሎም ብቕንዕና ክመላለሱ ባህጊ ከም ዘለዎም ዘንጸባርቕ ጥንቃቐ ዝመልኦ ውሳነታት ንኽገብሩ ድሮ ሓጊዝዎም ኢዩ።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ኢሳይያስ 2:3፣ እብራውያን 12:12-14
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ሆስፒታላት ዝሰርሑ ገለ ክርስትያናት ነዚ ንስልጣን ዝምልከት ረቛሒ ክሓስብሉ ኣድልይዎም ኢዩ። ሓደ ሓኪም ንሓደ ሕሙም መድሃኒት ክወሃቦ ወይ ሕክምና ክግበረሉ ክእዝዝ ስልጣን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሕሙም ዘይቃወም እኳ እንተዀነ: ሓደ ስልጣን ዘለዎ ክርስትያን ዶክተር መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትሕልላፍ ደም ወይ ምንጻል ጥንሲ ዝብሎ ነገር እንታይ ምዃኑ እናፈለጠ ከመይ ገይሩ ከምዚ ክግበር ክእዝዝ ዝኽእል፧ ብኣንጻሩ: ሓንቲ ኣብ ሆስፒታል እትሰርሕ ኣላዪት ሕሙማት ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ከይህልዋ ይኽእል ኢዩ። ነቲ መዓልታዊ ስርሓ እናፈጸመት ከላ: ሓደ ዶክተር ንገለ ዕላማ ኢሉ ነቲ ሕሙም ናይ ደም መርመራ ክትገብረሉ ወይ ንሓንቲ ጥንሲ ክትሰድድ ዝመጸት ሕምምቲ ክትኣልያ ክእዝዛ ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ኣብ 2 ነገስት 5:17-19 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብነት ብምስምማዕ: ምትሕልላፍ ደም ክግበር ወይ ጥንሲ ክስደድ ዝኣዘዘት ንሳ ስለ ዘይኰነት: ነቲ ሕሙም ሰብኣዊ ኣገልግሎት ክትህቦ እትኽእል ምዃና ክትድምድም ትኽእል ኢያ። ልክዕ ኢዩ: ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሰናይ ሕልና ምእንቲ ኽትመላለስ’ ገና ሕልናኣ ክትምርምር ኣለዋ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:1